ር.ሊ.ጳ.፥ ኮሎምቢያ ንቨነዝወላ ስደተይናታት ስለ እተቕርቦ ሓገዝ የመስግኑ

ኮሎምቢያ ዝተፈላለዩ ዓመጽ ዝረኣየላ ሃገር እውን እንተኾነት ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘጋጥማ ዘሎ ውሕዘት ስደተይናታት ንምምሕዳር እተወስዶ ዘላ ስጉምቲ እወታዊ ምልክት እዩ

ዕለት 14 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር  ኣዕሪጎም ምስ ኣብቕዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኮሎምቢያ ነቶም ካብታ እተዳቡዋ ሃገር ክስደዱ ንዝተገዱ ዜጋታት ኣብ ምድጋፍን ምእንጋድን ምክንኻንን ንእተካይዶ ዘላ ሰብኣዊ ጻዕሪ ጠቒሶም ምስጋና ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንሰበ ስልጣን ኮሎምቢያ ነቶም ካብ ክፍለ ዓለም ላቲን ኣመሪካ ናብ ሃገሮም ንዝኣትዉ ስደተይናታት ብዘቕርብዎ እንገዳን ሓገዝን ኣፍልጦን ሞሳን እንክህቡ፥

ሎሚ ብፍላይ ምስ ጳጳሳት ኮሎምቢያ ሓቢረ ነቶም ኣብ ኮሎምቢያ ንዝርከቡ ስደተይንታት ዜጋታት ቨነዝዌላ ውሑስ ግዚያዊ ኣቀባብላ ንምቕራብ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ንዘርእይዎ ዘለዉ ናይ እንገዳን ሓለዋን ምውህህዳን ሓላፍ ዝብል ጻዕሪ ኣፍልጦ ብምሃብ አመስግን

ከምዝበሉ ዝሓበራ ሳባቲነሊ ኣስዒበን፥

እታ ነዚ ሰናይ ተበግሶ እተሳልጥ ዘላ ሃገር ኣብ ውሽጣ እውን ብዙሕ ጸገም ዘለዋን ብዙሕ ሽግራት ዘጓንፋ ዘላ ሃገር ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም፥

እቲ ሓገዝ ዘቕርብ ዘሎ ሃገር ሓደ ሃብታ ሃገር ዘቕርቦ ዘሎ ዘይኮነ ኣብ ጐደና ምዕባለ እትርከብን ብዙሕ ናይ ምዕባለን ድኽህነትን ናይ ሰላምን ሽግራት ዝረኣየላን ዳርጋ ንሰብዓ ዓመታት ዝኣክል ዕጡቓት ሓይሊ ውግእ ዘካይዱላን ሃገር እያ . . . ይዅን ደኣ እምበር ምስ እዚ ዅሉ ጸገማት ነቶም ስደተይናታት ንኽትጥምትን ነቲ ጉዳይ ናይ ስደተይንታት ሕጋዊ ኣገባብ ክህልዎ ንምግባር እተርእዮ ዘላ ትብዓት አደንቕ። ንኮሎምቢያ አመስግን፥

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ናይ ኮሎምቢያ ብጹዓን ጳጳሳት፥ ንስደተይናታት ብሕጋዊ ኣገባብ ኣፍልጦ ምሃብ

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎ፥ ናይ ኮሎምቢያ  ብጹዓን ጳጳሳት ኣብታ ሃገር ንዝኣትዉ ዘለዎ ስደተይናታት ዜጋታት ቨነዝዌላ መግንስቲ ሃገሮም ግዚያዊ ናይ ሓለዋ ድንጋጌ ዝብል ውሳኔ ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ ዘሎ ኣሰራርሓ ድጋፎም ከምዘቕረቡ ክዝከር እንከሎ፡ ሕዚ ሕጊ እዚ ኣስታት ሓደ ሚሊዮንን ሸውዓተ ሚእቲ ሺሕ ስደተይንታት ቨነዝወላ ኣብታ ዝኣተዉላ ሃገረ ኮሎምቢያ ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክህልዎምን ኣብታ ሃገር ምንባሮም ሕጋዊ ዝገብርን ኣብ ናይ ኮሎምቢያ ናይ ዕዮ ሕይወት ተወሃሂዶም ክዋስኡ ዘብቅዕ ምዃኑ ሳባቲነሊ ኣፍሊጠን።

ሰብኣዊ ክብረት ንምንቕቓሕ

ናይ ኮሎምቢያ ብጹዓን ጳጳሳታ፥ ንስደተይንታትን ተመዛበልትን ግዳያት ዝውውር ሰባትን ስደተይናታት ምዃኖምን እዚ ኣጋጥሚምዎም ዘሎ ጸገም ንኣሉታዊ ፍርድን ንማሕበራዊ ንጽገትን ንዝኣመሰሉ ጸገማት ከምዘቓልዖም ሓቢሮም፡ ስደተይናታት ይኹኑ ብዘየገድስ ሰብ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነትን ደረጃን ሕይወት ይሃሉ ሰብኣዊ ክብሩ ውሕስ ምግባር ከምዘድልን እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓገዝ መበቆልን ካበይን ብዘየገድስ ሰብኣዊ ክብረት ንኹሉ ኣብ ዝብል ተግባርን ኣረኣእያን ኣብቲ ናይ ሕዝቢ ኮሎምቢያ ተበግሶታት ዝንጸባረቕ ምዃኑ ኣመላኺቶም ከምዝነበሩ ሳባቲነሊ የዘኻኽራ።

እቲ ዝቐርብ ሓገዝ ግዚያዊ እውን እንተኾ እወታዊ እዩ

ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ መዓልታት ናይ ኮሎምቢያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ዋና ኣመሓዳሪ ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓላፊ ብጹዕ ኣቡነ ሀክቶር ፋቢዮ ሀናኦ ጋቪሪያ ምስ ዜና ቫቲካን ኣካይዶምዎ ኣብ ዝነበረ ቃለ መሕትት፥ ኮሎምቢያ ዝተፈላለዩ ዓመጽ ዝረኣየላ ሃገር እውን እንተኾነት ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘጋጥማ ዘሎ ውሕዘት ስደተይናታት ንምምሕዳር እተወስዶ ዘላ ስጉምቲ እወታዊ ምልክት እዩ፡ ግዚያዊ እውን እንተኾነ ካብ ሃገረ ቨነዝወላ ዝመጹ ንዘለዉ ስደተይናታት እትህቦ ኣቃልቦን እተቕርቦ ሓገዝን እንገዳን ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ጸገም እውን መልሲ እዩ፡ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ንኽስደዱ ካብ እስያን ኣፍሪቃን እውን ዝመጹ ስደተይንታት እውን ብዙሓት እያቶም፡ ኣብ ኮሎምቢያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝከኣላ መጠን ሰብኣውን መንፈሳውን ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ትርከብ ከምዝበሉ ሳባቲነሊ የዘኻኽራ።

15 February 2021, 21:23