አውያት ግዳይ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዕሽሽ ክንብሎ ኣይከኣለናን እዩ! ር.ሊ.ጳ

ወርሒ መጸ ዝቀርብ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ ለካቲት እውን ነቲ ኣብ ዘመንና ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕ ተሰከምትን ግዳይን ዝኾና ደቂኣንስትዮ ኣብ ፈቀዶ ኲርናዓት ዓለምና ብዝወርደን ዓመጽ ዘስምዓኦ ኣውያት እዝና ጸሊና ክንሰምዖን ስለኡ ክንጽልን ገለ ክንገብርን ተማሕጺኖም። ነዚ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ናብ ምሉእ ዓለም ዝዝርግሕ ዓለምለኸ መርበብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ኰይኑ ሓድ ሓደ ዘስካሕክሕ ፍጻሜታት ዓመጽን ግፍዕን ብምስናይ ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዓለምና ህልው ኩነታት ናይዚ ጸገም እዚ ብምግላጽ ዘርጊሕዎ።

ዜና ቫቲካን!

ነዚ ዘስካሕክሕ ጉዳይ እዚ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ‘ንደቂተባትዕዮን ንመላእ ዘመደ ኣዳምን ዘዋርድ ኣነዋሪ ተግባርን ውርደትን’ እንክብሉ ነቲ ብዝተፈላለየ መንገድን ኣገባብን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዓመጽ ኰኒኖም። ቅዱነቶም ነዚ እኩይ ተግባር እዚ ንምግላጽን ንምኹናንን ንጹር ቃላት ብምጥቃም ክነወግዶ ዘሎና ምዃኑ ድሕሪ ምብራህ ምእንታኡ ምሉእ ወርሒ ለካቲት ክንጽሊ ተማሕጺኖም። ነዘን አውያተንን ገዓረንን እንትርፊ ናብ እግዚአብሔር ናብ ካልእ ቊሊሕ ዘይብላ ደቂኣንስትዮ ዕለት ዕለት ኣብ ልዕሊኤን ዝዘንብ ሥነኣእምሮኣዊ ዓመጽስ ይኹን ናይ ቃላትን መውቃዕትን ዓመጽ ከምኡ እውን ሰፍ ዘይብል ጾታዊ ዓመጽ ድምጽና ክነስምዕ ሓደራ ይብሉ። ‘ቊጽሪ ናይተን ዕለት ዕለት ዝጥቅዓ ዝብደላን ዝዕመጻን እንክትርኢ ዘንቀጥቅጥ እዩ’ እንክብሉ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመነ ሥልጣኖም ነዚ ቊስሊ መላእ ዘመደ ኣዳም ዝኾነ ኣደራዕ ደጋጊሞም ንዓለም ከምዝገለጹ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ባሕቲ ወርሒ ለካቲት 2021 ዓም ከኣ በቲ ልሙድ ዓለምለኸ መርበብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ነዚ ዚስዕብ ምሕጽንታ ኣቅሪቦም።

“ማሕበረሰብ ዓለምና ምእንቲ ክከላከለለንን ስቃየን ብኩሉ ክስማዕን ኣብ ግምት ኪኣቱን ስለ እተን ግዳይ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንጸሊ ኢሎም።”

ነዚ ሓሳብ ጸሎት ቅዱስነቶም ዘሰኒ ቪድዮ ሓንቲ ግዳይ ዓመጽ ዝኾነት ጓልኣንስተይቲ ከመይ ቢላ ካብዚ መዓት ናይ ዓመጽ ብሓይላን ጽንዓትን ከምኡ ኣውን ብሓገዝ ማሕበረሰብ ከመይ ቢላ ከምዝተላቀቀት ዘርኢ እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
02 February 2021, 11:05