ር.ሊ.ጳ፥ ሕይወትን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ስደተይናታትን ምክልኻል

ኣብ ቦዝኒያን ኤርዘጎቪናን ልዕሊ 9 ሺሕ ስደተይናታት ከምዝርከቡን ኣብ ሊፓ መእለይ ስደተይንታት ማእከል ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለየ መእለይ ስደተይናታት ምብዛሕቲኦም ካብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ባንግላደሽን ሶሪያን ዒራቕን ኢራንን ካብ ሰሜን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጹ ስደተይናታት

 ምስቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝስደዱ ዜጋታት ሓቢሮም ብብዙሓት ዓሰርተታት ዝቑጸሩ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብዘይ ወለዳቶም ንበይኖም ዝስደዱን እናሓሰቡ ናይዞም ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ስደተይንታት ሕይወት ምክንኻን ከምዘድሊ ዕለቱ ብብሔራዊ ሓቆፍ ደረጃ ኣብ ኢጣሊያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን “ናጽነት ሕይወት እዩ” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ መዓልቲ  ሕይወት እተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዘኪሮምን እተሓሒዞም እውን ሕይወት ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣርካን ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምክንኻንን ንናይ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ሓላፍ ምባልን፥ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ካብ ዘጋጥሞም በደልን ዘጓንፎ ዓመጽን ገዛእ ርእሶን ንኸድሕኑ ምስ ካልኦት ሓቢሮም ከምዝስደዱን ነዚኣቶም ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምክልኻል ከምዘድልን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዞባ ባልካን ዝርከቡ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ንኽስደዱ ዝደልዩ ተዓጊቶም ብቑርን ኣስሓይታን ንዝሳቐዩ ዘለዉን እናሓሰቡ፥

ምእንቲ እቶም ብዘይ ኣሰነይቲ ዝስደዱ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓልዮት ጻውዒት ከቕርብ እፈትው፡ ማእለያ የብሎምን! ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምስቶም ሃገሮምን ቤቶም ዛሕዚሖም ዝስደዱ ብዙሓት ብዘይ ኣሰነይትን ኣባይቲ ስድራኦምን ዝስደዱ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ከምዘለዉን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዞባ ባልካን ብዙሓት ስደተይንታት ኣብ ጽንኩር ኩነትን ቁርን ኣስሓይታን ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተይናታት ሓበሬታ ይበጽሓኒ ኣሎ፡ ኣብ መገዲ ባልካን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ካልኦት ዞባታት እውን ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ከምዘለዉን፡ ዘድልዮም ዘበለ ኩሉ ክቐርበሎም እምሕጸን ሰብኣዊ መተሓላልፎ ሓላፋ ክበሃል ጻውዒት አቕርብ፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ባልካን መእለዪ ስደተይናታት

ኣብ ቦዝኒያን ኤርዘጎቪናን ልዕሊ 9 ሺሕ ስደተይናታት ከምዝርከቡን ኣብ ሊፓ መእለይ ስደተይንታት ማእከል ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለየ መእለይ ስደተይናታት ምብዛሕቲኦም ካብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ባንግላደሽን ሶሪያን ዒራቕን ኢራንን ካብ ሰሜን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝመጹ  ስደተይናታት ከምዝርከቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ነቶም ኣብ ዞባ ባልካን ዝርከቡ ስደተይናታት ሰብኣዊ ሓገዝ ካብቲ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ሃገራት ባልካንን ዓለም ሓቆፍ ቀይሕ መስቀልን ጥራሕ ዝቐረብሎም ከምዝኾነን፡ እዞም ስደተይንታት እዚኣቶም ናብ ጀርመንን ፈረንሳን ኦስትሪያን ናብ ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ ክስደዱ ዝደልዩን ብቡልጋሪያን ግሪኽን ኣቢሎም ዝሓለፉ ከምዝኾኑን ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ባንጃ ሉካ ጳጳስ ቡጹዕ ኣቡነ ፍራንጆ ኮማሪካ ናይ ዞባ ባልካን ሃገራት ናይ ፖለቲካ ኣካላት ምስ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ማሕበራት ብምትሕብባር ኣወንታውን ስሉጥን ብዝኾነ ኣገባብ ሓገዝ ከቕርቡ ሓቲቶም፥ ከምዝነበሩ የዘኻኽር።

ሕይወት ካብ ዝኾነ ይኸን ፈተና ምክልኻል ዘድልዮ ጸጋ እዩ

ሕይወት ኣብ ዝኾነ ይዅን ደረጃ ይሃሉ ኣተኩሮን ክንክንን ክግበረሉ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 7 ለካቲት ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ድላይ ካብ 1978 ዓ.ም. ዝተበገሰ ለምዘበን መበል 43 ዓመት ዝበዓል ብሔራዊ መዓልቲ ሕይወት፥ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባሕርያዊ ሞት ምክንኻን ብዝብል ዕላማ ዘበገሶ ዝኽሪ መዓልቲ ሕይወት ምዃኑ ብምዝኽኻር፥

ናጽነት ሕይወት እዩ፥ ብዝብል መርሕ ቃል  ኣብዛ ዕለት እዚኣ ተዚኪሩ ኣብ ዝውዕለ መዓልቲ ሕይወት ምስ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት እሓብር፡ ናጽነት ናይ ገዛእ ርእስኻን ናይ ክልኦትን ሰናይ ዘበለ ኵሉ ከድለይን ክብጻሕን መታን እግዚኣብሔር ዝሃበና ዓቢይ ጸጋ እዩ፡ ሕብረተሰብና ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ካብ ኵሉ ዓይነት ኣብ ልዕሊ ሕይወት ካብ ዝፍጸም ፈተና ክፍወስ፥

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንመጻኢ ዓቢይ ሓደጋ ዝኾነ ዋሕዲ ዝውለዱ ዝፈጥሮ ስግኣት

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ኣብ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንዝሓበሩ ምእመናን፥ ኣብ ኢጣሊያ ዝርአይ ዘሎ ዋሕዲ ዝውለዱ ሕጻናት ከምዘተሓሳስቦም እንክገልጹ፥

ነኣይ ዘተሓሳስበኒ ኣብ ኢጣሊያ ዝረአይ ዘሎ ዋሕዲ ዝውለዱ ሕጻናት ክዝክር እደልይ፡ ዝውለዱ ሕጻናት ኣዚዩ ይንክይ ብምህላዉ መጻኢ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ኣስተብህልሉ እሞ፥ እዚ ዋሕዲ ዝውለዱ ሕጻናት’ዚ ከብቅዕን ሓድሽ ጽድያ ሕጻናት ክዕምብብ ዝከኣለና ንግበር!

እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ዛዚሞም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተሰናበቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 February 2021, 21:38