37 ዓመት ዝዕድመአን ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ለቸ ኣብ ዝርከብ ገዳም ዘማሊየ ዝቕመጣ ኣባል ማሕበር ደናግል ፍራንቸስካውያን ዘኣልካንታሪና እናቴ ማሪያ ኪያራ ፈራሪ 37 ዓመት ዝዕድመአን ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ለቸ ኣብ ዝርከብ ገዳም ዘማሊየ ዝቕመጣ ኣባል ማሕበር ደናግል ፍራንቸስካውያን ዘኣልካንታሪና እናቴ ማሪያ ኪያራ ፈራሪ  

ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህሙማንን ንኣለይቶምን

ኣብቲ ናይ 2021 ዓ.ም. ንመዓልቲ ህሙማን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ክንክንን ሓልዮት ቀረባውነት-ብጻይነት ዘማእከለ ኮይኑ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እውን ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ትሕተ ቅርጽታቱን ውዳበታቱን ስንኩፍ ምዃኑ ከምዘመላኸተን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ለካቲት ምስ ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያን ዘሉርድ ተተሓሒዙ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ምኽንያት ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ብዝፈነውዎ መልእኽቲ፥ ንዝሳቐዩን ብፍላይ ንድኻታትን ኣለይቶምን ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ብፍሉይ ምእንታኦም ንኽንጽልይ ይዕድሙ፡ ኣባል ማሕበር ደናግል ፍራንቸስካውያን ዘኣልካንታሪያን  እናቴ ማሪያ ኪያራ ፈራሪ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ብዘለወን ናይ ስነ ሕክምና ሙያ ኣብ ኢጣሊያ ፒያቸንሳ ከምዘገልገላን፡ እዘን ብሞያአን ሓኪም እናቴ ፈራሪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ንህሙማን እተቕርቦ ኣገልግሎት ናብቲ ኣገዳሲ ንኸተብል ይመርሓካ” ይብላ፥

ሓኪም እናቴ ማሪያ ኪያራ ፈራሪ
ሓኪም እናቴ ማሪያ ኪያራ ፈራሪ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ዕለት 11 ለካቲት ዘመሓላለፍዎ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ጠመተኦምን ጸሎቶምን ናብ ህሙማንን ኣለይቶምን ገይሮም፡ ነቶም ብለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት እውን ዝሳቐዩ ንዘለዉን ብፍሉይ ይጽልዩ፥ ቅዱስነቶም ንህሙማንን ድኻታትን ዝተናዕቁን ሓለፋ ዝብሉ ምዃኖም ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

ኣብቲ ናይ 2021 ዓ.ም. ንመዓልቲ ህሙማን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ክንክንን ሓልዮት ቀረባውነት-ብጻይነት ዘማእከለ ኮይኑ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እውን ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ትሕተ ቅርጽታቱን ውዳበታቱን ስንኩፍ ምዃኑ ከምዘመላኸተን ብተወፋይነትን ለጋስነትን ክንየው እቲ ውስንነት መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ነቶም በቲ ለብዒ ንዝተጠቕዑ ዘገልግሉ ዘለዉ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ብፍሉይ ይዝክሩን ብጽሞናን ብዘይ ዓውዓው ናይቶ ዝሳቐዩ ወጅሂ ብቕረባ ነቲ ናይ ህሙማን ስቓይ ናቶም ገይሮም ክብሪ ቀረባውነት ብምንባር ኩሉ ናይ ሓደ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ኣባል ምዃኑ ዝምስክሩ እንክብሉ ይገልጽዎም።

ሓኪም እናቴ ማሪያ ኪያራ ፈራሪ
ሓኪም እናቴ ማሪያ ኪያራ ፈራሪ

ንኽልተ ወርሒ ኣብ ሕጹጽ ናይ ሕክምና መውሃቢ ኣገልግሎት

37 ዓመት ዝዕድመአን ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ለቸ ኣብ ዝርከብ ገዳም ዘማሊየ ዝቕመጣ ኣባል ማሕበር ደናግል ፍራንቸስካውያን ዘኣልካንታሪና እናቴ ማሪያ ኪያራ ፈራሪ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከምቶም ብዙሓት ገዳማውያንን ካህናትን ደናግልን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓኻይምን ህሙማን ኮቪድ - 19 ኣብ ምእላይ ንኸገልግላ ወሲነን ብተወፋይነት መንፈስ ናይቶም ዝሳቐዩ ስቓይ ናተን ገይረን ፒያቸንሳ ኣብ ዝርከብ ንናይ  ኮቪድ - 19 ህሙማን ናይ ሕጹጽ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መውሃብ ማእከል ተዋፊረን ከምዘገልገላን፡ ንሓውን ሓብትን ኣብ ስቓይ ንዝርከብ ቀረባ ብምዃን ምግልጋል ጸዋዕታኻ የጽንዕ እንክብላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ይሕብራ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ 2021 ዓ.ም. መልእኽቲ ንመዓልቲ ህሙማን፥ ኣብ ምክንኻን ህሙማን ርክብን ምርኻብን መሰረት ምዃኑ የመላኽቱ፡ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ርክብ ዘይኮነ ምፍንታትን ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ከምዘድልዩ እዩ ዝንገር፥ እቲ ሕምማ እዚዩ ከይላባዕ ምፍንታትን ማሕበራዊ ምርሕሓቕን ግድን እዩ፡ እዚ ነቶም ህሙማን ክንጸሉን ካብ ኣባይቲ ስድራኦም ክርሕቑን በጻሒ ከይህልዎምን ይገብር ኣሎ፡ እዚ ውሳኔ’ዚ ብስነ ሕክምና ኪደት ኣገዳሲ እዩ ከም ሰብ ግን ኣብ ልዕሊ እቲ ሕማም ካልእ ተወሳኺ ስቓይ እዩ ዝፈጥር፡ ኣካላዊ ምቅርራብ እውን እንተዘይነበረ ብስነ ኣሃዝ ብዝተራቑ መጋበርያታት ምስ ኣባይቲ ስድራ ርክብ ክህሉ ተኻኢሉ፡ ቀረባውነትን ርክብን ብዝከኣል ኣገባብ ምንባር እዩ፡ ክንየው ብዝከኣል ኣገባብ ተወፋይነት ኣሎ፡ እዚ ተወፋይነት እዚ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ናይቲ ፈውሲ ኣካል ከምዝኾነ ዝርአይ ዘሎ ሓቂ እዩ ይብላ።

ብለብዒ ኮቪድ - 19 ዝተለኽፉ ህሙማን ኣገልግሎት ሕክምና ዘቕርቡ ሓኻይም ካብ ርእሶም ክሳብ እግሮም ዝተሸፈኑ እያቶም፥ ሰብ ብባህርይኡ ተራኻቢ ፍጥረት እዩ፡ እዚ ሕማም እዚ ነዚ ሰብኣዊ ባህርይ ዝተንከፈ እዩ፡ እቲ ለብዒ ነቲ ብዙሕ እዋን ሸለል እንብሎ ተራኻቢ ባህርይናን ብስቓይ ኣቢሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሩና።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ንመዓልቲ ህሙማን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “እቶም ኣለይቲ ህሙማን ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ወጅሂ ዝመረጹ እያቶም” እብክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ፥ ኣዚዩ ከምዝተንከፈንን ብሓቂ ደስ ዝብል ኣገላልጻ እውን እዩ፡ ኣብ ኢየሱስ ወጅሂ እግዚኣብሔር ተራኸብና፡ ወጅሂ በጸሓና ወጅሂ እንስዕብን ኣብ ሕይወት ክርስትና ኢና፡ ወጅሂ ዓቢይ ትርጉም ኣለዎ፡ ሓደ ወጅሂ ምኽንያት ጸዋዕታን ንህይወትካ ትርጉም እትህበሉ ናይ ሕይወት ምርጫ ክኸውን ዝከኣል እዩ፣ እቲ ለብዒ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዝተራአይሉ እዋን ነቶም ዝተለኽፉ ንምእላይ ምስ ደለኹ ኣብቲ ዝተላኣኽዎ ቤት ሕክምና ምስ ከድኩ ብኾረና ተህዋስ ንኸይትልኸፍ ካብ ርእስኻ ክሳብ እግርኻ ኢኻ እትሽፈን ስለዚህ ገዳማዊት ምዃነይ ዝፈልጡ ብዙሓት ኣይነበሩን ኵሉ ክርሕቐካ እንከሎ እቲ መሰረታዊ ሓገዝን ሓይልን ካብቲ ፈጺሙ ዘይጥንጥነካ ጥራሕ እዩ ክበጽሓካ ዝኽእል፡ እዚ ኸኣ ካብ ጐይታ፡ እዚ እብቲ ነቶም ብኾሮና ተህዋስ ንዝተለኽፉ ኣብ ዘገልግላሉ ዝነበረ ቤት ሕክምና ዝተንከፈኦን ካብ ብዙሓት ካብ ናይ ኣባይቲ ሕክምና ኣመሓደርትን ናይ ስነ ሕክምና ሊቃወንትን ዝተመስከረ ሓቂ ምዃኑ ሓቢረን ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ኣብ ሕይወትና ቀዳምነት ንጐይታ ቀዳምነት ንሓው እዩ ቀዳምነት ንተራኻብነትና ሓደራ ይብሉ፥ ሓው ንእግዚኣብሔር ናይ ዘሎና ፍቕሪ ሚዛን እዩ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

12 February 2021, 21:16