ንዲያብሎስ ምብራሩ እምበር ምሳኡ ብምንም ተአምር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይምእታው! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 21 ለካቲት 2021 ዓም ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቀዳማይ ሰንበት ጾመ አርባዓ እንክትዝክር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ጾም ኢየሱስን ፈተናኡን ዝምልከት ክፍሊ ወንጌል ብምትንታን ተልእኮ ኢየሱስ ብምሉኡ ተጻይ ጥንተ ጸላኤ ሰናያት ዘቅረብሉ ዝተፈላለዩ ፈተናታት ኰይኑ ነዚ ከኣ ብግህዶ ኣብ ግዜ ጾሙ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ መስቀል ወዲ እግዚአብሔር እንተኾንካ እናበለ ንዝፈተኖ እዩ። ኢየሱስ ንዲያብሎስ ብቃል ኣምላኽ ከምዝባረሮ ክነባርሮ እምበር ምሳኡ ኣብ ዘተ ከይንኣቱ ሓደራ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ኢየሱስ ምስ ተጠምቀ መንፈስ ንበረኻ ወሰዶ ኣባኡ ከኣ ኣርባዓ ለይትን ኣርባዓ መዓልትን ጾመ ዝብል ኰይኑ ኣብነት ኢየሱስ ብምኽታልን ንበዓለ ፋሲካ ብፍሉይ መንፈስ ንምስንዳውን ቤተክርስትያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ ንኣርባዓ መዓልቲ ጾም ትእውጅ። ዘመን ጾመ አርባዓ ቀሊል ከምዘይኮነ ንምምልካት ቅዱስነቶም ኣብተን ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቀረባ ፈተናታት ብምትኳር እዚ ፈታኒ ዝኾነ ጸላኤ ሰናያት ክሳብ መወዳእታ ዓለም ካብ ምፍታና ስለዘየቋርጽ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ብቃል ኣምላኽ ምብራሩ እምበር ከም ናይ እኖና ሔዋን ኣብ ዘተን ዋጋ ዕዳጋን እንተወዲቅና ተንኮለኛ ስለዝኾነ ኣብ መጻወድያኡ ከእትወና ስለዝኽእል ብዘይምንም ዋጋ ዕዳጋ ምብራሩ ከምዘድሊ ኣብሪሆም። ነተን ኣብ ወንጌል ዝርከባ ነጥብታት ኩለን ካብቲ ምድረበዳ ዝብል ጀሚሮም በብሓደ ኣብርህወን።

ምድረበዳ፡ ቦታ ፈተናን ገድልን!

ምድረበዳ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ብዙሕ ቦታ ተጠቂሱ እንክርከብ ቀንዲ ትርጉሙ ከኣ ‘እግዚአብሔር ንወዲሰብ ኣብ ልቡ ሕሹኽ ዝብለሉ ልቢ ንልቢ ተዋሃሂዱ ዝዛረበሉ ነዙይ ከኣ ወዲሰብ ካብ ልቡ ብዝፍልፍል ጸሎት ዝምልሰሉ ጽሙው ቦታ እዩ’ ድሕሪ ቢሎም ጥንቃቄ ዘድልዮ ጉዳይ ከምዘሎ ግን ኣይሃብኡን። እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘እንተኾነ ኩሉ ጥጡሕ ማለት ኣይኮነን እንታይ ደኣ መዓት ፈተናን ዘለዎ ብዙሕ ተጋድሎ ዝሓትት እውን እዩ። እቲ ፈተና ድኹም ጐድንኻ ርእዩ ከምኡ እውን ተኣፋፍነት ፍጥረትና ዝተፈላለዩ ግድነታትናን መጋበሪ ብምግባር ተጻይ ናይቲ ኣብ ልብና እንሰምዖ ድምጺ እግዚአብሔር ሕሹም ብምባል ካልእ መንገዲ ጐዳና ምጥፍፋእ የቅርብ። እቲ ፈታኒ ወትሩ ከስድዕ ምስ ተቃለሰ እዩ’ ኢሎም። ስለዚ እቲ ቅልስ ኣብ ሰብን ዲያብሎስን ይኸውን።

ግጥም ፍለ-ፍለ ወዲሰብን ዲያብሎስን!

ቅዱስነቶም ናብቲ ታሪኽ ጾም ኢየሱስ ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ቀንዲ ቃልሲ ኣብ መንጎ ኢየሱስን ዲያብሎስን ምዃኑ እዚ ግን ሽሕ’ኳ ንኣርባዓ መዓልቲ እንተተባህሉ ቃልሲ ምሉእ ሕይወት ተልእኮ ኢየሱስ ኰይኑ ክሳብ ሕማማትን መስቀልን ዝጐዓዝ እዩ። እንተኾነ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ በይኑ ሙማቱ ነቲ ዝዓበየ ምድረበዳ እንከምልክት እዚ ፍጻሜ እዚ ከኣ ንወዲሰብ ካብቲ ዝነበሮ ምድረበዳነት ሓንሳእን ንሓዋሩን ሓራ ይገብሮ።

“ድሕሪ እተን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓይሊ እግዚአብሔር እናተዛረበን እናሰርሔን ዝተጓዕዘለን ወልደ እግዚአብሔር ክተሓዝን ብኩሎም ክጥለምን ተታሒዙ ንሞት ክፍረድን እንክንጥመጥ ዲያብሎስ ዝተዓወተ ክመስል ይኽእል። ዓራርቦ ዓርቢ ስቅለት ዲያብሎስ ዝተዓወት ይመስል። ዓወት ናቱ መሰለ። ከም ሓቁ ግን እታ ናይ መወዳእታ ክትስገር ዝነበራ ምድረ በዳ ሞት ብምስጋር ንሰይጣን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ኣሸኒፉ ንኩልና ካብ ሥልጣኑ ሓራ ኣውጺኡና። በዚ ከምዚኸስ ኢየሱስ ኣብ ትንሣኤ ንክዕወት ንምድረበዳ ሞት ኣሸነፈ።”

እኪት ከቢባትና ከምዘሎ ክስቈረና የድሊ!

ቅዱስነቶም ኣብ ትርጉም ጾመ አርባዓ ምልስ ይብሉ! ዓመት መጸ ቅዱስ ማርቆስ ዘቅርበልና ጾምን ፈተናን ኢየሱስ ከም ታሪኽ ዘይኮነ ሕይወት ክርስትና ኣሰር ኢየሱስ ብምስዓብ ንገባሬ እከይ ዝኾነ ዲያብሎስ ምቅላስ ምዃኑ የዘኻኽረና ኢሎም። እዚ ቃልሲ እዚ ከኣ ክሳብ ብምድረበዳ ሞት ንሳገር ቀጻሊ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ‘ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ፈታኒ ብፍቃዱ እዩ ፊት ንፊት ገጢሙ ዘሸነፎ። ንዓና እውን ክፍትነና ከምዝኽእል እሞ ከምቲ ንሱ ዘሸነፎ ክነሸንፎ ይገልጸልና። ስለዚ ገባሬ እኪት ምስ ገበታ ፈተናታቱ ኣብ ዙርያና ከምዘሎ ክንዝንግዕ የብልናን’ ኢሎም።

“እዚ ጐራሕ ጸላኢ ወትሩ ኣብ ከባቢና ከምዘሎ ክንዝንግዕ የብላን። ንሱ ንሕና ንዘለዓለም ክንኩነን እዩ ዝደሊ። ክንዓኑ ክንወድቅ ክንፈሽል እዩ ዝደሊ። ስለዚ ካብዚ ንገዛእ ሕይወትና ክንከላኸል ክንሰናዶ ክንቃለሶ ከኣ ቈራጻት ክንከውን ኣሎና። ጸጋ እግዚአብሔር ምስ እምነትን ጸሎትን ንስሓን ኣብ ልዕሊ እዚ ጥንተ ጸላኢ ከምእንዕወት የረጋግጸልና።”

ምስ ዲያብሎስ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይምብጻሕ!

ቅዱስነቶም ከም ምሕጽንታ ደጋጊሞም ዝብልዋ ጉዳይ ሓደራ ንማለት ‘ሓንቲ ጉዳይ ከስምረላ ዝደልያ ኣላ’ ይብሉ እሞ ‘ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ግዜ ፈተና ምስ ዲያብሎስ ፈጺሙ ክዛተ ኣይረአን። ወይ የባርሮ ወይ ይኹንኖ ወይውን ክፍኣቱ የጋልጽ። እቲ ኣብ ግዜ ጾም ኣብ ምድረበዳ ዘጋጠመ ፈተና ዘተ ይመስል ከመይ ዲያብሎስ ሰለስተ ጉዳያት የቅርበሉ ኢየሱስ ከኣ ይምልስ። እንተኾነ ኢየሱስ ብቃላቱ ኣይኮነን ዝምልሽ እንታይ ደኣ ብቃል ኣምላኽ ይምልሽ’ ብማለት ነቲ ኩነት ምስ ኣነጸሩ ናባና ምልስ ይብሉ እሞ ‘ንሕናውን ፈተና እንከጋጥመና ከምቲ ንሔዋን ዘጋጠመ ከስድዓና ምስ ዝፍትነና እንተደኣ ኣብ ዘተን ዋጋ ዕዳጋን ወሪድና ክንሰዓር ኢና። ምስ ዲያብሎስ ፈጺምካ ዘተ ክግበር የብሉን ምሳኡ ክግበር ዝከኣል ዘተ ፈጺሙ የሎን’ እንክብሉ ኣጠንቂቆም።

ምድረበዳ ክፍርሓና የብሉን!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ኣስተምህሮኦም ክርስትያን ዘበልና ኩልና ከም ተኸተልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ንእኡ ዘጋጠመ ንዓና ከጋጥመና ከምዝኾነ ስለዚ ከምቲ ናይ ኢየሱስ መንፈስ ቅዱስ ናብ ምድረበዳ ክንከይድ እንተደፋፊኡና ክንከይድ ኣሎና ክንፈርሆ የብልናን። እዚ ምድረበዳ እዚ ኣካላዊ ቦታ ማለት ኣይኮነን ኣብ ጒዕዞ ሕይወትና ካብ ኩሉ ተፈሊና ጸጥ ኢልና ብሱቊታ ድምጺ እግዚአብሔር ቃል እግዚአብሔር ጽን ኢልካ ምስማዕ እዩ። እዚ ምድረበዳ እዚ ከፍርሓና የብሉን። ስለዚ ንጸሎትን ኣስተንትኖን ዝኸውን ጸጥታ ድለዩ። ነዚ ንክሕግዘና ከኣ ነቲ ኣብ ጥምቀትና ዝኣቶናዮ ቃለ ማሓላ ብምስትንታን ማለት ‘ንሰይጣንን ንኩሉ ተግባራቱን ዘሰሓሕት ምኽሩን እኽሕድ’ ዝበልናዮ ብምሕዳስ ብጐዳናታት እግዚብሔር ንጐዓዝ። ከመይ እቲ ጸላኢና ኣድብዩ ስለዝጽበ ከነስተውዕለሉ የድሊ’ እንክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
22 February 2021, 15:30

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >