ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ርክብ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ቀዳማይ ውዕሎ ክሳተፉ እዮም

ዕለት 4 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ክበዓል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 21 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦናን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ዒማም ኣሕማድ ኣል-ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዊ ሰነድ መሰረት ዘቖሞ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ብውድብ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝቖመ ዕለት 4 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ኣቡ ዳቢ ሼኽ ኦሓመድ ቢን ዛየድ ኣሳቲፉ ኣብ ዝካየድ ስነ  ስርዓት ብመረብታዊ ውሕዘት ክሳተፉን ከብዕሉን ምዃኖም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 4 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ክበዓል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 21 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦናን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ዒማም ኣሕማድ ኣል-ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዊ ሰነድ መሰረት ዘቖሞ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜን ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ቀዳማይ ዝኽሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ  ሕውነት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብመርብታዊ ውሕዘት ብዝካየድ ስነ  ስርዓት ዝበዓል ምዃኑ የመላኽት።

ዕለት 4 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት

ሓሙስ ዕለት 4 ለካቲት ብመረብታዊ ውሕዘት ብዝመሓላለፍ ስነ ስርዓት ብዝተፈላለየ ቋንቋ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ክልተን ፈረቓን ዝፍጸም ከምዝኾነን እዚ መደብ’ዚ እውን ብዜና ቫቲካንን ብናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓንን ዝመሓላለፍ ኮይኑ፡ እቲ ስነ ስርዓት ካብ ኣቡ ዳቢ ሸኽ ሞሓመድ ቢን ዛየድ ዘሰናደውዎን ቅዱስ ኣቦናን ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህርን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ሓቆፍ ውድባትን ላዕለዎት ኣካላት ብዘሳትፍ ስነ ስርዓት ከምዝፍጸምን እቲ መዓልቲ ዝኽሪ ዓለም ሓቆፍ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብቲ ናይ ኣቡ ዳቢ ሰብኣዊ ሕውነት ሰነድ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ሽልማት ዛየድ እውን ብቑዓት ተባሂሎም ንዝተሓርዩ ኣካላት ክወሃብ ምዃኑ ዘመላኸተ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቲ ስልማት ብቑዓት እንክብል ዝሓረየ እቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ዝቖመ ናይ ሰብኣዊ ሕውነት ጉዳይ ሓልዮ ላዕለዋይ ድርገት ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ።

ህያብ ሰላም

እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ካልእ ብምርኻብ ኣብ ህልው ኵነት ዓለም ሰላም ምሕናጽ እንክብሉ ንዘቕረብዎ ጻውዒት መልሲ ምዃኑ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ግይክሶት ከምዝገለጹን ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ዕድመ በታ ዝደረስዋ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዕሽሽ ክበሃል ዘይኽእል ምዃኑ ይስተወዓል፡ እዚ ርክብ’ዚ ከምት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓትዎ እውነተይና ማሕበራዊ ምሕዝነት ክዉን ንምግባር ዘብቅዕ ኣገባብ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተበግሶታት ናይ ሰብኣዊ ሕውነት ሓልዮ ሽማግለ

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ናብቲ ዕለት 4 ለካቲት ዝበዓል ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘሰንይ ዝተፈላለየ መሰረታዊ መድርኻት ከምዘሰናደወን እዚ እውን ካብቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ኤሚራት ዓረብ ዘካየድዎ መብጻሕን ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድን ክሳብ እቲ ኣብራሃማዊ ስድራ ቤት ብዝብል መጸውዕ ሓንቲ ሙክራብን ሓደ መስጊድን ሓንቲ ቤተ ክርስቲያንን ዘጠቓልል ኣብ ኣቡ ዳቢ ደሴት ሳዲያት  ምቛም ዝብል ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ ሕውነት ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ድርገት ዘለዎ መደብን ዘጠቓልል ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መራኽቦ ሰብኣውነት

ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. እታ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ንምብራህ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ናይቲ ናይ ሰብኣዊ ሕውነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ሽማግለ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዳይና ሞሓመድ ማሕሙድ ኣብደል ሳላም፥ “ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን`ዚ ሰብኣዊ  ፍጥረት በቲ ሓደ መዳይ ኩሉ ፍሱሕ ዝኾነሉ ኵላዊ ሕውነትን በቲ ካልእ መዳይ ከኣ ናይ ሕዝብታት ስቓይ ዘብእስ ክቱር ድኽነትን ስእነትን ኣብ ዝብል መስቀለይና መገዲ  ይርከብ እንክብሉ ከምዘብርሁ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንኻልእ ክፉት ምዃን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብምኽንያት ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ቅድስቲ መንበር ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መርሕነት ኣብ ዘዳለወቶ መደብ ክትሳትፉ ከምዝወሰኑን ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ጥሪ “ነገልግሎት ሰብኣዊ ሕውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ኣብቲ ናይ ኵለን ሃይማኖታት እምነት ምትኳር ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣተሓሳሲቦም፥ ሕውነት ንእግዚኣብሔር ኣቦ ክፉታት ክንከውንን ሕይወት ክንካፈልን ንሓድ ሕድና ክንደጋገፍን ክንፋቐርን ክንፋለጥን መታን ነቲ ካልኣ ከም ሓውን ሓብትን ክንርእዮም ይድርኸና” ከምዝበሉ የዘኻኽር።

02 February 2021, 12:53