ድለ

ኢየሱስ መለኰታዊ ምሕረት ኢየሱስ መለኰታዊ ምሕረት 

ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ መልእኽቲ መለኰታዊ ምሕረት፥ ልብና ንኢየሱስ ንኽፈተሉ

ዕለት 22 ለካቲት 1931 ዓ.ም. ኢየሱስ ጐይታ ንቅድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ ኣብቲ ኣብ እትነብረሉ ኣብ ዝነበረ ኣብ ፕሎክ ኣብ ዝርከብ ናይ ደናግል ቅድስተ ልበ ማርያም ዘምሕረት ገዳም ተገሊጹላን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ዝኽሪ መበል 90 ዓመት ግልጸት ቅዱስ ምስሊ መለኰታዊ ምሕረት ምዃኑ ዘኪሮም፡ እቲ መልእኽቲ ብሞትን ትንሳኤን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እግዚኣብሔር ናይ ዝዓደለና ንመላእ ዓለም ዝበጽሔ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ናብቲ ኣብ ፖላንድ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ፕሎክ ሓሳቦም ኣቕኒዖም ብፍላይ ንምእመናን ፖላንድ ሰላምታኦም እንከቕርቡ፥

ቅድሚ 90 ዓመት ኢየሱስ ጐይታ ንቅድስቲ ፋውስቲና ክዋልስካ ተገሊጹን ፍሉይ ናይ መለኰታዊ ምሕረት መልእኽቲ ብእማኖ ሃባ፡ ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እቲ መልእኽቲ መለኰታዊ ምሕረት ናብ መላእ ዓለም በጽሐ፡ እቲ መልእኽቲ ብሞትን ትንሳኤን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እግዚኣብሔር ናይ ዝዓደለና ንመላእ ዓለም ዝበጽሔ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል እዩ፡ ብእምነት ኢየሱስ ኣባኻ እኣምን ንኽንብል መታን ልብና ንኽፈት!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 22 ለካቲት 1931 ዓ.ም. ኢየሱስ ጐይታ ንቅድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ ኣብቲ ኣብ እትነብረሉ ኣብ ዝነበረ  ኣብ ፕሎክ ኣብ ዝርከብ ናይ ደናግል ቅድስተ ልበ ማርያም ዘምሕረት ገዳም ተገሊጹላን፡ ቅድስቲ ፋውስቲና ኣብቲ ገዳም ኣብ እትርከብ ንሽተይ ቤታ ጻዕዳ ልብሲ ዝተኸድነ እትባርኽ ኢዱ ሓፍ ኣቢሉን እታ ሓንቲ ኢዱ ኣብቲ ጩራ ብርሃን ዝድርጉሕ ኣፍ ልቡ ኣንቢሩ ከምእተገለጸላ ኣብ መንፈሳዊ ናይ ሕይወታ መዝገብ ተመላኽት። የዕንታ ናብኡ ኣናጠመተትን ፍርሕን ዓቢይ ሓጐስን ከምእተሰመዓን፡ ልክዕ ከምቲ እትርእዮ ዘለኺ ምስሊ ኣስርሒ ኣብ ትርጋጽ እቲ ስእሊ ከኣ ኢየሱስ ኣባኻ እኣምን ዝብል ጽሑፍ ክንበረሉ ግበሪ እንክብል መልእኽቲ ከምዝሃባ እውን ሓቢራ፥ እቲ ቅዱስ ምስሊ ብቐዳምነት ኣብቲ ገዳም ክኽበርን ደሓር ናብ መላእ ዓለም ክበጽሕ ሓደራ እንክብል ከምዝኣዘዛ እውን ትሕብር።

እቲ ቅዱስ ምስሊ ቅዱስቲ ፋውስቲና ብዝሃበቶ መልእኽቲ መሰረት ኣብ ፊልኒዩስ ተቐቢኡን ክራኮቪያ ኣብ ዝርከከብ ቤተ መቕደስ መለኰታዊ ምሕረት ከምእተነብረን ኣዘኻኪሩ፡ ፕሎክ ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ መለኰታዊ ምሕረት ዕለት 22 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ናይ መለኰታዊ ምሕረት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣበ ነፍስ ኣባ ጆሰፍ ኣንድራስ ድሕሪ ቐትሪ ኩሉ ብዮቲዩብ ማሕበራዊ ናይ ምስማዐ ርእየት መረብት ኣቢሉ ክከታተሎ ዝኽእል መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓዕረጉ ኣፍሊጡ።

22 February 2021, 22:22