ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ቅዋሜ ራዲዮ ቫቲካን፥ ናይ ነገራት ሓቂ ኣስተርእዩ

ናይ ታሪኽና ተዘክሮ ህያው ምግባር ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ንዝሓለፈ ንምንፋቕ ዘይኮነ መጻኢ ንምሕናጽ ዝተጸዋዕና ምዃና ብምስትውዓል

ብምኽንያት ዕለት 12 ለካቲት 1931 ዓ.ም. ብውሳኔ ፒዮስ መበል 11 ቆይሙ ለምዘበን ዕለት 12 ለካቲት 2021 ዓ.ም. መበል 90 ዓመት ቅዋሜኡ ዘብዕል ዘሎ ራዲዮ ቫቲካን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ኣብቲ ክሳብ ኣዚዩ ርሑቕ ዝበሃል ስፍራ ከይተረፈ ቃል ንምብጻሕ ስለ እተካይድዎ ዕዮ አመስግን፡ ንዓለም ብትብዓትን ምህዞን ኣብ እተመሓላልፍዎ መልእኽቲ ንቕድሚት በሉ” እንክብሉ ከምዘተባብዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ቅዋሜ ራዲዮ ቫቲካን፥ ናይ ነገራት ሓቂ ኣስተርእዩ
ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ቅዋሜ ራዲዮ ቫቲካን፥ ናይ ነገራት ሓቂ ኣስተርእዩ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ሓቅን ሕይወትን ተመርኲሱ ብዘዘንትዎ ታሪኽን ዘመሓልፎም መደባትን ኣቢሉ ሓናጺ እዩ እንክብሉ ቅዱስነቶም ናብ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ሰራሕተይናታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡ ኣብ ኩሉ መደባቱን ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ኣገልግሎቱን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርት መቓልሕ እዩ፥

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ቅዋሜ ራዲዮ ቫቲካን፥ ናይ ነገራት ሓቂ ኣስተርእዩ
ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ቅዋሜ ራዲዮ ቫቲካን፥ ናይ ነገራት ሓቂ ኣስተርእዩ

መጻኢ ምሕናጽ

ዝተፈተኹም ኣሕዋተይን ኣሓተይን እንቋዕ ሓጐሰኩም እብል! ብዝብላ ቃላት መልእኽቶም ዘበገሱ ቅዱስነቶም፥

ናይ ታሪኽና ተዘክሮ ህያው ምግባር ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ንዝሓለፈ ንምንፋቕ ዘይኮነ መጻኢ ንምሕናጽ ዝተጸዋዕና ምዃና ብምስትውዓል እዩ፡ ስለ ዕዮታትኵምን ኣብ ዕዮዅምን ስለ እተርእይዎ ፍቕርን አመስግን፡ ናይ ራዲዮ ውህበትን ውበትን ኣብቲ ዝብጻሕ ዘይመስል ቦታ ኩሉ ኣብ ዘብጽሖ ቃል እዩ፥ ኣብ ዕዮኹም ብትብዓትን ብምህዞን ናይ ነግራት ሓቂ ኣብ ምቕራብ ብቕዓት ዘለዎ ኣብ ምብጻሕ ሓበሬታ ምስ ዓለም ንምዝራብን ኣብ ምሕናጽን ንቕድሚት በሉ፥

ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ሓላፍነተ ኣብ እመነሓላልፎ

ቅዱስነቶም ኣብ መልኽቶም ብምኽንያት እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣቐዲሞም ኣብ ቀረባ መዓልቲ ኣብ ዝመሓላለፍዎ ናይ 2021 ዓ.ም. መልእኽቲ፥ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሰራሕተይናታት ነቲ ሓቂ ካብቲ ደጋውን መታተልን ፈሊኻ ናይ ምልላይ ብቕዓት ዘለዎም ክኾኑን፡ ሓበሬታ ምቕራብ ኣብ ተባህለ ዝባኽን ዘይኮነ፡ ኣብ ቦታን ክውነትን ብምርኻብ ሓቂ ዘቕርብ  ክኸውንን እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ንዓ ረአ ኣብ ዝብል ጸዋዕታ ዝቖመ ክኸውን ከምዘለዎን ካብቲ ብኣካል ተረኺብካ ካብ እተቕርቦ ንላዕሊ ቅኑዕ ሓበሬታ የሎን ከምዝበሉ ዝሓበሩ ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፥

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ቅዋሜ ራዲዮ ቫቲካን፥ ናይ ነገራት ሓቂ ኣስተርእዩ
ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ቅዋሜ ራዲዮ ቫቲካን፥ ናይ ነገራት ሓቂ ኣስተርእዩ

ተላባዒ ሕማምን ዝተረስዑ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝካየዱ ውግእን ዘይትሕርጉ ብምዃንኵም አምስግነኩም፡ ብንጹሕ መንጽር ክዝንተው ዝደሊ ዓለም ኣሎ፡ ስለዚህ እቲ ዝቐርብ ሓበሬታ ክጻረን ኣብቲ ንዓ ረአ ዝጸንዔ ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ንናይ ሓበሬታ ምቕራብ ሜላ መሰረት እዩ፡ ነቲ ክውንነት ርኢኻን ምዝንታዉ፡ ንክውንነት ጽን ምባል ቅኑዕ ናይ ምጽራይ ተግባር እዩ፡ በቲ እቲ ክውንነት ዘቕርቦ ምስክርነት ክትብጻሕ ገዛእ ራእስኻ ምፍቃድ የድሊ፡ ኣብ ፈነወ ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓንን ን ኵነታት ብፋሉልነትን ስርዓት ኣልቦነትን ብደጋዊ ዝቆጻጸሮን ከምድላዩ ክንበብ ብዝጸልዎ ዘይኮነ ልልያ ዝሓትትን ዓቢይ ምስትውዓል ዘድልዮ ብምዃኑ ሓበሬታ ናይ ምቕራብ ዕዮ ዓቢይ ሓላፍነት ይሓትትን የሕትትን፡  ሓሶት ብምቅላዕ ናይ ሓቂ መስካሪ ምዃን ማለት እዩ፡  ኵላትና ብምኻድን ብምርኣይን ብምክፍላን ናይ ሓቂ መሰኻኽር ንኽንከውን ዝተጸዋዕና ኢና እንክብሉ ዘመመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጦም፣

13 February 2021, 21:53