ሕውነት እንኮ መዋጽኦ! ካብ ሓደ ኣቦ ስለዝተወለድና ኩልና ኣሕዋት ኢና! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካና!
ትማል ሓሙስ ዕለት 4 ለካቲት ንመጀመርያ ግዜኡ ንዝተዘኸረ ዓለምለኸ ዕለተ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ንምዝካርን ብዛዕባኡ ንምዝታይ ብሸኽ መሃመድ ቢን ዛይድ ናይ ኣቡዛቢ ዝተወደበ በይነመረባዊ ጉባኤ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ናይ ኣል ኣዝሃር ዓቢይ ኢማም ኣሕመድ ኣል ጣይብን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ዝርከብዎም ካልኦት ብዙሓት እውን ከምዝተሳተፉ ተመልኪቱ።
ኣብቲ ርክብ ቅዱስነቶም ክንዮ ኩሉ ግድላትን ጸገማትን ነዚ ጉባኤ ዓለመለኸ ዕለተ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ንዘሰናደው ልባዊ ምስጋና ድሕሪ ምቅራብ እታ ልምድቲ ቃሎም ማለት ኣሓትን ኣሕዋትን ትብል ፍታሕ ናይ ብዙሕ ሽግራትና ከምእትኸውን ነዚኣ ከኣ ብፍሉይ መንገዲ ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃና ንምርግጋጽ ማንም ዘመደ ኣዳም ሓወይ ዓርከይ ብጻየይ ኰይኑ ከጋጥም ንዝኽእል ኩሉ ጸገማት ቃልሲ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ክንብድህ ንኽእል ኢሎም።
ቅዱስነቶም ንዓቢይ ኢማድ ኣል ኣዝሃር ኣሕመድ ኣል ጣይብ በቲ ዝሃብዎ ምስክርነትን ከምኡ እውን ነቲ መበገሲ ናይ ኩሉ ዝኾነ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኣቡዛቢ ዘቅረብዎ ሰነድ ሕውነት ምሳኦም ሓቢሮም ብምጽሓፎም ልባዊ ምስጋና ኣቅሪቦም። ከምኡ እውን ንወራስ ዓራት ሕቡራት ኢሚረይት ናይ ኣቡ ድሃቢ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛየድ ነዚ ዕላማ እዚ ነዚ መደብ እዚ ኣሚኖም ተቀቢሎም ምሉእ ደገፎም ብምሃብ ኣብ መወዳእታ ከኣ ንምድንፋዕ እዚ መደብ እዚ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ዳኛ ዓብደል ሰላም ኣመስጊኖም።
ፍልልያት ንምድንፋዕ ግዜ የለን!
ቅዱስነቶም ዘስመረሉ ቀንዲ መልእኽቲ ሎሚ ከም ሎሚ ፍልልያ ክነወግድ እምበር ንፍልልያት ዕድል እንህበሉ ግዜ ከምዘይኮነ ንምግላጽ ‘ሎሚ ከም ሎሚ ንፍፍልይ ዝኸውን ግዜ ፈጺሙ የለን። ነዚ ወሪድና ዘሎ ጸገማትን ፍልልያትን ከኣ ከምዘይምልከተና ወይውን ግደ ከምዘይብልና ከም ጲላጦስ ኣእዳውና ክንሓጽብ ኣይንኽእልን። ወይ ከም ኣሓትን ኣሕዋትን ምንባር ክንመርጽ ኣሎና ወይውን ኩሉ ፋሕፋሕ ኢሉ እንሕዞን እንጭብጦን ክንስእን ኢና። እንኮ ቅድመ ግባር ዘመደ ኣዳም እዚ ኰይኑ ነዚ ኣደልዲልና ነቲ ካብ ዘመናት ዝመጸና ግድላትን ናይ ዘመንና ግድላትን ፍታህ ክንረኽበሉ ኢና’ኢሎም።
ምስዚ ኣተሓሒዞም ኣድላይነት ሕውነትን ትርጉምን ንምግዋሕ ዚኣክል ‘ሕውነት ማለት ንኩሉ ሃንጐፋይ ኢሉ ክቅበል ዝተዘርግሔ ኣእዳው እዩ። ሕውነት ማለት ነንሕድሕድካ ምክብባር እዩ። ሕውነት ማለት ልብኻ ጋህ ኣቢልካ ከፊትካ ጽን ኢልካ ሰሚዕካ ምኽኣል እዩ። ሕውነት ማለት ኣሚንካ ኣብ ዝተቀበልካዮ ዕላማ ክሳብ መወዳእታ ምጽናዕ እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ኣሚንካ ንዝተቀበልካዮ ነገራት ኣብ ዋጋ ዕዳ ክተውርድ እንተጀሚርካ ሕውነት ዝበሃል የለን’ ኢሎም።
ምስ ዘሎና ፍልልያት ኩልና ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና!
ቅዱስነቶም ምኽሮም ብምቅጻል ምናልባት እቲ ዘሎና ባህላውን ልማዳውን ፍልልያት ዝዕንቅጽ ከይመስለና እዚ ሃብቲ ምዃኑ ተኻባቢርካ ነቲ ሕውነት ከተሀብትም ከምዚከኣ ንክገልጹ ‘ሽሕ’ኳ ባህላውን ልማዳውን ፍልልይ እንተሎና ኩልና ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና። ካብ ሓደ ኣቦ ኢና ተወሊድና። ስለዚኸስ ሕውነት ብዘይምንም ዘተን ቅድመ ኩነትን ክህነጽ ኣለዎ እንተኾነ ነቲ ዘሎና ባህላውን ልማዳውን ፍልልያትና ተኻባቢርና ክንሕልዎ የድሊ’ ኢሎም።
ናይ 2021 ዓም ሽልማት ዛይድ ንሕውነት ዘመደ ኣዳም!
ምስ ዝኽሪ ዓለም ለኸ ዕለት ሕውነት ዘመደ ኣዳም ብዝተታሓሓዘ መንገዲ ንናይ ሎምዘመን 2021 ዛይድ ሽልማት ንሕውነት ዘመደ ኣዳም ንክልተ ሰባት ማለት ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስን ናይ ፈረንሳ ሞሮኮ ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰላት ላጢፋ ኢብን ዚያተንን ተዓዲሉ።
ቅዱስነቶም ነቲ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዓደለ ሽልማት ኣመልኪቶም ንኣኡ እንቋዕ ኣብቅዓካ ድሕሪ ምባል ነቲ ሰላም ኣብ ዓለም ንምድንፋዕ ዝገብሮ ጻዕሪ ምስጋናኦም ገሊጾም እዚ ሰላም እዚ ግን ብሕውነታዊ ልቢ ጥራይ ክርከብ ከምዝከኣል ኣስሚሮምሉ። ንካአይቲ ተሸላሚት ክብሪ ዝኾነት ላጢፋ ኢብን ዝያተን ኣመልኪቶም እውን ቅዱስነቶም ቀንዲ መበገሲ ጐስጓሳ ዝኾነ ውሉዳ ብምስኣን ብምምስካርን ነዚ በዳሂ ዝኾነ ስቃይ ፍቅርን ሕውነትን ኣብ ምጉስጓስ ክተውዕሎ ቈሪጻ ምብጋሳን ንኢዶም። ‘እዘ ሓውትና ቃላትኪ ብበላበለው ዝመጹ ወይውን ንክተጣዓዕሚ እትብልዮም ኣይኮኑን ካብ ልብኺ ካብቲ ዝኣመንክሉ ዕላማ እዮም ዝፍልፍሉ። እዚ እምነትን ጽንዓትን ዕላማ እዚ ኣብ ቃንዛኺ ኣብ ቊስልታትኪ ዝተወቀጡ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ስለምስክርነትኪ ነመስግነኪ። ኣደ ውሉድኪ ማለት ኣደ ብዙሓት ደቂ ተባትዕዮን ደቂ ኣንስትዮን ብምዃንኪ ነመስግነኪ። ነዚ ሎሚ ንዓኺ ጽን ኢሉ ዝሰምዕን ካባኺ ክመሃር ዝደልን ዘመደ ኣዳም ኣደ ስለዝኾንክይዮ ነመስግነኪ። ልዕሊ ኩሉ እንኮ መንገድና ሕውነት ስለዝኾነ ወይ ብሕውነት ንንበር እንተዘየሎ ኩሉ ክንስእን ኢና’ እንክብሉ ምኽሮምን ሠናይ ትምኒቶምን ለጊሶም።