ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤት ካብ ኣውሽዊዝ መዳጐን ሰፈር ዝተረፋ ኤድት ብሩክ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤት ካብ ኣውሽዊዝ መዳጐን ሰፈር ዝተረፋ ኤድት ብሩክ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤት ካብ ኣውሽዊዝ መዳጐን ሰፈር ዝተረፋ ኤድት ብሩክ

ኣብቲ ዝተካየደ ርክብ ቅዱስነቶን ብፍራንቸስካ ሮማና ደ ኣንጀሊስ ዝተሰርሐ በዓል ሸውዓተ ኢድ ቀንዴልን ባቢሎናዊ ታልሙድ መጽሓፍ ገጸ በረኸት ከምዝለገሱለን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ጥሪ ዓለም ሓቆፍ “መዓልቲ ዝኽሪ ናይ ኣውሽዊዝ ህልቂት” ምኽንያት ናብተን ካብ ነውሒ ዓመታት ኣትሒዘን ምንባረን ኣብ ሮማ ናብ ዝገበራ 90 ዓመተን ንኸብዕላ ናብ ዝቐራረባ ዘለዋ ተወላዲት ሃንጋሪ ደራሲትን ካብቲ ናይ መዳጐን ሰፍር ኣውሽዊዝ ዝተረፋን ቤት ኤዲት ብሩክ ዕለት 20 ላካቲት 2021 ዓ.ም. ምብጻሕ ከምዘካየዱ ዜና ቫቲካን የመላኽት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብትኽክል ቅድሚ 76 ዓመት ዕለት 27 ጥሪ 1945 ዓ.ም. ናይ ነበር ሶቪየት ሕብረት ሓይሊ ምክልኻል ናይ ኣውሽዊዝ መዓጹ ኣዕንዩ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ዓለም ድሕሪ እቲ መዓጹ እንታይ ይፍጸም ከምዝነበረ ዝተቓልዓሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ዓለም ሓቆፍ “መዓልቲ ዝኽሪ ናይ ኣውሽዊዝ ህልቂት” እንክብል ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተዛዘመሉ መበል 60 ዓመት ኣብ ዝተዘከረሉ እዋን ዕለት 1 ሕዳር 2005 ዓ.ም. ብውሳኔ 60/7 ዘቖሞ መዓልቲ ከምዝኾነ ይዝከር። ናይ ኢጣሊያ ሕዝባዊ ባይቶ ዕለት 27 ጥሪ መዓልቲ ዝኽሪ እንክብል ኣብ 2000 ዓ.ም. ብብሔራዊ ደረጃ ከምዝኣወጀን ቅድሚ 25 ዓመት ንፈለማ ግዜ መዓልቲ ዝኽሪ ብብሔራዊ ደረጃ ዕለት 27 ጥሪ 1996 ዓ.ም. ዝደንገገት ፈደራላዊት ጀርመን ምዃና ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 20 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ ናብ ዝርከብ ቤት ኤዲት ብሩክ ምብጻሕ ኣካይዶምን፡ ንሰን ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ናዝያዊ መዳጐን ሰፈር ኣውሽዊዝ ዘሕለፈኦ ክትገልጾ ዘጸግም ዘስካሕክሕ ታሪኸን ዝነግር ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ምስ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዘካየደኦ ነዊሕ ቃለ መሕትት ቅዱስነቶም ምስ ኣንበብዎ በቲ ታሪኽ ተመሲጦምን ንኽበጽሕወን ዓቢይ ድላይ ከምዝሓደሮም ኣብ ቤት ብሩክ ምብጻሕ ኣካይዶምን ባዕሎም ቅዱስነቶም ንብሩክ ከምዝገለጹለን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፥ ቅዱስነቶም ነቲ ምብጻሕ ከካይዱን ስለ ምስክርነተን ንኸመስግንወንን ነቶም ብሕዝብነት ናዚያዊ ስርዓት ዝተሰውኡ ሰማእታት ንኽዝክሩን ኣብ ያድ ቫሸን ዝበልክዎ ቃላት “ደጊሚ ኣብ ቅድመኽን ብስም መላእ ሕዝቢ ስለ እቲ ኣብልዕለኽንን ኣብ ሰዓቢ ሃይማኖት ኣይሁድን ካልኦትን ኣብ መዳጐን ሰፈር ስለ ዝተፈጸመ ክትገልጾ ዘይከኣል ዘስካሕክሕ በደል ንጐይታ ይቕረታ እሓትት” ከምዝበልወንን ድሕሪ እቲ ናይ ሓደ ሰዓት ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ተሰናቢቶም ናብ ሃገረ ቫቲካን ከምእተመልሱ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ናይቲ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ሞንዳ ከምዘሰነይዎምን ሞንዳ ዕለት 26 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ምስ ኤዲት ቡሩክ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ተሓቲሙ ንንባብ እውን ከምዝበቐዔን ቅዱስነቶም ነቲ ቃለ መሕትት ከምዘንበብዎን ታሪኽ ናይ ብሩክ ከምዝመሰጦም እውን ባዕሎም ንብሩክ ከምዝገለጹለን ሓቢሩ፡ ኣብቲ ዝተካየደ ርክብ ቅዱስነቶን ብፍራንቸስካ ሮማና ደ ኣንጀሊስ ዝተሰርሐ በዓል ሸውዓተ ኢድ ቀንዴልን ባቢሎናዊ ታልሙድ መጽሓፍ ገጸ በረኸት ከምዝለገሱለን ኣፍሊጡ።

ብሩክ ኣብ ኣውሽዊዝ ዝረኣየኦን ዘጓነፈንን ኩሉ ኣብ ምምስካር ሕይወተን የሕልፋ ዘለዋን፡ ኣብ መዳጐን ሰፈር በርገንን በልሰንን ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ፥ ካብዚ እንተድኣ ተሪፍኪ ዝኣምነኪ ክትረኽቢ የጸግም ይኸውን ግና እዚ እትርእዮ ዘሎኺ ታሪኽ ንኹሉ ንገሪ ምእንታና እውን ሓደራ” ከምዝበልወን ኣብቲ ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዘኪረንን ነቲ ሕጻን እንከለዋ ዝረአየኦን ዘሕለፈኦም ጽንኵር እዋን ዘዘንትዋ ጥራሕ ዘይኮነ ይቕረ ዝበላን ጠመተኤን ናብቲ ኣብ ምንባር ክቕጽላን ተስፋ ክገብራን ዝደረኸን ሰናይን ጽቡቕን ኣናማዕደዋ ዝነብራ ምዃነን እውን ኣብቲ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ነንብብ።

22 February 2021, 22:31