ሓቀይና ፈውሲ ቅልውላው ዘመናን ምክፍፋልን ሕውነት እዩ! ር.ሊ.ጳ ንኣምባሳደራት

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ዓመት መጸ ኣብ ምጅማር ዓመት ካብ መላእ ዓለም ሃገራቶም ወኪሎም ኣምባሳደራት ቅድስት መንበር ኰይኖም ንዘገልግሉ ናይ ሓዲስ ዓመት ሰላምታ ንምልውዋጥ ኣብ መንበሮም ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ብዛዕባ ኣብ ዓለምና ዘሎ ቅልውላዋት ብምዝካር ምናዳ ኸኣ ንለበዳ ዝኸውን ክትባት ወዓል ሕደር ዘይደልዮ ምዃኑ ብምግላጽ ንኩሉ ግድላት ንምሽናፍ ሕውነትን ተስፋ የድልዩና ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

እዚ ብልማድ ዝግበር ርክብ ቅዱስነቶምን ኣምባሳደራት ቅዱስ መንበርን ሓፈሻዊ ኩነታት ዓለምን ዝምልከቱሉ ብምዃኑ ሎምዘመን ንዓለም ብዓለማ ላዕኪኩ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ከምኡ እውን ብሰንኩ ዝሰዓበ ቅልውላውን ካልእ ጸገማትን ብምዝካር ነዚ ኩሉ ፍታሕ ዝኸውን ሓቀኛ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ምስ እነደንፍዕ እዩ እንክብሉ ነቲ ደጋጊሞም ዘጋውሕዎ ዘለዎ እንኮ ፍታሕ ግጭታትናን ቅልውላዋትናን ሕውነት ምዃኑ ገሊጾም።

ብሓቂ ተጸጊምና ከምዘሎና ዝገለጹ ቅዱስነቶም ካብ ኩሉ ዝሓሰመ ቅልውላው ግን ቅልውላው ሰብኣዊ ርክባት እዚ ከኣ ኣብቲ ብተፈጥሮና ዘሎና ዘየሰማምዕ ጠባያት እኳ እንተኾነ እቲ ዝገደደ ግን ብዛዕባ ሰብኣውነትን ክብሩን ትርጉሙን ዘሎና ዘይቅርዑይ ኣተሓሳስባ እዩ ኢሎም። ነዚ ጸገም እዝስ ይኹን ወሪዱና ንዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19ን ከቢቡና ንዘሎ ክፍኣተ ግብርታት ንክንላቀቅ እንኮ መድሓኒት ሕውነት ዘመደ ኣዳም ምድንፋዕ እዩ። ስለዚ ዓለምና ሎሚ ክትባትን ሕውነትን ተስፋን የድልዮ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ፍጻሜ ርክብ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዘኸተሎ ጸገም ነቲ ሕጊ ዝእዝዞ ንምፍጻም ማለት ርሕቀቶም ሓልዮም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገሮም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ኣደራሽ ቡራኬ ነበረ። እዚ ርክብዚ ንዝሓለፈ ዕለት 25 ጥሪ 2021 ዓም ክኸውን ተመዲቡ እኳ እንተነበረ ቅዱስነቶም ንቊርጥማት ጸገም ስለዝነበሮም ንሎሚ ተሰጋጊሩ።

ቅዱስነቶም ዘሎና ኩነታትን ለበዳ ኮቪድ 19ን እኳ እንተኸበደ ኰይኑ ግን ተራሓሒቅካስ ይኹን ተሸፋፊንካ ከምዚ ኢልካ ምርኻብ እውን ንባዕሉ ብርሃን ተስፋ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ መላእ ዘመደ ኣዳም ሃረር ዝብሎ ዘሎ ምቅርራብን ሓቢርካ ምንባርን ምትሕግጋዝን ርሑቅ ከምዘይኮነ ዘመላኽት ተስፋ እዩ፣ በዚ መንፈስ እዚ ተስፋ ሰኒቀ ንዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ሃገረ ኢራቅ ክበጽእ እሓስብ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ንዓለምና ኣዕለቅሊቆም ንዘለው ጸገማት ምናዳ ኸኣ ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝተኸስቱ ጸገማት  በብሓደ ብምትንታንን ናብ ዕድል ቀዪርና ዝበለጸ ሰብኣውን ፍትሓውን ምድግጋፍ ዝመልኦን ሰላማዊ ዓለም ንምፍጣር ዘሎዎም ተስፋ ገሊጾም።

ቅልውላው ጥዕና!

በቲ ቀንዲ ናይዚ ዓመት እዚ ግድል ንምጅማር ዚኣክል ቅዱስነቶም ኣብ ትንተናኦም ንቅልውላው ጥዕና ናይ ሎምዘመን ብቀንዱ ኸኣ ለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ዘግሃደን ጸገማት ዘመደ ኣዳም ክልተ ዓበይቲ ናይ መነባብሮ ሕይወትና ገጻት ማለት ሕማምን ሞትን ፊት ንፊት ከምዝፋጠጥ ገቢሩ። እዚኤን ክልተ ጉድያት እዚኤን ናይ ነፍሲወከፍ ሰብ ሕይወትን ክብርን ማለት ካብ ኣብ ማሕጸን ጽንሲ ጀሚርካ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ኣብሪሀናልና። እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም እንተኾነ ብዙሕ ሕጋዊ ጉዳያት ፈጺምካ ምስ እዚ ዘይሳነ ብዝኾነ ኣገባብ ነታ ካብ ክብሪ ወዲሰብ ፈጺምካ ክትፈልያ ዘይትኽእል መሰል ምክልኻ ሕይወት ወዲሰብ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የውርዱ ኣለው። ሕይወት ወዲሰብ ኣብ ኩሉ ደረጀታቱ ክሕሎ ኣለዎ ዝብል ኣምር መሠረታዊ መሰል ወዲሰብ እዩ ኢሎም።

ሓደ ካብቲ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘዘኻኽረና ጉዳይ ነፍሲወከፍ ወዲሰብ ክብሩ ዝሓለወ ሓልዮት ሕይወት ከምዘድልዮ እምበር ማንም ሰብ በቲ ዝህቦ ጥቅሚ ክግመት ከምዘይብሉ እንታይ ደኣ ሰብ ምዃን ጥራይ እኽልቲ ክብሪ ወዲሰብ ምዃና ተዲእና ክብሪ ንሃብ። ነቶም ካባና ሕምቅ ዝበሉ ወይውን ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ክፍሊ ሕብረተሰብና መሰል ሕይወትን ጥዕናን እንተነፊግና ነቲ ካልእ መሰላት ወዲሰብ ከመይ ገቢርና ክንጣበቅ ንኽእል! እንክብሉ ይሓቱ እሞ ፖሎቲካውያን መራሕትን መንግስታትን ቅድሚ ዝኣገረ ንኩሉ ዝኸውን ሓባራዊ ሓለዋ ጥዕና መድሃኒትን ሕክምናን ንምርግጋጽ ክሰርሑ ኣለዎም። ልዕሊ ኩሉ ነዚ ከምዚ ዚኣመሰለ ተኣፋፊ ሕቶ ጥዕና ደቂሰባት ብዓይኒ መኽሰብ ምንም ክግበር ኣይንፈቅድ ብማለት ምስ መዓዱ ‘ክትባት ንኩሉ ሓላፍነታዊ ብዝኾነ መንገዲ ብምዕዳል ዘድሊ ጥንቃቄ ብምግባር ክግበር ሓደራ’ ኢሎም።

ቅልውላው አከባቢ!

ካልእ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘግሃዶ ጉዳይ እዛ ክንከናኸናን ክንጥቀመላን ዝተዓደልትና መሬት ክሳብ ክንደይ ተኣፋፊት ምዃናን ሓልዮትና ከምዘድልያን እዩ። ቅልውላው ከባቢ ዘኸተለ ቅጥዒ ኣልቦ ምዝመዛ ተፈጥሮን ባህርያዊ ሃብታቱን ስለዝኾነ ናብ ቀልብና ምልስ ኢልና ጸገማትና ኣጽኒዕና ንነዊሕ እዋን ዝጠመተ መደብ ሰሪዕና ፍታሕ ንድለ። እዚ ክሊማዊ ለውጢ ዘስዕቦ ዘሎ ተጽዕኖ ከም በዓል ምዕልቅላቅ ማይን ደርቅን ከም ሳዕቤኑ ከኣ ጥሜትን ናይ ሕጽረት ምስትንፋስ ሕማማትን ኰፍ ኢልና

ነዚ ፍታሕ እዚ ንምንዳይ ብኮፕ26 ዝፍለጥ ብዓለምለኸ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝግበር ለውጢ ክሊማ ዝምልከት ጉባኤ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ንዝግበር ጉባኤ ኣብ ምስንዳእ ስለዝርከብ ካብ ሕጂ ንሳዕቤን ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ግምት ኣእትዩ ፍታሕ ከናዲ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

እዚ ክሊማዊ ለውጢ እንብሎ ዘሎና ዘስዕቦ ዘሎ ዕንወት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለምና ንርእዮ ከምዘሎና ዝገለጹ ቅዱስነቶም ብዙሓት ናኣሽቱ ደሴታት ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ኣብ ምጥሓልን ምጥፋእን በጺሐን ዘለዋ ከምኡ እውን ኣብ ደቡባዊ ምብራቅ ኤሽያ በብግዜኡ ዝኽሰት ምዕልቅላቅ ማይ ብሕልፊ ኣብ ቨትናምን ፊሊፒንስን ብዙሕ ሞት ኣስዒቡ ብዙሕ ንብረት ከምዘዕነወ ከምኡ እውን ኣብ ኣውስትራልያን ካሊፎርንያን ብዝተኸስተ ልዕለት ዋዒ ዝሰዓበ ሓደጋታት ኣዕናዊ ሓዊ ምምልካት እኹል እዩ ኢሎም።

ኣብ ኣህቡር ኣፍሪቃ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ማሊ ኒጀር ዝተኸስተ ደርቂ ብሚልዮናት ንዝቁጸሩ ኣደዳ ጥሜት ገሩ ውሕስነት ምግቢ ከምዝሰኣን ገሩ። ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘንጸላሉ ዓጸቦ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሕጻናት ዚኣክል ምግቢ ብምስኣን ይሳቀዩ ከምዘለው ይምልከት። ስለዚ ሰበሥልጣን እዛ ሃገር ምሉእ ሃገራዊ ዕርቂ ንምግባር ዝሕግዝ ዘተ ብምግባር ንዘሎ ፍልልይ ኣርሒቆም ፍታሕ ክረኽቡ እምሕጸን ኢሎም።

ቊጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው!

ንዝርጋሔ ታህዋስ ኮሮና ንምክልኻል ንነጻነት ምቅስቃስ ዝዓንቀጹ ኣዋጃት መንግስታት ንኩሉ እንክጐድእ ብቀንዱ ግን ነቶም ማእከላዊ መነባብሮ ሕይወት ዝነበሮም ክፍሊ ሕብረሰብ እዩ ሃስዩ! እዚኦም ናኣሽቱ ትካላት ዝነበሮም ንርእሶም ኰይኖም ብዙሓት ስድራቤታት ምንጪ ስራሕን እቶትን ኰይኖም የገልግሉ ስለዝነበሩ ብምዕጻው ናይዚኦም ብዙሓት ስድራቤታት ምናዳ እቶም ተኣፈፍቲ ዝነበሩ ብጣዕሚ ተጐዲኦም። እዚ ቊጠባዊ ቅልውላው እዚ ካልእ ናይ ዘመንና ሕማም እንብሎ ተጠቂምካ ደርቢ ዝብል ክንዲ ኣብ ኣቊሑት ኣብ ሰባት ክረኤ ጀሚሩ። ዘድልየና ቁጠባኸስ እነገልግሎ ቊጠባ ዘይኮነ ንደቂተባትዮን ደቂኣንስትዮን ዘገልግል ቊጠባ ይኹን። ሕይወት ዝዘርእ ቊጠባ እምበር ሞት ዘምጽእ ኣየድልን። ንኩሉ ዝተሓባብር እምበር ሌላን ጉሌላን ዝፈጥር ኣይኹን። ሰብኣውነት ዘቀድም ብዛዕባ ተፈጥሮን ከባብ ዝግደስ እምበር ዘይዕኑ ቁጠባ የድልየና ኢሎም።

ግዳያት ዕጽው ዶባትን ተነጺሎም ብብሕትውና ዝሳቀዩን!

ለበዳ ኮቪድ 19 ብፍላይ ካብ ዘጥቅዖም ክፍሊ ሕብረተሰብ እቶም ቀዋሚ ሥራሕ ዘይነበሮም ዕለት ዕለት ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ጀሚርካ ጨኒቅዎም ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ተጠቂሞም ግዳይ ምዝመዛን ግዱድ ሥራሕን ዝኾኑ እንክኸውን ዝተፈላለየ ናይ ምንዝርናን ንግድ ደቂሰባትን እውን ከምዝሳዕረረ ዝገለጹ ቅዱስነቶም፡ ቊጠባዊ ምርግጋእ ዝገበርካ ገርካ ንኩሉ ውሑስ ክኸውን በዚ ከኣ ክፋተ ግብሪ ዝኾኑ ምዝመዛን ሓረጣን ብልሽውናን ፍትሒ ምጒዳልን ክተጒድል ይከኣል ኢሎም። ካብ ገዛኦም ዝሰርሑ እውን ነዊሕ ሰዓታት ተዓጽዮም ኣብ ገዛውቶም ኣብ ቅድሚ ኮምፕዩተርን ካልእ መራኸቢ ብዙሓንን  ምናዳ ኸኣ እቶም ድኻታትን ስራሕ ዘይብሎምን ቈላሕታ ክግበረሎም። ብመራኸቢ ብዙሓን ካብ ዝግበር ዓመጽን ምጥፍፋእን ንግድ ደቂሰባትን ምንዝርናን ሕጻናት ክርእይዎ ዘይግባእ ምስልታትን ምጥንቃቅ የድሊ ኢሎም።

ማዕረ ማዕረ ኣብ ገዛኻ ምውሻብ ናይ ሃገራት ዶባትካ ምርጋጥ እውን ምስቲ ዘሎ ቊጠባዊ ቅልውላው ተደሚሩ ንብዙሓት ናይ ረድኤትን ሕጹጽ ረድኤትን ድርጅታት ኢደ እግረን ኣሲሩ እቶም ክርድኡ ዝንበሮም ይርድኡ የለውን። ንኣብነት ኣብ ሱዳን ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃን ሞዛምቢቅን የመንን ሲርያን ብዙሕ ጸገም ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ ከኣ ገሊአን ሃገራት ቊጠባዊ ማዕቀብ ዝተገብረለን ብቀንዱ ካብ ነቶም ፖሎቲካውያን መራሕቲ ነቲ ድኻ ሕዝቢ ከምዝጐድእ እውን ኣዛኻኺሮም። ሰብኣዊ ሓገዝ ብቀሊሉ ዝመሓላለፈሉ መንገዲ ክፍጠር ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ኣብ ርእሲ እዚ ካልእ ዳርጋ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ ዝመጸ ሕማቅ ውርሽእ ከኣ ዕዳ ሃገራት ኰይኑ እዚ ኩነታት ተሓዊስዎ ብዙሓት ካብ ዝገደደ ናብ ዝገደደ ምናዳ እቶም ድኻታት ሃገራት እዚ ሃገራዊ ዕዳ ዝፈኹሰሉን ዳግም ተበራቢረን ንምዕብልና ዝንቀሳቀሳሉን መንገዲ እንተዝናደ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ስደተይታትን ሓተቲ ዑቊባን!

ብምዕጻው ዶባት ብዙሕ ዝተጐድኡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ስለዝኾነ ነተን ነዚኦም ሰባት እዚአን ተቀቢለን ዘመሓድራ ዘለዋ ሃገራት እዞም ሰባት እዚኦም ካብቲ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ሓሲምዎም ዝተሰዱሉ ጥሜትን ድኽነትን ከገላግልዎም ክተሓባበሩ ጸዊዖም።

ቅዱስነቶም ጉዳይ ስደተኛታት ዕለት ዕለት ይውስኽ ስለዘሎ ንምክልኻሎም ብሓዲስ ቃል ክእቶ እሞ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገራቶም ተመዛቢሎም ዘለውስ ይኹኑ ነቶም ስደትን ዓመጽን ግጭትን ውግእን ኣስካሕኪሕዎም ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም ሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣንቢሮም ሃገራቶም ገዲፎም ንዝስደዱ ከከም ኣድላይኑ ቈላሕታ ክግበር ተማሕጺኖም። ብቀንዱ ከኣ ዞባ ሳሄል ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ዳርጋ ዕሥራ ዕጽፊ ኰይኑ ዘሎ ክሕሰበሉ ሓደራ ኢሎም።

ፖሎቲካዊ ቅልውላው!

ለበዳ ኮቪድ 19 ከይኣክል ኣብ ገሊኤን ሃገራት ፖሎቲካዊ ቅልውላው ከኣ እናበኣሰ መጺኡ። ንኣብነት ኣብ ምያንማር ዝተኸስተ ዕልዋ መንግስቲ። ብሓቂ ዘሕዝን እዩ ቅርበተይ ነዚ ዝሳቀ ሕዝቢ እንክገጽል እቲ ኣብዘን ዝሓለፈ ዓመታት ዝተገብረ ዲሞክራስያዊ ጒዕዞ ኩሉ በርዒኑ። ነቶም ተኣሲሮም ዘለው ፖሎቲካውያን መራሕንቲ ስለሰናይ እታ ሃገር ክበሃል ንጹሕ ዘተ ክግበር ተስፋ ኣሎኒ ኢሎም።

ደሞክራሲ ዝበሃል ምምሕዳር ሕዝቢ ከም ዕላማ ዘተሓባብር መንገዲ መሪጽካ ሰላማውን ሃናጽን ምክብባርን ዝዓሰሎ ዘተ ክግበር ይዕድም። ቅልውላው ፖሎቲካን ቅልውላው ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ብዓለምለኸ ደረጃ ዓብሊሉ ንዝኾነ ብብዙነት ዝግበር ሥርዓት ዓፊኑ ኣሎ። እንተኾነ ሕጂ ቁሩብ ብልጭታ ተስፋን ምትብባዕን ዝኸውን ከም ዳግመ ምብርባር ኒክለሳዊ ኣጽዋርን ካልእ ኣጽዋርን ኣብ ምጒዳል ዝግበር ዘተ ዝነኣድ ምዃኑ ገሊጾም።

ልክዕ በዚ መስመር ኣብ 2021 ክውድኡ ዝምነይዎም ግርጭታት ናይ ሲርያ ግጭት ከምኡ እውን ቀጥታዊ ዘተ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ክበራበር ኣብ ሊባኖስ ምርግጋእ ኣብ ሊብያ ሰላም ክነግስ እምነ ኢሎም። ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ዘሎ ሓፈሻዊ ጉዳያት ማለት ፖሎቲካውን ማሕበራውን ወጥርታት ኣብ ዓሚቚ ዘይማዕርነትን ምጒዳል ፍትሕን ድኽነትን ዝተመሥረተ ኰይኑ ተጻይ ክብሪ ደቂሰባት ስለዝኾነ ከምዘሻቅሎም እውን ገሊጾም። ከምኡ እውን ኣብ ወሽመጥ ኮርያን ደቡብ ካውካስን ዘሎ ወጥሪ ከምዘሻቀሎም ገሊጾም።

ግብረሽበራን ራዕድን!

ኣብዘን ዝሓለፋ ዕሥራ ዓመታት ኣብ ትሕተ ሳሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ከምኡ እውን ሓሓሊፍካ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝስዕርር ዘሎ ግብረ ሽብራን ራዕድን ገና መጥቃዕቱ ምቅጻሉ ዘሻቅሎ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ቦታታት ኣምልኾ ዝኾኑ ናይ ዝተፈላለያ እምነታት ኣብያተ ጸሎት መጥቃዕቲ ክወርድ ምርኣይ ከምዘሕዘኖምን ሰበሥልጥእን መካነ ኣምልኾ ንምክልኻል ከምኡ እውን ነጻነት ሓሳብን ሕልናን እምነትን ክሕልው ሓላፍነቶም ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ቅልውላው ሰብኣዊ ርክባት!

ናይዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ቅልውላው ካብ ሓደ መሠረታዊ ቅልውላው ከምዝነቅሉ እዚ ቅልውላው እዚ ከኣ ኩልና እንዕዘቦ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ክህሉ ዝነበሮ ርክብ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብሓፈሻ ቅልውላው ዘመደ ኣዳም ክንብሎ እንኽእል ኣብ ርክብ ደቂሰባት ዘጋጠመ ቅልውላው እዩ። ናይዚ ምኽንያት እቲ ብዛዕባ ሰብ ሰብ ዘሎና ኣምር ብዛዕባ ክብሩ ዘሎና እምነትን ራእይን ብምጉዳሉ እዩ ኢሎም።

ነቲ ድሮ ቈሲሉ ዝንበረ ርክብ ደቂሰባት ለበዳ ኮቪድ ብዝወሰኾ ተነጽሎን ብሕትውናን ነፍሲ ወከፍ ግለሰብ ናብ ንቡር ተመሊሱ ምስ ዝኸምኡ ሰባት ርክብ ንክፈጥር ሃረር ከምዝብል ገርዎ። ኣብያተ ትምህርትን መካነ ጥበባትን ብበይነ መረባዊ መንገዲ ብኢንተርነት ክቀርቡ ምስ ጀመሩ ኣብ መንጎ እቶም ርኹባት ድኻታትን ዝነበረ ፍልልይ ሰፊሑ ኣብ ትምህርትስ ይኹን ኣብ ተክኖሎጂ ዘይማዕርነት ተቀልቂሉስ ብዙሓት ተማሃሮ ካብቲ ክበጽሕዎ ዝነበሮም ደረጃ ትምህርቲ ድሒሮም ኣለው። እዚ ኩነት እዚ ዕንወት ኲስኰሳ እኳ ክንብሎ እንተኸኣልና ንነፍሲ ወከፍ ጽፍሒ ማሕበረሰብ ዝኸውን ኲስኰሳ ትምህርቲ የድሊ ከመይ ፈውሲ ናይቲ ዝዕብልል ዘሎ ግላውን ሸለልትነት ባህሊ እዚ ጥራይ ስለዝኾነ ኢሎም።

ቅልውላው ቃል ኪዳንን ሕይወት ሥድራቤትን!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ዝጠቀስዎ መሠረት ሕብረተሰብን ቤተክርስትያን ዝኾኑ ቃል ኪዳንን ሕይወት ሥድራቤትን ግዳይ ናይዚ ዝተጠቅሰ ቅልውላው ኰይኑ ምናዳ ከኣ ብሓደ ተዓጺኻ ንነዊሕ ግዜ ምጽናሕ ግዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ ምዃን ፈጢሩ። ለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ዘስዓቦም ጸገማት ሓደ መሠረታውያን ናጽነታት ምንጻግ ኰይኑ እቲ ቀንዲ ከኣ ናይ እምነት ነጻነት ብምኽላእ ብሓባር ሥርዓተ ኣምልኾ ከይትፍጽምን ከይትጽልን ካብ ምኽልካል ጀሚርካ ነቲ ምሳኡ ዝኸይድ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ተግባራት ምዕንቃጽስ ይኹን ንኲስኰሳን ትምህርትን ደው ምባል ንብዙሓት ማሕበራት እምነት ሃስዩ። ሽሕ’ኳ ሕይወት ክነድሕን ንዝርጋሔ ኮሮና ቫይሩስ ብከመይ ንከላኸሎ መንገድታት ሃሰስ ክንብል እንተተገደድና መንፈሳውን ሞራላውን ጒዳይ ደቂሰባት እውን ካብቲ ኣካላዊ ጥዕና ኣትሒትካ ዝረአ ከምዘይኮነ ክንዝንግዕ የብልናን እንክብሉ ቃሎም ሂቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 February 2021, 21:56