ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ ዓመት ምእንቲ ሕውነት ንዕየይ

ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዝተፈላለያ ባህልታትን ዘተ ኣብ ዘነቓቕሕ ጽምብል መላእ ሃገራት ዓለም ክሓብራ ብምዃነን ሓጐስ ይስምዓኒ!

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 4 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ዘተን ሕውነትን ዝበዓለሉ ዕለት ክኸውን ከምዝወሰነ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብዚ በዓል’ዚ ብምኽንያት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝካየድ ጽምብል ቅዱስ ኣቦና ክሳተፉ ከምዝኾኑ ባዕሎም ቅዱስነቶም ዕለት 3 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ገሊጾም፡ ኣብዚ ዓቢይ ክብሪ`ዚ ኵሉ ብጸሎትን ብዕለታዊ ህርኵት ጻዕሪ ክሓብር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓለም ሓቆፍ ቀዳማይ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት
ዓለም ሓቆፍ ቀዳማይ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 21 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም.  ብዘመሓላለፎ ውሳኔ መሰረት ዕለት 4 ለካቲት  በዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዋዜማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብን ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝን ካልኦት ዓበይቲ ኣካላትን ኣብቲ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝሳተፉሉ ጽምብል ክሳተፉ ምዃኖም ገሊጾም፥

እቲ ተበግሶ ነቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብ ምስሪ ምስ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብን ኣነን ብሓባር ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲምና ወግዓዊ ዝገብርናዮ ሰነድ ዓቢይ ግምት ዝሃበ እዩ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኤሚራት ዓረብ

ቅድሚ ክልተ ዓመት ይኸውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ቅድሚኦም ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘየካየዱላ ኤሚራት ዓረብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብታ ሃገር ብሓባር ኣብ ምስሪ ምስ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበር ይበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለምን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ዘርእስቱ ሰነድ ከቲሞ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ከምዝገበሩ ክዝከር እንከሎ፡ እቲ ሰነድ ናይ ሓባር ድላይ ኣብ ዘተ ምጽናዕ ዝብልን ኣብ ዓለም ዓቢይ ክብሪ ዘለዎ ሰነድን ነቲ ስዒቡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእሲ በቲ ኣብ ኣሲዚ ዝኸተምዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣቢሎም እውን ሓቀይና ማሕበራዊ ምሕዝነት ንምኽዋን ዝድግፍ ተወሳኺ ዓንዲ ከምዝለገሱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሕውነት ከም ዕለታዊ ናይ ሓባር ጻዕሪ

ቅዱስነቶም ዕለት 3 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ረቡዓዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊዞም ምስ ኣብቅዑ፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም እውን ግዴኡ ዘበርከተሉ ብዓለም ሓቆፍ ኣርካን ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን ባህልታትን ዝተፈላለያ ሃገራትን ዘተ ተፈጥሮኣዊ ዝምባለ ኣብ ምዃን ይዓብይ ከምዘሎ ዝተሰምዖም ሓጐስ እንክገልጹ፥

ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዝተፈላለያ ባህልታትን ዘተ ኣብ ዘነቓቕሕ ጽምብል መላእ ሃገራት ዓለም ክሓብራ ብምዃነን ሓጐስ ይስምዓኒ!

ቢሎም፡ ዝለገስዎ ቃል፥

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዕለት 4 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሕውነት ክበዓል ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳኔ “ኣብ መንጎ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ብዛዕባ እቲ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝሳተፍዎ ሓባራዊ ክብርታት ዘለዎ ኣፍልጦን መረዳእታን ንኽመሓየሽ ኣበርክቶ የቕርብ” እንክብሉ ዘስመረሉ ሓሳብ ጠቒሶም እዚ ናይዛ ዕለቲ እዚኣ ጸሎትናን ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልታት ዓመት ህርኵት ጻዕርናን እዩ!

እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ናይ ዘተ ዘርኢ ኣብ ሞርኮን ምስርን ኣሲዚን

ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መግረባዊ እስላማዊ ዓለም ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእመና ምትሕብባርን ከም ሰብ ኣብ ኣገልግሎት መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ሰብ ኪካፈሉ ከምዝተጸውዑን እዚ ኸኣ ኣብቲ ናይ ኣቡ ዳቢ “ሰብኣዊ ሕውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ወግዓዊ ዝኾነ ሰነድ ከም ዘርኢ ዝነበረ እዩ፡ ክልተ ዓመት ንድሕሪት ምልስ ቢልና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምስሪ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ቅድሚ እቲ ምብጻሕን ንኡስ ሓው ዘኣሲዚ - ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብታ ሃገር ዘካየዶ ምብጻሕ ከምዝዘከሩን፡ ዕለት 28 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ነቶም ኣብ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ምእንቲ ሰላም ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓደ መሓሪ ኣምላኽ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእመናን […] በዚ መገዲ’ዚ ንሓድሕድና ኣሕዋትን ኣሓትን ክንበሃሃል ንኽእል” እዚ ንኽንበር ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ግዴኦም ከበርክቱ ዝተጸውዑ እያቶም” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሕውነት ንምንቕቓሕ ጭቡጥ ተግባራት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣል-ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብን እቲ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ኣቡ ዳቢ ሰነድ ንምስንዳውን ንምጥንቓቑን ሓደ ዓመትን መንፈቕን ከም ዝወሰደሎምን፥ እቲ ሰነድ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ንንባብ ምስ በቐዔ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ እቲ ሰነድ ዘቕርቦ ኣስተንፍሶን ትምኒታቱን ናብ ጭቡጥ ተግባር ንምስግጋር ሕድሕዳዊ ሕውነትን ምትሕብባርን ምክብባርን ንምንቕቓሕ ዝዓዪ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር። ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ብዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቢላ ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ጽምብል ክትሳተፍ ኣተባቢዖም እዮም። ኣብቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንሰብኣዊ ሕውነት ኣገልግልት ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብቲ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ናይ ሓባር ረቛሒ ዝኾነ፥ “እግዚኣብሔር ኣምልኽ ንብጻይካ ኣፍቅር” ዝብል ክብሪ ብኣጽንዖት እከዘኻኽሩ፥ “ሕውነት ኣብቲ ካልእ ሕውነትን ሓብትነትን ንኽንጥምት ሕይወት ንኽንካፈልን ንሓድ ሕድና ንኽንደጋገፍን ክንፋቐርን ንኽንፋለጥን ይመርሓናን ነቲ ኣቦ ኵሉ ዝኾነ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእስና ንኸነርህው ይድርኸናን” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

04 February 2021, 00:57