ጸሎትን ግብረ አምልኾን ምስ ክርስቶስ የወሃህዱና! ብዘይግብረ ኣምልኾ ክርስትና የለን! ር.ሊ.ጳ

‘ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን ናብታ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት የሩሳሌም ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ኢኹም ዝበጻሕኩም፡ ናብ ጉባኤ ዅሉ፡ ናብ ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዅራት፡ ናብ ኣምላኽ ፈራድ ኵሉ፡ ናብ መናፍስቲ እቶም ፍጹማን ጻድቃንን፡ ናብ ኢየሱስ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳንን ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ዝሔሸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም አሎኹም’ (ዕብ 12.22-24)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ንብዝሕ ዝበለ ግዝያት ንሕዝባዊ ሥርዓታት ኣምልኾን መንፈሳዊ ኣድላይነቶምን ዕሽሽ ዝብል ግላዊ ክርስትና ንበር ዝብል ፈተና ኣጋጢሙ ነበረ። ብዙሕ ግዜ እዚ ዝንባሌ እዚ ግላዊ ዝኾነ ጽፉፍ መንፈሳውነት ምድንፋዕ ብዝብል ሓሳብ ነቲ ብደገ ዝግበር ሓባራዊ ሥርዓታት ጸሎት ተጽዕኖ ዝፈጥርን ጐዳእን ልማድ ብማለት ይኩንኖ። ዓንዲ ማእከል ናይዚ ነቀፌታ እዚ ሓደ ፍሉይ ሓባራዊ ዝኾነ ሥርዓት ወይውን ዉሱን ሥርዓት ዘይኮነ ነቲ ግብረ ኣምልኾ ማለት ሥርዓት ኣጸላልያ ግብረ ኣምልኮ ብዓንዱ ርእሱ ነበረ።

ከም ሓቁ ኣብ ቤተክርስትያኣን ገሊኡ ሥርዓታት መንፈሳውነት ምስ ሊጡርግያዊ ሥርዓታት ከመይ ገቢርካ ከምእትወሃሃድ ዘይፈለጡ ክርከቡ ይከኣሉ እዮም። ብዙሓት ኣመንቲ ኣብ ሥርዓታት ምናዳ ሥርዓተ ቅዳሴ ሰንበት ብተወፋይነት እኳ ዝሳተፉ እንተኾኑ ንፍሉይ ግላዊ መንፈሳውነቶም ግን ካብ ካልእ ብግልኻ ዝግበሩ ጸሎታትን ሥርዓታትን እምነቶምን መንፈሳዊ ሕይወቶምን ኣሃብቲሞም።

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓሠርተታት ዓመታት ብዙሕ ጒዕዞ ተፈጺሙ። ቅዱስ ጉባኤ ዝብል ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይዚ ነዊሕ ጉዕዞ ሓደ ምዕራፍ የመልክት። እዚ ሰነድ እዚ መለኮታዊ ኣምልኾ ብኩለንታኡን ብምሉእን ንሕይወት ክርስትና ኣድላዪ ከምዝኾነን ክርስትያን ከኣ ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕያው ኣካል ኮይኑ ምሥጢሩ ኣብ ታሪኽ ብጭብጢ ዝተፈጸመ እምበር ሓደ ሓሳብ ወይ ስምዒት ኣይኮነን ንዝብሉ ሓሳባት መንጎኛ ወድዓዊ ፍታሕ የቅርብ። ጸሎት ክርስትያን ከኣ ትሑዝ ብዝኾነ ነገራት ይሰጋገር! ቅዱስ መጽሓፍ፣ ምሥጢራት ቤተክርስትያን ከምኡ ሥርዓታት ግብረ ኣምልኾን ማሕበረክርስትያን ሒዙ ይጐዓዝ። ኣብ ሕይወት ክርስትና ካብ ንዋታውን ዝጭበጥን ነገር ኣይኮነን ዝንቀል ከመይ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ መንግዲ ድሕነት ስለዝኾነና። ኣካልና እውን ክጽሊ ኣለዎ ክንብል ንኽእል እወ ሰውነትና ኣብ ሥርዓተ ጸሎት ይኣቱ ማለት እዩ።

ስለዚኸስ ኣብ ሥርዓታት ቅዱሳት ምሥጢራት ዘይተመሥረተ መንፈሳውነት ክርስትና ክህሉ ኣይክእልን። ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ቊ. 2655 ‘ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ሥርዓተ-ኣምልኾ ምሥጢራት፤ ናይ ክርስቶስ ኮነ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተልእኮት፤ ነቲ ኣብ ጸሎተይና ልቢ ዚቕጽል መደብ ምሥጢረ-ድኅነት ይእውጅን ይነግርን፤ ህልው ይገብርን፤ ንኻልኦት የሳትፍን። መንፈሳውያን ደረስቲ ሓድሓደ እዋን ንልቢ ምስ’ቲ መንበረ ታቦት (ምሥዋዕ) የመሳስልዎ። ጸሎት እንኪፍጸም ኮነ ብድሕሬኡ፤ ግብረ-ኣምልኾ ኣወሃሂዱን ኣዋዲዱን ይርከብ። ጸሎት፤ ወላ’ኳ “ብስቱር” እንተተገብረ ወትሩ ጸሎት-ቤተክርስትያን እዩ፥ ምስ ቅድስት ሥላሴ ዚግበር ሱታፌ-ኅብረት እዩ።’ እንክብል ይገልጾ። ሥርዓተ ኣምልኾ ብዓንዲ ርእሱ ፍኑው ብዝኾነ መንገዲ ዝግበር ጸሎት ጥራይ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ካብዚ ንላዕልን መበቆላውን ብዝኾነ መንገዲ ንምሉእ ተመኲሮን ናብራን ክርስትና ዘደልድል ብዝበለጸ ከኣ ንጸሎት ዘዕሙቊ እዩ። ክውንነት ጸሎትከስ ሓደ ፍጻሜ ኰይኑ ብኣካል ምህላው ምርኻብ እዩ። ምስ ክርስቶስ ምርኻብ እዩ። ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ብምልክታት ምሥጢራት ብኣካል ህልው ይኸውን ስለዚ ከኣ እዩ ንሕና ክርስትያን ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾን ምሥጢራትን እንሳተፍ። ብወገነይ መለኮታዊ ግብረ ኣምልኾ ዘይብሉ ክርስትና ክርስቶስ ዘይብሉ ክርስትና እዩ ክብል እደፍር ማለት ክርስቶስ ብምልኣት ዘይብሉ ንበሎ። ኣብቲ ጽንኩር ኩነታት ብዝፍጸም ሥርዓተ ኣምልኾ ከም ኣብነት ኣብ ቤትማእሰርታት ገሊኦም ክርስትያን ዝሰርዕዎ ዝነበሩ ገና ዝሰርዕዎ ዘሎ ወይውን ኣብ ግዜ ስደት ክርስትና ኣብ ሓደ ገዛ ተሓቢካ ዝፍጸም ሥርዓተ ኣምልኾ ክርስቶስ ብኣካል ኣብቲ ፍጻሜ ይርከብ ንምእመናኑ ከኣ ይውፈ።

ግብረ ኣምልኮ በቲ ወድዓዊ ዝኾነ ባህሪኡ ብውዕውዕ መንፈስ ክፍጸም ኣለዎ! እዚ ዝኾነሉ ከኣ እቲ በቲ ሥርዓት ዝወሃብ ጸጋ ብከንቱ ከይሓልፈና እኳ ደኣ ነፍሲ ወከፍ ተቀቢሉ ከምዘስተማቅሮ ምግባር የድሊ። ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ ክፍሊ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ጸሎት ግብረ ኣምልኾ ኣብ ኣንጒዕና ከምዝኣቱን ከምዝስቈረናን ይገብር’ እንክብል ጽቡቅ ገቢሩ ይገልጾ። ብዙሓት ጸሎታት ክርስትያን ካብ ግብረ ኣምልኾ ኣይኮነን ዝውሕዙ እንታይ ደኣ ዳርጋ ኩለን ጸሎታት ናይ ብሓቂ ጸሎታት ክርስትያን እንተዀይነን ንግብረ ኣምልኾ ከም ቅድመ ኩነት ይሓታ ብካልእ ኣዘራርባ ምሥጢራዊ መንጎኝነት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይሓታ። ምሥጢረ ጥምቀት ኣብ እንሠርዓሉ ነፍሲወከፍ ግዜ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ወይንን ህብስትን ኣብ ቅዱስ ቊርባን ኣብ እንልውጠሉ ወይውን ብቅብኣ ቅዱስ ንሓድ ሕሙም ኣብ እንቀብኣሉ ክርስቶስ ብኣካሉ ኣባኡ ኣሎ። ንሱ እዩ ኣብኡ ህልው ኰይኑ ከምቲ ኣብዚ ምድሪ እንከሎ ሕሙማት ዝፍውሶ ዝነበረ ወይውን ኣብ መወዳእታ ድራር ንድሕነት ዓለም ዝፍጸም ኪዳን እንከረክብ ከምዝገበሮ ንሱ እዩ ብኣካል ዝሰርሕ።

ጸሎት ክርስትያንከስ ብምሥጢራቱ ገቢሩ ኢየሱስ ኣብ ማእከልና ከምዝህሉ ይገብር። ማለት እቲ ካባና ወጻኢ ዝግበር ክፍልና ይኸውን ስለዝኾነ ከኣ ግብረ ኣምልኾ ከም ምብላዕ ዚኣመሰለ ባህርያዊ ምልክታት ይጥቀም። መሥዋዕተ ቅዳሴ ክስማዕ ጥራይ ዘለዎ ሥርዓት ኣይኮነን። ከመይ ሕማቅ ልማድ ኰይኑና ‘ቅዳሴ ክሰምዕ እኸይድ ኣሎኹ’ ንብል። መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ሓደ ንዓና ዘይምልከት ጉዳይ ብማዕዶ ትዕዘቦን ኰይኑ ፈጺምካ ክስማዕ ጥራይ የብሉን። መሥዋዕተ ቅዳሴስ ይሥራዕ ደኣ! እዚ ከኣ በቲ ሠራዒ ካህን ጥራይ ዘይኮነ በቶም ዝሳተፍዎ ማሕበረ ክርስትያን ብምሉኦም እዮም ክሳተፍዎ ዘለዎም። ዓንዲ ማእከል ክርስቶስ እዩ። ንሕና ኩልና ዝተፈላለየ ውህበትን ተልእኮ ዝተቀበልና ከኣ ኣብ ተግባር ክርስቶስ ንሳተፍ። ከመይ ንሱ ባዕሉ ማለት ክርስቶስ እዩ ቀንዲ ተዋሳኣይ ግብረ ኣምልኾ።

ቀዳሞት ክርስትያን ግብረ ኣምልኾን ሥርዓታቱን ክፍጽሙ ምስ ደለዩ ንተግባራትን ቃላትን ኢየሱስ ብምድጋም ብብርሃንን ሓይልን መንፈስ ቅዱስ ተሰንዮም እታ ሕይወቶም በቲ ጸጋ እቲ ተተንኪፋ ናብ እግዚአብሔር ዝቀርብ መንፈሳዊ መሥዋዕቲ ዝኸውን ይሰርዕዎ ነበሩ። እዚ ኣገባብ እዚ ካብቲ ቅድሚኡ ዝፍጸም ዝንበረ ሥርዓታት ሱር ነቀል ለውጢ ኣስዒቡ። ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማውያን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ 12.1 ‘እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ ኣምዕደኩም ኣሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ’ ይብል። ብሕይወት ምንባር ማለት ንጐይታ ግብረ ኣምልኾ ንምዃን እተጸዋዕካ ምዃን እዩ እንተኾነ እዚ ብዘይጸሎት ክፍጸም ኣይከኣልን ምናዳ ኸኣ ጸሎት ግብረ ኣምልኾ። እዚ ሓሳብ እዚ ናብ ቅዳሴ እንክንከይድ ንኩልና ክሕግዘና ኣለዎ። ምስ ማሕበር ክጽሊ እኸይድ ኣሎኹ! ምስቲ ኣብኡ ዘሎ ክርስቶስ ብሓባር ክጽሊ እኸይድ ኣሎኹ። ንኣብነት ናብ ጥምቀት ሓደ ቤተሰብና እንክንከይድ እቲ ኣብኡ ዘጠምቅ ክርስቶስ እዩ፣ ምናልባት ሓደ ካባኹም ዋእ ኣባቴ እዚ ኣበሃህላ ወይውን ኣተሓሳስባ እዩ ክብለኒ ይኽእል። ኣነኸኣ ኣይታጋገ ብሂል ኣይኮነ ሓሳብ! ክርስቶስ ብኣካሉ ኣብኡ ኣብቲ ንስኻ ምስቲ ኣብ ጐድንኻ ዘሎ ክርስቶስ ሓቢርካ ብምጽላይ እትፍጽሞ ግብረ ኣምልኾ ኣሎ እብሎ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
03 February 2021, 10:56