ተልእኮ ቤተክርስትያን ከም ኢየሱስ ኣብ ጐኒ ዝሓመሙን ጽጉማትን ኰንካ ምስናዮምን ምድጋፎምን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 7 ለካቲት 2021 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምዕጻው ዳግም ርሕቀቶም ሓልዮም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተኣከቡ ምእመናን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምድጋሞም እግዚአብሔር ይመስገን ዳግም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክንራኸብ ጀሚርና ድሕሪ ቢሎም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ንዝሳቀ ንክትድግፎን ንክተተንስኦን ድንን ምባል ብርሕራሔን ለውሃትን ክትከናኸኖ ምግዳል ናይ ወልደ እግዚአብሔር ምሩጽ ኣገባብ ነበረ። ቤተክርስትያን እውን ነዚ እያ ክትገብር ዘለዋ፣ ነዚ ሓይሊ ዝህቦ ግን ምስ እግዚአብሔር ኣቦ ጥቡቅ ርክብ ምህላው እዩ’ እንክብሉ ተልእኮ ቤተክርስትያን ኣነጺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማርቆስ 1.29-39 ዝተወስደ ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምጅማር ተልእኮኡ ካብቶም ዝሓረዮም ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ጴጥሮስ ሓማት ሓሚማ ኢዱ ኣምቢሩ ከምዝፈወሳ ከምእውን ናይቲ ዓዲ ከባቢ ኩሉ ሕሙማቱ እናኣምጻሉ ከሕዊ ውዒሉ ሓዲሩስ ኣብ ኣጋ ጽባሕ ጸሎት ክገብር ግልል ምስ በለ እቶም ሓዋርያት ከይተረፉ ተሻቂሎም ከምዝደለይዎ ዘመልክት ነበረ። በዚ ከኣ እቲ ቀንዲ ተልእኮኡ ምስ ጽጉማትን ሕሙማትን ብምዃን ብርሕራሔ ክፍሶም ይረኤ። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሓዝዎም እውን ይሓውዩ ነሮም እንተኾነ መንነቱ ክገልጹ ክግዕሩ ምስ ጀመሩ ሱቊ ክብሉ ይእዝዞም ነበረ ከመይ ገና ግዜኡ ኣይበጽሐን ነበረ።

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ብተደጋጋሚ ንእትጥቀስ ምሕዋይ ትብል ቃል መበገሲ ብምግባር ነቲ ንነዊሕ ኣዋርሕ ኣብ ገገዛኦም ዓጽዩ ዝነበረ ለበዳ ኮቪድ 19 ቁሩብ ደሓን ብምዃን ዳግም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክጋባእ ንዝጀመረ ሕዝቢ በቲ ልሙድ መስኮት ሓዋርያዊ ኣዳራሽ ቅልቅል ኢሎም ደጊም ዳግም ኣብዛ ቅርዓት ተራኺብና ምስ በሉ እቶም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ብጣቅዒት ታሕጓሶም ገሊጾምሎም። ነዛ ምሕዋይ እትብል ቃል ዘሰኒ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ናይ ኢዮብ ስቃይን ናብ እግዚአብሔር ዘቅረቦ ገዓርን ልመናን ዝገልጽ ኣብ መወዳእታ ከኣ ዝሓወየ በቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣብ ኩላ ገሊላ ዝኾነ ሕውየት ዋዕዊዓ ቀረበት። ሎሚ ከም ሎሚ እውን ዘመደ ኣዳም ብምሉኡ ሕውየት የድልዮ ኣሎ። ብቀንዱ እቲ ብሚልዮናት ካብ ዚዓጽድ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ክሓዊ ከምዘድልዮ ድኻምነቱን ተኣፋፍነቱን ርእዩ ኣሕውየኒ ኢሉ ናብ ኣምላኽ ክምህለል፡ ቤተክርስትያን ከኣ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ቀንዲ ተልእኯኣ ንዝሓመሙ ብርሕራሔ ምስናይን ምድጋፍን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ጐይታ ኩሉ ይከኣሎ እዩ እታ ካባና ትድለ ከምታ ሓማት ጴጥሮስ ጐይታ ከሕውየካ ምፍቃድ ምስ ሓወኻ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት ኣሕዋት ተጸሚድካ ምኽኣል እዩ።

ጐይታ ከሕውየካ ፍቀድ ኣብ ኣገልግሎት ከኣ ተጸመድ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቤት ጸሎት ወጺኡ ምስ ያዕቆብን ዮሓንስን ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ከም ዚኣተወ፡ ኣብኡ ከኣ ሓማት ስምኦን ዓሶ ሐሚማ ብብርትዕ ረስኒ ትቅሎም ከምነበረት እሞ ሽዑ ንሽዑ ብዛዕባኣ ምስ ነገርዎ፡ ኢየሱስ ናብ ሓማት ጴጥሮስ ቀሪቡ፡ ኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ። እቲ ዓሶ እውን ሽዑ ንሽዑ ሐደጋ፡ ንሳ ኸኣ ከምዘገልገሎቶምን እቲ ናይ ምሕዋይ ተልእኮ ከምዝቀጸለን ካብ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ቅዱስነቶም ነታ ምሕዋይን ምግልጋልን ዝብላ ቃላት ወሲዶም ንሕና እውን ጐይታ ከሕውየና ክነፍቅደሉ ምስ ሓወና ኸኣ ብኡ ንብኡ ኣብ ኣገልግሎት ክጽመድ ከምዘድሊ ገሊጾም።

“ኢየሱስ ናብታ ዝሓመመት ቀረበት ብኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ እናበለ ወንጌላዊ የመልክተልና። ኣብዚ ባህርያዊ ዝመስል ገርሀይና ተግባር እዚ ብዙሕ መቀረት ኣሎ። ቀጺሉ እቲ ወንጌላ እቲ ረስኒ ገደፋ ተንሲኣ ከኣ ኣገልገለቶም ይብል። እቲ ዘሕዊ ስልጣን ኢየሱስ ኣብዚ ምንም ተቋውሞ ኣየጋጠሞን እታ ሰብ ከኣ ምስ ሓውየት ሽዑ ንሽዑ ንገዛእ ርእሳ ረሲዓ ብዛዕባ ካልኦት ክትሓስብን ዕለታዊ ስራሓ ክትገብርን ትጅምር። እዚ ከኣ ሓቀኛ ጥዕና የመልክት ኢሎም። ቅድምያ ንዝሳቅየዩ ምሃብከስ ቀንዲ ተልእኮ ቤተክርስትያን እዩ።”

ንዝሳቀዩ ቅድምያ ምሃብ ጉዳይ ቤተክርስትያን እዩ!

እዛ ቀዳመይቲ ናይ ሕውየት ተኣምር ካልእ ሰንሰለት ትፈጥር። ከመይ ዕለቱ ቀዳም ወይውን ሰንበት ኣይሁድ ስለዝነበረ ኢየሱስን ኣርድእቱን ካብ ቤተመቅደስ እዮም ትኽ ኢሎም እንዳ ስምዖን ዝኸዱ እንተኾነ ኣብ እዋን ዓራርቦ ድሮ እታ መዓልቲ በዓል ኣብ ምሕላፋ ስለዝነበረ ብኡ ንብኡ ብዙሓት ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓዞምን ናብ ኢየሱስ ከምዝጽእዎም ጀሚሮም። ኢየሱስ ከኣ ነዞም ብስጋን ብነፍስን ዝሳቀዩ ዝነበሩ ብርሕራሔ ይፍውሶም። ነቶም ምሳኡ ዝንበሩ ሓዋርያት እውን ተዓዝብቲ ጥራይ ኰይኖም ከይተርፉ ነቲ ንሱ ዝገብሮ ንሶም እውን ክገብርዎ ከምዝኽእሉ ይገልጸሎም እኳ ደኣ ስልጣን ሂቡ በብክልተ ይልእኮም። እቲ ሥልጣን ከኣ ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ዝንበረ ሕሙማት ክፍውሱን ኣጋንንቲ ንከውጽኡን ምዃኑ ኣነጺሩ ይነግሮም።

“እዚ ብዘይመጠን ኣገዳሲ እዩ። ብዝኾነ ሕማም ንዝሳቀዩ ምክንኻን ናይ ቤተክርስትያን ናይ ምርጫ ስውራሕ ኣይኮነን። ፈጺሙ ኣይኮነን። ተወሳኺ ጉዳይ ኣይኮነን። ብዝኾነ ሕማም ንዝሳቀዩ ምክንኻን ከምቲ ናይ ኢየሱስ ናይ ቤተክርስትያን ቀንዲ ክፍሊ ተልእኮ እዩ። እዚ ተልእኮ እዚ ከኣ እዩ ንሕያውነት እግዚአብሔር ንዝሳቀ ዘመደ ኣዳም ዘምጽእ። ስለዚ ቅርበትን ለውሃትን ርሕራሔን የድሊ ኢሎም።”

ቅርበትን ለውሃትን ርሕራሔን!

ክርስትያን ንስቃይ ወይውን ንዝሳቀ ሰብ ክህቦ ዘሎዎ መልሲ ሕጽር ብዝበለ ቅርበትን ለውሃትን ርሕራሔን እየን። ብዘረባ ወይውን ብመግለጺታት ዘይኮነ ብኣካል ህላዌ ፍቅሪ እግዚአብሔር ምግላጽ የድሊ። ነዚ ድሕሪ ቁሩብ ዕለታት ንዝመጽእ ዕለት 11 ለካቲት ኣብ ዝኽሪ በዓል ማርያም ዘሉርድ ዓለምለኸ ዕለተ ሕሙማን ኢልና ኣብ ዘሎና ብግብሪ ክንፍጽሞ ኣሎና። እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ መላእ ዓለም ዝሳቀየሉ ዘሎ ኩልና ደቂሰብ ነሕልፎ ዘሎና ለበዳ እውን ብግህዶ ንርእዮ ስለዘሎና ነዘን ዝበልናየን ብተግባር ክነርእየን ኣሎና ኢሎም። እዚ መሠረታዊ ተልእኮ ቤተክርስትያንከስ ኣብ ቅድሚ ክብሪ ወዲሰብን ዕብየቱን ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ኣብ ተኣፋፍነቱ ክንምልከት ይዕድመና። ወትሩ ኢየሱስ እንታይ ኮን ምገበረ ወይውን ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ሕሙማት እንታይ ይገብር ነበረ እንተበልና ድንን ኢሉ ብኢዶም ሒዙ የልዕሎም ነበረ። ንሓማት ጴጥሮስን ነቶም ኩሎም ዘሕውዮም ዝነበረን ከምኡ እዩ ዝገብር ዝነበረ።

“ንዝሳቀ ሰብ ንክተልዕል ድንን ምባል ዓቢ ነገር እዩ። ነዚ ኣይትረስዑ። እንኮ መንገዲ እያ። ንሓደ ዝሓመመ ሰብ ንምልዓል ድንን ኢልካ ኢዱ ሒዝካ ምልዓሉ እታ እንኮ ኣማራጺት እያ። ኢየሱስ ከኣ ንቤተክርስትያን ነዚ ተልእኮ እዚ እዩ ሓደራ ዝበላ። ወልደ እግዚአብሔርከስ ንግሥነቱ ኣብ ላዕሊ ኰይኑ ኣትሒቱ ብምምልካት ካብ ርሑቅ ዘይኮነ ቅርብ ኢሉ ድንን ኢሉ ብትሕትና ኢዱ ዘርጊሑ ቅርበትን ለውሃትን ርሕራሔን ገሊጹ። መንገዲ እግዚኣአብሔርከስ እዚአን እየን። ክንደይ ግዜ እይ ኣብ ወንጌል እንክነንብብ ጐይታ ኣብ ቅድሚ ሓደ ጸገም ጥዕናስ ይኹን ካልእ ጸገም እንክኸውን ራሕርሓሎም ዝብል ዘየንበብና። ርሕራሔ ኢየሱስከስ ቅርበት እግዚአብሔር ኰይኑ ኣገባብ እግዚአብሔር ንሱ ምዃኑ ንረዳእ። መሰኻኽሩ ንምዃን ሓይሊ ካብኡ ንለምን ኢሎም።”

መሰኻኽር ንምዃን ሓይሊ ካብ እግዚአብሔር ንርከብ!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣብ ፍጻሜ ጐይታ ኩሉ ክሰርሕ ምስ ወዓለ ምስ ኣቡኡ ንምርኻብ ክጽሊ ከምዝኸደ ከምዚ ክብሉ ይገልጾ።

“[ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ገና ለይቲ ኸሎ፡ ወጸ። ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየ። ካብዚ ጸሎት እዚ ተልእኮኡ ንክፍጽም ሓይሊ ይረክብ ነበረ። ተልእኮኡ ከኣ ስብከትን ምፍዋስ ሕሙማትን ነበረ። ቅድስት ድንግል ማርያም ኢየሱስ ንከሕውየና ክነፍቅድ ትደግፈና። ከመይ ኩልና ሕውየት የድልየና ኣሎ። ምስ ሓወና ኢና ብግደና ናይታ እትሕዊ ርሕራሔ እግዚአብሔር መሰኻኽር እንኸውን ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ። ] ”

ብድምጺ ንምክትታል!
08 February 2021, 13:35

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >