ማሕበር ካቶሊካዊ ተግባር ምስ ር.ሊ.ጳ.፥ ሓድሽ ቃል ብስራት ንምዝራእ ስንዱዋት

እቶም መንእሰያት ንቕዱስ ኣቦና ስለ እቲ ኣብቲ ማዕበልን ነውጽን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ዓለም ጸኒዑ ዘጽንዕ መርሕነቶም ብምድናቕ ኣመስጊኖም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 31 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ኣብቲ ዓመታዊ “ናይ ሰላም ቃፍላይ”  ርክብ ካብ ዝሳተፉ ብውሑዳት መንእሰያት ተዓጂቦምን እቶም መንእሰያት ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ተልእኾኦም ድጋፎምን ቅርበቶምን ከምዝሓደሱን ቅዱስነቶም ነቲ ናይቶም መንእሰያት ሓይልን ትብዓትም ከምዘድነቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

እቲ ናይ ለምዘበን ናይ 2021 ዓ.ም. “ጉባኤ መንእሰያት ካቶሊካዊ ተግባር “ናይ ሰላም ቃፍላይ” በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብናይ ሮማ ሰበኻ ናይ ዜናን ክፍሊ ሕትመትን ቤተ ጽሕፈት ተደጊፉ ከምእተኻየደ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቶም መንእሰያት ዝውክሉ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘዕረግሉ ሓዋርያዊ ቤት መዝገብ ከምእተረኽቡን፡ ቅዱስነቶም ነቶም መንእሰያት፥

ብምኽንያት ዓመታዊ ርክብ ናይ ሰላም ቃፍላይ ኣባላት ካቶሊካዊ ተግባር መንእሰያት ኣብ ዝተፈላለያ ቁስምናታት ብመርኸቢ ብዙሓን ድዩ ብማሕበራዊ መረብት ኣቢሎም ኣብዚ ምሳና ሕቡራት እያቶም፡ ዋላ’ኳ እቲ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ክንክን ጥዕና ይሃሉ ብወለድታትኩምን መምሃራንኩምን ተደጊፍኩምን ብካህናት ተሰኒዅምን ብዘነቓቓሕኩምዎ ዘደንቝ ተበግሶታት ብሓቂ አድንቐኵም፥ ብትብዓት ንቕድሚት በሉ፡ ብሓቂ ንፉዓት ኢኻትኵም፥ አመስግነኩም!

ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንኢየሱስ ቀረባ ኵኑ

ብምኽንያት መዓልቲ ርክብ ናይ ሰላም ቃፍላይ፡ እቶም መንእሰያት ንቕዱስ ኣቦና ብዛዕባ ተበግሶታቶምን ኣፈጻጽማኡን ካብቲ ዝሓለፉ ዓመታት ዘካይድዎ ካብ ዝነበረ ፍልዩ ዘብሎ ኵሉ ብዝርዝር  ብዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ጭርሖታትን ከምዘብርሁን፡ ቅዱስነቶም እውን እቶም መንእሰያት በቲ ዘቕረብዎ ጽሑፋትን ጭርሖትትን ብቓሎም እቶም መንእሰያት ክገልጽዎ ከምዝገበሩን፡ ብርግጽ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ መደባት ክቀያየር እውን እንተገበረ እቶም መንእሰያት ኣብ ቤቶም ምስ ኣባይቲ ስድራኦም ኮይኖም ብጽሎት ከምዝሓበሩን በዚ ኸኣ ቅርበቶም ምስ ኢየሱስ ጽኑዕ ምዃኑ ከምዝመስከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቶም መንእሰያት ኣብ መወዳእታ ንቕዱስ ኣቦና ስለ እቲ ኣብቲ ማዕበልን ነውጽን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ  ዓለም ጸኒዑ ዘጽንዕ መርሕነቶም ብምድናቕ ኣመስጊኖም ሓድሽ ቃል ብስራት ኣብ ምስፋሕ ኣገልግሎቶም ሕቡራት ኢና እንክብሉ ከምዘረጋገጹሎምን ተስፋን ሰላምን እምነትን ኣብ ምዝራእ ቅዱስ ኣቦና ምስኹም ንሓብር ኣብዚ ኣገልግሎትኵም’ዚ ንድግፍፈኵም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 February 2021, 12:00