ር.ሊ.ጳ.፥ ሓምለ 2021 ዓ.ም. ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦን ኣደን ሓጐታትን ኣረጋውያንን

ከምቲ ነቢይ ዮኤል ዝብሎ - ኣቦ ሓጐታት ኣብ ቅድሚ ደቂ ደቆም ይሓልሙ፡ መንእሰያት ከኣ ካብ ኣቦ ሓጐታቶም ሓይሊ ይረኽቡ

ኣብ ወርሒ ሓምለ ራብዐይቲ ሰንበት 2021 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓተ ኣምልኾ ዓመታዊ ክብረ በዓል ወለዲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቅዱስ ኢያቄምን ሃናን ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ተተሓሒዙ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ኣረጋውያንን ተዘኪሩ ክውዕል ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ ናይ ብዕድመ ምድፋእ ናይ እርግና ጸጋን ቅድመናን ንኣናን ሕይወትን እምነት ዝዓቀቡን ዘመሓላለፉን እነብዕለሉ ዕለት እዩ እንክብሉ ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ተዘክሮናን ናይ ሕዝቢ ኣናስርን ናይ ወለዶ መራኽቦ ካትም ክዕቀብ ዘለዎ ሃብቲ! ኣረጋውያንን ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ማለት ንሱ እዩ፡ ብዙሕ ግዜ ዕሽሽ እንብሎ እውነተይናን ግቡእን “ጸጋ” እያቶም። ምእንቲ’ዚ በቢ ዓመቱ ምስ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት እያቄምን ሃናን ተተሓሒዙ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣቦ ሓጐታትን ኣደሓጐታትን ክበዓል ከምዝወሰኑን ነዚ ውሳኔ እዚ ምኽንያት ዝኾኖም እውን እታ ዓመታዊ በዓል ኣስተርእዮ ዘእግዚእነ ዕለት 2 ለካቲት ዝበዓል ክልተ ኣረጋውያን ስምኦንን ሃናን መንፈስ ቅዱስ ኣብሪህሎም ማርያምን ዮሴፍን ንኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣቕረብዎ ርእዮሞ፥ ኢየሱስ መሲሕ ምዃኑ ዘለለዩን ዝነብርዎ መንፈሳውያነት ከምዝኾነ ባዕሎም ቅዱስነቶም፥

መንፈስ ቅዱስ ሎሚ እውን ኣብ ኣረጋውያን ቃል ጥበብ የነቓቕሕ፡ ድጾም ምስጋና ንእዚኣብሔር ዘቕርብን ናይ ህዝብታት ኣናስር ዝዕቅብን ዓቢይ ሃብቲ እዩ፡ ንሳቶም ብዕድመ ምድፋእን - እርጋን ጸጋ ምኾኑ የዘኻኽሩናን ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ንመእሰይ ወለዶ ናይ ሕይወትን ናይ እምነትን ተመክሮ ዘመሓላልፉን  ወለዶ ዘራኽቡ ካትም እያቶም! 

እንክብሉ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መዓልቲ ምእንቲ ንዘይ-ምርሳዕ

ሎሚ ካብ ቀደም ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ብቐዳምነት ንዓቢይ ሓደጋን መስዋዕትነትን ንኣረጋውያን ዘቃልዕን ንበይኖም ካብ ኣባይቲ ስድራኦም ርሒቖምን ንኽነብሩ ዘገድድ ዘሎ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፥ ከም ኣናስርና ክዕቀቡ እዩ ዝግባእ፡ ምእንቲ’ዚ ቅዱስ ኣቦና፥

ብዙሕ እዋን እዚ ዓቢይን ኣናስርን ናይ ምትሕልላፍን ሃብቲ ዝኾኑ ኣረጋውያን ንርእስዖም፡ ስለዚህ ንኸይርስዑ መታን ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን በቢ ዓመቱ ኣብ ወርሒ ሓመለ ራብዐይቲ ሰንበት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ኣረጋውያንን ክበዓል፡ መዓልቲ ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን አቐውምን ምስ ዓመታዊ በዓል ወለዲ ቅድስቲ ድንግል ማርያን ኣቦ ሓጐን ኣደ ሓጐን ኢየሱስ፥ ቅዱስ እያቄምን ቅድስቲ ሃናን ተተሓሒዙ ክበዓል እዩ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣቦ ሓጐታትን - ኣደ ሓጐታትን መንእሰያትን፥ ሕልምን ትንቢትን

ካብ ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ናብ መንእሰያትን ምስ መንእሰያትን፥ ዘሎ ምትእስሳር ጥቡቕ እዩ ስለዚህ ኣብ መንጐ እዚ ትውልዲ’ዚ ጥቡቕ ዘተ ክህልው ኣለዎ፡ ዓለም በዞም ክልተ ወለዶ ምትሕቝቛፍ እዩ ዝነብር፥

ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን ምስ ደቂ ደቆም ክራኸቡን ደቂ ደቆም ምስ ኣቦ ሓጐታቶምን ኣደ ሓጐታቶምን ክራኸቡ ኣገዳሲ እዩ፡ ከምቲ  ነቢይ ዮኤል ዝብሎ - ኣቦ ሓጐታት ኣብ ቅድሚ ደቂ ደቆም ይሓልሙ፡ መንእሰያት ከኣ ካብ ኣቦ ሓጐታቶም ሓይሊ ይረኽቡ፡ ንቕድሚት ንኽብሉን ክንበዩን፡ ዕለት 2 ለካቲት ብትኽክል መዓልቲ ርክብ ኣብ መንጐ ኣቦ ሓጐታትን ደቂ ደቃቶም እዩ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 February 2021, 11:52