ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንግዳያት ሓደጋ ኣብ ሂማልያ

ቅዱስ ኣቦና ዘስምዕዎ ናይ መጸናንዒ ቃል፡ ኣብቲ ኣብ ህንዲ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት በቲ ዘጋጠመ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽትን ጸሎትን ዝሓብር

ዕለት 10 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ናብ ህንድን ርሑቕ ምብራቕን ሓሳቦም ኣቕኒዖም ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 7 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ኣብ ሂማልያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣደዳ ንዝኾኑ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ከምዘረጋገጹን ከምኡ እውን ነቶም ወርሓዊ ሓድሽ ዓመትን ምብዓል ዝቐራረቡ ንዘለዉ ኵሎም ሰላምን ሰናይ ዘበለ ኵሉን ሕውነትን ከምእተመነዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርቶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሰሜናዊ ናይ ህንዲ ግዝኣት ኡታራካንድ ከባቢ ዘጋጠመ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞም 32 ሰባትን ከምኡ እውን ነቶም 72 ገና ሃለዋቶም ዘይተረኽቡን ንዅሎም በቲ ሓደጋ ዝተተንከፉን ዘኪሮም ምእንታኦም ጸሎትም እንከረጋግጹ፥

ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ሰሜን ህንዲ ምድርማስ ኩምራ በረድ ብዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ልዕሊ ክልተ ዝሕነጽ ኣብ ዘሎ ናይ ሓይሊ መብራህቲ ማእከል ብዘውረዶ ከቢድ ውድመትን ምዕልቕላቕን ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞምን ምእንቲ ኣባይቲ ስድራኦምን ምእንቲ ኵሎም ማህሰይቲ ዝወረዶምን ዝተፈላለየ መጉዳእት ንዘጋጠሞምን እጽልይ!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ነቶም በቲ ዘጋጠመ ናይ ኣካባቢኣዊ ሓደጋ ምኽንያት ሃለዋቶም ገና ዘይተረኽበ ናይቲ ብሓይሊ ማይ ዝቐውም ጸዓት ሰራሕተይናታት ድልያን ከምኡ እውን ኣብ ዝሕነጽ ዝነበረ ጉሕጓሕ ተዓጊቶም ንዝተረፉ 34 ሰራሕተይናታት ሕይወት ንምድሓን ናይ ሓደጋ ምክልኻል ሓይሊ ኣባላት ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ ከምዘለዉን እቲ ካብ ውሕጅ ኣላክናንዳ ብድልድል ተፈልዩ ኣብ ልዕሊ ዝተፈጥረ ሰብ ሰርሖ ቀላይ ዝወደቐ ድርማስ ኩምራ በረድ ብዝፈጠሮ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተይናታት ከቢድ መጉዳእቲ ከምዘውረደን እቲ ከባቢ ብባህሪኡ ኣዚዩ ተኣፋፊ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ቅድም ክብል ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብቲ ከባቢ ኣጋጢሙ ብዝነበረ ብርቱዕ ዝናም ብዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይ ልዕሊ ሓሙሽተ ሺሕ ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ብምዝኽኻር፡ ነቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይ ሂማልያዊ ሱናሚ ዝብል መጸውዕ ከምእተወሃቦ የመላኽት።

ቅዱስ ኣቦና ዘስምዕዎ ናይ መጸናንዒ ቃል፡ ኣብቲ ኣብ ህንዲ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት በቲ ዘጋጠመ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽትን ጸሎትን ዝሓብር ኮይኑ፡ ናይቲ ከባቢ ህልው ናይ ኣየር ኩነታት ነቶም ዝተጐድኡ ዜጋታት ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ብዙሕ መሰናኽል ይፈጥር ከምዘሎን፡ መንግስቲ ነቶም ዝተጐድኡ ዜጋታት ዝከኣሎ ሓገዝ ከምዘቕርብ ኣብ ዘካይዶ ህርኵት ጻዕሪ ተወፋይነት ከምዘርእይ እምነተይ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ወርሓዊ ሓድሽ ዓመት ንዘብዕላ ሃገራት፥ ናይ ሰላምን ሕውነትን ጥዕናን ዓመት ምንዮት

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም እውን ወርሓዊ ሓድሽ ዓመት ንዘብዕላ ኣብ ዞባ ርሑቕ ምብራቕ እስያ ንዝርከባ ሃገራት ዘኪሮም፥ እቲ ዕለት 12 ለካቲት ወርሓዊ ሓድሽ ዓመተን ንዘብዕላ ቻይናን ቨትናምን ኮርያን ጃፓንን፥ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 9 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን እቲ ሓድሽ ዓመት ሰላምን ሕውነትን ጥዕናን ዝጽግው ክኸውን ምንዮቶም እንክገልጹ፥

እቲ ሓድሽ ዓመት ሕውነትን ምቅርራብን ዘፍሪ ክኸውን ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ምንዮተይን ልባዊ ሰላምታይን ከመሓላልፍ እፈትው፡ ንኣካልን ነፍስን ጥራሕ ዘይኮነ ንማሕበራዊ ርክባት እውን ዝትንክፍ ናይቲ ለብዒ ብድሆታት ንምግጣም ሓያል ሻቕሎት ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ ህሞት ኵሉ ሰብ ምሉእ ጥዕናን ርግኣት ሕይወትን ክረክብ እትስፎ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቅዱስነቶም ጥዕናን ህድኣትን እምነይ እንክብሉ ዘቕረብዎ ትስፍው ቃሎም ወትሩ ነቶም ኣብ ሕይወቶም ፍሉይ ቆላሕታ ንዝገብርሎም ድኻታት እናሓሰቡ ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ውህበት ሰላምን ክንክንን እንክምነዩ፥

ኣብ መወዳእታ ኩሉ ንውህበት ሰላምን ምእንቲ ንናይ ኵሉ ሰናይ ክጽልይን እዞም ጸጋታት ኣዚኣቶም ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ኣርሒቕኻ ብምጥማትን ብትብዓትን ዝርከቡ ምዃኖም ከዘኻኽር እፈትው፡ ንዝደኸዩን ዝደኸሙን ሓለፋ ኣብ ምባብልን ኣብ ምክንኻን ሓደራ ግደ ይሃልወና!

ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ከምእተፋነው ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

11 February 2021, 11:47