ድለ

ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ሕሜትን ፍርህን ኣወጊድና ኣብ ሕይወት ብጾትና ንሳተፍ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 14 ለካቲት 2021 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ምስ ዝነበሩ ምእመናን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ምእመናን ንቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትን ሕሜትን ስዒሮም ኣብ ሕይወት ብጾቶም ንከይሳተፉ ዘሸቊርሮም ፍርሂ እውን ኣልዮም ነቲ ንቊስልታትና ዝተኻፈለን ሕይወትና ዝፈወሰን ኢየሱስ ኣብነት ይከተሉ’ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሎሚ ብጸሓይ ወቂባ ኣላ! ብጣዕሚ ጽብቅቲ! ናይ ዕለቱ ወንጌል ማር 1.40-45 ኣብ መንጎ ኢየሱስን ሓደ ለምጻምን ዝተገብረ ርክብ የዘንትወልና። ኣብቲ ዘመን እቲ ለምጻማት ከምዘይንጹሓት ተራእዮም ከምቲ ሕጊ ሙሴ ዝእዝዞ ካብ ማእከል ሕዝቢ ተኣልዮም በይኖም ይነብሩ ነበሩ። ካብ ዝኾነ ሰብኣውን ማሕበራውን ሃይማኖታውን ርክባት ዝተኸልከሉ ነበሩ። ንኣብነት ኣብ ቤተመቅደስ ኪኣትው ይኽእሉ ኣይነበሩን ወላ ንእምነቶም ብዝምልከት ጉዳያት። እንተ ኢየሱስ እቲ ለምጻም ክቀርቦ የፍቅድ ይርሕራሓሉ ኢዱ ዘርጊሑ እውን ተጻይ ኩሉ ጥንቃቄን ሕግን ይትንክፎ። ኣብቲ ግዜ እቲ እዚ ዘይሕሰብ ነበረ። በዚ ከምዚኸስ ኢየሱስ ነታ ዘበስራ ዝነበረ ሠናይ ዜና ብግብሪ የርኢ። ማለት ኢየሱስ ኣብ ሕይወትና ቀረባና ከምዝኾነ ነታ ዝቆሰለት ዘመደ ኣዳም ከምዝራሕርሓላን ከምዝደንገጸላን ብምምልካት ንዝኾነ ምሳኡ ካብ ምርኻብን ምሳኡ ካብ ምንባርን ክዕንቅጸና ዝኽእል መከላኸሊ ይኣሊ። ከምኡ እውን ምስ ብጾትና ካብ ምንባር ዝኽልክል ነገራት ይኣሊ። ቀረባ ኰይኑ ቅርበቱኸስ ክሳብ ክንድዚ እዩ። ነዛ ቃል እዚኣ ዘክሩ! ቅርበት ርሕራሔ! ኢየሱስ ነቲ ለምጻም ምስ ረኣዮ ራሕርሓሉ ይብሉ ናይ ሎሚ ወንጌል። እዚ ለውሃት እዩ! ድንጋጼ እዩ! ቅርበት እግዚአብሔር ዝገልጻ ሰለስተ ቃላት ኢለኩም ነረ ቀረባና ምዃን ርሕራሔን ድንጋጼን ከምኡ እውን ለውሃት እየን። ኣብ ናይ ሎሚ ፍጻሜ ሕጊ ክጠሓስ ንርኢ። በቲ ሓደ ቀገን እቲ ለምጻም ተጻይ ሕጊ ናብ ኢየሱስ ይቀርብ። ነዚ ፈጺሙ ክገብሮ ኣይነበሮን። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኢየሱስ ብርሕራሔን ድንጋጼን ተደፊኡ ናብኡ ይቀርብ ምቅራብ ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ብለውሃት ንከሕውዮ ይትንክፎ። ኢየሱስ እውን ነዚ ብሕጊ ፈጺሙ ክገብሮ ኣይነበሮን። ክልቲኦምከስ ተጻይ ሕጊ ብምኻድ ኣፍረስቲ ሕጊ ነሮም ነሮም ክንብሎም ንኽእል።

እታ ቀዳመይቲ ጥዕሰት ሕጊ እታ ናይ ለምጻም እያ። ሕጊ ኦሪት ሓደ ለምጻም ክሳብ ዝነጽሕ ካብ ኩሉ ተነጺሉ በይኑ ክነብር እንክእዝዝ እዚ ለምጻም ግን ካብቲ ውሸባ ወጺኡ ናብ ኢየሱስ ይመጽእ። እዚ ሕማም እዚ መለኮታዊ መቅጻዕቲ ኰይኑ እዩ ዝረኤ ዝነበር እንተኾነ ኣብ ኢየሱስ ካልእ መለኮታዊ ሓይሊ ይርኢ። እዚ ኣምላኽ እዚ እዚ ዝቀጽዕ ዘይኮነ ዝምሕር መለኮታዊ ሓይሊ ከምዘለዎ ክርኢ ክኢሉ። ኣቦ ርሕራሔን ኣቦ ፍቅርን ዝኾነ መለኮታዊ ሓይሊ ርእዩ። እዚ ከኣ እቲ ካብ ሓጢኣትና ሓራ ዘውጽኣና ካብ ምሕረቱ ማንም ዘየግልል ኢየሱስ ነበረ። በዚ ከምዚኸስ እቲ ለምጻም ካብታ ተወሺብዋ ዝንበረ ብሕትውና ይወጽእ። ከመይ ኣብ ኢየሱስ ቃንዛኡ ዝሳተፍ ኣምላኽ ይረክብ። ኣገባብ ኢየሱስ ናብኡ ይስሕቦ ካብ ገዛእ ርእሱ ውጽእ ኢሉ ብኢየሱስ ክተኣማመን ስቃይ ዝመልኦ ታሪኽ ሕይወቱ ምሳኡ ክሳተፍ ይውስን።

ኣብዚ ሓደ ሓሳብ ናይ ብዙሓት ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዘናዝዙ ካህናት ከካፍለኩም ኣፍቅዱለይ። እዚኦም ካህናት እዚኦም ንብዙሓት ባዶሽ ዝስምዖም ምእመናን ባይታ ዝዘበጡ ኰይኑ ንስዝምዖም ሓጢኣተኛታት ብርሕራሔን ለውሃትን ናብኦም ክቀርቡ የፍቅዱ። ከምዚ ዓይነት መናዘዝቲ ካህናት ብሓቂ ንፉዓት እዮም። ከም ገሊኦም ሻቦጥ ኣብ ኢዶም ሒዞም ምፍርራህ ዘይኮነስ ተቀቢሎም ጽን ኢሎም ንክሰምዑ ኣብ መወዳእታ ከኣ እግዚአብሔር ሕያዋይ ከምዝኾነ ወትሩ ከምዝምሕርን ዝገልጹ ንፉዓት ካህናት እዮም። ነዞም ከምዚ ዝገብሩ ምሕረት ዝመምርሒኦም ኣናዘዝቲ ካህናት ኩልና ኣብዚ ቅርዓት እንርከብ ሕጂ ብጣቅዒት ምሳጋናና ንግለጸሎም።

እታ ካልአይቲ ጥሕሰት ሕጊ እታ ኢየሱስ ዝገበራ እያ። ማለት እቲ ሕጊ ንለምጻማት ከይትትንክፍ ዝብል ነበረ ኢየሱስ ግን ይርሕርሕ ብምግላጽ ኢዱ ይዝርግሕ ንከሕውዮ ኢሉ ድማ ይትንክፎ። ምናልባት ሓደ ካባና ሕጊ ብምፍራሱ ሓጢኣት ፈጺሙ ክብል ይኽእል ከመይ ሕጊ ዘፍርስ ተጻይ ሕጊ እዩ። እው ብርግጽ ሕጊ ኣፍሪሱ። እንተኾነ ኢየሱስ ከምዚ ግበሩ ጥራይ ብማለት ኣብ ቃላት ከይተሓጽረ ብግብሪ ይትንክፍ። ብፍቅር ምትንካፍ ከኣ ሓደ ዓይነት ርክብ ምፍጣር ውህደት ኣብ ሕይወት ካልኦት ክሳብ ቊስልታቱ ምስታፍ እዩ። በዚ ኣገባብ እዚ ኢየሱስ እግዚአብሔር ሱቊ ኢሉ ወሰኑ ሒዙ ንኩሉ ዝዕዘብ ዘይኮነ ብርሕራሔ ዝቀርብ ለውሃቱ ብተግባር ዝገልጽ እዩ። ጥሕሰት ሕጊ እግዚአብሔር በዚ ኣገባብ እዚ ዓቢ ጥዕሰት ይኸውን።

ኣሕዋተይን ኣሓተይን! ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ዓለምና በዚ ሕማም እዚ ዝሳቀዩ ብዙሓት ኣለው። ሃንሰን ዝበሃል ለምጺ ወይውን ካልእ ዝመሳሰሎን እቲ ዝገደደ ከኣ ብሕሜታን ብቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ተነጺሎም ዝሳቀዩ መሊኦም ኣለው። ኣብ ወንጌለ ሉቃስ 7.38 ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሓደ መኣዲ ምስ ተዓደመ እሞ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ኣብ እግሩ ቅዱይ ሽቱ ምስ ኣፍሰሰት እቶም ፈሪሳውያን እዚ ሰብ እዚ ሓጢኣተኛ እዩ ኢሎም ፈረዱ ሓመዩ። ‘ዋእ እዚ ሰብ እዚ ብሓቂ ነቢይ ነሩ እንተዝኸውን ነዛ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ብማዕዶ ምፈለጣ እሞ እምበይመቅረባን ነሩ’ እውን ተበሃሃሉ። እነሆ እምበአር ንዕቀትን ሕሜትን ዋጋ ምኽላእን! እንተ ኢየሱስ ይቅበላ የመስግና ኣብ መወዳእታ ከኣ ‘ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ’ ይብላ። ለውሃት ኢየሱስ ከስ እዚ እዩ። እንተ እቲ ‘እዚ ሰብ እዚ ንጹሕ ኣይኮነን! እዛ ሰብ እዚኣ ሓጢኣተኛ እያ! እዚ ሰብ እዚ መደናገሪ እዩ! ወዘተ ዝብል ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ሓፋሽ ንሰባት ካብኦም ከምዝርሕቁ ይገብር። ሓንሳእ ሓንሳእ ርግጽ የጋጥም እዩ እንተኾነ ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ካብ ምሃብ ንቈጠብ። ንነፍሲወከፍና ቊስልታት ውድቀታት ስቃያት ከምኡ እውን ካብ ብጾትናን ካብ እግዚአብሔርን ዝንጽል ብሕታውያን ጸገማት ከጓንፉና ይኽእሉ እዮም። ሓጢኣት ብዙሕ ግዜ ብሕፍረት ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእስና ከም እንሕሶ ውርደት ከምዝስመዓና ይገብር እንተኾነ እግዚአብሔር ወትሩ ልብና ክኸፍት ምስ ደለየ እዩ። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ናይ ህውታቴ ዓለምከስ ኢየሱስ እግዚአብሔር እንክብል ብሓሳብ ጥራይ እተሰላስሎ ወይውን ከም ዓንቀጸ ሃይማኖት እትቅበሎ ዘይኮነስ ኢዱ ሰዲዱ ንደቂ ሰባት ብምትንካፍ ምርኻስን ሕማምን ዘየፍርሆ ለዋህ ርሕሩሕ ኣቦ ኰይኑ ቊስልታትና ምትንካፍ ኣየሰክፎን እዩ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ‘ዋእ ኣባቴ! እንታይ ኢኹም ትብሉ ዘሎኹም! እግዚአብሔርሲ ብርስሓተይ ክብከል!’ ክብለኒ ይኽእል። ነዚ ግን ኣነ ኣይኮንኩን ዝብሎ ዘሎኹ ቅዱስ ጳሎውሎስ ‘ሓጢኣት ኮነ’ (2 ቆሮ 5,21) እንክብል ንድሕነትና ንኣና ክብል ሓጢኣት መርገም ከምዝኾነ ይገልጽ። ንሱ ሓጢኣተኛ ኣይኮነን ሓጢኣት ክገብር እውን ፈጺሙ ኣይክእልን እንተኾነ ንሓጢኣትና ለቢሱ ሓጢኣት ኮነ። ናባና ንክቀርብ እግዚአብሔር ክሳብ ክንደይ ከምዝተበከለ እሞ ተዓዘብ። ነዚ ከኣ ርሕራሔኡን ለውሃትን ንከረደኣና ኢሉ እዩ። ቅርበት ርሕራሔ ለውሃት!

ዘሎካ ሠናይ ስም ንምዕቃብን ልማዳት ማሕበረሰብ ንምስዓብን ብዙሕ ግዜ ኣብ ቅድሚ ስቃይ ሱቊ ንብል ወይውን ዘመሳስሉ መሸፈኒ ማስከራ ንገብር። ዝዓጠና ነገራት ንከመዛበልን ፍርሒ ዝዓብለሎ ውሻጣዊ ስምዒታትና ንምሕላውን ኣብ ስቃይ ካልኦት ኣይሳተፍን። ናብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምልስ ንበል እሞ ከምቲ ኢየሱስ ዝገብሩ ኦ ጐይታ ጸጋ ጥሕሰት ናይዚ ሕጋታት ሃበኒ ንበሎ። እታ ጥዕሰት ሕጊ ለምጻም እትሕግዘና ጉዳይ ኣብ ገዛእ ርእስና ተዓጺና ዕሚም ክንዲ ምባል ከምዘሎናዮ ናብ ኢየሱስ ክንቀርብ እሞ ጐይታ እዚ እትርእየኒ ኢኻ ንክንብል ካብ ብሕትውናና ንምውጻእ ትብዓት ከምዝህልወና ትገብር። ብኡ ንብኡ ኢየሱስ ክቅበልና ክሓቊፈና ክስመዓና እዩ ሕቊፊ ኢየሱስ ክሳብ ክንደይ ጥዑም ምዃኑ ክነስተማቅር ኢና።  እታ ናይ ኢየሱስ ትሕሰት ሕጊ ከኣ ብፍቅሪ ተደፊእና ክንዮ ዝኾነ ቅድመ ፍርዳዊ ጉዳያትን ፍርሕን ምስ ካልኦት ከም እንደባለቅ ትገብረና። ከምዞም ክልተ ሰባት ጠሓስቲ ሕጊ ንምዃን ንመሃር። ከምቲ ለምጻምን ከም ኢየሱስን።  ነዚ ጒዕዞ እዚ ከኣ እዛ ሕጂ ብጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር እንምሕጸና እኖና ድንግል ማርያም ተሰንየና ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
15 February 2021, 12:28

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >