ሥልጣናዊ ቃል ኢየሱስ ጽን ኢልና ንስማዕ! ነዚ ከኣ ወንጌል ካባና ብዘይምፍላይ ንግበሮ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 31 ጥሪ 2021 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ከምቲ ካብ ኣገናንቲ ዝተገላገለ በዓል ቅፍርናሆም ንሕና እውን ንኢየሱስ ካብ ሓጢኣትና ከናግፈና ካብ ክፍኣትናን መንፈሳዊ ሕማማትናን ክፍውሰና ንለምኖ ኢሎም፣

ዜና ቫቲካን!

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሰንበት ዕለት 31 ጥሪ 2021 ዓም ዘንበበቶ ወንጌል ማር 1.21 ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምጅማር ስብከተ ወንጌሉ ካብ ዝፈጸሞም ተኣምራታት ሓደ ዝኾነ ብዕለተ ቀዳም ማለት ሰንበት ኣይሁድ ኣብ ቤተመቅደሶም ከም ኩሎም ኣይሁድ ንኣምልኾ ከይዱ ቃል ኣምላኽ ወሲዱ ከንብብን ክምህርን ምስ ጀመረ ሓደ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብ እናኣእወየ ድምጹ ዓው ኣቢሉ `ኢየሱስ ናዝራዊ ንስኻ ምሳና ንሕና ምሳኻ እንታይ ኣሎና! ክተጥፍኣናዶ መጺእካ! መን ምዃንካ እፈልጥ እየ! እቲ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኢኻ’ በለ። ሽዑ ኢየሱስ ‘ሱቊ በል ካብኡውን ውጻእ’ ኢሉ ገሰጾ ዝብል ክፍሊ ነበረ። ብሥልጣን ይምህርን ንኣጋንንቲ ይእዝዝን ብምንባሩ ዝተገረሙ ሕዝቢ ብኣኡ ኪኣምኑ ክግረሙ ዝናኡ ከኣ ክዋዕውዑ ጀምሩ። ብማለት ከኣ ይድምድም።

ቅዱስነቶም ነዚ ሥልጣናዊ ቃል ኢየሱስን ፍወሳኡን ሎሚ እውን ኣብ ወንጌሉ ከምዘሎ ብምግላጽ ኣብ ጅባ እትኣቱ ንእሽቶ ወንጌል ወትሩ ምሳና ብምሓዝ ነዚ ፈዋሲ ዝኾነ ሥልጣናዊ ቃል ኢየሱስ ወትሩ ጽን ኢልና ክንሰምዖ ክነስተንትኖ ዕለት ዕለት ካብ ጁባና እናውጽኣና ንእሽቶ ክፍሊ ክነንብብ በዚ ከኣ ከምቲ ንሕሙማት ካብ ዝተፈላለየ ሕማማቶም ዝፍውሶም ዝነበረ ንዓና እውን ካብ ሓጢኣትና ካብ ክፍኣተ ግብርናን ካብ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ሕማማትና ክፍውሰና ንለምኖ ኢሎም።

ኣብ ቤተመቅደስ ኩሎም ብትምህርቱ ተደነቁ!

ብዙሕ ግዜ ኣብ ወንጌል እንረኽቦ ኣመሃህራን ስብከትን ኢየሱስ ፍሉይ ከምዝኾነ ንክገልጹ ወንጌላውያን ብኣሉታዊ ዓንቀጽ ‘ኢየሱስ ከምቶም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ ከም በዓል ሥልጣን ይምህሮም ነበረ’ እንክብሉ ይገልጹ። ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ከኣ ‘ኩሎም ብትምህርቱ ተገረሙ’ ዝብል ይውስኸሉ እሞ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኮነ ሥልጣናዊ ምእዛዝ ርኹኻት መንፍትን ተኣዛዝነቶም ንሥልጣኑን ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዘደነቆም እዚ ከኣ ኣብ ምሉእ ገሊላ ከምዘውረይዎ ይገልጽ።

“እዚ ሎሚ ተመልኪቱ ዘሎ ተኣምር ካብተን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ዕለተ ዕረፍትን ጸሎትን ተባሂላ ዝተወሰነት ዕለተ ሰንበት ኣይሁድ ካብ ዝተፈጸሙ ሸውዓተ ተኣምራታት ሓንቲ ምዃና ዝገለጹ ቅዱስነቶም፣ እዚ ዝተፈጸመሉ ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተመቅደሶም ኣትዩ ቅዱሳት ጽሑፋት ከንብብን ክትርጒመሎምን እንከሎ ኣብ ማእከል ብዘእወዩ ርኹሳት መናፍስቲ ዝተደረኸ ምንጋፍ ነበረ ኢሎም። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ቅድሚ ዝኣገሩ ብኣማሃህራኡ ብኣዘራርባኡ ተሃኒኖም ዋእ እዝስ ኣብ ምባል በጽሑ። ከመይ ካብቲ ናይ መምህራን ሕጊ ዝምህሮ ኣገባብ ዝተፈልየ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብሥልጣን ምምሃሩ ኣደኒቅዎም። እቶም ሰባት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መወዳእታ እቶም ኣብ ውሽጢ ኣጋንንቲ ዝሓደሮ ሰብ ዝንበሩ ርኹሳት መናፍስቲ እውን ከይተረፉ ካብ ኣድናቆት ሓሊፎም መን ምዃኑ ክጭርሑ ጀሚሮም። ኣለልዪምዎስ ‘ኢየሱስ ናዝራዊ ንስኻ ምሳና ንሕና ምሳኻ እንታይ ኣሎና! ክተጥፍኣናዶ መጺእካ! መን ምዃንካ እፈልጥ እየ! እቲ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኢኻ’ ይብሉ። ኢየሱስ እውን ነቲ ርኹስ መንፈስ ሽዓ ንሽዓ የለልዮ እሞ ሱቊ በል ኢሉ ገኒሑ ካብኡ ንክወጹ ይእዝዞም። በዚ ከምዚ ከኣ ስብከተ ወንጌል ናይ ምሕዋይ ተልእኮን ከምዘይፈላለዩ ሎሚ እውን ከምኡ ከምዝኾነ ይምህረና ኢሎም።”

ስብከተ ወንጌልን ተልእኮ ምሕዋይ ሕሙማትን!

ቅዱስነቶም ቀንዲ ባህርያት ተግባር ኢየሱስ ኣብ ክልተ ብምጥቅላል ስብከተ ወንጌልን ምሕዋይ ሕሙማትን ከምዝነበራ ገሊጾም። ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል እውን ማርቆስ ወንጌላዊ ዘረጋግጸልና ነገር እንተልዩ ሥልጣን ኢየሱስ እንክኸውን እዚ ሥልጣን እዚ ከኣ ኣብ ትምህርቱ ማለት ኣብ ቃሉ ስለዝኾነ ብሥልጣን ይሰብኽ እዚ ሥልጣን እዚ ከኣ ናይ ገዛእ ርእሱ እዩ እምበር ከምቶም ናይ መምህራን ሕጊ ዝሃለፉ ባህልታትን ካብ ካልእ ዝተቀበልዎ ሕግታትን ዝምህርዎ ኣይነበረን።

እዞም መማህራን ሕጊ ቃላት ጥራይ ይደጋግሙ ነሮም! ቃላት ጥራይ! ከምቲ ኢጣላያዊ ስነጥበባዊ ሚና ሶልታንቶ ፓሮለ ዘረባ ጥራይ ኢሎ ዘዜሞ ንሳቶም እውን ዘረባ ጥራይ ነበሩ! እንተ ኢየሱስ ግን ሥልጣን ስለዝነበሮ ቃላቱ ሥልጣን ነበሮም። እዚ ከኣ እዩ ንልቢ ደቂሰባት ዝትንክፍ ኢሎም።

ትምህርትን ስብከትን ኢየሱስ ከስ ከምቲ ናይ እግዚአብሔር ኣቦኡ እንክዛረብ ቃላቱ ሥልጣን ዘለዎም  ቃላት ኢየሱስ እውን ሥልጣን ኣለዎም። ስለዝኾነ ከኣ ነቲ ከዕገርግር ዝጸንሐ ኣጋንንቲ ዝሓደሮ ብሓንቲ ትእዛዝ ከምዝወጽእ ገሩ የናግፎ የሕውዮ። ከመይ ከመይ ኢሉ እዩ እዚ ዝኸውን ዝብል ሓሳብ ከየሸንፈና እንከጠንቅቁ ቅዱስነቶም እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ንሱ ይዛረብ ብኣ ንብኣ ከኣ ትፍጸም ፍጹም ነቢይ ስለዝኾነ። ነዚ ከኣ ቀደም ቀደም ሙሴ ብትንቢት ኢየሱስ ብመለኮታዊ ሥልጣን ከምዝዛረብ እዚ ከኣ ዘድሕነና ወልደ እግዚአብሔር ምዃኑ ብምግላጽ ንኩልና ከምዘሕውየና ነጊሩ ነበረ ኢሎም። ቃል እግዚአብሔርከስ ካብ ደቂሰባትን ካብ ዓለምን ንክፉኣት የሸንፍ ኢሎም።

ቃል እግዚአብሔር ካብ ደቂሰብን ካብ ዓለምን ንክፍኣት የሸንፍ!

እዛ ሎሚ ቅዱስ ማርቆስ ዘቅረበልና ታሪኽ ምንጋፍ ጋኔን ዝሓደሮ ሰብ ዘመልክተልና ነገር እንተልዩ ስብከት ኢየሱስ ካብ ዘመደ ኣዳምን ካብ ምሉእ ዓለምና ንክፍኣት ንምሽናፍ ምዃኑ እዩ እንክብሉ ቃል ኢየሱስ ክሳብ ክንደይ ሥልጣን ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ቃሉ ብቀጥታ ተጻይ መንግሥቲ ሰይጣን እዩ ዝጻወድ! ዓቅሉ ከምዝጸቦ ይገብር! ከይፈተወ ንድሕሪ ከምዘንሳሕብ ይገብሮ! ኣብ መወዳእታ ካብ ዓለም ንክወጽእ የገድዶ። እቲ በዚ ርኹስ መንፈስ ተታሒዙ ዝጸንሔ ካብ ጐይታ ትእዛዝ ምስ መጸ ሓራ ይኸውን እንደገና ከኣ ናብ ሓዲስ ሰብ ይልወጥ። ኣብ ቤተመቅደስ ቅፍርናሆን ዘጋጠመ ከኣ እዚ ነበረ። ኣብ ምንጋፍ ብኣጋንንቲ ዝተታሕዙ ከኣ ወትሩ እዚ እዩ ዝድገም ኢሎም።”

ኢየሱስን ሰይጣን! እቲ ሓደ ተጻይ ሓደ!

ኣብ ፍጻሜ ኣስተምህሮኦም ቅዱስነቶም ኣብ መንግሥታት ብርሃንን ጸልማትን ምልስ ይብሉ ስብከት ኢየሱስ ብዓንዲ ርእሱ ነቲ መንግሥቲ ጸልማት ዝኾነ መንግሥቲ ሰይጣን ንምፍራስ በዚ ከኣ ነቲ ንሱ ዝጀሃረሉን ንዓለም ዘጋግየሉን መንግሥቱን መንግሥቲ ዓለምን ንምዕናው ቃላት ኢየሱስ እዘን መንግሥታት እዚአን ግጉይ ስርርዕ ሒዘን ከምዘለዋ የጋልጽ። ስለዝኾነ ከኣ እቲ ኣብ ቤተመቅደስ ቅፍርናሆም ንቃላት ኢየሱስ ክጻወር ዘይከኣለ ርኹሳት መናፍስቲ ዝሓዝዎ ሰብ ‘ኢየሱስ ናዝራዊ ካብና እንታይ ትደሊ! ክተዕንወና መጽእካ!’ እናበለ ዘዕለበጠ። ቃል ኣምላኽ ንሰይጣን ከምኡ እዩ ዝገብሮ። እዚ ከኣ እቲ ቀጻሊ ዝኾነ ቃልሲ ኣብ መንጎ ኢየሱስን ሰይጣንን ክሳብ መወዳእታ ዓለም ብፍጹም ስዕረት ሰይጣን ዝፍጸም ዝቅጽል እዩ። ኣብ መንጎ ምንም ዘራኽብ ሓባራዊ ጐዳይ የለን። እቲ ሓደ ተጻይ እቲ ካልእ እዮም። ኢየሱስ እቲ ሓራ ዘውጽእ ነቢይ እዩ። ብሥልጣኑ ንሰባት ናብኡ ዝስሕብ ቀደም ብነቢያት ዝተነግረ መጽሓኒ ወልደ እግዚአብሔር እዩ ኢሎም።

“ሓደራኸስ ነዘስ ሥልጣን ዝለበሳ ቃላት ኢየሱስ ወትሩ ጽን ኢልና ንስማዕ! ነዚ ኣይትረስዑ። ኣብ ጁባኹም ወይውን ኣብ ሳንጣኹም ንእሽቶ ወንጌል ተማሉኡ። ኣብ ዕለታዊ ጒዕዞ ሕይወትኩም ከኣ ነዛ በዓልቲ ሥልጣን ቃል ኢየሱስ ብምንባብ ትሰምዕዋ። ርግጽ እዩ ኩልና ጸገማት ኣሎና። ኩልና ሓጢኣት ኣሎና! ኩልና ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ሕማማት ኣሎና። ስለዚ ናብ ኢየሱስ ምልስ ኢልና ‘ኦ ኢየሱሰይ ንስኻ ነቢይ ወልደ እግዚአብሔር ኰንካ ንክትፍውሰና ተስፋ ዝተኣትወልና ኢኻ እሞ ኣሕውየኒ እንዶ ግዳ በጃኻ’ ኢልና ንለምኖ። ካብ ኢየሱስ ፍወሳ ንለምን ካብ ሓጢኣትናስ ይኹን ካብ ክፍኣትና ክፍውሰና ንለምኖ።”

ድንግል ማርያም ንቃል ኢየሱስ ኣብ ልባ ትዓቊሮ ነበረት!

ቅዱስነቶም ቀቅድሚ ብጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር አማልድነት እኖና ቅዱስ ድንግል ማርያም ምጽላዮም ነዚ ኩሉ ዝበልዎ ማለት ነቲ መድሓንን ፈዋስን ዝኾነ ዓቢይ ነቢይ ዝሰምዐት ምስማዕ ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ኣብ ልባ ተዋህልል ዝንበረት ድንግል ማርያም ዓባይ ኣብነትና ኰይና ንሕና እውን ከምቲ ንሳ ኣብ ልባ ቃላትን ተግባራትን ኢየሱስ ብጥንቃቀ ትዓቊሮን ብምሉእ ተወፋይነትን ተኣማንነትን ክሳብ መወዳእታ ዝሰዓበቶን ንሕና እውን ከምኣ ንኢየሱስ ጽን ኢልና ክንሰምዕ ነግፈረግ ከይበልና ክሳብ መወዳእታ ክንስዕቦ እሞ ኣብ ሕይወትና ምልክታት ድሕነቱ ክነስተማቅር ንማሕጸና ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣዕሪጎም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

01 February 2021, 12:22

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >