ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሊቢያ ዝተቐትሉ 21 ሰማዕታት ክርስቲያን ይዝክሩ

ኣዴታት ሕዝበ እግዚኣብሔር ብላህጃ ክንየው ቋንቋ ዝኸይድ ኣካል ናይ ምዃንካ መግለጺ ኣቢለን እምነት ዘመሓላልፋ ኣዴታት አመስግን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሊቢያ ከም ሎሚ ሽዱሽተ ዓመት ብዳዒሽ - እስላማዊ መግንስቲ ኢድ ብዘስካሕክሕ ተግባር  ዕለት 15 ለካታቲት 2015 ዓ.ም. ዝተቐትሉ 21 ሰማዕታት ክርስቲያን ኣብ ዝዝከርሉ ዕለት ዕለት 15 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ቅዱሳትና እያቶም፥ ናይ ኵሉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ቅዱሳት” እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሊቢያ ዞባ ሲርጠ ገማግም ባሕሪ በቲ ገዛእ ርእሱ እስላምዊ መንግስቲ ቢሉ ዝሰመየ ሓይሊ ኣሸበርቲ ኢድ ዝተሰየፉ 20 ናይ ቖጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርቲያን ምእመናንን ሓደ ጋናዊ ክርስቲያንን ብጠቕላላ 21 ሰማእታት ቅድሚ ምቅታሎም እምነት ክርስትና እንተድእ ኪሒዶም ናጻ ክልቀቑ ምዃኖም ዝተነገሮም ክነሶም፡ ኣምነትና ኣይንኽሕድን ስለ ዝበሉ ምእንቲ እምነቶም ዝተሰየፉ ሰማእታት፡ ቅዱሳትና እያቶም እንንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ሓቢሮም፥ “እቶም ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበሉ ብማይን ብመፈስ ቅዱስን ዝተጠመቑን እብታ ዝተቐተሉላ መዓልቲ ናይ ደም ጥምቀት ዝተቐበሉ” ብምዃኖም ቅዱሳት ሰማእታት እያቶም ቢሎም፡ ኣብ 2015 ዓ.ም. ናይ ምስሪ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያር ተዋዶሮስ ኣብ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ስንክሳር ሰማእታት እምነት ኣስማቶም ክሰፍር ገይሮም ቅዱሳት ተባሂሎም ክዝከሩ ከምዝወሰኑ ክዝከር እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ነዞም ሰማእታት እዚኣቶም “ቅዱስትና፥ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ክርስትና ባህልታትን ቅዱሳት” ቢሎም ሰምዮም፡ ሕይወቶም በቲ ምእንታና ናይ ዝተበጀወ ደም ገንሸል ዘጻዕደው ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ቅዱሳት ቢሎም ከምዝገለጽዎም ዶኒኒ ሓቢረን።

ካብ ገርሀይና እምነት ዓቢይ ህያብ

ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ሕመረት፥ እቶም ሰማዕታት እምነቶምን ኢየሱስ ዝመስከሩን እያቶም ዝብል ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፥ ተራ ሰባት ኣባይቲ ስድራኦም ንኽሕግዙ ስራሕ ንኸናድዩን ናብ ቤቶም ዕለታዊ እንገራ ንኸቕርቡን ዝተሰዱን ኣቦታት ኣባይቲ ስድራ ኣቦ ንምዃን ሃረር ዝብሉ ዝነበሩን፥

ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝመስከሩ! ጭካነ ብዝተመልኦ መኽረርቲ እስላማዊ ኢድ ዝተሰየፉ፥ ኢየሱስ ጐይታ እናበሉ ኢየሱስ እናተናዘዙን ዝሞቱ፡ ሕይወቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝሰውኡ ምዃኖም ዝዘንተው፡ ኣብዚ ሕልፈት መዓት ከምዘሎ ሓቂ እዩ፡ ካብዚ ሓቂ እዚ እቲ ኣዚዩ ሓቂ ዝኾነ ብገርሀይናነቶም ብገርሀይና እምነቶም ሓደ ክርስቲያን ክቕበሎ ዝኽእል እቲ ዝዓበየ ሓቂ ሕይወትካ ኣሕሊፍካ ክሳብ ብምሃብ ንኽርስቶስ ኢየሱስ ናይ ምምስካር ጸጋ ዝተዓደሉ ምዃኖም ዘረጋግጽ እዩ!

ከምዝበሉ ዝሓበራ ዶኒኒ ኣስዒበን፥

ምስጋና ነዴታት ሕዝበ እግዚኣብሔር

ነቶም ተባዓት ኣሕዋት ንዝሃበና እግዚኣብሔር ኣቦ አመስግን ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ነቲ ክሳብ ናይ ደም ሰማዕትነት ንኢየሱስ ክርስቶስ ክናዘዙ ዘብቅዕ ሓይልን ጥምረትን ንዝዓደሎም መንፈስ ቅዱስ አመስግን፡ ነቶም ዘዕበይዎምን ኣብ እምነት ዝሓነጽዎምን ጳጳሳትን ካህናትን ሓብትና ቆጵጣዊት ቤተ ክርስቲያንን አመስግን፡ ብፍላይ ነተን ናይቶም ዝተቐትሉ ኣዴታትን እምነት ዘጥበቦኦም እምነት ዘመሓላልፋሎም ኣዴታት ሕዝበ እግዚኣብሔር ብላህጃ ክንየው ቋንቋ ዝኸይድ ኣካል ናይ ምዃንካ መግለጺ ኣቢለን እምነት ዘመሓላልፋ ኣዴታት አመስግን ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ኢየሱስ ጐይታ እዩ ዝብል ናይ እምነት ኑዛዜ

ኣብ ናይ እዚኣቶም ተባዓት ኣሕዋት ዝኽረ በዓል ናይ ምስሪ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ተዋዶሮስን ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ጃስቲን ወልባይን ከምእተሳተፉን፥ ኣብዚ በዓል እዚ ቅዱስ ኣቦና ምሳኻትኵም ኣሕዋተይ ጳጳሳት እሓብር ቢሎም ንኣኻ ፍቑር ሓወይ ብጻየይን ተዋድሮስን ንኣኻ ጁስቲን ወልባይን ኣብዚ ርክብ’ዚ ንኽትርከብ ዝደለኻን ዝተጸምበርካን አመስግን፡ ብፍላይ ነቲ ብገርሀይና ብጥሙርን ቅኑዕን እምነት ብጸጋን ከም ሰብ ምስ ሓጢኣቶም እውን ኢየኡስ ክርስቶስ ዝተናዙን ኢየሱስ ጐይታ ኢዩ ንዝበሉ ሰማዕታት ኣሕዋት ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር አመስግን”

ንኣኻትኩም፡ ንኣኻትኵም ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቅዱሳት ስለ ምስክርነትኩም አመስግን፡ ንኣኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ንሕዝብኻ ኣዚኻ ቀረባ ብምዃንካ ዘይትርስዖን ስለ ዝኾንካ አመስግነካ!

ከምዝበሉ ዶኒኒ ገሊጸን፥ ቅዱስነቶም መልእኽቶም፥ ኩሉ ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ክጽልይን ኣብዛ ዕለት ዝኽሪ ሰማእታት ሊቢያ “ምእንታና ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ኣቦ ከማልዱ” ንጸልይ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉን፡ ወርሒ ለካቲት 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ እዞም ናይ ደም ሰማዕታት ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም እግዚኣብሔር ነቶም ናይ ደም ሰማዕታት ኣብ መንግስቱ ይቀበሎም ዝብል ጸሎት ከምዘዕረጉ የዘኻኽራ።

16 February 2021, 23:24