ድለ

2021.02.19 ፈተና ኢየሱስ ኣብ ምድረበዳ 2021.02.19 ፈተና ኢየሱስ ኣብ ምድረበዳ 

ዘመነ ጾመ አርባዓ ጒዕዞ ተሓድሶ እምነትን ተስፋን ፍቅርን እንገብረሉ ግዜ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቀንዲ ጉዳይ ዘመነ ጾመ አርባዓ ካብተን ናይ ጾም መበገሲ ዝኾና ተግባራት ነቂልካ ንበዓለ ፋሲካ ዝግበር ምስንዳው እዩ። ነዚ ጒዕዞ እዚ ዝኸውን ኣስተንትኖ ቅዱስነቶም ብቀንዱ መልእኽቲ ጸመ ኣርባዓ ናይ 2021 ዓም ከምኡ እውን ኣብ መኽፈቲ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮቡዕ ጾመ ነነዌ ዘቅረብዎ ስብከት እንክኾን ኩሉ ኩሉ ኣጠቃሊልካ ጒዕዞ ተሓድሶን ተስፋን ምዃኑ ኣብሪሆም ብቀንዱ ከኣ ነታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወቱ ኣብ መስቀል ብምውፋይ ዝሃበና ተስፋ ንምቅባል እዩ።

ዜና ቫቲካን!

ቅድሚ ሳምንታት በብክፋል ኣብ ዘቅረብናዮ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንጾመ ኣርባዓ 2021 ዓም ‘ዘመነ ጾመ ኣርባዓ እምነትካ ንምድንፋዕ ዝግበር ጒዕዞ ኰይኑ ነቲ ኣብ መንጎና ምሳና ብምንባር ከሰንየና ማሕደሩ ኣባና ዝገበረ ጐይታ ኣብ ሕይወትካ ምቅባል ኰይኑ እዚ ከኣ ነቲ ገዛእ ርእሱ ኣትሒቱ ክሳብ ኣብ መስቀል ተሰቂልካ ሞት ምስ ውርደቱን ሕማማቱን ተቀቢሉ ንዘጨበጠና ዓወት ትንሣኤ ንምብዓል ዝግበር ጒዕዞ እዩ’ እንክብሉ ብሰፊሑ ንትርጉም ጾመ ኣርባዓ ኣብ ዝተንተኑሉ እዚ ጒዕዞ እዚ ንዝኽሪ ዝግበር ዘይኮነስ ሎሚ ከም ሎሚ ሕያው ኰይኑ ክንነብሮ ዘሎና ምዃኑ ኣብሪሆም እዮም። ስለዝኾነ ከኣ እምነትና ንምሕዳስስ ይኹን ተስፋን ፍቅርናን ንምሕዳስ ምሩጽ ግዜ እዩ።

ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 21 ለካቲት 2021 ኣብ ግዜ ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ኣብ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ነዚ ብዝምልከት ‘መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ይድግፈና እዩ። ነዚ ከኣ ከኣ ከምቲ ኢየሱስ ንኣርባዓ መዓልትን ኣርባዓ ለይትን ንክጸውም ንምድረበዳ ኣብ ዝወሰደሉ ግዜ ዝገበሮ እዩ ዝገብሮ። እዚ ምድረበዳ እዚ ብኣካል ትኸዶ ዝጭበጥ ምድረበዳ ዘይኮነ ኩነት እዩ እዚ ኩነት እዚ ከኣ ኣብ ዘሎና ሃሊና ንእግዚአብሔር ጽን ቢልና ንምስማዕ ኣብ ውሽጥና እንፈጥሮ ናይ ጸጥታ ግዜ እዩ’ ኢሎም ነሮም።

ዝሓለፈ ሮቡዕ ዕለት 17 ለካቲት 2021 ምጅማር ጾመ ኣርባዓ ብዕሊ ኣብ ዝተጀመረሉ ሮቡዕ ሓሙዂሽቲ ኣብ ዝዘከረሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘዕረጉሉ ግዜ ትርጉም ጾመ ኣርብዓ ንምግላጽ ከም ሓደ ጒዕዞ ኣብ ዝጠቀሱሉ ግዜ፡

“‘ጒዕዞ ጾም ኣርባዓ ንጅምር ኣሎና። እዛ ጒዕዞ እዚኣ በተን ክንክተሎ ዘሎና መንገዲ ዝሕብራ ቃላት ኢዮኤል ነቢይ ትጅምር። ኣብ ትንቢት ኢዮኤል ነቢይ ካብ ልቢ እግዚአብሔር ዝውሕዛ ሃንጐፋይ ኢለን ንዝንሳሕ ክቅበላ ዝተዘርጋሓ ኣእዳውን ቈላሕታ ፍቅራዊ ትጽቢት ዝመልኤን ኣዕይንትን ‘ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመልሱ’ (ኢዮ 2,12) ዝብል ዕድመ የቅርብ። ናባይ ተመለሱ! ብርግጽ ጾመ ኣርባዓ ናብ እግዚአብሔር ንምምላስ ዝግበር ጒዕዞ እዩ። ክንደይ ግዜ ኮን ይኸውን ኣብ ካልእ ጉዳያት ተጸሚድና ወይውን ሸለልትነት ዓብሊሉና ‘ጐይታይ ደሓን ቀስ ኢለ ደሓር ክስዕበካ እየ! ሎሚ ኣይጥዕመንን እየ እንተ ጽባሕ ጸሎት ክጅምር እየ ንካልኦት እውን ገለ ነገር ክገብር እየ’ ዘይበልና። ከምዚ እናበልና ካብ ዕለት ናብ ዕለት ንጐዓዝ! እንተ ሎሚ እግዚአብሔር ሓያል ጻውዒት ናብ ልብና የቅርብ ኣሎ። ኣብ ሕይወትና ክንገብሮ እንሓስቦ ብዙሕ ነገራት ይህሉ እነቅርቦ ምኽንያታት እውን ኣዲኡ ትቊጸሮ! እንተኾነ ኣሕዋተይን ኣሓተይን! ሎሚ ናብ እግዚአብሔር እንምለሰሉ ግዜ እዩ። እዚ ግዜ እዚ ቊርጺ ፍቃዳት እንእክበሉ ግዜ ዘይኮነ ምስ እግዚአብሔር ዘሎና ምትእስሳር ዳግም እንድህስሰሉ ግዜ እዩ’”

እንክብሉ ሕመረት ትርጉም ጾመ ኣርባዓ ገሊጾም ነበሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ብዛዕባ ዘመነ ጾመ አርባዓ እንከስተምህሩ ምስ ቃለ እግዚአብሔር እንቃነየሉ ግዜ ምዃኑ ገሊጾም ነበሩ።

ምስ ወንጌል እንቃነየሉ ግዜ!

ዝሓለፈ ዓመት ትኽክል ንምዃን ዕለት 26 ለካቲት 2020 ዓም ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህተ ክርስቶስ ቀንዲ ትርጉም ዘመን ጾመ አርባዓ ንቃለ እግዚአብሔር ጽን ቢልካ ንምስማዕ ምሩጽ ግዜ ምዃኑ ንምግላጽ ከምዚ ክብሉ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ ሂቦም ነበሩ።

“ዘመነ ጾመኣርባዓኸስ ንቃል እግዚኣአብሔር ንምስማዕ ምሩጽ ግዜ እዩ። ንተለቪዥንን ተለፎንን ዓጺና ቅዱስ መጽሓፍ እንኸፍተሉ እዋን እዩ። ካብ ሞባይል ተለፎና ተፈሊና ምስ ቅዱስ መጽሓፍ እንጣመረሉ ግዜ እዩ። ኣነ ሕጻን ከሎኹ ተለቪዥን ኣይነበረን ረድዮ ነበረ ስለዚ ረድዮ ንከንሰምዕ ንጸውም ነርና። ዘመነ ጾመኣርባዓኸስ ምድረበዳ ኰይኑ ንኩሉ ገዲፍካ ምስ ወንጌል እትዛመደሉ እዩ። ንዘይጠቅም ትርፊ ዘረባ ሕሜት ጸለመ ቶባ ኢልካ እትገድፈሉ ግዜ እዩ። ምስ ጐይታ ልቢ ንልቢ እተዕልለሉ እዋን እዩ። ንንጽሕና ልቢ እትሰርሓሉ እዋን እዩ። ዓለምና ብኩሉ ተበኪሉ ልብና ረሲሑ ተበኪሉ ስለዘሎ ካብቲ ኩሉ ናይ ዓመጽ ዘረባን ከንቱነትን ግልል ምባል የድሊ። ኩሉ ተገላቢጦሽ ኰይኑ ከምዛ ሓደርካ ዝብለካ ዝጸርፈካ ብዙሕ እዩ። ንንግዲ ኢልካ ምግዋሕን ባዶሽ ዝኾነ ቃላት ምድግጋምን ተለሚዱስ ብዛዕባ ዘድልን ዘይድልን ብዙሕ ይዝረብ መንፈስ ዓለም ኣብ ኩሉ ገኒኑ ዓፊኑና ይርከብ። ካብዚ ክንድሕን ናብ ምድረበዳ ምውጻእ እዩ። ብዙሕ ግዜ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልብና ኣብ ሕልናና ንዝዛረበና ቃል ኣምላኽ ክንሰምዖ ንጽገም። ኢየሱስ ናብ ምድረ በዳ እንክጽውዓና ነቲ ኣድላይን መሠረታውን ዝኾነ ጽን ኢልና ክንሰምዕ ይዕድመና። ነቲ ፈታኒ ዲያብሎስ ‘ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር እንታይ ደኣ በቲ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጽእ ቃል እዩ` (ማቴ 4.4) ቢሉ ዝምልሸሉ ከኣ ነዚ እዩ። ልክዕ ከም መግቢ ዕለት ኣኳ ደኣ ካብኡ ብዝዛየደ መንገዲ ምስ እግዚኣአብሔር ክንዛረብ እሞ በቲ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ቃላት ክንምገብ እዩ ነዚ ንምግባር ከኣ ምጽላይ የድሊ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ጥራሕ እዩ ዝምባሌ ልብና ክጥዒ እቲ ክልተ ክልተ ዝገብረና ነገራት ክመሖ ዚከኣል። እቲ መካነ ሕይወት እምበር ቦታ ሞት ዘይኮነ ምድረበዳኸስ እዚ እዩ ከመይ ኣብ ጭው ዝበለ ሱቚታ ምስ እግዚኣአብሔር ምዕላል ሕይወትና ዳግም ይህበና። እስኪ እንደገና ብዛዕባ ምድረበዳ ንሕሰብ። ከም ሓቑ ምድረ በዳ መሠረታዊ ነገራት እትርደኣሉ ቦታ እዩ። ሕይወትና መነባብሮና እንተተመልከትና ክንደይ ዘድልን ዘየድልን ጋሕ ገልጠም ከቢብዎ ይርከብ! ክንደይ ዘድልዩን ዘየድልዩን ነገራት ከም ቀንድን ኣድለይትን ክነተዓራሪ ላዕልን ታሕትን ንብል ኰይኑ ግን ፋይዳ የብሎምን። ኣብ ሕይወትና ከም ኣድለይቲ ንቈጽሮም ዝነበርና ግን ኣድልይቲ ካብ ዘይኮኑ ነገራት ሓራ እንተንወጽእ ክንደይ ጽቡቕ ነሩ። ከምዚ ብምግባ ነቲ ቀንድን ኣድላይን ነገራት ክነለሊ ኣብ ጥቃና ዘለው ገጻቶም ክንርኢ ክንክእል ኢና። ኢየሱስ ባዕሉ ኣብ ምድረበዳ ወጺኡ ብምጻም ኣብነት ይህበና። ጾም ማለት ካብ ዘይድልዩ ነገራት ምፍላይ ምግዳፎም እሞ ናብቲ መሠረታውን ቀንድን ነገር ምኻድ እዩ። ጾምከስ ንኩሉ ጋሕ ገልጠም ገዲፍካ ኣብ መሠረታውን ኣድላይን ዝኾነ ጥራይ ብምትኳር ንጹር ሕይወት ምምራሕ እዩ። ኣብ መወዳእታ ምድረበዳ በይንኻ እትኾነሉ ቦታ እዩ። ሎሚ እውን ኣብ ጥቃና ብዙሕ ምድረ በዳታት ኣሎ። ኣብ ከባቢ ዝርከቡ በይኖም ዝነብሩን ማንም ዘይግደሰሎምን ክንደይ ድኻታት ክንደይ ሽማግለታት ጽምዋ በሊዕዎም ምንም ከይበሉ ኣብ ምድረበዳ ሕይወት ይነብሩ። ብዛዕባ እንክትዛረብ ዝሰማዓካ የለን። ኰይኑ ግን ነዚ ምድረበዳ እንተስዒብናዮ ናብኦም የብጽሓካ። እዚኦም ሱቊ ክብሉ ምንም ከይዛረቡ ዝተገብሩ ስለዝኾነ ብሱቊታኦም ሓገዝና ይልምኑ። ክንደይ ብሱቊታ ዝግበሩ ጠመተ ኣዕይንቲ ድኻታት ንሓግዝና ዘይሓቱ። ኣብ ጒዕዞ ምድረበዳ ጾመኣርባዓኸስ ነዞም ድኹማት ብዝግበር ናይ ምሕረት ሥራሕ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ምግባረ ሠናይ ዝግበር ጉዕዞ እውን እዩ። ኣብ ጉዕዞ ምድረበዳ ጾመኣርባዓኸስ እቲ መንገዲ መንግዲ ጸሎት ጾምን ምጽዋትን እዩ።”

እንክብሉ ኣብ ግዜ ዘመነ አርባዓ ክንገብሮ ዘሎና ቀንዲ ጉዳያት ገሊጾም ነበሩ። ከምኡ ኣውን ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመት ማለት ዕለት 6 መጋቢት 2019 ዓም ዝኽሪ ጾመ ነነዌን ምጅማር ጾመ ኣርባዓ ላቲናዊ ሥርዓት ናይ እትኽተል ቤተክርስትያን ሥርዓት ንምፍጻምን ኣብ ባሲሊካ ቅድስት ሳቢና ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ከም መጀመሪ ናይቲ ዓመት ጾመ ኣርባዓን ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ‘ከምቲ ኢየሱስ ዝደልዮ ክነብር ኣሎና’ ብዝብል ሓሳብ ሰፊሕ ስብከት ኣቅሪቦም ነበሩ።

ከምቲ ኢየሱስ ዝደልዮ ንንበር!

ናይ ሎም ክልተ ዓመት ይገብር ዕለት ሽዱሽተ መጋቢት 2019 ዓም ቅዱስነቶም ንምጅማር ጾመ ኣርባዓ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ንሕና ከም እንሓልሞን እንደልዮን ዘይኮነ ከምቲ ኢየሱስ ዝደልዮ ክነብር ከምዘሎና ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም ነበሩ።

“ኣብ ጒዕዞ ዘመነ ጾመ አርባዓ እትቀርበና ሕቶኸስ ጠመተና ናብ መን ነተኲር ትብል እያ። እንትርፎ መስቀል ክርስቶስ ናብኡ ነተኲሮ ካልእ ነገር ክህሉ ኣይክእልን። እንኮ ቡሶላ ማለት ኮምፓስ ወይውን ኣንፈት ሕይወትና ዝሕብርከስ ኣብ መስቀል እተሰቅለ ክርስቶስ ኮይኑ ንሰማይ ገጽና ክነተኲር ይሕብረና። ናይ ዕጸ መስቀል ድኽነት ከምኡ እውን ሱቊ ምባል ናቲ ኣብ እተሰቅለ ጐይታ እቲ ምእንቲ ፍቅርና ንኩሉ ገዲፉ ዕራቊ ዝኾነ ጐይታ ኩነታት ሓቀኛ ሕይወት ምሳኡ ኮይና ብዙሕ ጋሕ ገልጠምን ረኣዩለይ ስምዑለይን ዘይብላ ገርሀይና ሕይወትና ናብራን ከምዘድሊ ይሕብረና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕጸ መስቀል ኮይኑ ንኩሉ ነገራት ቶባ ኢልካ ናይ ምግዳፍን ምምናንን ሓያል ትብዓት ይምህረና። ከመይ ሰኽሚ ኣብዚሕካ ምጉዓዝ ንቅድሚ ኣየሰጒመካን እዩ። ካብቶም ዝሓላልኹና ጣዕሚ ናብራ ዓለምን ኢደ እግርና ዝጠምሩ ናይ ንኣይ ይጥዓመኒ ገመዳትን ዓጊበ ይኣኽለኒ ዘይብሉ ህርፋንን ጽጉምን ድኻን ርኢኻ ካብ ምርዳእ ዝተዓጽወ ልብን ሓራ ንውጻእ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ ብፍቅሪ እተቃጽል ዕጸ መስቀል ኮይኑ ሕይወትና በዚ ናይዚ ዓለምዚ ሓሙዅሽቲ ከይተዓብለለት በታ ፍቅሩ ክትመውቅ ይጽወዓና ኣሎ። እዛ ሕይወት እዚኣ ብቃልዓለም ዘይትቅህም ብናይ ፍቅሪ ሥራሕ እትቃጸል ሕይወት እያ። ኮይኑ ግን ከምቲ ንሱ ዝሓተና ኰና ክነብር ኣጸጋሚዶ ኣይኮነን! እንተበልና እወ ብርግጽ ኣጸጋሚ እዩ! እንተኾነ ናብታ ዕላማ የብጽሓና እዩ። ነዚ ከአ ጾመ ኣርባዓ ጽቡቅ ጌሩ ይሕብረና። ብሓሙዅሽቲ ትጅምር ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ሓዊ ናይ ለይቲ ፋሲካ ተብጽሓና። ኣብኡ ከኣ እቲ ኣብ መቃብር ዝተነብረ ሥጋ ኢየሱስ ሓመድ ኣይኮነ ኣይበረሰ እንታይ ደኣ ብክብሪ ተንሢኡ። ንዓና ነዞም ሓመድ ዝኾና እውን ምስቲ ዘሎና ድኻምነት ናብ ጐይታ እንተደኣ ተመሊስና መንገዲ ፍቅሪ እንተደኣ መሪጽና ነታ መወዳእታ ዘብላ ዘለዓለማዊት ሕይወት ክንቅበል ኢና። ንዘለዓለም ከኣ ኣብ ሓጐስ ጐይታ ክነብር ኢና’ ኢሎም ነበሩ።”

እንተኾነ እዚ ሃረርታ ጥራይ ኰይኑ ከይተርፍ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዕለት 14 ለካቲት 2018 ዓም እውን ደው በል ኣስተውዕል ምልስ በል እሞ ኣስተንትን ክብሉ ሓያል ስብከት ምጅማር ጾመ ኣርባዓ ኣቅሪቦም ነበሩ።

ከም ህርመት ልቢ ኢየሱስ ዝወቅዕ ልቢ የድሊ!

ቅዱስነቶም ዕለት 14 ለካቲት 2018 ዓም ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ደው በል ሓንሳእ እስኪ ኣስተውዕ ክብሉ ኣብ ዘቅረብዎ ሓያል ስብከት ከምዚ ቢሎም ነበሩ።

“ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ህርመት ልብና ናብቲ ንቡር ኩነታቱ ተመሊሱ ምስ ህርመት ልቢ ኢየሱስ ንክወሃሃድ ዝሕግዝ ምሩጽ ግዜ እዩ፣ እዛ በዚ ውሳኔ እዚ ተቀኒታ ትብገስ ዘላ ሥርዓት እዚኣ ከስ ብሰለስተ ቃላት ክጠቃለል ብዝኽእል ሓሳባት ንልቢ ኣመንቲ እንደገና ንምብርባር ዕድል ይኸፍት፣ እተን ቃላት ሓንሳብ ደው በሉ! ኣስተውዒልኩም ተመልከቱ! ናብ ንቡር ተመለሱ ዝብላ እየን፣ ‘ዝግ በል! ሓንሳእ ደው በል! ነዚ ዘዕገርግረካ ዘሎ ነገራትን ነቲ ምረት ዘስዕበልካን ወላ ኣብ ሓደ ዘየብጸሓካን ትርጉም ኣልቦ ጉያን ጥንጥን ኣቢልካ ሕደጎ፣ ሓንሳብ ደው በል እስኪ! ነቲ ንስድራቤት ክውፈ ዝነበሮ ንውሉድ ክከውን ዝነበሮ ንዕርክነትን ምሕዝነትን ክውዕል ዝነበሮ ግዜ ነቦሓጎታትን እኖሓጎታትን መብጽሒ ክኸውን ዝነበሮ ግዜ ከምኡ እውን ንምስጋና ክውፈ ዝነበሮ ምናዳኸኣ ንእግዚአብሔር ክውፈ ንዝነበሮ ክቡር ግዜኻ ዝመቃቅልን ዘዕኑን ነዚ ናይ ኣፈርክቡ ንብረት ግድነት ግደፎ!ሓንሳብ እስከ ደው በል! ካብቲ ዘይኮንካዮ ኰንካ ንኩሎም ክትረኤ ግድነትካ ገርካ ትጐዓዘሉ ዘሎኻን ወትሩ ከም ኣብ ቨትሮ ዝተቀመጠ ኣቅሓ ናይ ኣምሰሉነት ናብራ ኣቊሞ፣ ከመይ እዚ ንዋጋ ናይቲ ሓቀኛ ቅርበትን ኣስተንትኖን ከምእትርስዕ ክገብረካ እዩ፣ ሓንሳእ እስኪ ደው በል! ካብቲ ሕያውነትን ድንጋጼን ካብ ልብኻ ሓኺኹ ኣልዩ ኣብ ቅድሚ ጽጉማት እንክትርከብ ተብተብ እናበልካ ካብ ትሃድመሉ ኣገባብ ደው በል እሞ ንርሕራሔን ንካልኦት ግዜ ሂብካ ክትረኽቦምን እሂን ምሂን ክትብልን ምናድዳ ኸኣ ነቶም ተኣፋፈቲ ኣካላት ማሕበረሰብካን ቊሱላትን ጉሁያትን ከምኡ እውን ኣብ ሓጢኣትን ጌጋን ጥሒሎም ንዝሳቀዩ ክትረድእ ኢኻ፣ ካብቲ ነቲ ካብ ጐይታ ዝተቀበልካዮ ዓቢ ጸጋ ሕይወትን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ብምርሳዕካ ዝውለድ ንኩሉ ክትቈጻጸር ንኩሉ ክትፈልጥ ንኩሉ ክተዕኑ ዝደፋፍእ እስኪ ሓንሳእ ደው በል!”

እንክብሉ ናብታ እተሕውን እትዓርቅን ርሕራሔ እግዚአብሔር ብዘይ ምንም ፍርሓት ተመሊስና ክነስተማቅራ ተማሕጺኖም ነበሩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 February 2021, 23:23