ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይ ኾርገ ማሪዮ በርጐሊዮ ስሜተ ካርዲናል

ዕለት 21 ለካቲት 2001 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብቶም ካርዲናል ተባሂሎም ካብ ዝተሰምዩ እቶም ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጲጥሮስ ኮይኖም ዝተሓርዩ ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ኾርገ ማሪዮ በርጐሊዮ ሓደ እውን ምዃኖም ይዝከር

ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ቦነስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ኾርገ ማሪዮ በርጐሊዮ ኣብ 2001 ዓ.ም. ካርዲናል ከምእተሰምዩ ክዝከር እንከሎ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ስሜተ ካርዲናልነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ (Aendrea Tornielli) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ዝቐርብ ፍሉይ መደብ ከሰናድዉ ምዃኖም በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 21 ለካቲት 2001 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነርበዓን ሸሞንተን ጳጳሳትን ሊቀ ጳጳሳትን ካርዲናል ቢሎም ሰምዮም ኣብ ዝስምዕዎ ስብከት፥ “ሎሚ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ በዓል እዩ” ከምዝበሉን ካብቶም ካርዲናል ተባሂሎም ካብ ዝተሰምዩ እቶም ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጲጥሮስ ኮይኖም ዝተሓርዩ ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ኾርገ ማሪዮ በርጐሊይ ሓደ እውን  ምዃኖም ይዝከር። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ስብከቶም ኣስዒቦም እውን፥ እታ ክልተ ሺሕ ዓመታት ታሪኻ ዝብዓለት ካቶሊካዊት ሮማ ሎሚ ኣብ ዙርያ እቶም ካርዲናላት ሓድሽ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ትግንጽል፡ ቤተ ክርስቲያን ከም መርከብ፥ መልእኽቲ ድሕነት ናብ ኵሉ ንኸተብጽሕ ዳግም ኣብ ማያት ባሕሪ ጉዕዞኣ ተበገስ፡ ንናይ ሰባት ዓበይቲ እዋናውን ናይ መጻእን ዛዕባ  ናይ ሕይወትን ናይ ሕድሕዳዊ ርክባትን ሕቶታት ብመንጽር ወንጌል ኣድቂቕና ብምምርማርን ብምትንታንን መልሲ ንምሃብ ብሓባር ኮይንና ነቲ ናይታ መርከብ ጋንጽላታት ንናይ መንፈስ ቅዱስ ንፋስ ንፍታሓዮ፡ (ፍስሓን ተስፋን፡ ፍቕዲ 4 ረኣ)።

መዓጽዋ እተርህው ቤተ ክርስቲያን

ከም ሎሚ  ዕስራ ዓመት፥ ናይ ርሑቕ ዓመት እውን እንተኾነ ሎሚ ዓቢይ ኣጋዳስነት ዘለዎ ክንዝክሮ ዝግብኣና ዕለት እዩ፥ ር.ሊ.ጳ. ዎይትይላ ኣብ 2001 ዓ.ም. ማዕርገ ካርዲናል ኣብ ዝሃቡላ ዕለት ኣብ ዘስምዕዎ ቃሎም፥ “ዓለም - ይብሉ - ኣዚዩ እናተሓላለኸን እናተቐያየረን እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡ እቲ ዘይምቅዳው ከኣ ግርጭታትን ምምዝባላትን ክብ ክብል ይገብር ኣሎ”፡ ሎሚ እውን በተ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕን በቲ ንሰብ ከም ጓሓፍን ውዳቕን ዝሓስብ ባህሊ ዝራአየሉ ዓለም ፍቕሪ ይደልይ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሕብሩ፡ ዕለት 28 መጋቢት 2001 ዓ.ም. ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት በርጐሊዮ ንናይ ቦኖስ ኣይረስ ናይ ስነ ሕንጸት ማሕበረሰብ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል “ዓለም ዘአንግድን መዓጸዉ ዘርህውን ልቢ ዝጸመኦ እዩ፥ ብዘአንግድ ፍቕሪ ሰብኣዊ ፍጥረት ምፍዋስ የድሊ” ከምዝበሉን ልቦም ናይቲ ዝቖሰለን ዝተጐስየን ከም ጓሓፍ ዝተረሰዐን ሰብኣውነት ይሓስብ፡ እዚ ዝቆሰለን ከም ጓሓፍ ዝተደርበየን በታ ኣብ ዓውዲ እትርከብ ቤት ሕክምና ብዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ክእንገድ የተሓሳስቡ እዚ እውን ናይ ልቦም ህርመት ሰብኣውነት ምዃኑ የረጋግጸልና፡ “ድኻን ንድኻታትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን” ከምዝበልዎ እዩ። ዕለት 28 ለካቲት 1998 ዓ.ም. ኾርገ ማሪዮ በርጐሊዮ ዕለት 17 ታሕሳስ 1936 ዓ.ም. ኣብ ቦኖስ ኣይርስ ካብ ኢጣሊያ ካብ እተሰደስት ስድራ ቤት ዝተወልዱ . . . “ሕዝበይ ድኻ እዩ ኣነ እውን ሓደ ካብኦም እየ” ዝበልዎ ዘዘኻኽር ታሪኾም፡ ካብ ሕዝቢ ዘይተፈልዩ ሕዝቢ ዝኾኖ ኮይኖም ዝነበሩ።

ንላቲን ኣመሪካ ዝተኮረ ስሜተ ካርዲናላት

ዕለት 21 ለካቲት 2001 ዓ.ም. ኣብ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ብዙሓት ካርዲናል ዝተሰመይሉ ዓመት ኮይኑ እዩ ዝዝከር፡ ብጠቕላላ 48 ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካርዲናል ዝተሰመይሉን ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝዝከር ዝነበረ ድሕሪ ውግእ ካልኣይ ዓለም ብፒዮስ መበል 12 ዘተሰምዩ ብዝሒ ካርዲናላት ንላዕሊ፡ መብዛሕቲኦም ከኣ ካብ ላቲን ኣመሪካ ዝመጹ ከምዝነበሩን በርጐሊዮ እውን ሓደ ካብኦም ምዃኖም ተርኒየሊ የዘኻኽሩ።

ዘአንግድ ልቢ

ከም ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት፥ ኾርገ ማሪዮ በርጐሊዮ ዘለዎም ሓዋርያዊ መርሓ ግብሪ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ዘተኮረ ኮይኑ፡ ኣብ ሱታፌን ኣስፍሆተ ወንጌልን ዘማእከለ እዩ፥ ኣርባዕተ ዓንዲ ዘለዎ፡ እቲ ቀዳማይ ክፉትን ሕውነታዊ ማሕበረ-ሰብን እቲ ካልኣይ ዝተስተውዓለ ንቑሕ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ንጥፈትን ንነፍሲ ወከፍ ማሕበረ-ሰብ ተቐማጦ ከተማ ዘተኮረ ኣስፍሆተ ወንጌልን ሓለዋን ክንክንን ንድኻታትን ህሙማንን ዝብሉ ምዃኖም ተርኒየሊ ይሕብሩ።

በርጐሊዮ ዕለት 13 ታሕሳስ 1969 ዓ.ም. ኣብ መበል 33 ዓመት ዕድመኦም ማዕርገ ክህነት ተቐበሉ፡ ብዘይ ምቍራጽ ናይ ምሕረት ፍኖትን ዝተኽፍተ ልብን ሕያውነትን ቡቕባቔን ዘመላኽት ክህነት፡ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓርዩ እታ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ምስ ተሓርዩ ዝነበረቶም ናይ ጵጵስናኦም ትእምርተ - ቃል ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 9, 9 ዝተወስደ ቅዱስ በዳ ዝሃበሉ ትንታነ ዘንጸባርቕ ክኸውን እንከሎ፡ ንሱ ኸኣ miserando atique eligendo - መሓርነትን ሕርየትን እዚ እውን ዘይቋርጽ ምሕረት ዝብል ቃል ናይ መንፈሳውነት ሕይወቶም ሓዋርያውንቶም መግለጺ እዩ፡ ኣብ 1953 ዓ.ም. ወዲ 17 ዓመት እንከለዉ ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ሕይወቶም ፍቕሪ ንህላዌ እግዚኣብሔር ጦብላሕ ዝበሎምን ሰዓበኒ ዝብል ጸዋዕታ ጽን ዝበሉላን በዚ መሰረት’ዚ ከኣ ዕለት 11 መጋቢት 1958 ዓ.ም. ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ተመካሪ ኰኑ።

ካህን ርህሩህ ልቢ ንኽህልዎ ዝተጸውዔ እዩ

ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ዝነበሩለን ዓመታት ኣብ ኣርጀንቲና ዝተሓጽረ ተክለ ሰብነት ዘይኮነ ክንየው ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ ዝጐልሕ ኮይኑን ብሰበኻኦም ኣዚዮም ፍቕሩ ጓሳን ብናይ ግሊ መጓዓዝያ ዘኮይነ ሕዝቢ ዝጥቀመለን ናይ ከተማ መጓዓዝያን ናይ ከተማ ባቡራት ዝጥቀሙን ኣብ ናይ ህዝቢ ዕለታዊ ሕይወት ውሱጥ እዮም ዝነበሩ። ካርዲናል ምስ ተሰምዩ፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሮማ ናይታ ንኢየሱሳዊ ካህንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅን ቅዱስ ሮበርቶ በላርሚኖ ናይ ዝተወከፈት ቤተ ክርስቲያን ስዩም ሊቀ ጳጳስሳት እንክብሉ እውን ሰመይዎም፡ ዕለት 21 ለካቲት 2001 ዓ.ም. ማዕርገ ካርዲናል ንኽቕበሉ ካብ ቦኖስ ኣይረስ ናብ ሮማ ቅድሚ ምንቃሎም፡ ሓድሽ ልብሲ ካርዲናል ኣይዓደጉን ኣየስፈዩን፡ ናይቶም ኣብ 1998 ዓ.ም. ዝዓረፉ ቅድመኦም ናይ ቦኖስ ኣይረስ ካርዲናል ናይ ዝነበሩ ናይ ኣንቶኒዮ ኳራቺኖ ልብሰ ካርዲናል ኣዐርዮም እዮምን ሒዞምዎ ናብ ሮማ ዝመጹ። እዚ ኸኣ ቁጥብነትን በቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ጥራሕ ምንባር ዝብል ኣተኵሮኦም ንኸነስተውዕል ይድርኸና።

ካብ ቦነስ ኣይረስ ናብ ሮማ

ካርዲናል በርጐሊዮ ዘቕርብዎ ዝነበረ ስብከትን ቃለ ምዕዳንን መደረታቶምን ምልስ ቢልካ ክትምልከትን ከተንብብን ኣብቲ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝነብርዎን ዘመሓላልፍዎን ኣስተንትኖታቶም ምዕዳኖምን ኵሉ ይንጸባረቕ። ዕለት 15 ለካቲት 2001 ዓ.ም. “እንነብረሉ ዘሎና እዋን ተዘክሮ ክንገብር ዝዕድም እዩ” እንክብል ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዙሕ እዋን ዘቕርብዎ ለበዋ እውን እዩ፡ ተዘክሮ ምግባር ከምዘድልን ተዘክሮ ዘይብሉ መጻኢ ዝየብሉ እዩ ዝብሉን፡ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ተዝከሮ ከም ኣካል ናይ ሓደ ሕዝቢ ምዃን ንምስትውዓል ኣገዳሲ ምዃኑ የመላኽቱ። “ከም ደቂ ሓደ ኣቦ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ምዃን ምስትውዓል፡ ናብ ሓድነት ንኸነብል የተባብዓና” እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ ናብ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ መንፈሳውነት የቀራርቦም፥ ንፍጥረትን ተፈጥሮን ዘቕርቦ ማህሌት የዘኻኽረና።

ሓቛፍነት ወይ ነጻልነትን

ኣብ 2003 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ዓበይቲ በዓላት ኦ ጐይታ ንውድሰካ ብዝብል መዝሙር ዝምራሕ ናይ ምስጋና ስርዓተ ሊጡርጊያ ኣብ ዝመርሕሉ እዋን ብዛዕባ ጓሓፋይ ባህሊ ዝበልዎን ሓቛፋይ ወይ ከኣ ዝነጽግን ባህሊ እዚ እውን ምስቲ ኣብታ ዓመት እቲኣ ዕለት 25 ግንቦት ምስ ኤኮኖምን ፖለቲካን ማብራውን ሃይማኖታውን ጉዳያት ኣተሓሒዞም ዘቕረብዎ ትንታነ፡ በዚ ሓሳብ እዚ ኣቢሎም ሕያዋይ ሳምራዊ ምዃን ዘለዎ ኣገዳስንት እዮም ዘመላኽቱ፡ ዕለት 25 መጋቢት 2004 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲና መዓልቲ ዘይተወልዱ ሕጻናት ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት፥ ሕይወት ብፍላይ ናይቶም ተኣፋፍያንን ዝተሓረጉን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ክንከላኸል ይላበዉ . . . ሕይወት ኣብ ዝኾነ ይኹን ደረጃን ኵነት ምኽባር!

ክንየው ኢማዕርነት ንሓደ ሓቀይና ሕውነት

በርጐሊዮ ቅድም ከም ካርዲናል ደሓር እውን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ድኽነትን ኢፍትሓውነትን ደጋጊሞም የውግዙ፡ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ሓምሻይ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣብ ኣፓረሲዳ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝንበር ዘሎ ኤኮንሚያዊ ዓውሎማ ንድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣዚዩ ዝሃስይን ኢማዕርነትን ኢፍትሓውነት ዘስፍሕ እዩ” እንክብሉ ገሊጾምን ሓያላት ንድዅማት ይውሕጡ ድኻታት ካብ ናይ ተፍጥሮ ጸጋ ተጠቓምነቶም ምንጻልን ሃብቲ ዓለም ኣብ ኢድ ውሑዳት እናኾነ ብዙሓትን ብዙሕ ድኽነትን ይፈጠሩ ኣለዉ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ፡ ደሓር ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብታ Laudato sì - ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲ መልእኽቶም ደሓር እውን ኣብታ Fratelli tutti - ኵላትና ኣሕዋት ኣብ ዘርእስታ ዓውዲት መልእኽቶም ብዕምቆት ይትንትንዎ፡ ከም ካርዲናል ዕለት 25 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ኣብ በዓለ ንሰብሓከ ዎ እግዚኣብሔርን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብቲ ኢየሱስ ዝነበሮን ዝመስከሮም ፍቕሪ ዝጸንዔ ሕውነት ኣገዳስነቱ የተሓሳስቡ፥ “ኣብ ምምሓር እቶም ዝደኽሙ ንሕና እምበር እግዚኣብሔር ኣይኮነን፡ ንሱ ፈጺሙ ኣብ ምምሓርና ዘይደክም ኣምላኽ እዩ” ምሕረትን ይቕረ ምብህሃልን ንሕውነታዊ መንፈስ መሰረት ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ከም ካርዲናል ናይ መወዳእታ ስብከቶም

ብጹዕ ካርዲናል በርጐልዮ ኣብቲ ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝካየድ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ንኽሓርይ ኣብ ዝተጸውዐ ጉባኤ ብጹዓን ካርዲናላት ንኽሳተፉ ናብ ሮማ ቅድሚ ምንቃሎም ኣብ ሰበኻኦም ቦኖስ ኣይረስ ከስምዕዎ ዝነበረን እዚ እውን ከም ካርዲናል ሎሚ ናይ ምወዳእታ ስብከቶም ኮይኑ ኣብ ዝዝከር ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ስለ ዝተሓርዩን ዕለት 28 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ናይ ቡራኬ ቅዱስ ዘይቲ ሊጡርጊያ ሰሪዖም ድሮ ዘዳለውዎ ከየቕረብዎ ዝተፈ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ናብ ወሰናስን ከተማታትን ህልውናን ዘማእከለን፥ እቲ ናይ ጐይታ ብርታዔ ዝኾነ ቅቡኣት ኣብ ምዃንና ዘሎ ሓይሊ ንኸነስተውዕል ካብ ገዛእ ርእስና ክንወጽእ ግድን እዩ፡ እዚ ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ ዝብል ኪደት ናይ ሕውነትን ፍቕርን ንናይ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ፍኖት እዩ” ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ከምዝነበረ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ሓተታ ኣዛኻኺሮም፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓርዩ ኣብቲ ንሕዝቢ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ፋልማይ ቃሎም እንረኽቦ ሓሳብ ምዃኑ የሕብሩ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. መሬት

ኣርጀንቲና ካብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ብስፍሓት መሬታ ካለአይቲ ክትከውን እንከላ፡ ዝተፈላለየ መልክዓ ኣየር ዘለዋን ስማ ከምቲ ዝበሃል Argento – Silver - ብማዕድን ብሩር ሃብታ ስለ ዝነበረት ብሩራዊት ተባሂላ ከምእተሰምየት እዩ ዝንገር፡ ውሩያት ሰባት ዘፍረየት ንኣብነት ጀነራል ኾሰ ደ ሳን ማርቲን ናይ ፍልስፍና ሊቅ፡ ከምኡ እውን ደራሲ ልዊስ ቦርገንስ ናይ ሙዚቀይና ፒያኖን መራሕ ናይ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ጉጅለን ዳኔል ባረንቦይምን፡ ከቢድ መግዛእቲ ምልካዊ ስርዓት ዘሕለፈትን ሎሚ እውን እቲ ምልካዊ ስርዓት ሓዲግዎ ዝሓለፈ በሰላ ዘይተላቐቓ ሃገርን ናይ ስፖርትን ሙዚቃን ሃገር እያ፡ ኣርጀንቲና ናይ ተስፋን ናይ ምንፋቕ ትእምርቲ ተባሂሉ ናይ ዝንገረሎ ታንጐ ናይ እተሰምየ ሳዕስዒት ሃገር እያ፡ ቅዱስነቶም ኣፍቃሪ ናይ እግሪ ኵዑሶ ስፖርት እውን እዮም እንክብሉ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ሰፊሕ ሓታት የጠቓልሉ።

(Andrea Tornielli)

Photogallery

ዕለት 21 ለካቲት 2001 ዓ.ም. ስሜት ሓደስቲ ካርዲናላት
23 February 2021, 14:25