ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብን 

ናይ ኣል-ኣዝሓር ዓቢይ መምህር፥ ብሰላም ናይ ምንባር መሰል ዘሎና ኵላትና ኣሕዋት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓወይን ኣብ መገዲ ሕውነትን ሰላምን ዓርከይን መካይድተይ! ነዚ ዝበሉ በቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ምስ ቅዱስነቶም ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ሓባር ሰነድ ዝለገሱ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዝተሳተፉ ኣብ ምስሪ መንበረ ጥበብ ኣል ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣል- ጣይብ

ኣብቲ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ-19 ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዘተኻየደ ሰብኣዊ  ሕውነት ቀዳማይ ኣህጉራዊ ጽምብል፥ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብን ናይ 2021 ዓ.ም. ስልማት ዛየድ ሰብኣዊ  ሕውነት ተሰለምቲ ላጢፋ በን ዛያተንን ጉተረዝን ከምእተሳተፉን ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ምስ ክቡር ሓወይ ፍራንቸስኮ ኣብ ሕንጸት ሰብኣዊ ሕውነት ክዓዪ ምዃነይ አረጋግጽ ቢሎም፥ እቲ ከቲምና ኣብ 2019 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝገበርናዮ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ኣቡ ዳቢ ሰነድ ውግእን ዘይምጽውዋርን ከብቕዕ ዝዕድም እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ሕውነት ብሓባር እተዚሞን ጥዑም ውሁድ ሙዚቃ እዩ፡ ናይ መንእሰያት ተስፋታትን ሕልምታትን ኣብ ወረቐት ተጻሒፎም ኣብ ናይ ሓደ ኦም ጨናፍር ተነቢሮምን እቲ ጥዑም ንፋስ እናደረዞ ክሓልፍ ኣብ ዘርእይ ስነ ስርዓት ጽምብል፡ ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ምስሪ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓብይ መምህር ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ከቲሞም ወግዓዊ ኣብ ዝገበርዋ ሰነድ ተመስሪቱ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዘቖሞ ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ንምብዓል ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ዝተስተውዓለ ኩነት እዩ፡ ምስ እዚ ስነ ስርዓት እዚ ተተሓሒዙ እውን እቲ ስልማት ዛየድ ሰብኣዊ ሕውነት 2021 ዓ.ም. ነቶም ብቑዓት ተባሂሎም ዝተሓርዩ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍ ኣንቶኒዮ ጉተረዝን ነተን ሓዘን ናብ እስትንፋስ ፍቕሪ ዝቐየረራን ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ኣባይትን ኣባይቲ ማሕቡስን ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ዘገልግላ ንዘለዋ በዓል ሰናይ ተግባር ላቲፋ በን ዛያተን ከምእተወሃበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣል-ጣየብ፥ ዕለት 4 ለካቲት ሰብኣዊ ሕውነት ንምድልዳል ናይ መጠንቐቕታ ደወል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓወይን ኣብ መገዲ ሕውነትን ሰላምን ዓርከይን መካይድተይ! ነዚ ዝበሉ በቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ምስ ቅዱስነቶም ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ሓባር ሰነድ ዝለገሱ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዝተሳተፉ ኣብ ምስሪ ናይ ሱናውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና መንበረ ጥበብ ኣል ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣል- ጣይብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንክሎ፥ ነቲ ጽምብል ሰብኣዊ ሕውነት ናይቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስታ ሰነድ በዓል እውን እዩ ቢሎም፡ ምትሕብባርን ስኒትን ምክብባርን ምቅብባልን ብምንቕቓሕ ውግእን ጽልእን ምንጻግ ዝብል ብርቱዕ ድላይ እነብዕለሉ ዕለት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እቲ ናይ ኣቡ ዳቢ ሰነድ፥ ናይ ተስፋ ጩራ እዩ

ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንሸኽ መሓመድ ቢን ዛይዱ እቲ ሰነድ ንምድላው ኣብ ዝተገብረ ጻዕሪ ንዝፈጠርዎ ሃዋሁ ኣድኒቖም፡ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ዘንበሮም ተስፋታቱን ትምኒታቱን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝቖመ ነቲ ናይ ሰብኣዊ ሕውነት ሽማግለ ንዘካይዶ ጻዕሪርን ተበግሶታቱን ጠቒሶም ምስጋና ኣቕሪቦም፡ ነቶም ናይ 2021 ዓ.ም. ስልማት ዛይድ ሰብኣዊ ሕውነት ብቑዓት ተባሂሎም ንዝተሓረዩ እውን ምዉቕ ሰላምታኦም ኣቕሪቦምን እንቋዕ ሓጐሰኩም ምስ በሉ፡ ተሰላሚት ላጢፋ፡ ወደን ብግብረ ሽበራ ዝተቐተለን ሓዘነንን ስቓየንን ንሰብኣዊ ፍጥረት ከም ህያብ ብምቕራብ ተስፋን ሰላምን ሕውነትን ንምዝራእ ኣገልግሎት ብምውዓል፡ ነቲ ቃንዛ ናብ ውህበት ቀይረን ናይ ሰላም መልእኽቲ ገይረን ግብረ ሽበራ ንኽንቃለሶ የተባብዓና ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ ዕርክነት ሕውነት ይውለድ

ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ጃስቲን ወልባይ እውን ብወገኖም፡ እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ኣቡ ዳቢ ሰነድ ኣገዳሲ ኣበርክቶታቱ ኣማእኪሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ሰነድ ሓቢርና ንኽንዓዪ የተባብዓና፡ ኣብ ምትሕብባር ንኽንዋሳእ የነቓቕሓና፡ ካብ ዕርክነት ሕውነት ይውለድ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ቻርለስ ሚሸል እውን ብወገኖም፥ ካብ ርሑቕ ምስ እንረአአይ ፍልልያትና ነስተውዕል ዘተ ናብ ምርድዳእ ንኸነብል ይድርኸናን እቲ ምርድዳእ እውን ንምክብባርን ምቅብባል ኣስተንፍሶ ይኾነና፡ እዚ ዓይነት ኣገባብ’ዚ ኸኣ ሰላምን ሕውነትን ተኻኣሊ ይገብሮ ከምዝበሉ ጠቒሱ ናይቲ ናይ ሰብኣዊ ሕውነት ሽማግለ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሞሓመድ ኣብደል ሳላም እውን ብወገኖም፥ መንእሰያት ሕልሞምን እወታውነቶምን ንመጻኢ ምሕሳብን ከይቋርጹ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ፡

ናይ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ መልእኽቲ

ነቲ ዝተኻየደ ናይ ስልማት ስነ ስርዓት ዝመረሓ ኣብ 2011 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት ተወላዲት ላይበርያ ለይማሕ ግቦዊ እውን ብወገነን ነቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ኣቡ ዳቢ ሰነድ ንዝለገሱ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ንዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብን ኣመስጊነን እቲ ሰነድ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዓቢይ ህያብ እዩ ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ “ስልማት ዛየድ ንሰብኣዊ ሕውነት” ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ከቲሞም ወግዓዊ ኣብ ዘገበርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእቱ ሰነድ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ከምዝኾነንን እቶም ነቲ ስልማት ብቑዓት ተባሂሎም ዝተሓርዩ ኣብ ዓውድታት መንግስትን ባህልን ሃይማኖትን ዝዋስኡ ካብ 30 ሃገራት ዝተዋጽኡ ዓበይቲ ኣካላት ብዝሓቁፍ መጋባእያ ዝተመርጹ ከምዝኾኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ላጢፋ፥ ማሕበራዊ ስኒት ኣብ መንጐ ወለዶን መበቆሎምን

ላጢፋ በን ዛያተን ተወልዲት ሞሮኮ ካብ 1977 ዓ.ም. ምቕማጠን ኣብ ፈረንሳ ዝገበራ ወደን ሞሓመድ መራሕ ኣባል ፍልዩ ሓይሊ ምክልኻል ፈረንሳ ኣብ 2012 ዓ.ም. ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝተሰወኤን በዚ ምኽንያት እውን ንዝኽሪ ወደን ንመንእሰያትን ሰላምን ኣብ መንጐ ወለዶ ሰላም ንምስፋሕን ዝሓልይ ማሕበር ዘቖማ፥ መንእሰያት ኣብ ዝነብርሉ ሕብረተሰብ ተዋሂዶም ንኽነብሩ ዘኽእል ሕንጸት ብምቕራብ ኣብ መላእ ፈረንሳ ማሕበራዊ ስኒት ዘስፍሓን እዚ ሲኒት እዚ ክውን ክኸውን ዝዓያ ምዃነን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጉተረዝ፥ እቲ ዓቢይን ሓቀይና ውግእ ጸረ ኮቪድ-19 እዩ

ካልኣይ ተሰላሚ ንኽኾኑ ዝተሓርዩ ተወላዲ ፖርቱጋል ናይ ፖለቲካ ሰብ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንታት ዓለም ታሽዓይ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝተሓርዩ ኣንቶኒዮ ጉተርዝ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ-19 ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝካየድ ውግእን ሕድ ሕዳዊ ግጭትን ብሓፈሻኡ ዓለም ለኻዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ውሕሱ ብምግባር ዓቕምን ሓይልን ኵሉ ኣብቲ ዓቢይን ሓቀይናን ወግእ ጸረ ኮቪድ-19 ክዋደድ ጻውዒት ብምቕራብ ንዝፍጽምዎ ዘለዉ ጐስጓስን ከምኡ እውን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልትን ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታን ሰላምን ሰብኣዊ ክብረትን ንምስፋሕ ንዝፍጽምዎ ዕዮን ግምት ብምሃብ ነቲ ስልማት ብቑዕ ተባሂሎም ከምእተሓርዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ጉተረዝ እቲ ስልማት ንናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ስደተይንታትን ተመዛበልትን ማሕበር ክልግሱ ምዃኖም ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከምዘፍለጡ የመላኽት።

05 February 2021, 17:41