መበል 90 ዓመት ምስረታ ራዲዮ ቫቲካን፥ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ቃል መበል 90 ዓመት ምስረታ ራዲዮ ቫቲካን፥ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ቃል 

መበል 90 ዓመት ምስረታ ራዲዮ ቫቲካን፥ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ቃል

ኣብቲ ብትሽዓተ ዓሰርተታት ምስረታኡ ዘብዕል ዘሎ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝሓለፍ ታሪኹን ሎሚ እውን ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳታ ምስ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ጋዜጠይናታትን ሰራሕተይንታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘካየድዎም ርክባት

ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ጽምብል ምስረታ ራዲዮ ቫቲካን በዚ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣካል ኣቢሎም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘመሓላለፍዎ መልእኽታት ምዝካር ግድን ይኸውን፡ ቫቲካን ራዲዮ ድምጺ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ስለ ዝኾነ። ናይ ቅዋሜኡ ትርጉም እውን ንሱ እዩ። ካብ ስልጣናዊ ትምህርትን ለበዋን ጻውዒትን መልእኽቲ ሰላምን ኣስተንትኖን ኣስተምህሮታትን ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓንን ዘራኽብ ምዃኑ  ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ላውራ ደ ሉካ ኣብ ዘቕረበኦ ሓተታ ኣመላኺተን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝሓለፉ 90 ዓመታት ሸሞንተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝረኣየ ብራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝሓለፉ ተስዓ ዓመታት ድምጾም ኣመሓላሊፎምን እዮም፥ ራዲዮ ቫቲካን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ራዲዮ እዩ፡ ብዙሕ እዋን ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ብትሽዓተ ዓሰርተታት ምስረታኡ ዘብዕል ዘሎ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝሓለፍ ታሪኹን ሎሚ እውን ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳታ ምስ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ጋዜጠይናታትን ሰራሕተይንታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘካየድዎም ርክባት ተልእኾ ራዲዮ ቫቲካን ኣስሆተ ወንጌልን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ኣብ ርሑቕ ዝርክቡን ዘዋህድን ከም ሓደ ማሕበረሰብ ዘሕብርን ምዃኑ የዘኻኽሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዳርጋ ናብ ሓደ ዘመን ዝቃረብ ብዘሎ ዕድመኡ ኣቢሉ ራዲዮ ቫቲካን ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ፍጻሜታት ካብ ዕለት 12 ለካቲት 1931 ዓ.ም. ኣትሒዙ  ብናይ ሰላምን ናይ ፍቕርን ድምጺ ኣቢሉ ዘሰነየን ዘሰንዕን ዘሎ እዩ።

ፒዮስ መበል 11

ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ኢጣሊያዊ መሃዚ ራዲዮ ጉሊየልሞ ማርኮኒ ኣብ ሃገረ ቫቲካን መደብር ራዲዮ ክሓንጽ ሓላፍነት ምስ ሃብዎምን እዚ እውን ክውን ምስ ኮነ እቲ መደብር ራዲዮ ምስ ቆመ ማርኮኒ ዘይኰነ ብቐዳምነት ድምጾም ዘስምዑ ንሶም ር.ሊ.ጳ. እዮም። ንፈፍለማ ግዜ ብቋንቋ ላቲን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ኣብ ፈለማ ምስጢር መደብ ናይ እግዚኣብሔር ናይቶም ብመለኮታዊ ትእዛዝ ጠመቓዊ ትምህርትን ስብከትን ናብ መላእ ሕዝቢ ዓለምን ንኹሉ ፍጣረትን (ማቴ. 28, 19: ማር. 16,15) ኣብጽሑ እንክብል ናይ ሓዋርያት ንጉስ ንሓዋርያት ከምዝለኣኾም እዚ ዘደንቅ ማርኮኒያዊ ምህዝቦ’ዚ ክህልወና ድላይ ካባና ኮይኑ እነሆ ናብ መላእ ፍጥረትን ደቂ ሰባትን ነብል!

ከምዝበሉን፥

ፒዮስ  መበል 12ን ናይ ሰላም ጻውዒትን

ዕለት 24 ነሓሰ 1939 ዓ.ም. ብትኽክል ኣብ ጀርመን ብዝነበረ ናዚያዊ ስርዓት ፖላንድ ሓደ ሰሙን ቅድሚ ምትሓዛ ካብ ራዲዮ ቫቲካን ብዝተቐድሔ ድምጾም ኣቢሎም ንመላእ ሃገራት መንግስታትን ሕዝብታትን ናይ ውግእ መዓትን ሳዕቤኑን ኣብሪሆም እንከጠንቅቑ፥ “ብሰላም ዝጠፍእ ነገር የሎን ብውግእ ግና ዅሉ ክጠፍእ ይኽእል” ዝበልዎ ታሪኻዊ ቃል ክሳብ ሎሚ ዝዝከር ምዃኑ ደ ሉካ ኣብ ዘቕረበኦ ሓተታ ናይ ቤተ ክርስትያንን ናይ ራዲዮ ቫቲካን ናይ ታሪኽ ማህደር ጠቒሰን የዘኻኽራ።

ዮሓንስ መበል 23ን ሕውነት ኣብ መንጐ ህዝብታት

1961 ዓ.ም. ጆን ፊትዝገራልድ ከነዲይ ናይ ሕቡራት መንግታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ቃለ ማሕላ ዝፈጸመሉን ቢትልስ ጉጅለ ሙዚቃ ምርኢት ዘበገሰሉን ውግእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቨትናም ዘብቅዓሉን ዓመት እዩ። ዕለት 12 ለካቲት 1961 ዓ.ም. ዮሓንስ መበል 23 ብራዲዮ ቫቲካን ተቐልቂሎም መራኸቢ ብዙሓን ራዲዮ ቫቲካን ንናይ ሰብኣዊ ሕውነት ኣገልግሎት ምዃኑ ብኣጽንዖት ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ከምዘመሓላልፉ ዘዘኻኸራ ደ ሉካ ኣስዒበን፥

ጳውሎስ ሻድሻይን ናይ መጸናንዒ ቃል ንምእመናንን

ኣብ 1971 ዓ.ም. ምስሪ ናይ ናይል ዲጋ ዘመረቐትሉን ዘመናዊ ዝኾኑ ደቐቕቲ ምህዞታት ክፍጠሩ ዝተጀመረሉን እዋን ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 27 ለካቲት ጳውሎስ ሻድሻይ ንናይ ቫቲካን ረዲዮ ጋዜጠይናታትን ሰራሕተይናታትን ብምኽንያት መበል 40 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ቫቲካን ረዲዮ ተቐቢሎም እቲ ራዲዮ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ምእመናን ዝበጽሕ ምዃኑን ምእመናን ዘጸናንዕን ኣብ እምነት ዘጽንዕን እዩ እንክብሉ ይገልጽዎ ቢለን፥

ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማውን ምስ ናይ ዓለም ሓቆፍ ልኡኻን ጋዜጠይናታት ርክብን

ኣብ 1978 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ቀይሕ ብርገድ ብዝብል መጸውዕ ገዛእ ርእሱ ዝሰመየ ሓይሊ ኣሸበርቲ ናይ ኢጣሊያ ናይ ክርስቲያን ደሞክራሲ ፖለቲካዊ ውድብ መራሒ ኣልዶ ሞሮ ዝጨውዩሉን ኣብታ ዓመት እቲኣ ወረሒ መስከረም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካምፕ ደቪድ ኣብ መንጐ እስራኤልን ምስርን ናይ ሰላም ስምምዕ ዝተፈረመሉን ቅድሚ ቁርብ መዓልታት ምፍርራን እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ምስ ዓለም ሓቆፍ ልኡኻን ጋዜጠይናታት ተራኺቦም ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡኻን ምዃን ንዓለም ቤተ ክርስቲያን ምዝንታው ዝብል ተልእኾ ዘተሓሳስብ  ምዃኑ ከምዘብርሁ ይሕብራ።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ሓበሬታን ወንጌላውነትን ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን

ኣብ 1980 ዓ.ም. ናይ ኡስቲካ ዓመትን ኣብ ቦሎኛ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራን ርእደ መሬት ኣብ ዞባ ኢርፒናን ኣብታ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ኣብ ፖላንድ ዝተኻየደ ብርቱዕ ሕዝባዊ ናዕብን ውልደት ሶሊዳርኖስን ዕለት 5 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሕንጻ ራዲዮ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ራዲዮ ቫቲካን ካብቲ እቲ ራዲዮ ዘቃልሖ ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝብል ቃል ጀሚሩ ብዘቕርቦ ኣገልግሎት ተልእኾኡ ንጹር ምዃኑ ዝተወሃቦ ተልእኾ እንታይ ምዃኑ ነስተውዕል ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ደ ሉካ የዘኻኽራ።

በነዲክቶስ መበል 16ን ሰማዕቲ ስድራ ቤተ እግዚኣብሔር

ዕለት 3 መጋቢት 2006 ዓ.ም. ብምኽንያት መበል 75 ዓመት ምስረታ ቫቲካን ራዲዮ ኣብ ሕንጻ ናይቲ መደብር ራዲዮ ምብጻሕ ኣካይዶም ካብቲ ካሮል ውይትይላ እተሰምየ ቤት ፈነወ ኮይኖም ንሰማዕቲ ብቐጥታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነቶም ሰማዕቲ ኣባላት ናይቲ ዶብ ዘይፈልጦ ስድራ ቤት እግዚኣብሔር ኢኻትኵም እንክብሉ ከምዝገለጹ ዘዘኻኸራ ደ ካሮሊስ ኣስዒበን፥

ፍራንቸስኮ፥ ሓበሬታ ኣቕረብቲ ከም መሰኻኽር ክርስቶስ

ኣብ 2015 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዘተኣታተውዎ ሕዳሴ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ብሓደ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ መራኸቢ ብዙሓን ክጥርነፍ ገይሮምን ዕለት 23 መስከረም 2019 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዓመታዊ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ተረኺቦም፥ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ሓበሬታ ምቕራብን ምስክርነትን ዘጣመረ እዩ ቢሎም፥ ሓበሬታ ኣቕረብቲ ከም መሰኻኽር ክርስቶስ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ይሕብራ።

12 February 2021, 21:30