ልኡከ መንግስቲ ካሪከይርይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣገልግሎቶም ይጅምሩ ልኡከ መንግስቲ ካሪከይርይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣገልግሎቶም ይጅምሩ 

ልኡከ መንግስቲ ካሪከይርይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣገልግሎቶም ይጅምሩ

ተወላዲ ኡራጉዋይ ናይ ስነ ሕጊ ሊቅ ጉዝማን ሚገል ካሪከይርይ ለኩር ብጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምሕደራ - ኵርያ ሮማና ንኸገልግሉ ተጸዊዕም ካብቲ እዋን ኣትሒዞም ኣብ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን - ኵርያ ሮማና ብዝተፈላለዩ ሓላፍነት ዘገልገሉ

ዕለት 9 ጥሪ ናይ ስነ ሕጊ ሊቅ ካሪከይርይ ብወግዒ ናይ ሃገሮም ኡራጉዋይ ልኡከ መንግስቲ ንኽኾኑ ካብ መንግስቶም ዝተወሃቦም ናይ ሽመት ደብዳቤ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣረኪቦም ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ኡራጉዋይ ልኡከ መንግስቲ ኣገልግሎቶም ብወግዒ ከምዝጀመሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ተወላዲ ኡራጉዋይ ናይ ስነ ሕጊ ሊቅ ጉዝማን ሚገል ካሪከይርይ ለኩር ብጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምሕደራ - ኵርያ ሮማና ንኸገልግሉ ተጸዊዕም ካብቲ እዋን ኣትሒዞም ኣብ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን - ኵርያ ሮማና ብዝተፈላለዩ ሓላፍነት ዘገልገሉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ዝሓለፈ ሓምለ 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገሮም ኡራጉዋይ ልኡከ መንግስቲ ንኽኾኑ ብመንግስቶም ተሓቲቶምን ነዚ ሓላፍነት’ዚ ከምእተመዙን ክዝከር እንከሎ፡ ዕለት 9 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ናይ ሽመት ደብዳቤኦም ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዘረከቡን ድሕሪ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ርክብ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ  ካርዲናል ፐትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ሰብዓታት ምስ ቅድስቲ መንበር ምትሕብባር ዝጀመሩ፡ ኣብ 1974 ዓ.ም. ብጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣባል ንኽኾኑ ተሓቲቶምን ዘቕረብሎም ጻውዒት ተቐቢሎም ኣብ 1977 ዓ.ም. ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እንክብሉ እውን ከምዝሰመይዎምን፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እውን ናይቲ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምኽትል ኣቦ መንበር እንክብሉ ከምዝሰመይዎምን፡ ኣብ 2005 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ሓላፍነት ንኽቅጽሉ ምስ ሓተትዎምን ኣብ ምግልጋል እክለዉ፥ ኣብ 2011 ዓ.ም. ናይ ላቲን ኣመሪካ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ድርገት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ንኽኾኑ ከምእተሰምዩን ኣዘኻኺሩ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገና ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ብቀረባ ዝፋለጡን ምሕዝነትን ጥቡቕ ምቅርራብ ዝነበሮምን ዕለት 2 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ናይ ላቲን ኣመሪካ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ድርገት ምኽትል ኣቦ መንበር እንክብሉ ከምዝሰመይዎምን፡ ሓደ ዓለማዊ ምእመን ኣብ ኵርያ ሮማና ንዝለዓለ ሓላፍነት ክስመዩ ካሪከይርይ ቀዳማይ ምዃኖም ይንገር። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም እውን ኣብ ኵርያ ሮማና ንዝለዓለ ሓላፍነት ብዙሓት ዓለማውያን ምእመናን ከምዝሾሙ የዘኻኽር።

ክሳብ 1974 ዓ.ም. ከም ክኢላን ሰብ ሙያን ኣብ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ናይ ሲኖዶስ ጠቕላላ ጉባኤታት ዝተሳተፉን ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጽዓን ጳጳሳት ቤተ ምኽሪ ኣብ 1979 ኣብ ፑወብላን፡ ኣብ ሳን ዶሚንጐ ኣብ 1992 ዓ.ም. ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ኣፓረሲዳን ኣብ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጠቕላሊ ጉባኤታት ኣማኻርን ኣብ ዝተፈላለየ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዘካየዶም ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤታት ንቅድስቲ መንበር ወኪሎም ዝተሳተፉን ካብ 1984 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት ቅነ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ኣባል ንኽኾኑ ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እውን ተሰምዮም ከምዘገልገሉን እዚ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት እውን ኣብቲ እዋን ብናይ ዓለማውያን ምእመናን ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓላፍነት ክምራሕ ከምዝገበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

12 January 2021, 16:05