ቫቲካን፥ ጐስጓስ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን በነዲክቶስ መበል 16ን ተኸቲቦም ቫቲካን፥ ጐስጓስ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን በነዲክቶስ መበል 16ን ተኸቲቦም 

ቫቲካን፥ ጐስጓስ ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን በነዲክቶስ መበል 16ን ተኸቲቦም

ብርግጽ ብግብረ ገባውነት ማዕቅፍ ኵሉ ክኽተብ ኣለዎ፡ ፍቓደይናታት ክኾኑ ይግባእ፡ ኣማራጺ ኣይኮነን፡ ስለዚህ ግብረ ገባዊ ሓላፍነትን ተግባርን እዩ፡ ጥዕና ዝምልከት ጉዳይ እዩ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻን ናይ ካልኦትን ጥዕናን ንምክልኻል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 10 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ምስ ናይ ኢጣሊያ ካናለ ቺንኲወ ምስ እተሰምየ ናይ ግሊ ናይ ተለቪዥን መደብር ኣብ ዘካየድዎን ብወግዒ ንሕዝቢ ኣብ ዝቐረበን መደብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ክጅመር ምዃኑን ንሶም እውን ንኽኽተቡ ከምእተመዝገቡን ሓቢሮም ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፥ ዕለት 13 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ቅዱስነቶምን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ከማተኸትቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 13 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጐስጓስ ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባት ከምእተጀመረን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ልሂቅ በነዲክቶስ መበል 16ን ከምእተኸትቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኢጣሊያ ካናለ ቺንኲወ ተለቭዥን ጣቢያ ጋዜጠይና ፋቢዮ ማርከዘ ራጐና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ዕለት 10 ጥሪ ኣብ ዝተመሓላለፈ መደብ ብዛዕባ ክትባት ኣመልኪቶም ራጐና ንዘቕረቡሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ብርግጽ ብግብረ ገባውነት ማዕቅፍ ኵሉ ክኽተብ ኣለዎ፡ ፍቓደይናታት ክኾኑ ይግባእ፡ ኣማራጺ ኣይኮነን፡ ስለዚህ ግብረ ገባዊ ሓላፍነትን ተግባርን እዩ፡ ጥዕና ዝምልከት ጉዳይ እዩ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻን ናይ ካልኦትን ጥዕናን ንምክልኻል፡ ክትባት ዝቕበል ናይ ገዛእ ርእሱን ናይ ካልኦት ሕይወትን እዩ ዝከላኸል” ቢሎም ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባት ክወሃብ እዩ፡ ንሶም እውን ንኽኽተቡ ከምእተመዝገቡ ሓቢሮም ከምዝነበሩን “እቲ መድሃኒት ሓኻይም ዘረጋገጽዎ እዩ፡ ብርግጽ ርእሰ ቅትለታዊ ነጸጌታ ኣሎ፡ እዚ እዩ ክገልጾ ዘይከኣል እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ የዘኻኽር።

15 January 2021, 19:51