ዕለት 24 ጥሪ 2021ሰንበት መዓልቲ ቃለ እግዚኣብሔር ዕለት 24 ጥሪ 2021ሰንበት መዓልቲ ቃለ እግዚኣብሔር 

ቃል ሕይወት ኣጥቢቕኵም ሓዙ

ናይ መለኮታዊ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዘውጸኦ መምርሒ ኣበዓዕላ ሰንበት መዓልቲ ቃል ኣምላኽ

ዕለት 24 ጥሪ ካልኣይ ስንዳወ ሰንበት መዓልቲ ቃል ኣምላኽ ክበዓል እዩ፡ በዚ በዓል ምኽንያት`ዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 10 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሳብ ሚእቲ ዝግመቱ ምእመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም። በዛ ዓባይ በዓል ምኽንያት ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅ ክሪመላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብቕዱስ መጽሓፍ እንተድኣ ዘይሓለፍና ባዕልና ብኣምሳልናን ኣርኣያናን ምስ እንምህዞ ኢየሱስ ኢና እንራኸብ ቢሎም፡ ምስቲ ቃል ኣብ ቃሉ ምርኻብ የድሊ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 መስከረም 2019 ዓ.ም. “Aperuit illis - ንኣኣቶም ተኸፍተሎም (ተጋህደሎም) ብዝብል ኣርእስቲ ብዘለዎም ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት፡ ብላቲን ግጻዌ ኣብ ናይ ተራ ግዜ መርሓ ሊጡርጊያ ሳልሳይ ሰንበት በዓልን ኣስተንትኖን ምስፋሕን ቃል ኣምላኽ ንዝብል ሓሳብ ክወክፍ ከምዝወሰኑ ክዝከር እንከሎ፥ ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ቅዱስ መጽሓፍ ዘይምፍላጥ ክርስቶስ ዘይምፍላጥ እዩ ዝበለ ቅዱስ መጽሓፍ ናብ ቋንቋ ላቲን ዝተጐመ ቅዱስ ሄሮኒሞስ ኣብ ዝዘከረትሉን መበል 1600 ዓመት ምውላድ ኣብ ሰማይ ቤት ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት 30 መስከረም 2019 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ዝበቕዔ ሰነድ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ናይ መለኮታዊ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዘውጸኦ መምርሒ ኣበዓዕላ ሰንበት መዓልቲ ቃል ኣምላኽ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ህይንተ ብጹዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ዕለት 17 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ክታሞም ዘንበሩሉ ሰነድ ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቐዔ ክዝከር እንከሎ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ኸኣ ምእመናን ኣብ ሕይወቶም ብፍላይ ከኣ ኣብ ሊጡርጊያ ምስ እግዚኣብሔር ህያውን ንቀጻሊ ዘዛትይ ቃል ኣምላኽ ዘለዎ ኣገዳስነት ንኽስተውዕሉ ዝብል ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዘቕረቦ ሰነድ፡ ሰንበት መዓልቲ ቃል ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ገለ ገለ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰነዳት ብፍላይ እቲ ኣብ ዓሰርተ ነጥብታት ዝተዓንቀጸ Praenotanda dell’Ordo Lectionum Missae - መቅድማዊ ስርዓተ ንባባት ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰንበተ መዓልቲ ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ኣገባብ ክበዓል ከምዘለዎ ዘመላኽት እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ቅዱስነቶም ዕለት 24 ጥሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብመራኸቢ ብዙሓን ብቐጥታ ከምዝመሓላልፍን ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ዜጋታት ልክዕ ከምቲ ኣብ በዓለ ፋሲካ ብናይ ምልክታ ቋንቋ ክከታተልዎ ከምእተገብሩን ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳታ ቤት ምኽሪ ናይ ግዱዓት ዜጋታት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊት እናቴ ቨሮኒካ ዶናተሎ ኣሰናዳእነት ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎ ኵሎም ክከታተልዎ ብናይ ምልክታ ቋንቋ ዝተሰነየ ከምዝኸውን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ፍጻሜ እቲ መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ቅዱስነቶም ፍሉይ ሕትመት ቅዱስ መጽሓፍ ንዝተፈላለዩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ንዝውክሉ ኣካላት ክልግሱ ከምዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ ለምዘበን በዓለ ቃል ኣምላኽ ምልክታ ናይ ኤማሁስ ደቀ መዝሙር ምስ ኢየሱስ ክራኸቡ ዘርእይ ስእሊ ከምዝኾነን፡ ብውሽጡ ናይቶ ደቀ መዝሙር ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዝፈጠሮ መንፈስ ዘቃልሕ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅዱስ ሄሮኒኖምስ ንቃል ኣምላኽ ዝነበሮ ዓቢይ ፍቕሪ ከም ኣብነት ክስዓብ እቲ ናይ መለኮታዊ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዘውጸኦ ሰነድ የተሓሳስብ፥ ቅዱስ መጽሓፍ ናብ ቋንቋ ላቲን ዝተጐመ ቅዱስ ሄሮኒሞስ ኣብ ዝተስዘከረሉ ዕለት 30 መስከረም 2019 ዓ.ም. ተተሓሒዙ እውን መበል 1600 ዓመት ምውላድ ኣብ ሰማይ ቤት ዝተበዓለሉ ዕለት ቅዱስ ኣቦና፥ “ቅዱስ ሄሮኒሞስ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ተመራማርን ተንተናን ተርጓምን ጥልቂ ፍቕሪ ንቃል ኣምላኽ ዝነበሮን ኣስፋሒ ቃል ኣምላኽን” እንክብሉ ገሊጾም፡ ቃል ኣምላኽ ጽን ኣብ ምባል ገዛእ ርእሱ ዝፈለጠን ምስ ገዛእ ርእሱ ዝተራኸበን ናይ እግዚኣብሔርን ናይ ኣሕዋትን ወጅሂ ዘለለየን፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ጸኒዑ ሕይወቱ ምስ ማሕበራዊ ሕይወት ዘቓነየን እንክብሉ ብዝገለጽዎ ሓሳብ እቲ ቅዱስ ማሕበር ወግዓዊ ዝገበሮ ሰነድ ከምዝድምድም ሰነድ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

23 January 2021, 22:08