ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ሰላም ኣብ የመን

ኣብ የመን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ብዙሓት ንጹሓን ዜጋታት ንዘድምይ ግጭት ስቓይ ይፈጥረለይን የተሓሳስበንን

ዕለት 1 ጥሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ዝበዓለሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፡ ህልው ኩነታት የመን ሰላምዊ መፍትሒ ክርከብን ኣብ ናይጀሪያ ዝተጨውዩ ናይ ሰበኻ ኣወሪ ተራዳኢ ጳጳስ ናጻ ክልቀቑን ኣብ መንጐ ሕዝቢ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክረጋገጽን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ቅድሚ ምስንባቶም እቲ ንየመን ዘድምይ ዘሎ ውግእ ከብቅዕ፥

ኣብ የመን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ብዙሓት ንጹሓን ዜጋታት ዘድምይ ግጭት ስቓይ ይፈጥረለይን የተሓሳስበንን፡ ነቲ ኣዚዩ ዝሳቐይ ዘሎ ሕዝቢ ሰላም ከምጽእ ዘኽእል መፍትሒ ንኽርከብን እጽልይ። ኣሕዋተይን ኣሓተይን  ንስእነት ኣባይቲ ትምህርትን ኣፋውስን መግብን ተቓሊዖም ንዝርከብ ሕጻናት ንሕሰብ፡ ምእንቲ የመን ብሓባር ንጸልይ!

ጸሎት ምእንቲ ኣብ ናይጀርያ ዝተጨውዩ

ምስ በሉ፥ ንመእመናን ኵሎም ምእንቲ እቶም ዕለት 27 ታህሳስ 2020 ዓ.ም. ኣብ ናይጀሪያ ብረት ብዝተዓጥቑ ሰባት ዝተጨውዩ ናይ ኦወሪ ርእሰ ሰበኻ ተራዳኢ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሞሰስ ቺኵአን ምስኦም ዝነበሩ መራሒ ማኪናን ዘኪሮም፥

ኣብ ናይጀሪያ ተመሳሳሊ ሓደጋ ንዘጓነፎም ኵሎም ብዘይ ሓደ መጉዳእቲ ናጻ ክልቀቑን ኣብታ ሃገር ጸጥታን ድሕንነትን ሰላምን ውሑስ ክኸውን ንጸልይ!

ምስጋና ምእንቲ እቶም ንሰላም ዝዓዩ

ቅዱነቶም ቅድም ኣቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ናይ 2020 ዓ.ም. ኣብ መዛዘሚ ናብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘሰጋገረ ለይቲ ንሕዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ፥ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብፍሉይ ጠቒሶም ዘቕርቡሎም ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ቃል እናሓሰቡ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ኣብ ዓለም እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ዘለዉን፡ ዕለት 1 ጥሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም ኣብ ዓለም ዘገልግሉን እንከመስግኑ፥

ብናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ፓክስ ክሪስቲ - ሰላመ ክርስቶስ ማሕበርን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ማሕበር ረድኤትን ካቶሊካዊ ተግባር ማሕበርን ብሓባር ዘዳለውዎ ምእንቲ ሰላም ምንባዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ ብፍሉይ እሓስብ፥ ከምኡ እውን ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ብመረብታዊ ውሕዘት ኣሰንዩ ዘካየዶን ዘኪሮም ንዅሎም ምእንቲ ዕርቅን ስኒት ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ምእንቲ ሰላም ዓቢይ ኣበርክቶ ንዘሳልጡ አመስግን፡

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ፥ ንመዘምራን ኾኸብ - ስተርንሲንገር ኣባላት ጀርመናውያንን ኣውስትሪያ ዜጋታት መንእሰያትን ዘኪሮም፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ኣባይቲ ስድራ እናተዘዋወሩ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ተልእክኮ ብስራተ ልደት ዘእግዚእነ ከምቲ በቢ ዓምቱ ዘካይድዎን ንመንእሰያት ድኻታት ሓገዝ ንምእካብን ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ከሳልጡ ዘይከኣሉን ብፍሉይ ከምዝዘከሩ ኣፍሊጡ።

02 January 2021, 00:18