ጸጋ ኣገልግሎት ሕውነት ደቂሰባት ንክህበናን ብኣኡ ንክንነብርን ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ወርሒ መጸ ር.ሊ.ጳ ሓሳብ ጸሎቶም ንምሉእ ዓለም ብምግላጽ ስለ ሓደ ፍሉይ ጒዳይ ምሳኦም ሓቢርና ክንጽሊ ይዕድሙ። ንወርሒ ጥሪ 2021 ዓም ዘቅረብዎ ሓሳብ ጸሎት ስለ ሕውነት ኩሎም እንክኸውን ፍልይ ብዝበለ ከኣ ስለ እቶም ብእምነት ካባና ፍልይ ዝብሉ ኣሓትን ኣሕዋትን ንክንፈልጦምን ንክነፍቅሮምን ንጸሊ ብማለት ንመላእ ዓለም ይዕድሙ።

ዜና ቫቲካን!

ጎርጎሮስያዊ ባሕረ ሓሳብ ዝኽተሉ አረጊት ዓመት 2020 ኣፋንዮም ሓዲስ ዓመት 2021 ዓም ዝሓለፈ ሶሙን እንክጅምሩ ክብደት 2020 ኣብ ምሉእ ዓለም ለበዳ ኮቪድ 19 ብዝሓደጎ ስምብራት ተጐቢኡ ከም ዝሓለፈ ይሕልፍ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ቅዱነቶም ንመልእኽቲ ሰላም ናይ ዓመቱ ኣስዒቦም ሓሳብ ጸሎቶም እውን ነዚ ብሕሰም ሓደ ዝኾነ ዓለምና በታ ኩልና ኣሕዋት ኢና እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ዘመሓላልፍዎ ምሕጽታ ምሉእ ብምሉኡ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ሕውነትን ምእንቲ ክድልድል ሓሳብ ጸሎቶም ስለ እዚ ዕላማ እዚ ክኸውን ከምዝወሰኑ መርበብ ዓለምለኸ ተልእኮ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ሎሚ ዕለት 5 ጥሪ 2021 ዓም ኣማስያኡ ናብ መላእ ዓለም ብዕሊ ዘርጊሑ። ኩልና ኣሕዋት ጥራይ ዘይኮነ ብሓባር ዝጽልዩ ኣሕዋት እውን ክንከውን ብግዲ ከምዝደሊ ብምግላጽ ከኣ ስለ እዚ ሓሳብ እዚ ኩልና ኣሕዋት ብሓባር ክንጽሊ ዕድመ ቀሪቡ።

ብሓባር ዝጽልዩ ኣሕዋት!

ቅዱስነቶም ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቀቅድሚ ሕማማቱን ሞቱን ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ዘዕረጎ ጸሎት ‘ኩሎም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ’ ትብል ምርኩስ ብምግባር እዚ ከኣ ኩልና ከም ኣሕዋት ከምቲ ኢየሱስ ዝጸልዮ ክንጽሊ እንከሎና ነቶም ብዝተፈላለየ ባህልን ልማድን እምነትን ዝጽልዩ ኣሕዋትና ብምስዓብ ክኸውን ከምዘለዎ እዚ ከኣ ብሓባር ዝጽልዩ ኣሕዋት ኰና ጸሎት ከምዘወሃህድና ኣመልኪቶም።

“ሕውነት ናብ ኣቦ ኩልና ዝኾነ እግዚአብሔር ልባትና ከም እነርሑ ይገብረና በዚ ከኣ ኣብ እንረኽቦ ሰብ ሓው ሓውቲ ንምርኣይ ክኢልና ምስኣቶም መነባብሮና ብምስታፍ ወይውን ብምድግጋፍ ብዝበለጸ ክንፋቀርን ክንፋለጥን ንኽእል ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ባህርይ ቤተክርስትያን እንክገልጹ ‘ቤተክርስትያን እግዚአብሔር ኣብ ካልኦት እምነታት ንዝገብሮ ዓቢ ግምት ብምሃብ ንኣና ንክርስትያን ክብሪ ወዲሰብን ሕውነትን ቀንዲ ምንጩ ወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶ ምዃኑ ዘይርስዖ ጉዳይ እዩ’ ኢሎም። በዚኸስ ኣፍኣውን ግዝያውን ጉዳያት ብምምልካት ኣብ ፍልልይ ከይወደቅና ኣብቲ መሠረታዊ ዝኾነ ጉዳይ ክነተኩር ኣዘኻኺሮም።

መሠረታዊ ጉዳይ!

ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ሓሳብ ጸሎት ኩልና ናብቲ መሠረታዊ ዝኾነ ጉዳይ ብምትኳር ናብ ምንጪ እምነትና ክንምለስ ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።

“መሠረታዊ ጉዳይ እምነትና ንእግዚአብሔር ኣምልኾ ምቅራብን ፍቅሪ ብጻይን እዩ። ነዚ ርግጽነት እዚ ምስ ዝስቈረና ንጸጋ እግዚአብሔር ልብና ይኽፈት።”

ካብ ናትና ዝተፈልየ እምነት ምስ ዘዘውትሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዘይ ባእሲ እቲ ሓደ ስለ እቲ ሓደ እናጸለየ ንኩሉ ክፉታት ኰና ብምሉእ ሕውነት ምስኦም ክነብር ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ።

ናብ ምሉእ ሰላም ዝግበር ጒዕዞ!

ንዓለም ለኸ መርበብ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ዝመርሑ ኣባ ፈደሪክ ፎርኖስ ቅዱስነቶም ኣብታ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ሻምናይ ምዕራፍ ንዘሎናዮ ኩነታት ብፍላይ ከኣ ለበዳ ኮቪድን ዓመተ 2020 ኣመልኪቶም ‘ድሕሪ እዚ ብለበዳ ኮቪድ ዝተዓለሰ ዓመተ 2020 ዘኸተሎ ቅልውላው ማለት ኣብ ሓለዋ ጥዕናስ ይኹን ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ተሸሚምና ኣብ ዘሎና ግዜ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣሕዋትን ኣሓትን ኰና ናብ ሰላም ገጽና ክንጐዓዝ ኣድላዪ እዩ’ ዝበልዎ ዘኪሮም ‘ሕውነት ንምህናጽን ኣብ ማሕበረሰብ ፍትሒ ከይጐድል ንምቅላስን ሕብረት እምነታት የድሊ’ ኢሎም።  በዚ ከምዚ ከኣ ኣብ ዓለምና ዘሎ ግድላትን ጸገማት ሓባራዊ ገዛና ዝኾነ ከባቢናን ኣብ ብዙሕነት ዝኣምንን ዋጋ ዝህቦን ጉዕዞ መንግሥቲ ኣምላኽ ክነድፍዕ ከኽእለና እዩ እንክብሉ ዘለዎም እምነትን ሠናይ ምንዮትን ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 January 2021, 01:00