ኣብ መጻኢ ዓለምናን ተስፋ ቤተክርስትያንን ወትሩ ሕጻናት/ንኣሽቱ ኣለው! ር.ሊ.ጳ

‘ዎ ኣምላኸይ፣ ንጉሰይ፣ ልዕል ከብለካ፣ ስምካውን ንዘለአለም ኣለም ክባርኽ እየ። ኵሉ መዓልቲ ኽባርኸካ፣ ስምካውን ንዘለአለመ ኣለም ክውድስ እየ። እግዚኣብሔር ዓብዪ እዩ እሞ፣ ምስጋና ይግብኦ፣ ዕብየቱ ዘይተመርማሪ እዩ። ኣፈይ ምስጋና እግዚኣብሔር ይዛረብ፣ ኵሉ ስጋ ኸኣ ንቕዱስ ስሙ ንዘለአለም ኣለም ይባርኾ።’ (መዝ 145.1-3,21)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ጸሎት ዝጀመርናዮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል ሎሚ ብዛዕባ ጸሎት ውዳሴ ወይውን ስባሔ- ማለ ክብርን ምስጋና ናብ ኣምላኽ ምዕራግ ዝብል ክንምልከት ኢና። ነዚ ንክንርዳእ ሓንቲ ካብተን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሕለፈን ተመኲሮ ክንጠቅስ ኢና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቀዳሞ ተአምራታቱ ምስ ፈጸመን ኣርድእቱ ኣብ ብሥራት መንግሥቲ እግዚአብሔር ክሳተፉ ምስ ጀመሩ እቲ ተልእኮ መሲሕ ቁሩብ ጸገም ኣጓኒፍዎ ነበረ። ዮሓንስ መጥምቅ ካብ ቤት ማእሸርቲ ዝተጠራጠረ እንክመስል ‘እቲ ክመጽእ ዘለዎስ ንስኻ ዶ ኢኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ!’ (ማቴ 11,3) ብማለት ናብ ኢየሱስ መልእኽቱ ከምዝበጽሕ ይገብር። ምኽንያቱ ከኣ በቲ ዝነበሮ ስቃይ ነቲ ብሥራት ተጋግዩ ከይከውን ይፈርህ። ኣብ ሕይወትና ወትሩ ደንበገረ ዝመልኦም ጽልሙት ግዝያት መንፈሳዊ ለይትታት ወይውን ጸልማታት ንብሎም ኣለው። ዮሓንስ ከኣ ዘጋጠሞ እዚ ነበር። ኣብተን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ተኣምራታት ዝገበረለን ከባቢ ቀላያት ዝነበራ ዓድታት ጽልኢ ይለዓል (ማቴ 11,20-24)። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ቀውጢ ዝኾነ ግዜ ማቴዎስ ወንጌላዊ ሓደ ዘደንቅ ሃንደበታዊ ነገር ይትርኽ። ኢየሱስ ናብ ኣቦኡ ናይ ምጉርምራም ጸሎት ኣይኮነን ዘዕርግ እንታይ ደኣ ናይ ኢዮቤል ማሕሌት ‘ኦ ጐይታ ሰማይን ምድርን ዝኾንካ ኣቦ ነዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ ኤመስግነካ አሎኹ’ (ማቴ 11,25) እንክብል የቅርብ። ኣብ ቀውጢ ዝኾነ ናይ ቅልውላው ግዜ ከምቲ ናይ ዮሓንስ መጥምቅ ኩነት ድቅድቅ ጸልማት ለይቲ ንነፍሳት ብዙሓት እንከሳቂ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣቦ ይውድስ ይባርኽ የመስግን ክብሪ የቅርብ! ስለምንታይ ኮን ይኸውን!

ቅድሚ ዝኣገረ ስለ መንነቱ ስለ ኩነቱ ማለት ‘ኣቦን ጐይታ ሰማይን ምድርን’ ስለዝኾነ።  ኢየሱስ ብመንፈስ ኣዚዩ ይሕጐስ ምኽንያቱ ከኣ ፍሉጥ እዩ ኣቦኡ ጐይታ ኩሉ ዓለም ምዃኑ ይስምዖ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ናይ ኩሉ ፍጥረት ጐይታ ምዃኑ እዚ ከኣ ኣቦኡ ምዃኑ ስለዝተሰምዖ ኣቦየ ኢሉ ይጽውዖ። ካብዚ ተመኲሮ እዚ ማለት ‘ወዲ እቲ ልዑል እግዚአብሔር’ ምዃንከስ ጸሎት ስባሔ ማለት ጸሎት ምስጋናን ክብርን ይፍልፍል። ኢየሱስ ወዲ እቲ ልዑል ምዃኑ ይስምዖ።

ካብዚ ቀጺሉ ኢየሱስ ነቦኡ ዘመስግነሉን ክብሪ ዘቅርበሉን ንናእሽቱ ብምምራጹ እዩ። እዚ ከኣ እቲ ንሱ ኣብተን ዓድታት እቲኦሞ ክሰብኽ ከሎ ዝስምዖ ዝነበረ እዩ። እንተ እቶም ሊቃውንትን ብልህታትን ጥበበኛታትን ተዓጽዮም ይተርፉ! ይጠራጠሩ! የውርዱ የደይቡ! ይጸባጸቡ! እንተ እቶም ሕጻናት ወይውን ናኣሽቱ ነቲ መልእኽቶ ልቦም ከፊቶም ይቅበልዎ። እዚ ፍቃድ ሰማያዊ ኣቦ እንተዘይኰይኑ ካልእ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን! በዚ ከኣ ኢየሱስ ይሕጐስ። ደስ ይብሎ! ንሕና እውን ትሑታትን ገርሀይናታትን ንወንጌል ስለዝቅበሉ ክንሕጐስን ንጐይታ ውዳሴ ምስጋንን ክብርን ክነቅርብን ኣሎና። ኣነ ንባዕለይ ናብ መንፈሳዊ ንግደት እናጸለዩን እናዘመሩን ንጐይታ እናወደሱን ዝጐዓዙ ገርሀይናታትን ትሑታትን ሰባት እንክዕዘብ ምናልባት እዞም ሰባት እዚኦም ብዙሕ ነገር ይጐድሎም ይኸውን እንተኾነ እታ ዘላቶም ትሕትና ናብ ውዳሴ ጐይታ ተብጽሖም እብል። ኣብ መጻኢ ዓለምናን ኣብ ተስፋ ቤተክርስትያንን ወትሩ ናኣሽቱ ኣለው! እዚኦም ከኣ ንገዛእ ርእሶም ካብ ካልኦት ዝበለጹ ገሮም ዘይግምቱ ድሩትነቶምን ሓጢኣቶምን ዝፈልጡ ንካልኦት ክመልኩ ዘይደልዩ ኩሎም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣቦ ኣሕዋት ምዃኖም ዝፈልጡ እዮም።

ስለዚኸስ ኣብቲ ኩሉ ዝፈሸለ ዝመስለሉ ኩሉ ጸልማት ዝመስለሉ ዝነበረ ግዜ ኢየሱስ ይጽሊ ንኣቦ ይውድስ የመስግን ክብሪ ይህብ። እዛ ጸሎት እዚኣ ንዓና ሎሚ ንወንጌሉ ንእነንብብ ንፍሽለታትና ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ንምግምጋም ከምኡ እውን ንእግዚአብሔርን ንተግባራቱን ብንጹር ኣብ ዘይርእየሉን ግዜ ክፍኣት ዘሸነፍን ምንም ክንገብር ኣይንኽእልን ዝብል ስምዒት ኣብ ዝወረና ግዜ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ንምፍራዱ እዛ ጸሎት እዚኣ ተሰንየና። ኣብቲ ግዝያት እቲ ኢየሱስ ሽሕ’ኳ ጸሎት ልመና ክነቅርብ ሓደራ እንተበለና ኣብቲ ስለምንታይ እናበለ ንኣቦኡ ክሓትት ኣብ ትጽበየሉ ናይ ቅልውላው ግዜ ግን ከመስግኖን ክውድሶን ይረኤ። ተጋራጫዉ ወይውን ስግንጢር ኰይኑ ይረኣየና እንተኾነ ኣብኡ እያ እታ ሓቂ ዘላ።

ጸሎት ውዳሴ ንመን ይጠቅም! ንዓናዶ ንእግዚአብሔር! ሓደ ጸሎት ኣኰቴተ ቊርባን ከምዚ ዝስዕብ ገርና ናብ እግዚአብሔር ክንጽሊ ይዕድመና። ‘ንስኻ ውዳሴና ኣየድልየካን እዩ እንተኾነ በቲ ዝዓደልካና ዓቢ ፍቅሪ ገቢርካ ንከንመስግነካ ትጽውዓና። ማሕሌት ቡራኬታትና ኣብ ዕብየትካ ዝውስኾ የብሉን እንተኾነ ዘድሕነና ጸጋ የውህቡና’ (ራብዓይ ኣኰቴተ ቊርባን መጽሓፈ ቅዳሴ ሮማ) ይብል። እናወደስና ኢና እንድሕን።

ጸሎት ውዳሴኸስ ንዓና እዩ ዘገልግል። ትምህርተ ክርስቶስ ቊ. 2639 ‘ጸሎት ውዳሴ ኣብ ብፅዕና እቶም ንእግዚአብሔር ቅድሚ ኣብ ክብሩ ምርኣዮም ዘፍቅርዎ ንጹሕ ልብታት ምስታፍ እዩ’ እንክብል ይገልጾ። ብንጽጽር ክንዛረብ እንተዀይኑ፡ ሕይወትና ብታሕጓስ እንክትዕጀብ ጥራይ ኣይኮነን ጸሎተ ውዳሴ ክነዕርግ ዘሎና እንታይ ደኣ ምናዳ ኣብ ጽንኩር ግዝያት ኩሉ እንክጽልምት ንላዕሊ ክንድይብ እንገብሮ ጒዕዞና ዝዕንቀፍ እንክመስለና እዩ እዚ ጸሎት እዚ ክግበር ዘለዎ። ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከቢድ ጸልማት ንኣቦ ዝወደሰ እዩ ነገሩ። ምኽንያቱ ከኣ በቲ ብርቱዕ ዓቀበት ዘድክም ጉዕዞን ብርቱዕ ጻዕሪ ዝሓቱ ስጉምታትን ሰጊርካ እዩ ሓዲስ ሻኻን ክፉት መዓዝንን ክትርኢ ዚከኣል። ንኣምላኽ ምውዳስ ጽሩይ ኦክስጅን ከም ምስትንፋስ እዩ። እዚ ከኣ ንነፍሲ የጽሪ ብኩነታት ጸገምን ጸልማት ሽግርን ከይተዓንቀጽካ ኣርሒቅካ ከም እትጥምት ይገብር።

ኣብዛ ጸሎት እዚኣ ዝሓለፉ ሾመንተ ክፍለ ዘመናት ክዕንቅጽዎ ዘይከኣሉ ዓቢ ትምህርቲ ኣሎ። እዚ ከኣ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ኣብ ፍጻሜ ሕይወቱ ‘ማህሌት ሓው ጸሓይ ወይውን ማህሌት ፍጥረታ’ ክብል ኣብ ዝደረሶ ጸሎት ንረኽቦ። እዚ ድኻ ኣሲዚ ነዚ ውዳሴ እዚ ደስ ኢልዎ ኩሉ ጥዒምዎ ኣይኮነን ደሪስዎ እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ኩሉ ግብ ዝበለ ጸልማት ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ነበረ። ኣብዚ ግዜ እዚ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዳርጋ ዓዊሩ ነበረ ኣብ ሕይወቱ ከኣ ኩሉ ክሒድዎ ተመኲርዎ ዘይፈል ጭው ዝበለ ብሕትውና ዝወረሮ ኰይኑ ኣብ ዝስመዓሉ ንሱ ስብከት ካብ ዝጅምር ዓለም ምንም ለውጢ ዘይገበረ ኰይኑ ገና ጽልእን ባእስን ዝሳዕረረሉ ካብ ኩሉ ከኣ ስጉምታት ሞት እናቀረብዎም ምዃኖም ኣብ ዝስምዓሉ ግዜ እዩ ደሪስዎ። ምናልባት ኩሉ ዝፈሸለ ኰይኑ ዝስምዓሉ በከንቱ ጻመወከ ኤሳው ዚዓይነቱ ስምዒት ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘሕዝንን ፈታንን ግዜ ጸልማት ይጽሊ። ከመይ ኢሉ ይጽሊ እንተበልና ከኣ ‘ስቡሕ ኣንተ ወውዱስ ኣንተ’ እናበለ ኦ ጐይታይ ውዳሴ ንዓኻ እናበለ ንጐይታ እናወደሰ ይጽሊ። ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ንጐይታ ስለ ኩሉ ይውድስ! የመስግን! ስለ ሓውትና ዝበላ ሞት ከይተረፈ የመስግን ይውድስ! ንሞት ከኣ ብዓቢ ትብዓት ሓውትና ይብላ! ሓውትና ሞት! እዚ ኣብነታት ቅዱሳን! ኣብነት ክርስትያን! ብዓንዲ ርእሱ ከኣ ኣብነት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት ኣብ ጽንኩር እዋናት ንእግዚአብሔር ምውዳስ ናብ እግዚአብሔር ኣትወስድ ዓባይ መንገዲ ይኸፍቱልና ንዘለዓለም ከኣ የንጽሑና። ጸሎት ውዳሴ ወትሩ የንጽሕ።

ቅዱሳንን ቅዱሳትን ወትሩ ክትውድስ ከምዝከኣል የረጋግጹልና። እዚ ከኣ ኣብ ሠናይ ዕጫስ ይኹን ኣብ ሕሱም ከመይ እግዚአብሔር እሙን ዓርኪ ኪዳኑ ዘይጠልም ዝበሎ ዘይርስዕ ዝነገርካዮ ዘይርስዕ እዩ። ናይ ጸሎት ውዳሴ መሠረትከስ እዚ እዩ። እግዚአብሔር እሙን ዓርኪ እዩ ፍቅሩ ከኣ ብምንም ተኣምር ኣይጐድልን። ንሱ ወትሩ ኣብ ጐድንና እዩ። ንሱ ወትሩ ምስ ተጸበየና እዩ። ሓደ ዓቢ ሰብ ነዚ ኩነት እዚ ‘ወትሩ ኣብ ጥቃኻ ዘሎ ሓለዋ ብውሕስነት ንቅድሚት ከም እትስጒም ዝገብር’ ቢሉ ይገልጾ። ኣብ ጽንኩርን ጸልማት ዝዓብለሎ ግዜ ‘ቡሩክ ኣንተ እግዚኦ’ ንምባል ትብዓት ይሃልወና። ንጐይታ ምውዳስ ልዕሊኡ ሠናይ ዘይርከቦ እዩ። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
13 January 2021, 16:37