ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ዓንቃጺ ሓድነት ስለዝኾነ ብጃኹም ስለ እቲ ብዙሕ ዝሳቀ ሰብአውነት ንሕሰብ! ር.ሊ

ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ከምዝገለጽናዮ ዕለት 18 ጥሪ 2021 ዝጀመረ ስለሓድነት ክርስትያን ዝግበር ንሶሙን ዝጸንሕ ጸሎት ዕለት 25 ጥሪ 2021 ዓም ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ለውጢ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ኣብ እትዝክረሉ ዕለት ንምዝዛም ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ብዝተፈጸመ ጸሎተ ሰርክ ናይ ሎምዘመን ንመበል 54 ግዜኡ እንክፍጸም ከክንዲ ር.ሊ.ጳ ኮይኖም ነቲ ጸሎት ዝመርሑ ብፁዕ ካርዲናል ኮኽ ምዃኖም እንክምልከት ቅዱስነቶም ነዚ ፍጻሜ እዚ ዘቅረብዎ ኣስተንትኖ ብምቅራብ ‘ክርስትያን ኩሎም ክንዮ ኣባልነት ነቶም ዝሳቀዩ ኣላዩ ዘይብሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ሓልዮት ፍቅሪ ብምልጋስን ብጸሎትን መንፈስ ሓድነት ንማህለል’ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ክመርሕዎ ንዝነበሮም ሰንበት ቃል ኣምላኽ ብዝነበሮም ጻሕቂ ሥራሕን ጸገማት ጥዕናን ትማል ሰኑይ እውን ነቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉን ንሶሙን ምሉእ ብመሪሕነቶም ሕብረት ብዙሓት ኣሕዋት ክርስትያንን ክምራሕ ዝቀነየ ሶሙን ጸሎት ስለ ሓድነት ክርስትያን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ንምዝዛም ስብከቶም ኣሳንድዮም ክጽንበሩ ኣብ ዝሓሰበሉ ስለዘይተኻእለ ከክንዳኦም ኰይኖም ሓላፊ ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ንምድንፋዕ ሓድነት ክርስትያን ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ነቲ ሥርዓተ ጸሎት መሪሖም ስብከት ቅዱስነቶም ኣንቢቦም። ቅዱነቶም ኣብቲ ዘቅረብዎ ስብከት ዘመንና ኣብ ርእሲ እቲ ቈጺርካ ዘይውዳእ ጸገማቱ ለምዘመን በትን በዝን ኣብ ርእሲ ምውጣጥና መዓልቦ እግሪ ስኢና ንየ ነጀ ኣብ ንንነወሉ ዘሎና ዘመን እንኮ ቀዋሚ ዓንድና ክርስቶስ ምዃኑ ብምምልካት ከምቲ ጨናፍር ሕይወት ክረክብ ኣብ ጒንዲ ክጠብቅ ኣለዎ ክብል ብምሳሌ ጒንዲ ወይንን ጨናፍሩን ዝገልጹ ምስጢርት ጽንዓትና ኣብቲ ጒንድና ዝኾነ ክርስቶስ ከም ጨናፍር ምስ እንጠብቅ ጥራይ ምዃኑ ዝገልጽ ነበረ።

ካብ መናድቅ ጥንታዊት ሮማ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ከባቢ እትርከብ ቅዱስ ቅርያት ቅዱስ ጳውሎስ ዝርከባ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ሎምዘመን ንመበል 54 ግዜኣ መዛዘሚት ሶሙን ጸሎት ሓድነት ክርስትያን ብምዃን እንክተገልግል እቲ ቀንዲ ምኽንያት በዚ ዕለት እዚ በዓለ ቅዱስ ጳውሎስ ብቀንዱ ከኣ ካብ ተሃንዲዱ ንክርስትያን ከጥፍእ ተዓጢቁ ዝጐዓዘሉ ዝነበረ መንግዲ ደማስቆስ ብተኣምር እቲ ዘሳድዶ ዝነበረ ኢየሱስ ተገሊጹሉስ ናብ ሓያል ሓዋርያን ሰባኬ ወንጌልን ዝተለወጠሉ ተኣምር ዝኽበረሉ ዕለት እዚ ሓዋርያ ኣህዛብ ዝኾነ ቅዱስ እዚ ንሓድነት ክርስትያን እውን ውሕስነት ክህብ ብማለት ኣብቲ ቅዱስ ቅርያቱ ዝርከቡ ባዚልካ ፍጻሜ ጸሎት ሓድነት ክርስትያን ከም ወትሩ ተፊጺሙ።

ኣብቲ ሥርዓት ወከልቲ ዓበይቲ ኣብያተ ክርስትያን ማለት ምስ ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ክልተ ተወከለቲ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያን ማለት ካብ ቦግዳንያ ተወካሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያ ብፁዕ አቡነ ኣታንዚ ካብ ኣንግሊካዊት ቤተክርስትያን ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ያን ኤርነስት ከም ግዜኡ ንኩሎም ወኪሎም ናብ መቃብር ሓዋርያ ኣህዛብ ቅዱስ ጳውሎስ ብሓባር ወሪዶም ንፍሉይ ግዜ ስለ ኩሎም ጸሎት ኣዕሪጎም። ከምዝ ዘመኑ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዘውረዶ ማዕቀብ ኣብቲ ፍጻሜ ብውሱን ቊጽሪ ዝተሳተፉ ምእመናን እውን ርሕቀቶም ሓልዮም መሸፈኒ ኣፍንጫን ኣፍን ብምውዳይ ነበረ። ከክንዲ ር.ሊ.ጳ ኰይኖም ነቲ ሥርዓት ዝመርሑ ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ነቲ ቅዱስነቶም ዝቀረብዎ ስብከት ሠለስተ ደርጃ ሓድነት ክብሉ ኣቅረቡ።

ሠለስተ ደረጃ ሓድነት!

ንሎምዘመን ካብ ዕለት 18 ጥሪ ክሳብ 25 ጥሪ 2021 ዓም ንሶሙን ጸሎት ሓድነት ክርስትያን ከም መሪሕ ሓሳብ ቀሪባ ዝነበረት ካብ ዮሓ 15.5-9 ዝተወስደት ‘ኣብ ፍቅረይ ጽንዑ ብዙሕ ፍረ ከኣ ክተፍርዩ ኢኹም’ ዝብል ነበረ። እዛ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ክርስትያን ብሓብር ከስተንትኑላን ክጽልዩላን ዝቀረበት ሓሳብ ጸሎት እዚኣ ብመግለጺ ስብከት ቅዱስነቶም ብርግጽ ናብ ሓድነት ከም እትመርሕ እዚ ግን በብደረጃ ምዃኑ ከም ኣብነት ከኣ ሰለስተ ደረጃታት ኣቅሪቦም።

ቅድሚ ዝኣገረ ምሉእ ሓድነት እንብሎ ኣብ ኢየሱስ ምንባር እዩ ካብኡ ኣካላዊ ውህደትና እውን ይምንጩ። እቲ ካልኣይ ሓድነት ክርስትያን ኰይኑ ነቲ ናይ ዝኾነ ግዝያት ዕንቅፋታት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይሰርዖም። እቲ ሳላይ ከኣ ምስ መላእ ዘመደ ኣዳም ሓድነት ምፍጣር ዝሰፍሐ ሓድነት እዩ እንክብሉ ንኩሉ ሓድነታት ንምርኣይ ዘለዎም ባህጊ ገሊጾም።

“ኣብ ክርስቶስ ንወሃሃድ። እቲ ኣብ ልባትና ዝወረደ መንፈስ ቅዱስ ደቂ እግዚአብሔር ኣቦ ከም ዝኾና ከምዝስምዓና ገሩ ነንሕድሕድና ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ሰፊሕ ቤተሰብ ዘመደ ኣዳም ኩልና ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃና ክንርኢ ኢና። ውህደት ፍቅሪ ዝኾነት ቅድስት ስላሴ ኣብ ሓድነት ከም እንዓቢ ይግበረና ኢሎም።”

 

አብ ፍቅሪ ምዕባይ!

ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል ዘዘኻኸርዎ ከም ሕቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን መጠን ድሕሪ ሓድነት ዝመጽእ ኣብ ነንሕድሕድካ ዝፍጸም ጽልዋ ኰይኑ እዚ ከኣ ብኣምሳል መተሓላለፊ ማይ ኣብ መንጎ ኣጋንእ ዘሎ ኣብቲ ሓደ ዝኸውን ነቲ ሓደ ስለዝትንክፍ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኩልና ኣብ ሓደ ጒንዲ ዝተተሓሓዝና ስለዝኾና መጠን ምስ እግዚአብሔር ዝተዋሃድናሉ መጠን ምስ ኣሕዋትና ዝተዋሃድናሉን ዝቀረብናሉን መጠኑ ከኣ እቲ ሓድነትን ውህደትን ይድልድል። ብካልእ ኣዘራርባ ብፍቅሪ እግዚአብሔር ፍቅሪ ብጻይን መጠን ዝዓበናሉ መጠኑ ከኣ ሓድነትና ይድልድል ሓደ ምእንቲ ክኾኑ ኢሉ ኢየሱስ ዝጸለዮ ጸሎት እውን ይሰምር ኢሎም። ጸሎት ኢየሱስ ጸሎትናን ተወፋይነትናን ምስ ተሓወሶ ፍቅሪ ከምዝወልድ ከኣ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ጸሎት ናብ ፍቅሪ እንተዘይኰይኑ ናብ ካልእ ከብጽሕ ኣይክእልን እንተዘየሎ በዘልማድ ዝግበር ደረቅ ሥርዓት ጥራይ ኰይኑ ይተርፍ። ንኢየሱስ ብዘይካ እቲ ብኣባላቱ ዝቆሙ ኣካሉ ክትረኽቦ ኣይከኣልን እዩ። እዞም ኣካላት እዚኦም ከኣ ዝተጠምቁ ዘበሉ ኩሎም እዮም። ሥርዓተ ኣምልኾናን ስግደናን ቅኑዕ እንተዀይኑ ንተኸተልቲ ኢየሱስ ክንዮ እቲ ዝኽተልዎ ማሕበር ንኩሎም ኣብ ምፍቃሮም ክንዓቢ ኢና ከመይ ናይ ጐይታ እዮም ንሕና እውን ናይ ጐይታ ስለዝኾና ከኣ ናትና እዮም። ስለዚኸስ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን መጥቃዕትን ወጊድ ንበሎ ኢሎም።”

ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትን መጥቃዕትታን ወጊድ ንበሎ!

ክርስትና ዝሓቶ ፍቅሪ ብጻይ ከቢድ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ ዮሓ 15 ዘመልክቶ ነቲ ንፍቅሪ ዘጒድል ወይውን ዘቊስል ነገራት ካባና ክንኣልዮ ከምቲ ካብ ተኽሊ ወይኒ እቲ ዝፈሪ ጨንፈር ጽቡቅ ምእንቲ ክፈሪ እቲ ዘጸግም ዝእለ ጐይታ ኪኣልየልና ክንፈቅድ ከምዘሎና ኣመልኪቶም። ካብቲ ንቡር ዘውጽኣና ጉዳያት ጐይታ ኪኣልዮ ነቲ ኣባና ጥራይ ብምትኳር ጐቢጡ ዝተርፍ ጨናፍር ፍረ ምፍራይ ዝኸልኣና ክእልዮ ንጐይታ ንሕተት።

እግዚአብሔር ኣቦ ካብታትና ኣብ ልዕሊ ካልኦት ንዘሎና ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታት ንክኣልየልና ከምኡ እውን ንሓድነት ኩሎም ደቁ ዝኾና ኣብ ዝጻረሩ ዓለማዊ ጒዳያት ካብ ምጥባቅ ሰውረና ንበሎ። በዚ ከምዚኸስ ብፍቅሪ ነጺሕና ነቲ ሎሚ ካብ ወንጌል ከዘናብለና ዝኽእል ዝሃላልኸና ዓለማዊ ነገራትን ዝሓለፈ ዕንቅፋታትን ክነወግዶ ንኽእል።

ኣብ ውፉይ ፍቅሪ ወንጌል ፍረ ይፈሪ!

ከምቲ ጐይታ ብዙሕ ፍረ ምእንቲ ክትፈርዩ ኣብ ፍቅረይ ንበሩ ዝበሎ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና ኰይኑ ንክሰርሕን ናብ ፍጹም ሃድነት ንክመርሓናን ልብና ምስ እንኸፍትሉ ብመንፈስ ፍቅሪ ንጸላእትናን ንዘተጋገዩን ይቅረ ብምባል ኣብ ፍቅሪ ተበላሓቲ ንኸውን።

“በዚከምዚኸስ ብጻይና ክንብል እንከሎና እምነትናን ሓሳብናን ጥራይ ዝካፈል ዘይኮነስ ንሕና እውን ብጾት ናይ ኩሎም ንምዃን ሕያዎት ሳምራውያን ብምዃን ንድኻታትን ዝሳቀዩን ረዳኢ ዘይብሎምን ክንረድእ እዩ። ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ጐደናታትን ዓለምና ብዙሃት ዝሳቀዩ ኣለው ነዚ ከኣ እግዚአብሔር ብርሕራሔ ክፈትሖ ይደሊ። ወሃቢ ጸጋ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ብነጻ ክነብር ነቶም ምንም ክገብሩልና ንዘይክእሉ እውን ኣፍቂርና ምእንቲ ክንክእል እሞ ወንጌል ኣባና ብዙሕ ፍረ ክፈሪ ይደግፈና። ንኦም ካብ ፍሪኣ ኢና እንፈልጣ እሞ ካብ ለጋስ ፍቅርና ኣባላት ጒንዲ ወይኒ ኢየሱስ ምዃና ክፍለጥ እዩ።”

ንድኻታት ብሓባር ብምግልጋል ኣሕዋት ምዃና ክስቈረና እዩ!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ስብከቶም ሃንዳሲ ሓድነትን ጒዕዞ ሓድነት ክርስትያንን ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ነዚ ፍቅሪ እዚ ብተግባር ብሓባር ክነብሮ ምናዳ ምስቶም ሰብኣውነት ብሓንሳብ እንካፈል ዘመደ ኣዳም ብመላኡ ክንሳተፎ ክሕግዘና ንለምኖ ኢሎም። እዚ ሰብኣውነት እዚ ክርስቶስ ብምሥጥረ ሥጋዌ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘወሃሃዶ ባህሪ ኰይኑ ነዚ ከኣ ከምቲ ንሱ ዘረጋግጸልና ኣብ ድኻታት ኢና እንረኽቦ። ስለዚ ኩልና ብሓባር ነዞም ኣሕዋትና ብፍቅሪ ምስ እነገልግል ኣብ ሓድነት ንዓቢ። ብዓንዲ ርእሱ ከኣ ነታ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ዓለምና ከምቲ ጐይታ ንክንከናኸናን ንክነፍርየልናን ዝሃበና ግቡእ ክንክን ብምግባር ነቲ ሓባራዊ ሃብቲ ምዕሩይ ብዝኾነ መንገዲ ነቶም ዝተነፍጎም ኣሕዋትና ንለግሰሎም። ዝጐሓፍ ነገር ኣይሃሉ እንክብሉ ምስ ገለጹ ንኩሎም ኣብዚ ሶሙን እዚ ብሓባር ናብ ጐይታ ስለሓድነት ዝጸለዩ ከኣ ከምዚ ክብሉ ኣመስገኑ።

“[ ንኩሉኹም ኣብዚ ሳምንቲ ጸሎት ሓድነት ክርስትያን ብሓደ ድምጺ ዝተሳተፍኩም ምናዳ ሓለፍትን ተወከልትን ዝተፈላለያ ኣብያተክርስትያን ብልቢ እንከመስግን ምናዳ ንመንእሰያት ኦርቶዶክሳውያንን ብሓገዝ ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ኣብ ሮማ ንመጽናዕቲ ዝምጻእኩም ምሥራቃውያን ኦርቶዶክስን መማህራን ከምኡ እውን ነቶም ዓመት ዓመት ብኣካል ዝመጹ ዝነበሩ ተመሃሮ ኢኩመኒካ ኢንሲቲቱት ኦፍ ቦስይ ንሎምዘመን ግን ብመራኸቢ ብዙሓ ምሳና ዘሎ አመስግን ኢሎም እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ። ] ”

ብድምጺ ንምክትታል!
25 January 2021, 23:10