ባዚልካ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ባዚልካ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ 

ኣብያተ ክርስትያን ደቡብ አመሪካ ኣብ ጐድኒ ሕዝበን ይቊማ! ር.ሊ.ጳ

ብላቲን ኣመሪካ ዝፍለጥ ክፍሊ ደቡብ አመሪካን ሃገራት ካራቢያንን ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያን ንመጀመርያ ግዜ ሓባራዊ ጉባኤ ኣብያተ ክርስትያን ከካይዱ ይሸባሸቡ ኣለው። ር.ሊ.ጳ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ርእየት መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን ንምእመናኖም ጽን ኢሎም ክሰምዑ ከምኡ እውን ኣብ ጸሎት ኪሓብሩ ሓደራ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብያተ ክርትስያን ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ፈላሚ ጉባኤ ኣብያተ ክርስትያናቶም ክገብሩ ይሰናደው ኣለው። እቲ ጉባኤ ኣብያተ ክርስትያን ኣብዘን ዝመጻ ኣዋርሕ ናይ 2021 እኳ ክግበር ተመዲቡ እንተነበረ ንዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ካብ ዕለት 21-28 ሕዳር 2021 ክኸውን ተወሲኑ። መሪሕ ቃል ናይቲ ጉባኤ ከኣ ‘ንሕና ኲልና ኣብ ጒዕዞ እንርከብ አርድእቲ ልኡካነ ወንጌል ኢና’ ዝብል እዩ።

ነዚ ጉዳይ እዚ ብዝበለጸ ንምስንዳውን ረድኤት ጠበቃ ላቲን አመሪካ ዝኾነት ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ንምልማንን መራሕቲ እቲ ዞባ ምስ ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ብሓባር ሰንበት ዕለት 24 ጥሪ 2021 ኣብ ባዚልካ ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ከተማ መክሲኮ ተኣኪቦም ወዓሉ።

ቤተክርስትያን መንፈስ ምልላይ የድልያ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ፍጻሜ ብርእየት እንክከታተልዎ ናይቲ ብሰላም ዝፍለጥ ናይ ላቲን አመሪካ ጉባኤ ጳጳሳት ፕረሲደንትን ሊቀ ጳጳሳት ትሩኺዮ ሃገረ ፐሩ ዝኾኑ ብፁዕ አቡነ ሚግወል ካብረኾስ ቪዳርተ ብዝተላእከ ናይ ርእየት መልእኽቲ ገሮም ከኣ ናይዚ ንመጀመርያ ግዜኡ ንክካየድ ዝሸባሸቡሉ ዘለዎ ዞባዊ ጉባኤ ኣብያተ ክርስትያን ኩሎም ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ብሓባር ጸገማት እቲ ዞባ ኣለሊኻ ንምኽኣልን ነታ ናይ ክልል ቤተክርስትያን ዝኸውን ጒስነታዊ ኣተና ንምርካብን ከምዝተሓባብሮም ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

“እንመሃሮ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። እዚ ጉባኤ እዚ ጉባኤ ሕዝበ እግዚአብሔር እዩ። ማለት ምእመናን ደቂ ተባትዕዮን ደቂ ኣንስትዮን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ካህናትን ኣቡናትን ዘጠቃልል እዩ። እዚ ከኣ ኩሎም ሕዝበ እግዚአብሔር ብሓንሳብ ኪጐዓዙ ብሓባር ክጽልዩ ብሓደ ክዛረቡን ኪሓስቡን ክዛትዩን በዚ ኣቢሎም ከኣ ፍቃድ እግዚአብሔር ከምዝደልዩን የመልክት ኢሎም።”

ምስ ሕዝበ እግዚአብሔር ቅርበት ይሃሉ!

ነዚ ከፋቲ ሓዲስ ተስፋ መጻኢ ኢሎም ዝገለጽዎ ሓዲስ ጒዕዞ እዚ ከም መምርሒ ዝኾና ክልተ ነጥብታት ዝገለጹ ቅዱስነቶም መልእኽቶም ብምቅጻል ‘ብቀዳምነት እታ ቤተክርስትያን ወትሩ ምስ ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክጐዓዙ ማለት እዚ ጉባኤ እዚ ካብቲ ቅዱስ ምእመናን ሕዝበ እግዚአብሔር ዝተፈልየ ናይ ሊቃውንቲ ጉባኤ ኰይኑ ከይተርፍ ሓደራ’ እዚ ከኣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከም ዘረጋገጾ ሕዝቢ እግዚአብሔር ኣብ እምነቱ እንክጸንዕን ብሓባር እምነቱ እንክገልጽን ከምዘይሰሓሓት ተገዚቦም ብሕብረት ኣብ ምቁራስ እንጌራ ዝተመሥረተት ቤተክርስትያን ኣቊሞም ንገዛእ ርእሳ ብዘይ ሌላ ጒሌላ ንኩሉ እተወፊ ቤተክርስትያን ክትኮኑ ሓደራ` ኢሎም። ኣተሓሒዞም ከኣ እዚ ክቀውም ዝሕሰብ ዘሎ ጉባኤ ቤተክርስትያን ንማንም ዘይተጓኒ ቤተክርስትያን ምልክት ምዃኑ ገሊጾም።

ሕብረት ጸሎት!

ቅዱስነቶም ምኽሮም ብምቅጻል ከም ካልአይቲ ነጥቢ ወይ መዐቀኒት ዘቅረብዋ ከኣ ጸሎት ነበረት። ጐይታ ወትሩ ኣብ መንጎና እዩ። ምንዮተይ ከኣ ጐይታ ድምጹ ንክንሰምዕ ክግዘና እዩ። ጸሎትናኸስ ጐይታ ኣብ ማእከልና ንክህሉ እዩ ምስ በሉ ኣብ ጸሎቶም ከምዝዝክርዎም ብምርግጋጽ ስለኦም ንክጽልዩ ብምምሕጻን መልእኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 January 2021, 18:29