ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብርእደ መሬት ንዝተጠቕዔ ሕዝቢ ኢንዶነዢያ ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብርእደ መሬት ንዝተጠቕዔ ሕዝቢ ኢንዶነዢያ 

ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብርእደ መሬት ንዝተጠቕዔ ሕዝቢ ኢንዶነዢያ

ቅዱስነቶም ብዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ኣቢሎም፥ ኣብ ኢንዶኖዢያ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክስርቲያንን ናይታ ሃገር በርገሳውያን ላዕለዎት ኣካላትን ብምኽንያ እቲ ዝተኸስተ ርእደ መሬት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ብርእደ መሬት ንዝተጠቕዔ ሕዝቢ ኢንዶነዢያ እናሓሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ቡጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኢንዶነዢያ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም፡ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖ፡ ነቶም በዚ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ’ዚ ንዝተጠቕዑ ንምድሓድን ኣብ ሕጹጽ ድጋፍ ኣብ ምቕራብ ንዘገልግሉ ዘለዉ ኵሎም ጸሎቶምን ቅርበቶምን ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 ቅዱስነቶም ብዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ኣቢሎም፥ ኣብ ኢንዶኖዢያ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክስርቲያንን ናይታ ሃገር በርገሳውያን ላዕለዎት ኣካላትን ብምኽንያ እቲ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ንዝተጠቕዔ ሕዝቢ ደሴት ሱላወዚን ቅርበቶምን ጸሎትምን ድጋፎምን ኣረጋጊጾም፡ ስለ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ዝተሰምዖም ሓዘን ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

በቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ብዝተነብሮ ቅዱስነቶም ብይብጻሕ ናብ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኢንዶነዢያ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፒየሮ ፒዮፖ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥ “በቲ ዘጋጠመ ርእደ መሬት ምኽንያት ዘሕዝን ንብዙሓት ዘጋጠመ ሕልፈትን ዘጓነፈ ውድመት ንብረትን ምስ ሰማዕኵ፡ ቅርበተይ ከረጋግጽ እፈትው ከምዝበሉን ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ጸሎቶም ከምዘረጋገጹ ቡጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብስም ቅዱስነቶም ሓቢሮም፡ ኣስዒቦም  ነቶም ዝተሃስዩ ቅሉጥፍ ምሕዋይን ነቶም ዝሳቐዩን ምጽንናዕን ከምእተመነዩን ብፍላይ ነቶም ሃለዋቶም አና ዘይተረኽበ ኣብ ምድላዮምን ንዝተጐድኡ ኣብ ሕጹጽ ድጋፍን ንዝርከቡን ንበርገሳውያን ላዕለዎት ኣካላትን ኵሎም ቅርበቶም የረጋግጹ፡ ቢሎም ቅዱስነቶም ናይ ሓይልን ተስፋን መለኮታዊ ቡራኬ ይምሕጸኑ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 January 2021, 23:06