ብጹዕ ካርዲናል ኤንሪኽ ሽወርይ ብጹዕ ካርዲናል ኤንሪኽ ሽወርይ  

ብምኽንያት ዜና ዕረፍት ብጹዕ ካርዲናል ሽወርይ ቅዱስ ኣቦና ዝተሰምዖም ሓዘን

ጳጳስ ለፈብረ ብዘይ ፍቓድ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማዕርገ ጵጵስና ከይህቡ ንኸእምንዎም ብዙሕ ዝደኸሙን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዜና ዕረፍት ናይ ሰበኻ ስዮን ህየንተ ጳጳስ ምስ ተነግሮም ናብ ሰበኻ ሲዮን ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዣን ማሪየ ሎቨይ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥ ዝተሰመዖም ከቢድ ሓዘን ገሊጾም፡ ነፍሰ ሄር ካርዲናል ሽወርይ ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ተባዕን ናይ ስነ ምርምር ሰብን ደኺመ ዘይብሉ ጓሳን እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ኤንሪኽ ሽወርይ ኣብ 1995 ዓ.ም. ናይ ሲዮን ሰበኻ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ኣብቲ እዋን ብጥዕና ምኽንያት ዝለቐቑን ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድመኦም ዕለት 7 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብታ ዝተወለዱላን ከም ካህን ዘገልግሉላን ሰበኻ ሳይንት ሊዮናርድ ከምዝዓረፉን፥ ህይነተ ምስ ኮኑ እውን ኣብታ ሰበኻ ከም ተራ ካህን የገልግሉን ከም ዝነበሩ ይንገር።

ንምሕረትን ሰላምን ትክውር ጻዕርእም ጓሳ

ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ነፍሰ ሄር ካርዲናል ሽወርይ ኤቅለሲያዊ ጉዕዞኦም ናብ ዝጀመሩላ ኣብ 1957 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉላን ከም ጳጳስ ዘገልግሉላን ሰበኽ ሲዮን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ፥

ነቶም ሰብኻኦም ዘገልገሉ ናይ ስነ ምርምርን ናይ ጥልቂ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልጋልን ጻዕራም ወዲ ቤተ ክርስቲያን ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት እምሕጸን . . . ኣብ ሰላሙን ብርሃኑን ክቕበሎም እልምን፡ ንናይ ምእመናን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ጥልቅን መሰረታውን ድላይ ትኵርን ኣብ ናይ ክህነት ጸዋዕታን ሕንጸትን ዝተጸምዱን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ታሪኽ ዘጋጥም ኣብ ዘነበረ ዘይምርድዳእ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ዝደለዩን ክዕቀብ ዘገልገሉን

እንክብሉ ከምዝዘከረዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።   

ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1991 ዓ.ም. ካርዲናል ዝተሰምዩ ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ሲዮን ሰበኻ ህየንተ ኣብ ሰማንያታት ናይ ስዊዘርላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዘገልገሉን ናይ ለፈብረ ኣብ ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያን ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድዳእን ክሳብ ምፍልላይን ኣብ ዝተበጽሓሉ እዋን እዚ ዅሉ ከይኽሰት ብዙሕ ዝጸዓሩን ብጹዕ ካርዲናል ሀንሪ ሽወርይ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድመኦም ከምዝዓረፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ሽወርይን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊን
ካርዲናል ሽወርይን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊን

ብጹዕ ካርዲናል ሽወርይ ኣብ 1995 ዓ.ም. ናይ ሲዮን ሰበኻ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ፈጺሞም ኣብቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዝመረጸ ናይ ብጹዓን ካርዲናላ ዕጹው ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድመኦም ዕለት 7 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብታ ዝተወለዱላን ከም ካህን ዘገልግሉላን ሰበኻ ሳይንት ለይናርድ ከምዝዓረፉን፥

ኣብ 1977 ዓ.ም. ብጳውሎስ ሻድሻይ ጳጳስ ዝተሰምዩ

ዕለት 14 ሰነ 1932 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ 1957 ዓ.ም. ኣብ ፍሪቡርግ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ሒሳብን ፊዚክስን ምሁርን ኣብ ሰበኻ ሲዮን ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ናይ ሓይሊ ምክልኻል ቆሞስን ኣበ ነፍስን ናይ መንእሰያት ካቶሊካዊት ተግባር ማሕበር ኣበ ነፍስን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህንት ሲዮን መምህርን ደሓር እውን ናይ ንኡስ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮ ሓልቓልን ናይ ተቕዋም ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዋና ኣመሓዳርን ኮይኖም ኣብ ምግልጋል እንከለዉ ኣብ 1977 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ጳጳስ እንክብሉ ከምዝሰመይዎም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ውጥረት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ኤኮነን ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምፍላይ ለፈብረን

ኣብ ቀዳሞት 18 ዓመት ከም ቆሞስ ኣብ ዘገልገልሉ እዋን፡ ምስቲ ናይ ጳጳስ ማርሰል ለፈብረ ብዝቖመ ፒዮስ ዓስራ ሕውነታዊ ማሕበረሰብ ዝመሓደር ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኤኮነ ኣሸጋሪ ርክብ ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን ዘገልገሉን ካብ 1983 ክሳብ 1988 ዓ.ም. ናይ ስዊዘርላንድ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ጳጳስ ለፈብረ ብዘይ ፍቓድ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማዕርገ ጵጵስና ከይህቡ ንኸእምንዎም ብዙሕ ዝደኸሙን ምዃኖም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1984 ዓ.ም. ኣብ ስዊዘርላንድ ዘአንገዱ

ኣብቲ ብኣኦም ዝምራሕ ሰበኻ ቀዋሚ ማዕርገ ድቁና ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝገበሩን ኣብ 1986 ዓ.ም. ናይታ ሰበኻ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዘቖሙን ስድራ ቤት ማእከል ዝገበረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘማዕበሉን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብነታዊ ግደ ዝነበሮም ምዃኖም ናይ ሲዮን ሰበኻ ወግዓዊ ድረ ገጽ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1984 ዓ.ም. ኣብ ስዊዘርላንድ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዘሰናደዉን ዘአንገዱን ከምዝኾኑን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካርዲናል እንክብሉ ከምዝሰመይዎም የዘኻኽር።

ብጥዕና ምኽንያት ካብ ናይ ሰበኻ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ኣብ 1995 ዓ.ም. ከምዝለቐቑን

ኣብ 1995 ዓ.ም. ብጥዕና ምኽንያት ካብ ናይ ሰበኻ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክሰናበቱ ሓቲቶም ቤተ ክርስቲያን እውን ተቐቢላ እወንታዊ መልሲ ከምዝሃበቶምን ህይነተ እውን እንተኾኑ ኣብቲ ናይ 2005 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓረየ ናይ ብጹዓን ካርዲናላ ዕጹው ጉባኤ ዝተሳተፉን ክሳብ 2012 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ምምራጽ መሰል እውን ከምዝነበሮምን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ኩርያ ሮማና ሓርያውያን ኣባይቲ ምኽሪ ንኣብነት ኣብቲ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ከም ኣባል ዘገልገሉን ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ቅዱስ መቓብር ፈረሰይናታት ማሕበር ሓለቓ እውን ኮይኖም ከምዘገልገሉ እውን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስነ ስርዓት ቀበሮም ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብዘይ ምእመናን ሱታፌ ክፍጸም እዩ

ዕለት 11 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ብናይ ስዊዘርላንድ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 10.30 ኣብ ካቴድራል ጺዮን ናይ ፍትሓት ጸሎት ተኻይዱ ናይ ቀብሮም ስነ ስርዓት ዝፍጸም ምዃኑ ናይ ሲዮን ሰበኻ ዘውጸኦ መገልጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣሲዒቡ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብዘይ ሱታፌ ምእመናን ዝፍጸም እውን ምዃኑ የመላኽት።

09 January 2021, 22:18