ር.ሊ.ጳ. ንሓዋርያዊ ቤት ፍርዲ፥ ወትሩ ናይ ስድራ ቤት ክብሪ ተኸናኸኑ ር.ሊ.ጳ. ንሓዋርያዊ ቤት ፍርዲ፥ ወትሩ ናይ ስድራ ቤት ክብሪ ተኸናኸኑ 

ር.ሊ.ጳ. ንሓዋርያዊ ቤት ፍርዲ፥ ወትሩ ናይ ስድራ ቤት ክብሪ ተኸናኸኑ

ብሓዋርያዊ ግብረ ግብረ ኖልዎ ዝከናኸኖም እምበር ዘይፈርዶም ብግብረ ገባዊ ዓይኒ ዘይኵንኖም፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ እውን ናይ ሰበኻታት ሓዋርያያን ኣባይቲ ፍርድን ቆሞሳትን ኣብ ናይ ስድራ ቤተ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘገልግሉ ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ብቐጥታ ክዋስኡ ከምዝግባእ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሓዋርያዊ ቤት ፍርዲ ደያኑን በዓል ስልጣናትን ብምኽንያት ናይቲ ብሮታ ርማና ዝጽዋዕ ሓዋርያዊ ቤት ፍርዲ ናይ 2021 ዓ.ም. ናይ ዕዮ ዘመን መኽፈቲ ምኽንያት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ ወለዲ ክፈላለዩ - ክፋትሑ እንከለዉ ፍትሕ ዝብል ብይን ክመሓላለፍ እንከሎ ኣብ ልዕሊ ደቃቶም ከስዕቦ ዝኽእል ጸገም ዓቢይ ኣተኵሮ ክግበረሉን፡ ኣተሓሒዞም እውን ጳጳሳት ንዝተጠንጠኑ ሰብ ሓዳርን ደቃቶምን ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቢሉ ብፍሉይ ቀረባ ክኾኑ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብምስጢረ ተክሊል ዝተኣስረ ቃል ኪዳን ፍቱሕ ይኹን ዝብል ብይን ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ናይ ሰባት ሕይወት፥ ናይ ሰብኣይን ሰበትን ናይ ደቃቶምን ሕይወት ዝምልከት ብምዃኑ፡ ስምዒት ኣልቦን እቲ ስቓይ ድምብርጽ ዘይቦሎን ክኸውን የብሉ ኣይኽእልን እውን። ናይ ሓዋርያዊ ቤት ፍርዲ ደያኑ ብምዃንኩም ኣብ ልዕሊ መርዓን ሰብ ሓዳርን እተመሓላልፍዎ ብይን ኣብ ልዕሊ ደቂ እቶም ሰብ ሓዳር ከስዕቦ ዝኽእል ከቢድ ጸገም ሰላሞም ዘናውጽን ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ወለዶም ፍትሕ ሓጐሶም ክጥፍእ ዝኽእል ኵነት ከጋጥሞም ስለ ዝክእልን ኣብ ጉዳይ’ዚ ብምዃኖም ድስኵላት ክትኾኑ ብፍጹም ዘይከኣል እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘሕዝን ሳዕቤን ፍትሕ ኣብ ስድራ ቤት -  ዝበታተን ስድራ ቤት

ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ሓዋርያዊ ቤት ፍርዲ ዓመታዊ ዕዮ መኽፈቲ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ፍርዲ ቤት ዝተኣስረ ቃል ኪዳን ፍቱሕ ይኽውን እንክብል ዘመሓላልፎ ፍርዲ ሕጋውን ፍትሓውን እውን እንተኾነ ኣብታ እቲ ፍትሕ ዝብየነላ ስድራ ቤት ዘሕዝን ሳዕቤናቱ ብቐጥታ ስምዒትን ልብን ዝትንክፍ ምዃኑ ከምዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስነቶም መደረ ቅድሚ ምስማዖም ንተጋባእያን ምስ ቅዱስነቶም ንዘላለዩን ናይ ምስጋና ቃል ንዘስምዑ ናይ ሓዋርያዊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣፈ ጉባኤ ብጹዕ ኣቡነ ፒዮ ቪቶ ፒንቶን ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ መበል ሰማንያ ዓመቶም ዘብዕሉን ናብ ልሂቅነት ክሰጋገሩን ሓላፍነቶም ኣብ ኢድ ቅዱስነቶም ከንብሩ ከምዝኾኑ ክፍለጥ እንከሎ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ጠቒሱ፡ ብዛዕባ ተኽሊል ዝምልከት ናይ ሕጊ ዓንቀጽን ተፍጻሜታቱን ንምሕዳስ ዝተገብረ ጻዕርን እዚ ሕዳሴ እዚ እውን እቲ ብዛዕባ ተኽሊል ዝምልከት ናይ ፍርዲ ቤት ኣሰራርሓ ከምቲ ቀደም ዘይኮነ ብዝሓጸረ እዋን ውሳኔ ክወሃቦ ዝብል ብምዃኑ ጠበቓታትን ነዚ ጉዳይ ዝከታተሉን ንሕጋዊ ፈጽምታት ዝምስክር ሕጋዊ በዓል መዝን ኣካላት ዝረኽብዎ ናይ ክፍሊት እቶት እውን ዓቢይ ጽልዋ ዘለዎ ብምዃኑ ዘጋጠሞ ተቓውሞ እንታይ ከምመስልን ከመይ ከምዝነበረን ብዕሞቆት ከምዘብርሁ የመላኽት።

ብብርሃነ እምነት ዘይተኾልዔ ጽምዶ

ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ዓመት 2020 ዓ.ም. ኣብ ተመሳሳሊ መደብ ዘስምዕዎ መደረ ምልስ ቢሎም ብምዝካር፥ ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፎም ውሳኔታት ዳርጋ እቲ ዝበዝሔ ኣብ መንጐ እቶም ሰብ ቃል ኪዳን ዝነበረ ጽምዶ ብናይ እምነት ብርሃን ዝተኾልዔ ከምዘይነበረ እዩ ዘመላኽት፥ ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 እውን ኣብ እዋኑ ደጋጊሞም ዘስመሩሉ ሓሳብ እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ናይቲ ኣብ ሰብኣይን ሰበይትን መንጐ ናይ ዝጸንዕ ሓድነት መሰረታዊ መግለጽታቱ ክንየው እቲ ጽምዶ ናይ ምውላድን ናይቶም ጸጋ ዝኾኑ ዝውለዱ ሕንጸት ምክንኻን ዝብል ዘመላኽት እውን ምዃኑ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይቶ ሕጻናት ዓቢይ ክብሪ ብፍትሕ ዝጠፍእ ኣይኮነን

ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ኣስተምህሮታትን ናይ ኵርያ ሮማና ሓዋርያዊ ቤት ፍርዲ ናይ ሕጊ ስነ ምግባርን ፍርዳዊ ኪደታቱን ናይ ስድራ ቤት ክብሪ ዘመላኽት እዩ፡ ክንየው ፍትሕ ነባሪ እዩ፡ ስለዚህ ናይ ሕጻናት ዓቢይ ክብሪ በቲ ዝወሃብ ናይ ፍትሒ ውሳኔ ዝጠፍእ ከምዘይኮነ ብኣጽንዖት ከምዘዘኻኸሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይቲ ብቤተ ክርስቲያን ዝውሰን ፍትሕ ዝነጽግ በዓል ሓዳር ፍጻሜኡ እንታይ እዩ?

ነቲ ዝመሓላለፍ ውሳኔ ፍትሕ ኣይቅበልን ዝብል በዓል ሓዳር ፍጻሜ እንታይ እዩ ዝኸውን ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ እዩ፡ ምምልካቱን ናይቶም ዝተወልዱ ሕጻናት ጉዳይ ከ? ነዚ ሕቶ’ዚ በቲ ስድራ ቤት ናይ ሕብረተሰብ መሰረት እዩ ብዝብል ክብሪ ምምልካቱ የድሊ፡ እዚ ክብሪ’ዚን ከምኡ እውን ናይ ዝተወልዱ ሕጻናት ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ሕንጸት ኣብ ዝኾነ ይዅን ኵነት ውሕስ ክኸውን ብዝድግፍ ኣገባብ እዩ ክረአይ ዘለዎ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ስዒቡ ዝቐውም ሓድሽ ጥምረት

ድሕሪ እቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ቃል ኪዳን ዘይቅብሉ ቢሉ ይፍረስ ዝብል  ዝመሓላለፍ ውሳኔ ዝቐውም ሓድሽ ምስጢረ ተክሊል ነቶም ሓቲቶም ዝስርዓሎም ሓደስቲ ሰብ ሓዳር ናይ ሓሴት ምንጪ እዩ ክኸውን ዘለዎ፥

ይኹን ደኣ እምበር እታ ብምስጢረ ተክሊል ሓድሽ ሓዳር እትነብር ኣደ በቶም ካብቲ ዝተፋታሓቶም ብውሳኔ ሓዋርያዊ ቤት ፍርዲ ትፋታሕ ካብ ዝተበሃለቶ መርዓ ዝወለደቶም ሕጻናት ኣቦ ዝተጠንጠነት፡ ነዞም ሕጻናት እዚኣቶም ነቲ እትነብሮ ሓድሽ ቃል ኪዳን ብኸመይ ኢኻ ከተረድኦም፡ ምስኦም ሓቢራ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ክትካፈል እንከላን ኣቦኦም ግና ገና ናይ ይፈታሕ ውሳኔ ክሳብ ዝወሃቦ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዘይሳተፍ ኮይኑ እንክርእዩን ንዝፈጥረሎም ሕቶ መልሲ ንምሃብ የድሊ፡ ኣብ ጉዳይ ምስጢረ ተክሊል ምድንጋር መታን ከይፈጥረሎም፡ ነዚ ሓድሽ ኩነት’ዚ ዓቢይ ግምት ዝህብ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሳዃዕ መደብ ሕንጸት ኣድላይ እዩ፡

እዚ ዝተመልከተ ሕቶ’ዚ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብቲ ስድራ ቤት ኣማእኪሉ ብቕድስነቶም ተጸዊዑ ዝተኻየደ ፍሉይን ደሓር እውን ኣብ 2015 ዓ.ም. መደበይና ሲኖዶስን ዝተሳተፉ ኣበው ሲኖዶስ ዘመላኸትዎ ሕቶ ከምዝነበረን እዚ ሕቶ እዚ እውን ቅዱስነቶም ድሕሪ እቲ ሲኖዶስ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝስደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብሰፊሕ ናይ ቤተ ክርስቲያን መልሲ እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ኣመላኺቶምዎ እዮም። 

ኣብ መንጐ ሰበኻታት ምትሕብባር ይሃሉ!

ንነፍሲ ወከፍ ጳጳስ እቲ ዓቢይ ብድሆ፥ ኣገዳስነት ኤቅለሲያውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኪደት እዩ፡ እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሰብ ሓዳር ናብ ፍትሕ ዘብሉን ደቃቶምን ጉዳይ ንናይ በርገሳዊ ኣባይቲ ፍርዲ ጥራሕ ዘይምሕዳግ፡ ጓሳ የድልዮም ቀሪቡ ብሓዋርያዊ ግብረ ግብረ ኖልዎ ዝከናኸኖም እምበር ዘይፈርዶም ብግብረ ገባዊ ዓይኒ ዘይኵንኖም፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ እውን ናይ ሰበኻታት ሓዋርያያን ኣባይቲ ፍርድን ቆሞሳትን ኣብ ናይ ስድራ ቤተ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘገልግሉ ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ብቐጥታ ክዋስኡ ከምዝግባእ ቅዱስነቶም ብኣጽንዖት የተሓሳስቡ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዱስነቶም ቅድሚ ዘስምዕዎ መደረ ምዝዛኦሞም ናይ ምስጋና ቃል ንዘስምዑን ንኣባላት ናይ ኵርያ ሮማና ቤት ፍርዲ ሰበ ስልጣናትን ምስ ቅዱስነቶም ዘላለዩ ናይ ሓዋርያው ቤት ፍርዲ ኣፈ ጉባኤ ብጹዕ ኣቡነ ፒንቶ ኣመስጊኖም ምስ ኣብቅዑ፥

እቲ ዳይና ጳጳስ እዩ

ናይ ሓዋርያዊ ቤት ፍርዲ ዳይና ብተራዳኢ ደያኑ ዝድገፉ ጳጳስ እዮም፥ ስለዚህ እዚ ሓላፍነት’ዚ ናይ ወንጌል ሓቂ እዩ፡ ፍትሒ ኣነቓቕሑ ዝብል እዩ፡ ኣእዳዎም ዝሕጸቡ ክኾኑ የብሎምን፡ ብሓጺሩ ካብቲ ንኣይ ዝምልከት ጉዳይ ኣይኮነን ቢሎም ኣሕሊፉ ዝህብ ተግባር ዝፍጽሙ ክኾኑ የብሎምን፡ እቲ ውሳኔ ናይ ጳጳስን ተልኾን ብናይ ወንጌል ሓቂ ዝንበር እዩ፡ ብጹዕ ኣቡነ ፒንቶ እውን ኣብ ኩሉ ስፍራ እናተንቀሳቐሱ ነዚ ዘመላኸቱን ዘተሓሳሰቡን ዝነብሩን እዮም እንክብሉ ኣመስጊኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዝለጊሶም ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

30 January 2021, 14:13