ፍራንቸስኮ፥ ዓለም ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ይዅን

እቲ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ብዕሊ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝጅምር ዘሎ ኣቶማዊ ኣጽዋር ክልኵል ዝብል ውሳኔ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ

ውሳኔ ምርጋፍ ኣቶማዊ ኣጽዋር ውዕሊ ካብ ዝጸደቐሉ ዕለት 22 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ተፈጻሚ ቅድሚ ዝኾነሉ ቁሩብ ማዕልታት፥ “ሰብኣዊ ፍጥረት ዘድልዮ ናይ ኵሉ ጻዕሪ ዝሓትት ሰላምን ምትሕብባርን እዩ”፥ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምርተ ክርስቶስ ለጊሶም ኣብቅዒም ብቃለ ሰላምታ ቅድሚ ምስንባቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ክኸውን እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ ሃገረ ቫቲካን

ኣልቦ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝኾነ ዓለም ናብ ሰላም ዝምርሽ እዩ! እንክብሉ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ሓይለ ምዕዳን ሎሚ እውን ዕለት 20 ጥሪ 2021 ዓ.ም. እቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝጸደቐን ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ምጥቃም ኣቶማዊ ኣጽዋርን ኣቶማዊ ምፍርራሕን ምውናንን ንኣቶማዊ ኣጽዋር መዓላ ምፍሳስን ዝኣመሰሉ ተግባራት ዘይሕጋዊ ዝገብር ሕጊ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣብ ዝጀመረሉ ቅዱስነቶም ነዚ ኵነት ዓቢይ ግምት ብምሃብ ደጊሞም ዓለም ኣልቦ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክኸውን ምግባር ኣብ ጐዳና ሰላም ምጉዓዝ ማለት ምዃኑ እንክሕብሩ፥

እቲ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ብዕሊ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝጅምር ዘሎ ኣቶማዊ ኣጽዋር ክልኵል ዝብል ውሳኔ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ምውናን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ብዘይ ኣድልዎ ብሕጊ ዘቕጽዕ ክኸውን ንመጀመሪያ ግዜ ዝተበጽሔ ስምምዕ እዩ፡ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ሓጺር ግዜ ውሽጢ ኣዚዩ ብዙሕ ዝኾነ ሕዝቢ ዘጽንትን ነባሪ ዳርጋ ክትብሎ ዝከኣል ማህሰይቲ ኣብ ልዕሊ ማሓድሮን ሰብኣዊ ፍጥረትን ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ!

ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘዕንው ሓይሊ፥ ኣብ ልዕሊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ሓዲግዎ ዝሓልፍ ማህሰይቲ ከቢድ ማሕታ፥ “ጽላሎታውን ኣልቦ ቃልን-ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘልምስ” ብቐጻሊ ዝርአይ ስቓይ፥ ሳዕቤኑ ጸሊም ጉድጓድ ዝበሃል (ብርሃን ጸርጊ ኮና ካልእ ዝኾነ ነገር ክሓልፈሉ ዘይኽእል ክውንነት ዝፈጥርን) ሞትን እዩ እንክብሉ ቅዱስነቶ ዕለት 24 ሕዳር 2019 ኣብ ሂሮሺማ ኣብ መዘክር ሰላም ተረኺቦም ናይ 1945 ዓ.ም. ሳዕቤን ኣቶሚክ ቦምቢ ዘርእይ ኣሳዕል ኣብ ዝረኣየሉ ብፍላይ እቲ ኣብ ልዕሊ ናጋሳኪ ብዝተተኮሰ ኣቶሚክ ቦምቢ ዝተቐትለ ሕጻን ሓዋ ከምዝሞተ እውን ምንም ኣፍልጦ ዘይነበራ ጓል 10 ዓመት ሕጻን ሓዚላቶ እንከላ ዘርእይ ስእሊ ድሕረ ባይታ ኣብ ዝገበረ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝገለጹን፡  ቅዱስነቶም ነታ ስእሊ ተራቢሓ እውን ንጓዜጠይናታት ከምዝዓደሉዋ ዝዝከር እዩ።

ቅኑዕን ብፍላይ ናይ ሰላምን መጻኢ ዓለም ብሓባር ኣብ ጐደና ሕንጸት ንክምርሽ ብሃይለ ምዕዶ ከበራትዑ፥

ንዅለን ሃገራት መንግስታትን ሕዝብታትን ኣልቦ ኑለሳዊ ኣጽዋር ዝኾነ ዓለም ንምሕናጽ ግደ ክህልወካ ዝገብር ቆራጽ ኵነት ምእንቲ ናይ ሰላምን ኣብዚ እዋን`ዚ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣዚዩ ዘድልዮ ብዝሓ ጐድናውነትን ናይ ምትሕብባርን ስጓመ ከነቓቕሑ ብውዕዉዕ መንፈስ እተባብዕ፡

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምጥቓም “ጸረ ሰብኣውን ክብሩን ጸረ ተኻኣሊ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ መጻኢ ዝፍጸም ዓቢይ ገበንን ምውናኑ ጥራሕ እውን ንገዛእ ርእሱ ኢሞራላዊ እዩ፡ “ብሓቂ ቅኑዕን ውሑስን ሕብረተሰብ ክንሃንጽ እንደልይ እንተድኣ ኮይንና” ከምቲ ኣብ ጃፓን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ዝበልዎ፥ “ኣጽዋር ውግእ ካብ ኣእዳውና ክራገፍ እዩ ዘለዎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

21 January 2021, 15:49