ር.ሊ.ጳ.፥ ዓለም ቅልውላው ኵሉ ንምብዳህ ሓድነትን ሕውነትን የድልዮ ር.ሊ.ጳ.፥ ዓለም ቅልውላው ኵሉ ንምብዳህ ሓድነትን ሕውነትን የድልዮ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ዓለም ቅልውላው ኵሉ ንምብዳህ ሓድነትን ሕውነትን የድልዮ

ሸለልትነት . . . ይቐትል፡ ካብቲ ቅልውላው ንምውጻእ እቲ ፍኖት ቀረባውነት ዝብል ቃል እዩ፡ ሓድነትን ቅርበትን ምቅርራብን እንተደኣ ዘየለ ማሕበራዊ ውጥረት ኣብ ውሽጢ ሃገራት ይውለድ . . . ኣብ ፖለቲካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ምስ ናይ ኢጣሊያ ካናለ ቺንኵወ እተሰምየ ናይ ተለቪዥን መደብር ዝተፈላለዩ ብፍላይ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ሕይወት ምክልኻልን ብፍላይ ናይ ተኣፋፍያንን ኣብ ፖለቲካን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ሓድነት ዘለዎ ክቡር ዋጋን ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ቃለ መሕትት ከምዘካየዱን ኵሉ ክትባት ጸረ ኾሮና ተህዋስ ክኽተብ ሰብኣውን ስነ ምግባራውን ሓላፍነት ምዃን እውን ከምዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብኮቪድ - 19 ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንምብዳህ ኣብ መላእ ዓለም ሓድነትን ኣብ ስቓይ ንዝርከብ ብዝያዳ ቀረባ ምዃንን ሕድ ሕዳዊ ሕውነትን ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስነቶም ዕለት 10 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝተመሓላለፈ ምስ ካናለ ቺንኵወ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘተሓሳሰቡን “ካብ ሓደ ቅልውላው ከምቲ ዝነበርካዮ ኴይንካ ብፍጹም ኣይውጻእን፡ ወይ ብሉጻት ወይ ዝኸፍኡ፡ ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ!” ኣብ ሕይወት ዓበይቲ ክቡራት ዋጋታት ኣብ ናይ ሕይወት ህሞት ክትርጐሙን ክንበሩን ዘለዎም ብጠቕላላ ዝተፈላለየ ናይ ሕይወት ክቡራት ዋጋታት ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሕይወት መዓት ኵሉ ብግብሪ ክትርጎመን፥ ብጥምየት ዝሳቐዩ ሕጻናትን ብውግእን ብዝተፈላለዩ ካልኦት ጸገማት ምኽንያት ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ዘይኽእሉ ሕጻናትን . . . ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብኣሓዝ ዘቕርቦ ጸብጻብ ብሓቂ ዘሰንብድ እዩ፡ ነዚ ዅሉ ጸገም እዚ ከየስተውዓልና ካብ ቅልውላው ክንውጻእ ዘይከኣል እዩ፡ እኳ ደኣ እቲ ምውጻእና ኣብ ተሳዓርነት እዩ ዝኸውን፡ ነዞም ክልተ ጸገማት፥ ናይ ሕጻናትን ውግእን . . . ጥራሕ ሕስብ እሞ ነብል”።

ክትባት ስነ ምግባራዊ ተግባር እዩ

ቅዱስ ኣቦና ጋዜጠይና ፋቢዮ ማርከዘ ራጎና ብዛዕባ ክትባት ኣመልኪቶም ንዘቕረቡሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ብርግጽ ብግረ ገባውነት ማዕቅፍ ኵሉ ክኽተብ ኣለዎ፡ ፍቓደይናታት ክኾኑ ይግባእ፡ ኣማራጺ ኣይኮነን፡ ስለዚህ ግብረ ገባዊ ተግባር እዩ፡ ጥዕና ዝምልከት ጉዳይ እዩ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻን ናይ ካልኦትን፡ ክትባት ዝቕበል ናይ ገዛእ ርእሱን ናይ ካልኦት ሕይወትን እዩ ዝከላኸል” ቢሎም ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባት ክወሃብ እዩ፡ ንሶም እውን ንኽኽተቡ ከምእተመዝገቡ ሓቢሮም፥ “እቲ መድሃኒት ሓኻይም ዘረጋገጽዎ እዩ፡ ብርግጽ ርእሰ ቅትለታዊ ነጸጌታ ኣሎ፡ እዚ እዩ ክገልጾ ዘይከኣል፥ ካብቲ ኣነ ዝብል ክንዲ ስም ንሕና ዝብል ክንዲ ስም መሰረት ገርይና ኣንሓስበሉ እዋን እዩ፡ ወይ ኵላትና ብሓባር ወይ ከኣ ሓደ’ኳ ንበይኑ ከድሕን ኣይኽእልን” ነዚ ሓሳብ’ዚ መሰረት ገይሮም እውን እቲ ንዓኦም ዓቢይ ክብሪ ዘለዎ ደጋጊሞም ዝምዕድዎን ሕውነት ምስ ዝብል ክቡር ዋጋ ኣተሓሒዞም፥ . . . ገዛእ ርእስኻ ቀረባ ኴይንካ ምርኻብ፡ ቀረባውነት፡ ቀረባ ምግባር፡ ንጸገም ካልኦት ቀረባ ምዃን፥ ድሕነት ኣብ ቀረባውነት እዩ (ትስብእቲ) ናይዚ ናይ ቀረባውነት ባህሊ ተጻይ ሸለልትነት እዩ፡ . . . እንታይ ገድሰኒ ዝብል ባህሊ፡ እዚ ናይ ሸለልትነት ባህሊ የዕንውን ካብ ካልኦት የርሕቕን ጸረ ቀረባውነት እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዋኑ ነቲ ቅልውላው ንምስናፍ ንሕና ዝብል ክንዲ ስም እዋን እዩ

ሸለልትነት . . . ይቐትል፡ ካብቲ ቅልውላው ንምውጻእ እቲ ፍኖት ቀረባውነት ዝብል ቃል እዩ፡ ሓድነትን ቅርበትን ምቅርራብን እንተደኣ ዘየለ ማሕበራዊ ውጥረት ኣብ ውሽጢ ሃገራት ይውለድ . . . ልክዕ ኣብ ፖለቲካ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን፡ . . . ዝኾነ ይዅን ኣካል ኮነ ተቕዋም እውን ይኹን ካብቲ ኣነ ዝብል ኣክንዲ ስም ክላቐቕ ኣለዎ፡ ብሓድነት ነቲ ቅልውላው ንምብዳህ መታን ክከኣል፡ . . . ወጥረት ኣብ ህይወት ኣድላዪ እዩ፡ ንሞትን ቅትለትን ዘይኮነ ተምክሮ ዝስሕል ምስ ዝኸውን፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብዚ እዋን እዚ ጽናሕ ክበሃል ዝግብኦ ጉዳይ ክኸውን አለዎ፡ ንሓድነት ቦታ ምሃብ የድሊ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ፖለቲካን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን”።

ምንጻል ጽንሲ ሃይማኖታዊ ሕቶ ቅድሚ ምዃኑ ሰብኣዊ ሕቶ እዩ

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 “ነቲ ጓሓፋይ - ከምውዳቕ ዝምልከት ባህሊ”፡ ድኻታትን ተኣፋፍያንን ኣረጋውያንን ንዝኣልይ ኣገባብ ዝስሕሎ ዘሎ እዩ ዝመስል፡ . . . ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ብዛዕባ ጽንሲ ምንጻል ዝምልከት ጉዳይ ኣልዒሎም፡ ጽንሲ ምንጻል  ሕጻናት ዝጉሕፍ ባህሊ እዩ፡ ንሕጻናት ግቡእ ክብሪ ዘይህብ ባህሊ፡ . . . ጽንሲ ምንጻል ሃይማኖታዊ ሕቶ ኣይኮነን፡ ቅድሚ ሃይማኖት ዝነበረ ሰብኣዊ ሕቶ እዩ፡ ስነ ምግባራዊ ሰብእ ሕቶ እዩ፡ ቀጺሉ እዩ ሃይማኖታዊ  ሕቶ ዝኸውን፡ እዚ ሕቶ እዚ እውን እቲ ኢእግዚኣብሔራውነት ባህሊ ዝስዕብ እውን እንተኾነ ብሕልናኡ መልሲ ክህበሉ ዝግብእ ሕቶ እዩ፡ ጸገም ንምፍታሕ ብዝብል ምኽኒት ሓደ ሕይወት ምቕንጻል ነቲ ጸገም ይፈትሖ ዶ? ሓደ ቀታሊ መዚዝካ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ሓደጋ ብምውራድ ዝፈታሕ ጸገም ዶ ይኸውን? ብፍጹም።

ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሕዝባውን ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ዝተፈጸመ ዓመጽ

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ዕለት 6 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ህዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ናይ ጉባኤ ሕንጻ ዝተፈጸመ ዓመጽ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልስ፡ ቅድም ቀዳድም እቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ብሓቂ ከምዘገረሞምን እዚ ኸኣ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስነ ስርዓትን ብስለት ደሞክራሲን ብምሕሳብ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ብሱል እትብሎ ክውንነት እውን ሓደ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣንጻር ሕዝቢ ኮይኑ ክፍጠሮ ዝኽእል ጸረ ደሞክራስን ጸረ ናይ ሓባር ጥቕምን ተግባር ክህሉ ከምዝኽእል ዝሕብር መገዲ እዩ፡ ስለ ዝተኸስተ እውን ከመይ ገርካ ከተሕውዮ ከምእትኽእል ባዕሉ እቲ ዝተኸስተ ጸገም ዝሕብሮ እዩ፡ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ከይፍጠር እቲ ጸገም ከመይ ከምእተፈጥረ ብምስትውዓል መፍትሒ ምንዳይ እዩ እቲ ብስለት፡ እንክብሉ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ይኹንኑ . . .

እምነት ንጐይታ ዝሕተት ጸጋ እዩ

ነቲ ብምኽንያት ኣጋጢሙ ዘሎ ለብዒ ቅዱስነቶ ዝነብርዎ ዘለዉ ቀያዲ ኩነት ብኸመይ ይነብርዎ ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ፥ ብርግጽ ኣብ ጎብያ ዘለዉ ኮይኑ ከምዝስምዖምን ክፍጽምዎ ሃረር ዝብልዎ ዝነበረ ሓዋርያዊ መገሻታት ከምእተሰረዘን ናብ ዒራቕ ክፍጽምዎ ዝሓስብዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ መገሻ ክውን ንምግባር ዘለዎም ሃረርታ ገሊጾም፡ ኣብዚ እዋን እዚ ግዚኦም ኣብ ጸሎትን ብስልኪ ዝተፈላለዩ ርክባት ብምክያድን ይነብርዎን ከምዘለዉ ምስ ሓበሩ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንበይኖም ብዘይ ምእመናን ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዝፈጸመዎ ጸሎት፥ “ንመላእ ሕዝቢ ናይ ፍቕሪ መግለጺ እዩ፥ እምነት ብሓቂ ጸጋ እዩ፡ ዘይዕደግን ዘይልወጥን። ኦሪት ዘዳግም እናሓሰቡ፥ ቅርበት እግዚኣብሔር ክንምሕጸን ይግባእ፡ እዚ ቅርበት’ዚ በቲ ጸጋ ዝኾነ እምነት ክንማሕጸኖ ይግብኣና” ምስ በሉ ኣብ “2021 ዓ.ም. ከም ውዳቕን ጓሓፍን ዝሕሰቡ ዘይብሉን ዝምባለ ኢጉነት ዘይረኣየሉን” ክኸውንን ኣብ ልዕሊ ዓመጽ ሓድነት ዝስስነሉ ክኸውን ተመንዮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 January 2021, 16:33