2021.01.24 ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት አቡነ ሪኖ ፊዚከላ ኣብ ሰንበት ቃል ኣምላኽ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንክሠርዑ 2021.01.24 ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት አቡነ ሪኖ ፊዚከላ ኣብ ሰንበት ቃል ኣምላኽ መሥዋዕተ ቅዳሴ እንክሠርዑ 

ቃለ እግዚአብሔር ካብቲ ኣጸቢቁ ዝፈልጠና ኣምላኽ ዝለኣኸልና ናይ ፍቅሪ ደብዳቤ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ንካልኣይ ግዜኡ ዝዝከር ዘሎ ሰንበት ቃል ኣምላኽ ሎሚ ዕለት 24 ጥሪ 2021 ዓም ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት አቡነ ሪኖ ፊዚከላ ብዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ እንክዝከር ር.ሊ.ጳ ነቲ ቅዳሴ ክሠርዑ መደብ እኳ እንተነበረ ብጻዕቂ ካልእ ሥርዓታት ንከይደኽሙ ብጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ እንክሥራዕ እቲ ቅዱስነቶም ዘቅረብዎ ስብከት ብምንባብ ‘ክርስትያን ዘቦኡ ንቅዱስ መጽሓፍ ዝኸውን ግዜ ክረክብ ከመይ ቃል ኣምላኽ ዘጸናንዕ ጥራይ ዘይኮነ ንለውጢ ዝዕድም እውን እዩ’ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!   

ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ካብ ወንጌል ማርቆስ 1.14 ኰይኑ ዮሓንስ መጥምቅ ተልእኮኡ ፈጺሙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተዳጐነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘መንግሥቲ አምላኽ ቀሪባ እያ ተነሥሑ’ እናበለ ስብከት ከምዝጀመረን አርባዕተ ካብቶም ቀዳሞት ኣርድእቱ ማለት እንድርያስን ጴጥሮስን ከምኡ እውን ያዕቆብን ዮሓንስን ካብ ምግፋፍ ዓሳ ጸዊዑ ‘ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ’ እንክብል ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ብዕሊ ከምዝጀመረ ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልናዮ ር.ሊ.ጳ ነዚ ቅዳሴ እዚ ከቅርብዎ ቀሪቦም ንዝነበሩ ስብከት ከምዘሎ ዘቅረቡ ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ቅዱስነኦትም ስብከቶም ኣብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰበኾ መንግሥቲ ኣምላኽ እንታይ በለ ንመንከ ዝብላ ክልተ ነጥብታት ብምትኳር ከምዘቅረብዎ ብምግላጽ ነቲ ስብከት ኣንበቡ።

ኢየሱስ እንታይ ይብል ኣሎ!

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ብምትኳር ኢየሱስ ስብከቱ እንታይ ክብል እዩ ዝጀመረ ይብሉ እሞ ‘ግዜኡ ኣኺሉ እዩ ኣብ ፍጽምና በጺሑ እዩ እነሆ መንግሥቲ እግዚአብሔር ኣብ መጎኹም ኣላ’ እንክብል ፈላሚ ስብከቱ የብስር። ካብዚ መልእኽቲ እዚ እንርድኦ ከኣ ‘እግዚአብሔር ቀረባና ኮይኑ ካብ ሰማየ ሰማያት ኣብ ማእከልና ምእንቲ ክኸውን ኣብ ምድሪ ወሪዱ’ እዩ ዘስምዕ ኢሎም። እቲ ዘይብጻሕ ዝመስል ዝነበረ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ግዜ ተፈጺሙስ ኣምላኽ ከማና ሰብ ኰይኑ ነቲ ክትግምቶ ዘሸግር ርሕቀት ብኣቋራጭ የሕጽሮ ቀረባና ይኸውን። ምሳና ይኸውን ኢሎም።

አምላኽ ኣብ ጥቃና ኰይኑ!

ዝዓበየ ብሥራት ስብከተ ወንጌል ኢየሱስከስ ቅድሚ ዝኣገረ ኣምላኽ ቀረባና ከምዝኾነ ክንኣምንንን ክንሰብኽን ከምዘሎና እዚ ከኣ ዓቢ ምሕረቱ ብምግላጽ ንኩሉ በደልናን ኣበሳናን ይቅረ ከምዝበለና ባዕሉ ከምዝተዓርቀና ዘበስር ስለዝኾነ ዝዓብየ ብሥራት እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ቃል ኣምላኽ ወትሩ ከምቲ ኣብ ልደቱ ብመላእኽቲ ኣይትፍርሁ ብማለት ዝተገልጸ ንዓና ንነፍሲወከፍና እውን ‘ኣይትፍራህ ኣይትፍርሂ ምሳኻ/ኺ ኣሎኹ ኣብ ጐድንኻ/ኺ ኣብ ጥቃኻ/ኺ እየ ዘሎኹ’ ይብለና።

ካብዚ ብምቅጻል ቃል ኣምላኽ ዘረጋግጸልና ካልእ ጉዳይ ከኣ እግዚአብሔር እናክዛረበና ኣብ ልቡ ከምዝወቀጠና ኣብ ኢዱ ከምዝወቀጠና ኣብ ቅድሚ ኣዕይንቱ ክቡራት ከምዝኾና ብምርግጋጽ ትውክልትና ኣብኡ ክንገብር ብኣኡ ክንተኣማመን ውሕስነትን ርግጽነትን ይህበና። ቃል ኣምላኽከስ ሽሕ’ኳ መጸናንዒ እንተኾነ ምሳኡ ብዝተታሓሓዘ መንገዲ ከኣ ከይወዓልካ ከይሓደርካ ንክትንሳሕ ንክትልወጥ ዝቀርብ ጻውዒት እውን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ‘መንግሥቲ እግዚአብሔር ቀሪባ እያ’ ኢሉ እንከበስር ምሳኣ ኣልግብ ኣቢሉ ከኣ ‘ተነስሑ’ እንክብል ይጽውዕ። እዚ ጻውዒት እዚ ንኩሉ እዩ ማንም ካብ ልቢ እግዚአብሔር ርሑቅ ኣይኮነን።

ካብ ልቢ እግዚአብሔር ወጻኢ ምንም የለን!

ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ድሕሪ እታ እንታይ በለ እትብል ሕቶ ቀጺሎም ዝምልስዋ ንመንከ ተዛረበ ወይውን ኢየሱስ ንመን እዩ ዝሰበኸ ኣብ ትብል ይሰግሩ እሞ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ምልስ ኢሎም ኩነታት እቶም አርባዕተ ቀዳሞት አርድእትን ሰማዕቱን ዝነበሮ ከባብን ኣብ ግምት ብምእታው ኢየሱስ ስብከቱ ዝጀመረሉ ከባቢ ገሊላ ኰይኑ እዚኦም ከኣ ገርሀይናታት ዓሳ ብምግፋፍ ዝነብሩ ማንም ሕዝቢ ከምዝነበሩ ካብ ወንጌል ንርዳእ ኢሎም።

በዚ ከምዚኸስ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብከቱ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ከተማታትን ስልጣኔን ዘይኮነ ኣብ ማንም ሻውላት ስብከቱ ብምጅማሩ ካብ ልቢ እግዚአብሔር ማንም ርሑቅ ከምዘይኮነ ይገልጸልና። እዚ ቃል ኣምላኽ እዚ ፍሉይ ሓይሊ ኣለዎ ንማንም ሰብ ብቀጥታ ልቡ ክትንክፍ ይኽእል። እቶም ብቀዳምነት ነዚ ቃል እዝን ነዚ ዕድመ እዝን ዝተቀበሉ አርድእቲ ኢየሱስ ነተን ንሱ ዝበሎም ማለት ‘ሰዓቡኒ ካብ ሕጂ ንደሓር ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ’ ዝበሎምን ናይ መጀመርያ ርክቦም ምስ ኢየሱስን ንዘለዓለም ኣይርስዕወንን እዮም። ንሶም ኣብ ንቡር ዕለታዊ ስርሖም ገለን ዓሳ ክገፉ ገለን መርበባቶም ክሰናድው እዩ መጺእዎም። ንዑ ሓዋርያት ክገብረኩም እየ ንዓለም ምሉእ ክትሰብኩ ኢኹም ወይውን ውሩያት ክትኮኑ ኢኹም ክብል ኣይጸውዖምን ብቀሊሉ በቲ ስራሖም `ካብ ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ገፈፍቲ ሰብ ከሰጋግረኩም እየ’ ደኣ በሎም። በቲ ዝርድእዎ ቋንቋ ተዛረቦም። ሎሚ እውን እንተኾነ ምስ ነፍሲወከፍና ኣብ ዘዘሎናዮ ኩነት ይቀርበና ኣብ ጐድንና ኰይኑ ምሳና ብምጒዓዝ የሰንየና በቲ እንርድኦ ቋንቋ ከኣ ይዛረበና ኣሎ። ካባና ዝድለ ቃል ንክንሰምዕ ስንድዋት ምዃን ኣብ ዕለታዊ ናብራና ንቃል ኣምላኽ ዝኸውን ግዜ ምውሳን ኣብ ገዛውትና ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝኸውን ፍሉይ ክቡር ቦታ ምስንዳው ከምቲ ዕለታዊ እንጌራ ንቅለቦ ከኣ ዕለት ዕለት ካብ ቃሉ ክነንብብ ግዜ ክንውስን ኣብ ጁባናስ ይኹን ኣብ ተለፎና ቃል ኣምላኽ ሒዝና ክንጐዓዝ ሓደራ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 January 2021, 12:03