ሓድነት ክርስትያን ብጸጋ እግዚአብሔር ጥራሕ ኢና እንበጽሖ! ብጸሎት ከኣ ይርከብ! ር.ሊ.ጳ

‘አብቲ ግዜ እቲ ኢየሱስ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ፡ ‘ኦ ኣቦ፡ ሕጂ እታ ጊዜ በጺሓ፡ ነዞም ዝሀብካዮ ዅላቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺህቦምሲ፡ ንወድኻ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ ሂብካዮ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ምእንቲ ኬኽብረካስ፡ ንወድኻ ኣኽብሮ . . . ኣነ ምእንትኦም እልምን አሎኹ። ናትካ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሀብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ። ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ዓለም፡ ንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ኦ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ’ በለ። (ዮሓ 17,1-2,20-21)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እታ ስለ ሓድነት ክርስትያን ኣብዚ ሶሙን እዚ እነዕርጋ ጸሎት ክንምልከት ኢና። ካብ ዕለት 18 ጥሪ ክሳብ 25 2021 ዓም ዘላ ሶሙን ነዚ ፍሉይ ሥራሕ ዝተወፈየት ኰይና ነታ ኣብ መንጎ እቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚኣምኑ ኰይና ዕንቅፋት ትኸውን ዘላ ምፍልላይ ክንሰግራ እግዚአብሔር ሓድነት ክህበና ንምህለለላ ሶሙን እያ። ጐይታና ኢየሱስ ድሕሪ እታ ምስ ኣርድእቱ ዝገበራ ናይ መጨረሽታ ድራር ናቱ ዘበሉ ኩሎም ‘ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ’ (ዮሓ 17.21) ክብል ጸለየ። እዛ ቅድሚ ሕማማቱ ዘዕረጋ ጸሎት ናይ መወዳእታ መንፈሳዊ ለበዋኡ እያ ክንብል ንኽእል። ኣብዚ እንምልከቶ ጉዳይ ጐይታ ንሓዋርያቱ ሓደ ክኾኑ ትእዛዝ ኣይኮነን ዝህቦም ዘሎ ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣድላይነት ሓድነት ኣስተምህሮ ኣይኮነን ዝህቦም ዘሎ እንታይ ደኣ ንእግዚአብሔር ኣቦ ኩልና ሓደ ምእንቲ ክንከውን ስለና ይልምን። እዚ ኸኣ ንሓድነት ንሕና ብዓቅምና ንሓድነት ክንበጽሖ ከምዘይንኽእል እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ ሓድነት ውህበት ትዕድልቲ ኰይኑ ካብ እግዚአብሔር ብጸሎት ክንልምኖ ዘሎና ጸጋ እዩ።

ነፍሲወከፍና እዚ ሓድነት እዚ የድልየና እዩ። ከም ሓቁ እንተዀይኑ ዋላ ኣብ ውሽጥና እውን እንተኾነ ሓድነትና ክንህሉ ክእለት የብልናን። ቅዱስ ጳውሎስ እውን ከይተረፈ ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእሱ ብርቱዕ ውሳጣዊ ግጭት ከምዝነበረ በቲ ሓደ ወገን ሠናይ ነገር ክገብር ሃረር እናበለ በቲ ካልእ ወገን ናብ ሕማቅ ይዝምብል ከምዝነበረ ይናገር (ሮሜ 7.19)። በዚ ከምዚኸስ ኣብ መንጎና ዘሎ ምምቅቃላት ኣብ ሰባትስ ይኹን ኣብ ስድራቤት ኣብ ማሕበረሰስ ይኹን ኣብ መንጎ ሕዝብታት ኣብ መንጎ አመንቲ እውን ከይትረፈ ዘሎ ፍልልይ ሡር መሠረቱ ምንጩ ኣብ ውሽጥና ከምዝኾነ የብርሃልና። ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ደስታን ተስፋን ኣብ ዝብ ሰነድ ቊ.10 ‘ንዓለምና ዘሳቂ ሰንከልከል ምባል ምስቲ ዓሚቊ ሰንከልከል ማለት ኣብ ልቢ ወዲሰብ ዝተሠረተ ምምቅቃል እዩ። ብዙሓት ብቀጻሊ ዝዋግኡሉኸስ ኣብ ውሽጢ ልቢ ወዲሰብ እዩ ዘሎ። . . . ስለዚኸስ ምምቅቃል ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእሱ የሳቅዮ። ካብዚ ምምቅቃል እዚ ኣብ ማሕበረሰብና ዓበይቲ ግጭታት ይውለዱ’ እንክብል ይገልጾ። ስለዚኸስ ፍታሕ ምምቅቃል እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እናተቋወመ ኣይኮነን ምኽንያቱ ዘይምስምማዕ ዘይምስምማዕ እዩ ዝወልድ። እቲ ሓቂ መድሃኒት ንጐይታ ሰላሙን ዕርቁን ሓደነቱን ክህበና ብምምህላል እዩ ዝጅመር።

እዚ ጉዳይ እዚ ቅድሚ ዝኣገረ ንክርስትያን እዩ ዝምልከት! ሓድነት ከም ፍረ ጸሎት ጥራሕ ኢና ክንበጽሖ እንኽእል። ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታትን ኣካዳምያዊ ዘተታትን በይኖም እኹላት ኣይኮኑን። ኢየሱስ ነዚ ኣዳዕዲዑ ይፈልጦ ነበረ እናጸለየ ከኣ መንገዲ ከፈተልና።  ስለሓድነት እንገብሮ ጸሎት ብጣዕሚ ትሕትና ዝመልኦ እዩ እንተኾነ ኣብታ ጸሎት ጐይታ ከምእትሳተፍ ብምትእምማን ስለ እትግበር ንሱ ባዕሉ ከኣ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኩሉ ኣቦይ ክሰምዓኩም እዩ ኢሉ ኣብ ዝሃበና ቃሉ ትምሥረት (ዮሓ 15,7)። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ናብ ሕልናና ምልስ ኢልና ነፍስወከፍና ‘ኣነ ስለሓድነት ክርስትያን እጽልዶ’ ኢልና ነስተንትን። እዚ ድላይ ኢየሱስ እዩ። እንተኾነ ምስቲ ንገብሮ እንብሎ ምስ እንጸባጸብ ምናልባት ቁሩብ ኢና ጸሊና ክንብል ንኽእል ምናልባት እውን ስለሓድነት ክርስትያን ፈጺምና ኣይጸለናን ዘብል እዩ። እንተኾነ እምነት መላእ ዓለምና መሠረታ ንሳ እያ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ጐይታ ኣብ መንጎና ሓድነት ምእንቲ ክህሉ ‘ዓለም ምእንቲ ኪኣምን’ (ዮሓ 17,21) ክብል ዝለመነ። ዓለምሲ ጽቡቅ ሓሳባት ብምቅራብና ኣይኮነን ዚኣምን እንታይ ደኣ ነቲ ንኩልና ዘቀራርብን ሓደ ዝገብርን ፍቅሪ ምስ እንምስክር ጥራይ እዩ ዓለም ኪኣምን ዚኽእል።

ኣብዚ ብዙሕ ሕማቅ ኣጋጣሚታት ዝወረሮ ዘመንና ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሓድነት ኣብ ልዕሊ ግጭታት ክዕወት ክንጽሊ የድሊ። ግላዊ ጉዳያትና ሓዲግና ስለሓባራዊ ሠናይ ነገር ክንሰርሕ ህጹጽ ጻውዒት ይቀርበና። ስለዚኸስ ሠናይ ኣብነትና ግዲ እዩ ማለት ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ ጭቡጥ ዝኾነ ምሉእ ሓድነት ንምምስካር ክጐዓዝ ኣድላዪ እዩ። ንእግዚአብሔር ምስጋና ይኹን ኣብዘን መጨረሽታ ዓሠርተታት ዓመታት ብዙሕ ስጉምታት ንቅድሚት ተገሩ እንተኾነ ከይተሓለልናን ከይደኸምናን ተስፋ ከይቈረጽናን ኣብ ፍቅርን ኣብ ጸሎትን ክንጸንዕ የድሊ። እዚ ጒዕዞ እዚ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተክርስትያንን ኣብ ክርስትያንን ኣባና ኩልናን ዘስተፈሰልና እዩ ካብኡ ከኣ ፈጺምና ንድሕሪት ኣይክንምለስን ኢና። ወትሩ ንቅድሚት ኢና እንግስግስ።

ምጽላይ ማለት ስለ ሓድነት ምግዳል እዩ። እወ ቃልሲ እዩ ከመይ ጸላኢና ዲያብሎስ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ መቃቃሊ እዩ። ኢየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ሓድነት ሓድነት ከስፍን ይጽሊ። ዲያብሎስ ወትሩ ይመቃቅል። ከመይ ቀንዲ ስርሑ ምምቅቃል ስለዝኾነ ምምቅቃል ይምችኦ። ንሱ ንምምቅቃል ይውትውት ኣብ ኩሉ ቦታን ብዝተፈላለአየ ኣገባብን ክመቃቅል ይጽዕር።  ብሓፈሻ እንክንዕዘብ ዲያብሎስ ኣብ ልዑል ትምህርቲ ንባበ መለኮት ኣይኮነን ዝፈታተናና እንታይ ደኣ ኣብ ድኻምነት ኣሕዋት እዩ ዘተኩር። ብዘይመጠን ጐራሕ እዩ። ንጌጋታት ኣሕዋትና የጋንን ንጉድለታት ካልኦት የጉልሕ ጽልኢ ይዘርእ ንሕሜታን ቅድመ ፍርድን ዳሪጉ ምክፍፋል ይፈጥር። እንተ መንገዲ እግዚአብሔር ካልእ እዩ። እግዚአብሔር ብዙሕ ስለዘፍቅረና ከምዘሎናዮ እውን ስለዘፍቅረና ከምዘሎናዮ ምስ ሓጢኣትናን ድኻምነትናን ፍልልያትናን ይቅበለና እሞ ናብ ሓድነት ገጹ ይደፍኣና። ነዚ ኣብ ገዛእ ርእስና ክነረጋግጾ ንኽእል። ኣብ እንነብሮ ቦታት ግጭታትዶ ንዘርእ ወይስ በቲ እግዚአብሔር ዝዓደለና መጋብሪ ማለት ብፍቅርን ጸሎትን ንሓድነት ክነደንፍዕ ንቃለስ ኢልና ርእስና ንፈትሽ። እንተ ንግጭታት ምጒህሃር ብሕሜት ወትሩ ብዛዕባ ካልኦት ሕማቅ ብምዝራብ ይግበር። ሕሜታ ንማሕበረ ክርስትያንስ ይኹን ንስድራቤታት ንኣዕሩኽ እውን ከይተረፈ ንክመቃቅል ዲያብሎስ ኣብ ኢዱ ሒዝዎ ዝዘውር መጋበሪ እዩ። ወትሩ ንክመቃቅል። መንፈስ ቅዱስ ግን ወትሩ ሓድነት እዩ ዘስተንፍሰልና።

ንናይ ሎምዘመን ሳምንቲ ጸሎት ስለ ሓድነት ክርስትያን መሪሕ ክትከውን ዝተመርጸት ሓረግ ብዛዕባ ፍቅሪ እያ እትምልከት። ‘ኣብ ፍቅሪ ጸኒዕኩም ንበሩ በዚ ከኣ ብዙሕ ፍረ ክተፍርዩ ኢኹም’ (ዮሓ 15,5-9) እትብል እያ። ሡር መሠረት ሕብረትከስ ፍቅሪ ክርስቶስ እዩ። ፍቅሪ ክርስቶስ ንቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ኣሸኒፍና ንብጾትና ከም ዝፍቀር ሓውን ትፍቀር ሓውትን ገርና ክንጥምቶም የኽእለና። በዚ ከምዚኸስ ናይ ካልእ ኣብያተ ክርስትያን ኣባላት ዝኾኑ ክርስትያን ምስ ባህልታቶምን ታሪኾምን ትዕድልቲ እግዚአብሔር እዮም። ኣብ ሰበኻዊ ክልላትናን ቊምስናታትናን ዝርከቡ ውህበት እግዚአብሔር እዮም። ስለኦም ክንጽሊ ንጀምር። እንተተኻእለ ከኣ ምሳኦም ብሓባር ኰና ክንጽሊ ንጀምር። በዚ ከምዚ ንክነፍቅሮምን ክነድንቆምን ክንመሃር ኢና። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ ሓድነት ክርስትያን ኣብ ዝዛረብ ሰነዱ ቊ.8 ‘ጸሎት ንኩሉ ምንቅስቃስ ሓድነት ክርስትያን ዘንቀሳቅስ ነፍሲ እዩ’ እንክብል የዘኻኽረና። እንተ በዚ እንተ በቲ ነታ ኩሎም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ እትብል ሃረርታ ኢየሱስ ንምሕጋዝ ቀንዲ መንቀሊና ክኸውን ዘለዎኸስ ጸሎት እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
20 January 2021, 11:49