ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ዘኣስተርእዮ ጉባኤ ኣስተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ዘኣስተርእዮ 

ሽሕ’ኳ ሕይወትና ርእሱ ዝኸኣለ ጸልማት እንተለዋ ብርሃን እግዚአብሔር ግን ካብ ማንም ጸልማት ይሕይል! ር.ሊ.ጳ

ዕለት 6 ጥሪ 2021 ዓም ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤፒፋንይ ዝተባህለ በዓል ግልጸት ብሥርዓት ኣምልኾና ኣስተርእዮ ንእንብሎ ዘኪራ እንክትውዕል ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘቅረብዎ ጉባኤ ኣስተምህሮ መልአከ እግዚአብሔር እታ ብኢየሱስ ዝመጸት ድሕነት ንኩሎም ዘመደ ኣዳም ምዃና ብምርዳእ ኣመንቲ ኩሎም ብምስዳዕ ዘይኮነ ብምስክርነት ንኩሎም ናብኦም ክስሕቡ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ንዕለቱ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ካብ ወንጌለ ማቴዎስ ምዕራፍ ክልተ ኰይኑ ብዛዕባ ሰብአ ሰገልን ጉዕዞኦምን ውህበታቶምን ዝምልከት ክፍሊ ነበረ። እዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ ንዝሓለፈ ትንቢት መራሒ ኮኸብን ኣብ ግዜኡ ንዝተገልጸ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስን ብድሕሪኡ ንዝስዕብ ቅትለት ንጹሓት ሕጻናትን ዝሓቈፈ ሰፊሕ ትረኻ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብቀንዱ ግን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋ ለቢሱ ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደሉ ነቶም ምሩጻት ሕዝቢ እግዚአብሔር ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ከም ዘይኣመንትን ርሑቃትን ኰይኖም ዝረኣዩ ዝነበሩ ኣረማውያን ከይተረፈ እቲ ድሕነት ንመላእ ዘመደ ኣዳም ምዃኑ ዝገልጽ እውን እዩ።

ነዚ ፍጻሜ እዚ ሕጽር ብዝበለ ቃላት ንምግላጽ ቅዱስነቶም እቲ ብክርስቶስ ዝተለገሰ ድሕነት ንኩልናን ንነፍሲወከፍናን ስለዝኾነ ደረት ኣልቦ እዩ ኢሎም። በዓለ ኣስተርእዮ ዝገልጾ ቀንዲ ጉዳይ ከኣ እዚ ምዃኑ ማለት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኩሎም ኣሕዛብ ከምዝተገልጸ ዘብርህ እዩ። እዚ ምሥጢረ ድሕነት እዚ ካልእ ከይመስለና እቲ ንነዊሕ ዓመታት ትጽቢት ዝተገብረሉ ብልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ዝተፈጸመ ነቢያት ዝተዛረብዎ እምበር ካልእ ምሥጢር ኣይኮነን ኢሎም። እዚ ብርሃን ኰይኑ ናብ ዓለም ዝመጸ መድሓኔ ዓለም ነፍሲ ወከፍና ብእምነት ክንቅበሎን ብምግባረ ሠናይን ብምስክርነትን ናብ ካልኦት ብምግዋሕ ወንጌል ክንሰብኽ ግድነት ከምዘሎናን የዘኻኽረና ኢሎም።

ንጸልማት ዘሸንፍ ብርሃን!

ቅዱስነቶም ነቲ ኣቀዲሙ ብነብይ ኢሳያስ ዝተነገረ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ከኣ ዝተጋውሐ ምሳሌ ብርሃን ነቶም ሰብኣ ሰገል መሪሑ ዝመጸ ኮኸብ ብብርሃን ተመሲሉ ናብቲ ሓቀኛ ብርሃን ዘብጸሐ ቀዳማይ ብሥራት ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም።

እታ ኣብ ናይ ዕለቱ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝቀረበት ራእይ ኢሳይያስ ነቢይ ሎሚ እውን እንትኾነ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብ ልቢ ኩልና ትድውል። ‘እንሆ ጸልማት ንምድሪ ጣቓ ድማ ንሕዝብታት የጐልብቦም’ ዝበላ ሎሚ ንርእያ ኣሎና። ኣብ ከምዚ ዓይነት ጸገም እንከለው እዩ እቲ ነቢይ ብርሃን ክመጽእ እዩ ኢሉ ዘበስር። እዚ ብርሃን እዚ ከኣ ካብ እግዚአብሔር ንኢየሩሳሌም ዝወሃብ እሞ ንጒዕዞ መላእ ዘመደ ኣዳም ዘብርህ እዩ። እዚ ብርሃን እዚ ንኩሎም ቀረባ ዘለውስ ይኹን ርሑቅ ዘለው ናብኡ ዝስሕብ እሞ ኩሎም ንክበጽሕዎ ሓቢሮም ናብኡ ገጾም ዝጐዓዝዎ እዩ።

ነዚ ትንቢት እዚ ስዒቡ ዝፍጸም ከኣ እቲ ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ ኢየሱስ ሕጻን እዩ። እዚ ብርሃን ዓለም ዝኾነ መድሓኒ ንገሊኦም ጥራይ ዝተወልደ ከይመስለና ንኩሎም ዘመደ ኣዳም ንኩሎም ሕዝብታት እዩ ተወሊዱ።

“እዚ ብርሃን እዚ ኣበይ ኣሎ እንተበልና! ማቴዎስ ወንጌላዊ ብግዲኡ ብዛዕባ ሰብኣ ሰገል ኣብ ዘዘንትዎ ታሪኽ እዚ ብርሃን እዚ እቲ ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ ሕጻን ኢየሱስ ምዃኑ ይገልጽ። ሽሕ’ኳ ንግሥነቱ ብኩሎም ቅቡል እንተዘይነበረ ንሱ ንጉሥ ብርሃን ዓለም እዩ። ከም በዓል ሄሮዱስ ዚኣመሰሉ ጀሚርካ ብዙሓት ነጺጎሞ እዮም። እንተኾነ ንሱ ብኣምሳል እታ መዓዝናዊት ኮኸብ ዝቀረበ እቲ ኩሎም ዝጽበይዎ ዝነበሩ መሲሕ እግዚአብሔር ብኣኡ መንግሥቲ ፍቅሩ ዘግሃደ መንግሥቲ ፍትሑ ዝኣወጀ መግንሥቲ ሰላሙ ዘስፈነ እዩ። ንሱ ንገሊኦም ጥራይ ኣይኮነን ዝተወልደ እንታይ ደኣ ንኩሎም ደቂሰባት ንኩሎም ሕዝብታት እዩ ተወሊዱ። ካባና ዝድለ ምብሳሩ እዚ ከኣ ብናይ ፍቅሪ ሥራሕን ምስክርነትን እዩ ዝግበር ኢሎም።”

ብሥራትን ናይ ፍቅሪ ሥራሕን!

ቅዱስነቶም ናይዚ ዓቢ ብርሃን ክርስቶስ ከመይ ቢልካ ኣብ ዘመናትን ታሪኽ ሕዝብታትን ከንጸባርቅ ክኢሉ! ኢሎም ይሓቱ እሞ ቅድሚ ዝኣገረ ብእምነት ምቅባሉ ከምዘድሊ የዘኻኽሩ። ካብኡ ብምቅጻል እታ እግዚአብሔር ዝመረጻ መንገዲ ግልጸት ማለት ምሥጢረ ሥጋዌ ብምኽታል ነቲ እምነትና ብቃልን ብምስክርነትን ክንሰብኮ ኣሎና ኢሎም።

 [ ንብጻይካ ምፍቃር ምርካቡ ኩነታቱ ተቀቢልካ ሓላፍነትካ ምልባስ የድሊ። እታ ፍቅሪ ዝኽዕነት ብርሃን እግዚአብሔር በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ እያ ኣብቶም ዝቅበልዎ ክተንጸባርቅን ንካልኦት ናብኣ ክትስሕብን ትኽእለሉ መንገዲ። እቲ ኮኸብ ክርስቶስ እዩ እንተኾነ ንሕና እውን ኮኸብ ክንከውን ንኽእል ክንኮኖ ኸኣ ኣሎና። ንመን እንተበልና ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ብከመይ እንተበልና ነቲ መድሓኔ ዓለም ንኩልና ብነጻ ዝዓደለና መዝገብ ሕያውነትን ምሕረትን መሰኻኽር ብምዃን እዩ። ብርሃን ክርስቶስ ብምስዳዕ ኣይተስፍሕን እንታይ ደኣ ብምስክርነት እያ እትሰፍሕ ኣድላዩ እንተዀይኑ ከኣ ብሰማዕትነት እውን ትሰፍሕ። ነዚ ንምግባር እንታይ የድሊ እንተበልና እምነትን ጸሎትን እዩ እቲ መልሲ። ]

እምነትን ጸሎትን!

ተቀባልን በዓል ሓደራን ምዃን ኩሉ ግዜ ጥንቃቄ ስለዝሓትት ካብ እግዚአብሔር እንቅበሎ ዝኾነ ጸጋ ከም ናይ ግልኻ ገርካ ንዓኻ ጥራይ ክትገብሮ ወይውን ከምዝመስለካ ክተመሓድሮ ኣይከኣልን። ኩነታት ሰብኣ ሰገል ኣብነት ይኾነና። ጉዕዞኻ ኣሚንካ ብጽንዓት እናከድካ ብጸሎት ምግባሩ የድሊ።

“ክርስቶስ ንክልውጠካን ንከብርሃካን ከምኡ እውን ንክመርሓካን ናብኡ ንክስሕበካን ብምፍቃድ ወትሩ ብኣኡ ክትድነቅ ፍቃደኛ ምዃን የድሊ። እዚ ከኣ ጉዕዞ እምነት ብጸሎት ተሰኒኻ ከምኡ እውን ግብርታት እግዚአብሔር እናስተንተንካ እዩ። እዚ ተግባራት እዚ ከኣ ብቀጻሊ ብሓጐስን ኣድናቆትን ይመልኣና እዚ ኣድናቆት እዚ ከኣ ወትሩ ሓዲስ እዩ።”

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ትምህርቶም ነታ ጠበቃን ሓላዊትን ቤተክርስትያን ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም ነቲ ብርሃን ኩሎም ዘመደ ኣዳምን ብርሃን ኩሎም ኣህዛብን ዝኽዕነ ወንጌል ክርስቶስ ናብ መላእ ዓለም ንምዝርጋሕ ክተማልደላ ብምምሕጻን ነታ ኣብ ትንቢት ኢሳያስ 60 ዘላ፡

“‘ተላዓሊ (ተንስኢ) ኦ ኢየሩሳሌም ብርሃንኪ መጺኡ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ። እንሆ፡ ጸልማት ንምድሪ፡ ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኺወጽእ፡ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኺርኤ እዩ። ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡ ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም`”

ንዝብል ብምንባብ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

06 January 2021, 23:45