ድለ

Vatican News

መጀመርታ ፍቅሪ ኢየሱስ ፈጺምካ ኣይርሳዕን! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሮ በዓለ ጥምቀትን ኣስተርእዮን ሓሊፋ ምጅማር ስብከት ኢየሱስ ምስትንታን ካብ ትጅምር ካልኣይ ሶሙና ኰይኑሉ ኣብ ዘሎ ነቲ ዮሓንስ መጥምቅ ንአርድእቱ ናብ ኢየሱስ እንከመሓላልፍ ኢየሱስ ቁሊሕ ኢሉ ብምጥማት ኣበይ ትውዕል ምስ በልዎ ንዑ ረኣዩ ዝብላ ቃላት ንናይ ሰንበት ዕለት 17 ጥሪ 2021 ዓም ኣስተምህሮ ጉባኤ መልአከ እግዚአብሔር ር.ሊ.ጳ ዘማእከላ ነበረ፣

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ናብቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ዝተፈጸመ ታሪኽ ጸዋዕታ ቀዳሞት ኣርድእቲ ምስል ይብሉ እሞ ‘ነፍሲ ወከፍ መጸዋዕታ እግዚአብሔር ናይ ፍቅሩ ተበግሶ እያ’ እንክብሉ ነቶም ካብ ዮሓንስ መጥምቅ ናብ ኢየሱስ ዝሰጋገሩ ዝነበሩ ተመኲሮ የስተንትኑ፣ እቲ ፍጻሜ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ዮሓንስ ወንጌላዊ ዝርከብ ኰይኑ ዮሓንስ መጥምቅ ኢየሱስ ብማዕዶ ኪሓልፍ ምስ ረኣዮ ኣተኲሩ ይጥምቶ እሞ ነቶም ኣብ ጥቃኡ ዝነበሩ ክልተ ኣርድእቲ ‘እቲ ሓጢኣት ዓለም ዚኣሊ በግዕ እግዚአብሔር ኦነሆለ’ ምስ በሎም መሲህ ወይውን ክርስቶስ ምዃኑ ብኣ ንብኣ ቆብ ኣቢሎም ደድሕሪ ኢየሱስ ዘብ ዘብ ክብሉ ጀመሩ፣ ሽዑ ኢየሱስ ሰባት ይስዕብዎ ከምዘለው ኣስተውዒሉ ‘እንታይ ትደልዩ’ ኢሉ ድሮ ነቲ እንታዎ ኢኹም ናበይከ ኢኹም ዝብል መእተዊ ሕቶ ሰጊሩ ናይ ልቦም ብምፍላጡ ድልየቶም ይሓቶም፣ መልሶም ብሓደ ‘ኣበይ ትውዕል ኣበይከ ትሓድር’ ዚዓይነቱ ኰይኑ ሕጽር ብዝበለ ‘መምህር ኣበይ ትውዕል’ ነበረት፣ ዘይከም ትጽቢቶም ከኣ ‘ንዑ ረአዩ’ ዝብላ ሓጸርቲ ቃላት ከም መልሲ ይቀርቦም፣ ዮሓንስ ወንጌላዊ እቲ ውዕሎ ነዊሕ ከምዝነበረ ምሉእ መዓልቲ ምሳኡ ውዒሎም ‘ርእዮም’ እንክምለሱ እንድርያስ ሓው ስምዖን ጎፍ ምስ በሎ ሓጐሱን ኣድናቆቱን ገና ኣብ ልቡ ስለዝነበረ ኣታ ንወዮ መሲሕ እምበር ረኺብናዮ መድሓኒ ክርስቶስ ማለቱ እዩ፣ ብካልእ ኣዘራርባ እዚ መሲሕ እዚ ኩሎም ቤተእስራኤል ዝጽበይዎ ዝነበሩ ኰይኑ ኣብ ልቢ ኩሎም ዘሎ ምዃኑ ብዘመልክት ድሮ ተረዳዲኦምስ ናብ ኢየሱስ ሒዝዎ ይኸይድ፣ ኢየሱስ ኣትኲሩ ይጥምቶ እሞ ስምዖን ወዲ ዮና ካብ ሕጂ ንደሓር ኬፋ ክትበሃል ኢኻ ኢሉ ይንበ፣ ቀጺላ ዘላ እውን ናይቲ ጸዋዕታ ፊሊጶስ ኰይኑ ምስ ኢየሱስ ውዒሉ ንናትናኤል ሓው ወዮ መሲሕ እምበር ረኺብናዮ እንክብል ምስ ኣበሰሮ ካብ ናዝሬት ያኢ ነቢይ ክርከብ ኢሉ ዝተዛረቦን ኢየሱስ ኣቀዲሙ ከምዝረኣዮ እሞ ኸኣ ገርሀይና ንጹሕ እስራኤላዊ ምዃኑ ምስ ገለጸ ኣበይ ትፈልጠኒ ኣብ ዝብል ሕቶ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ እንከሎ ሓው ከይጸውዖ ከምዝረእዮ ምስ ነገሮ ‘መምህር ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኽ ንስኻ ንጉሥ እስራኤል ኢኻ’ ክብል ዝመስከሮ ኢየሱስ ከኣ ብኽብሪ ብመላእኽቲ ተዓጂቡ ክምለስ ከሎ ምስ ረኣዮኸ ክሳብ ክንደይ ክግረም ምዃኑ ዝነገሮ ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ነበረ፣ ብሓጺሩ ብዛዕባ ቀዳሞት ኣርድእቲ ኢየሱስን ንመጀመርታ ምስ ረኸብዎን ምሳኡ ምስ ወዓሉን ኣብ ሕይወቶም ዝሰዓበ ቅጽበታዊ ለውጥን ምስክርነትን ዝገልጽ ኰይኑ ቅዱስነቶም ከኣ እዚ ፈላማይ ርክብ ናይ መጀመርታ ፍቅሪ ኢየሱስ ፈጺም ዘይርሳዕ ምዃኑ ብምግዛብ ንዑ ረኣዩ እትብል ዕድመኡ ምስ እትቀርበና ከይተወላውልና ንስዓባ ብምባል ፍሉይነት ናይዚ ዕድመ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

“እዚ ዕድመ እዚ ከም ማንም ናይ ምብጻሕ ወረቀት ኣይኮነን ብኣካል ንክትራኸብ ዝግበር ዕድመ እዩ፣እዞም ክልተ ዕድለኛታ ኣርድእቲ ነግ ፈረግ ከይበሉ ይስዕብዎ ምሉእ መዓልቲ ከኣ ምሳኡ ውዒሎም፣ ምስ ኢየሱስ ኰፍ ኢሎም ንሶም ክሓትዎ ንሱ ክምልሰሎም ብዓይኒ ሕልናና ክንስእሎ ከቢድ ኣይኮነን ምናዳ ተሃኒኖም ጽን ኢሎም ክሰምዕዎ እንከለው እሞ እቲ መምህር እናክዛረብ ልቦም ጸጸኒሑ ይነዶም ከምዝነበረ ምሕሳብ ከቢድ ኣይኮነን፣ እዞም ብተስፋ ምስ ዮሓንስ ዝጐዓዙ ዝነበሩኸስ መልሲ ተስፋኦም ረኺቦም፣”

መልሲ ተስፋ ኣርድእቲ ዮሓንስ!

ቅዱስነቶም ኩነታት ኣርድእቲ ኢየሱስን ተስፋታቶምን ትጽቢቶምን ህንጡይነቶምን ምስ ትጽቢት መላእ ሕዝበ እስራኤል ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምንባሩ የዘኻኽሩ እሞ ምስ ጐይታ ምውዓሎምን ቃላቱ ምስማዖምን ነቲ ኣብ ልቢ ዝነበረ ዝዓበየ ተስፋ መልሲ ብምርካኦም ምሳኡ ውዒሎም ጸሓይ ኣብ ምዕራባ ኣብ ውሽጢ ልቦም ጸሓይ እምነት በጣዕጣዕ ኢላ ክትወጽእ ይዕዘቡ፣ እዚ ብርሃን እዚ ጐይታ ጥራሕ እዩ ክልግሰልና ዝኽእል፣ ብርሃን እምነት እዩ፣ ናብ ኣሕዋቶም ክምለሱ ከለው ከኣ በሪሆም የብርሁ። እዛ ብርሃን እዚኣ እዛ ሓጐስ እዚ ካብ ልቦም ከምቲ ካብ ዓቅሙ ንላዕሊ ዝመልአ ውሒጅ ዝግንፍሎ ይግንፍል። ነሕዋቶም የካፍልዎ፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ርክብ ምስ ጐይታ ንዘለዓለም እዩ ዝተርፍ፣

ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ንዘለዓለም ጽኑዕ እዩ!

እቲ ፈላሚ ርክብ ኣብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ረድኢ ዝገደፎ ዘይድምሰስ ዝኽሪ ዘይሃስስ ምልክት እንታይ ምዃኑ ንምሕባር ቅዱስነቶም ከምዚ ይብሉ፣ ‘ሓደ ካብዞም ምስ ኢየሱስ ዝወዓሉ ኣርድእቲ ዳርጋ ስሳ ዓመት ድሕሪ ወንጌል ይጽሕፍ ወንጌል ዮሓንስ ንብሎ። ነታ ሁመት እንክገልጽ ከኣ ሰዓት አርባዕተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሉ ነበረ ይብል። ድሕሪ ስሳ ዓመት ነታ ሰዓት ብትኽክል ይዝክራ። እዚ እንታይ የተሓሳስብ እንተበልና ምስ ኢየሱስ እትገብሮ ሓቀኛ ርክብ ወትሩ ኣብ ልቢ ተሳኢሉ ኣብ ኣእምሮኻ ክመላለስ ይነብር። ፈጺምካ ኣይርሳዕን። ብዙሕ ርክባት ይርሳዕ ይኸውን ናይ ኢየሱስ ግን ፈጺምካ ኣይርሳዕን’ ምስ በሉ ጐይታ ወትሩ ብሰለስተ ደረጃ ከምዝጽውዕ እውን ኣዘኻኺሮም።

ሠለስተ ጸዋዕታት እግዚአብሔር!

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ቀዳማይ ርክብ ምስ ክርስቶስን ድሕሪ ዝስዕብ ጒዕዞ ሕይወትን ንምግላጽ ናብታ ቀዳመቲ ርክብ ምስ ኢልና ነስተንትን ይብሉ። ከመይ ነፍሲ ወከፍ ጸዋዕታ እግዚአብሔር ተበግሶ ፍቅሩ ኰይና ምስ ኢየሱስ ክንራኸብ እሞ ነቲ ጐይታ ኩሉ ዝኾነ ብዛዕባ ሕይወት ብዛዕባ እምነት ከምኡ እውን ብዛዕባ ፍሉይ ኩነት ሕይወት ወይውን ጸዋዕታ እስኪ ንመልከት ኢሎም።

“እታ ቀዳመይቲ ጸዋዕቲ ከም ሰብ ዘቊመና ግላዊት ጸዋዕታ እያ። በዛ ጸዋዕታ እዚ ገሩ እግዚአብሔር ንነፍሲወከፍና ብግሉ እምበር ብመስርዕ ሓደ ክልተ እናበለ ኣይኮነን ዝጽውዓና። ብድሕሪኡ እታ ካልአይቲ ጸዋዕታ እምነት ኰይኑ ምስቶም ኣመንቲ ሓደ ስድራቤት ከምእትከውን ከምደቂ እግዚአብሔር ናብ ሕውነት ይጽውዕ። ኣብ መጨውረሽታ እታ ሳልሰይቲ ጸዋዕታ ንፍሉይ ሕይወት ማለት ንገዛእ ርእስና ንካልኦት ንከነወፊ ንመርዓ ወይውን ንክህነት ወይውን ንውፉይ ሕይወት ይጽውዓና። በዚ ኸኣ በታ ሳልሰይቲ ጸዋዕቲ ንገዛእ ርእስኻ ንካልኦት ብምውፋይ ዓቢ ሓጐስ ንሓፍስ።”

ንገዛእ ርእስኻ ብምውፋይ ዝርከብ ሓጐስ!

መደብ እግዚአብሔር ኣብ ሕይወትና ክውን ንምግባርከስ ብዙህ መንገድታት እዩ ዘሎ እንተኾነ እታ ዝዓበየት መንገዲ መንገኢድ ፍቅሪ ኰይና ነታ መደብ ፍቅሪ እግዚአብሔር ስለተተግብር ንገዛእ ርእስኻ ንእግዚአብሔርን ኣገልግሎት ኣሕዋትን እንክተወፊ ዝለዓለ ሓጐስ ትሽልም፣ ጸዋዕታ እግዚአብሔር ብዓንዲ ርእሱኸስ ወትሩ ፍቅሪ እዩ፣

ጸዋዕታ እግዚአብሔር ፍቅሪ እዩ!

እግዚአብሔርሲ ከመይ ገቢሩ እዩ ዝጽውዕ ኢልና ብዙሓት ክንሓትት ስለእንኽእል ቅዱስነቶም ነዚ እንክምልሱ ‘እግዚአብሔር ብብዙሕ መንገዲ ክጽውዓና ከምዝኽእል ነዚ ከኣ ብሰባት ገቢሩ ወይውን ብዝተፈላለየ ፍጻሜታት ማለት ብዘሕጉስን ብዘሕዝንን ፍጻሜታት እውን ክጽውዓና ይኽእል’ ኢሎም፣ ሓንሳእ ሓንሳእ እቲ ፍጻሜ ናይ ምንጻግን ምውራድን ክኸውን ይኽእል ከመይ እታ ጸዋዕታ ኣብቲ ግዜቲ ምስቲ እንሓስቦን እንሓልሞ ዝጣረስ ክኸውን ይኽእል ወይውን ፍርሃት ክወረና ይኽእል ወይውን እቲ እንሕልሞን እንብህጎን ጸዋዕታ ምቾት ዝጐደሎን ንክትነብሮ ዘይጥጡሕን ዘይጥዕሙን ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ጸዋዕታ እግዚአብሔር ወትሩ ፍቅሪ ምዃኑ ንፍቅሪ ኸኣ ብፍቅሪ ጥራሕ ክትምልሾ ከምእትኽእል ምዝካር የድሊ ኢሎም፣

“እዚ ጸዋዕታ እዚ ቅድሚ ዝኣገረ ምሳኡ ምርኻብ እዩ እኳ ደኣ ብኣካል ምስቲ ብዛዕባ እግዚአብሔር ኣቦ ዝዝረበና ፍቅሩ ዘፍልጠና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣካል ምርኻብ እዩ፣ ነዚ ዘሐጒስ ብሥራት ምስ ተቀበልና ከኣ ብኡ ንብኡ ዝቅጀለና ነዚ ምስ እንፈትዎም ሰባት ክንዋሳኣሉ ክነካፍሎም እዩ፣ ከምዞም ኣርድእቲ ዮሓንስ ንፍቅረይ ንመምህረይ ንመድሓኒየይ እምበር ረኺበዮ። ንትርጉም ሕይወተይ እምበር ረኺበዮ እናበልካ ብሓጺሩ ንእግዚአብሔር ረኺበዮ እናበልካ ትዛረብ፣ እዚ ናይ መጀመርያ ፍቅሪ እዚ ንዘለዓለም ዘይርሳዕ እኳ እንተኾነ ወትሩ ተዝካሩ ምግባር የድሊ፣”

ተዝካር ርክብ ጐይታ!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ትምህርቶም ነዚ ርክብ እዚ ንዘይምዝንጋዕ ወትሩ ተዝካሩ ምግባር የድሊ ምስ በሉ እታ ወላዲተ ኣምላኽ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ሕይወትና ዝማሬ ውዳሴ እግዚእብሔር ብምዃን ንጻውዒቱ ንምምላስን ብትሕትናን ብታሕጓስን ፍቃዱ ንክንፍጽም ትሓግዘና። ኣብ ሕይወት ነፍስወከፍና እግዚአብሔር ብጸዋዕታኡ ወትሩ ህልው እዩ። ነታ ምሳኡ ዝተራኸብናላ ዕለት እናዘኸርናን ወትሩ እናኣሓደስናያን ንንበር እንክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ፣

ብድምጺ ንምክትታል!
18 January 2021, 19:08