ር.ሊ.ጳ.፥ ድኻታትን ካልኦትን ንከናኸን፡ ንዝሳቐዩ ዘይምሕሳብ ስቓይ ይፈጥረለይ

ኣብ ኣባይቶም ተወሺቦም ዝተረፉ ናይ ኤኮኖሚ ጸገም ዘጋጠሞም እቲ ምውሻብ ኣብ ጽንኵር ጸገም ዘእተዎምን ህሙማንን ብዙሓት ምዃኖም ግምት ዘይህብ፡ ዕረፍቲ ምግባርን ናይ ገዛእ ርእስኻ ጣዕሚ ጥራሕ ምርዋይን፡ እዚ ብሓቒ ልበይ ብሓዘን ዝመልኦ ጉዳይ እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 3 ጥሪ 2021 ዕ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ምእመናን ተኸናኸንቲ ብጻይ ንኽኾኑ ተላብዮም፡ ኣስዒቦም ሓሳቦም ናብቶም ህሙማንን ብሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ተወሸብ ምኽንያት ንናይ ኤኮኖሚ ጸገም ዝተቓልዑን ዝውጽዑን ዝምዝመዙን ገይሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከም ክርስቲያን ምእንቲ ሓልዮት ካልኦት ንኽንጽመድ መታን ካብቲ ኵሉ ጽሕፍቶ እዩ ወይ ውን ሽሕራዊ እዩ ካብ ዝብል ኣመላኽታ ምልቓቕ የድሊ እንክብሉ ኣብዚ ድሮ ዝኣተናዮ ሓድሽ ዓመት 2021 ዓ.ም. ክንስዕቦ ዝግብኣና መገዲ ኣመላኺቶም፡ ንምእመናን ከምቲ ዕለት 1 ጥሪ ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ድንግል ማርያም እመ ኣምላኽ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ዘስመሩሉ ሕሳብ ምልስ ቢሎም፥

ብሓባር ብፍላይ ድኻታትን ኣብ ሕሱም መከራን ዝርከቡን ማእከል ብምግባር መጠን ንናይ ሓባር ረብሓ ምስ እንዓዪ ኵሉ ብሉጽ ይኸውን፡ 2021 ዓ.ም.  እንታይ ሒዙ ከምዝመጻናን እንታይ ሒዙ ከምዘሎን እንፈልጦ እውን ኣይዅን፡ እቲ ዘድሊ ነፍሲ ወከፍናን ኩላትና ብሓባር ንኻልኦትን ናይ ሓባር ቤትና ተፍጥሮን ንምክንኻን ብዝበለጸ ንኽንዓዪ እዩ!   

ናይ ውልቕኻ ረብሓ ምክንኻን ጥራሕ ዝብል ፈተና፡ ንኣብነት ውግእ ምክያድን ኣብ ናይ ኤኮኖሚ መኽሰብ ጥራሕ ምትኳርን ኣብ ሄዶንነት ምንባርን ማለት ብኸመይን ካበይን ብዘየገድስ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጣዕሚ ኣብ ምርዋይ ጥራሕ ምንባርን ዝብል ስግኣት ከምዘሎ እንክጠንቅቑ፥

ኣብ ጋዜጣታትን ብዙሕ ዘሕዝን ጉዳይ ኣንቢበ፥ ኣየናይ ሃገር ምዃኑ ኣይዝክርን፥ ካብ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓድጋ ድንጋገ - ተወሸብ ንምምላጥን ንዝበለጸ ናይ ዕረፍቲ ጉዕዞ ምንቃል ብዝብል፥ ልዕሊ ኣርብዓ ዝኾና ነፈርቲ ነዚ መደብ ንምኽዋን ነቶም ዝኽእሉ ከጓዕዛን ምስንዳወን ዝብል፥ እዚ ንምኽዋን ዘይኽእሉ ኣብ ኣባይቶም ተወሺቦም ዝተረፉ ናይ ኤኮኖሚ ጸገም ዘጋጠሞም እቲ ምውሻብ ኣብ ጽንኵር ጸገም ዘእተዎምን ህሙማንን ብዙሓት ምዃኖም ግምት ዘይህብ፡ ዕረፍቲ ምግባርን ናይ ገዛእ ርእስኻ ጣዕሚ ጥራሕ ምርዋይን፡ እዚ ብሓቒ ልበይ ብሓዘን ዝመልኦ ጉዳይ እዩ፡

ነቶም ነዚ ሓድሽ ዓመት ብስቓይ ንዝጀመሩ ኵሎም ቅርበተይ አረጋግጽ

ቢሎም ቅዱስነቶም፥ “ነዚ ሓድሽ ዓመት’ዚ ኣብ ስቓይን ብስቓይን ንዝጀመርዎን ኣብ ጸገም ዝርከቡን ህሙማንን ብስእነት ስራሕ ንዝተጠቕዑን ብጠቕላላ ነቶም ኵሎም ውጹዓትን ዝምዝመዙን እሓስብ - ቢሎም ሓሳቦ ናብ ኣባይቲ ስድስራ ኣቕኒዖም - ብፍላይ ሕጻናትን ወይ ዝተጸንሱ ምውላድ ዝጽበዩን ዘኪሮም፡ ዝኾነ ይኹን ውልደት ናይ ተስፋ ቃል ኪዳን እዩ፡ ኣብዚ ኵነት እዚ ንዝርከባ ኣባይቲ ስድራ ቅርበተይ አረጋግጽ” ቢሎም ንዅሎም ብሩኽ ሰንበትን ሓድሽ ዓመትን ተመንዮን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። 

03 January 2021, 16:40