ር.ሊ.ጳ.፥ ኣይፋል ንምስሉይነትን ቀዳምነት ግላዊ ርክብ ምስ ሕሙማን ር.ሊ.ጳ.፥ ኣይፋል ንምስሉይነትን ቀዳምነት ግላዊ ርክብ ምስ ሕሙማን  

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣይፋል ንምስሉይነትን ቀዳምነት ግላዊ ርክብ ምስ ሕሙማን

ንዝበለጸ ፍወሳ ሰብኣዊ ርክብ ዓቢይ ግደ ኣለዎ፥ ኣብ መንጎ ሓኻይምን ህሙማንን ዝህልው ሰብኣዊ ርክብ ቀዳማይ ፈውሲ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ መንጐ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘድልዮን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ዘቕርብን ኣካል ክህልው ዝግብኦ ርክብ ሰብኣውነት ዝዓስሎ ክኸውን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ለካቲት ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መበል 29 መዓልቲ ህሙማን ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዕለጥ 12 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ወግዓዊ ከምዝኾነን ቅዱስነቶም ኣብቲ መበል 29 መልእኽቶም፥ ጥዕና ናይ ኵሉ ክቡር ዋጋ ምዃኑ ብምምልካት ሓደ’ኳ ከይተነጸለ ናይ ኵሉ ጥዕና ውሑስ ክኸውንን ብፍላይ ናይ ተኣፋፍያንን ድኻታትን ኣረጋውያንን ቢሎም፥ ናይ ኵሉ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ ክብርን መሰልን ከይጋሃስን ብማዕረ ውሑስ ክኸውን የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ምስሉይነት ስግኣት ንጠንቀቕ፥ ሰኽሞም ክሳብ ናይትካ ምግባር ምስ ህሙማን ግላዊ ርክብ ምፍጣር፡ ሓደ’ኳ ዝተጠንጠነን ዝተነጸለን ኮይኑ ከይስምዖ መታን ቀረባ ምዃን። ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዕለት 11 ለካቲት ምስ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘሉርስ ተተሓሒዙ ተዘኪሩ ዝውዕል መበል 29 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ “ሓደ ሕብረተሰብ ኣዚዩ ሰብኣዊ ዝኸውን ነቶም ተኣፋፍያን ካብ ስሉጥ ሕውነታዊ መንፈስ ዝነቐለ ክንክን ኣብ ምቕራብ እዩ” ይብሉ። ናይቲ መልእኽቶም ኣርእስቲ ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህራን ኣይትብሀሉ፡ ንስካትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም (ማቴ. 23,8) ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ንህሙማን ናይ ምክንኻን መሰረት ኣብ ተኣማኒ ርክብ ከምዝኾነን፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዘስዕቦ ዘሎ ከቢድ ጸገምን ብፍሉይ እናሓሰቡ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቀዳምነት ንናይ ህሙማን ክንክን ጥዕና

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መወሃቢ ተቕዋማት ዘይብቑዕነትን ንህሙማን ዝወሃብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ስንኩፍ ምዃኑ ኣመላኺቱ እዩ፡ ናይ ኣረጋውያንን ተኣፋፍያንን ድኹማንን ብቑዕ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ብዙሕ ግዜ ዘይውሑስ ኮይኑ ከምዝርአይን እዚ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ምዕሩይ ኣገልግሎት ዘይምህላዉ የረጋግጸልና፡ እዚ ክኸውን ዝገብር ዘሎ ከኣ ኣብ ፖለቲካን ሓላፍነት ዘለዎምን ኵሎም እቲ ቀዳምነት ዝህብዎ ምርጫ ዘስዕቦ እዩ፡ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ ቀዳምነት ካብ ዘይምሃብ ዝነቕል ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡ ንህሙማን ብቑዕ ኣገልግሎት ንምቕራብ ክከኣል መታን ነገልግሎት ክንክን ጥዕና እኹል ሃብቲ ገንዘብ ምስላዕ የድሊ፡ ጥዕና ናይ ኵሉ ክብሪ እዩ፡ . . . ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ብዘይ ስምዑለይን ረኣዩለይን ንዙሓት ህሙማንን ኣባይቲ ስድራን ቀረባ ብምዃን ዘገልግሉን ቀረባውነት ዝነብሩን ብቓልን ሕይወትን ዝምስክሩ ብዙሓት ምህላዎም  ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ይዝክሩ።

ማእከላውነት ርክብ ሓኪምን - ሕሙምን

ንዝበለጸ ፍወሳ ሰብኣዊ ርክብ ዓቢይ ግደ ኣለዎ፥ ኣብ መንጎ ሓኻይምን ህሙማንን ዝህልው ሰብኣዊ ርክብ ቀዳማይ ፈውሲ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ መንጐ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘድልዮን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ዘቕርብን ኣካል ክህልው ዝግብኦ ርክብ ሰብኣውነት ዝዓስሎ ክኸውንን እብዚ ዓይነት ርክብ’ዚ ናይ ህሙማን ሰብኣዊ ክብሪ ማእከል ክኸውል ከምዘለዎ የተሓሳስቡ።

ካብ ናይ ምስሉይነት ሕማም ማንም ናጻ ኣይኮነን

ኢየሱስ ብዛዕባ ዝብሉ ግና ዘይገብሩ ይዛረቡ ንኣኣቶም ክነቅፍ ንሰምዕ፥ ቅዱስነቶም ነዚ ወንጌላዊ ቃል’ዚ ናይቲ መበል 29 ንመዓልቲ ህሙማን ናይ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣስተንፍሶ ገይሮም፡ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 23 ሓደ’ኳ ካብ ሕማም ምስሉይነት ናጻ እየ ክብል ከምዘይኽእልን እቲ ሕማም ምስሉይነት ደቂ ሓደ ኣቦ ምዃንና ከይጥጥዕ ዝገብርን ኵላዊ ሕውነት ንኸይንነብር ዝድርኽ ምዃኑ ብጥልቂ ዘመላኽት ከምዝኾነ ኣብ መልእኽቶም ተንቲኖም፡ እዚ ሓሳብ እዚ እውን ኣብቲ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ብሰፊሕ ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንክሎ፡ እምነት ኣብ ቃላት ጥራሕ ከይተርፍ ምጥንቃቕ የድሊ፡ እምነት ቅድሚ ብቓል ብሕይወት ዝነበር ክኸውን ከምዘለዎ የተሓሳስቡ። እዚ ቀረባውነት ኣብ ምዃን ዝግለጽ ከምዝኾነ የመላኽቱ።

እዮብን ሕማም ዘቕርቦ ናይ ትርጉም ሕቶን

ቀረባውነት ምንባር ንህሙማንን ኣብ ስቓይ ንዝርከቡን ዘጸናንዕ ክቡር ቅብኣተ ዘይቲ እዩ፡ ከም ክርስቲያን ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ቀረባ ምዃንን ምድጋፍን ናይ ኢየሱስ ፍቕሪ ምልክታ እዩ፡ ሕማም ጽግዕተይና ንእግዚኣብሔር ምዃንና ይገልጸልና፡ ምኽንያቱ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ብቕዓትን ዘይብቕዓትን ዘመላኽት ተመክሮ ስለ ዘይኮነ፥ እዚ ኽኣ ናይ ኢዮብ ተመክሮ ዘዘኻኽረና ሓቂ እዩ፥ ኢዮብ ተጠንጢንካ ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ የመላኽተና ካብቶም ናተይ እትብሎም ኮሎም ከይተረፈ . . . ኡዮብ በዚ ተመክሮ ተኣፋፍነት’ዚ ኣቢሉ ነቲ ስቓዩ ናብ እግዚኣብሔር ዝዓርግ ገዓር ገይሩ የቕርቦ . . . ስቓዩ መቕጻዕቲ ወይ ውን እግዚኣብሔር ካብኡ ስለ ዝረሓቐ ዘጋጥሞን ወይ ካብ እግዚኣብሔር ናይ ምርሓቕ ኵነት መግለጺ ከምዘይኮነ የመላኽተና፥ ካብቲ ስቓዩ ድማ ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ ብዝል ቃል ዝግለጽ ተመክሮ ጥልቂ ርክብ ምስ እግዚኣብሔር ንኽነብር ይድርኾ። ሕማም ዘቕርቦ ትርጉም ሕይወት ጽን ምባል ከምዘድሊ ቅዱስነቶም ምስ ናይ ኢዮብ ተመክሮ ኣተሓሒዞም የብርሁ።

ቀረባውነት ብማሕበር እውን

ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ መግልጺ ዝኾነ ቀረባውነት ብግሊ ጥራሕ ዘይኮነ ብማሕበር እውን ክንበር ከምዘለዎን ነቲ ዝቖሰለን ዝሓመመን ሓጥእን ኵሉ ቀረባ ክንከውን ይዕድመና። . . . ሕውነታዊ ፍቕሪ ኣብ ክርስቶስ ተሓባባርን ንሓደ’ኳ ዘይጥንጥን ሕብረተሰብ ይወለድ፡ ብፍላይ ነቶም ተኣፋፍያንን ህሙማንን። እዚ ቀረባውነት እዚ ንሕብረተሰብ ይፍውስ፡ እዚ ኣገልግሎት’ዚ ናይ ሓውኻ ስቓይ ንኽትንክፍ የብቅዓካ . . . ኣብ ዝኾነ ይኹን ህልዩ ዘይኮነ ኣብ ሕውነት ዝቖመ ቀረባውነት።

ህሙማን ኣብ ምግልጋል ናይ ዝቕደስ ሕይወት ምስክርነት

ምስ ህሙማን ናይ ዝጸንዕ ርክብ ምንጪ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብቲ ናይ ዘመናት ናይ ብዙሓት ሰባት ሕይወቶም ንህሙማን ኣብ ምግልጋል ዝቐደሱ ምስክርነት እነስተውዕሎ ሓቂ እዩ፡ ካብቲ ናይ ኢየሱስ ምስጢረ ሞትን ትንሳኤን እቲ ናይ ዝሓመመ ይኹን ነቲ ዝሓመመ ዝኣልይን ሕይወት ትርጉም ዝህብ ፍቕሪ ይውሕዝ፡ . . . እዚ እውን ኣብ ወንጌሉ እነስተውዕሎ ሓቂ እዩ፡ ኢየሱስ ዝህቦ ፈውሲ . . . ምትሓታዊ ዘይኮነ ወትሩ ጻማ ናይ ናይቲ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ዝኾነ እምነት ኣብ ምእንጋድ እዩ፡ እምነትካ ኣድሒኑካ ከምዝብሎ።

ቅዱስነቶም መልእኽቶም፥ ነታ ናይ ምሕረትን ፈውሲ ህሙማን ናብ ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያን ዘሉርድን ኣብ ዝተፈላለየ ካብቢ ዓለም ነታ ብስማ ማእለያ ዘይብሉ ኣባይቲ መቕደስ ዝቖመላ እኖ እናሓሰቡ እምንትና ተጽንዕ ብሕውነታዊ ፍቕሪ ንኻልኦት ቀረባ ክንከውንን ክንክናኸንን ትድግፈና ብዝብል ማርያማዊ ጸሎት የጠቓልሉ። 

15 January 2021, 19:40