ፍራንቸስኮ፥ ሽዋህ ምዝካር ትእምርቲ ሰብኣውነት እዩ

ነዛ ዕለት እዚኣ ምዝካር መግለጺ ሰብኣውነት እዩ፡ ናይ ስልጣነ ትእምርቲ እዩ፡ ምዝካሩ ንብሉጽ ናይ ሰላምን ሕውነትን መጻኢ ኵነት እዩ

ዕለት 27 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ዕለቱ መዓልቲ ዝኽሪ ምዃኑ ገሊጾም፥ ናዚያዊ ስርዓት ዝፈጸሞ ህልቂት ምዝካር ንሰላማዊ  መጻኢ ኵነት እዩ፥ እቲ ናይ ሞት መገዲ ብኸመይ ከምእተበገሰ ኣስተብህሉ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሎሚ ኣውሽዊዝ መዳጐን ሰፈር ዝተሓረረሉ ዝክረ ዕለት (ዕለት 27 ጥሪ) እዩ፡ ኵሎም እቶም ብናዚ ስርዓት ኣብቲ መዳጐን ሰፈር ዝተቐትሉን ዝተሳዱን ዝተጠረዙን እንዝክረሉ ዕለት እዩ” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ክኸውን እንከሎ፡ ነዛ ዕለት እዚኣ ምዝካር መግለጺ ሰብኣውነት እዩ፡ ናይ ስልጣነ ትእምርቲ እዩ፡ ምዝካሩ ንብሉጽ ናይ ሰላምን ሕውነትን መጻኢ ኵነት እዩ”፥

ምዝካር ትኵር ጥንቃቔ ምግባር ማለት እውን እዩ፡ ምኽንያቱ ሓደ ሕዝቢ ንምድሓን ካልኦት ሕዝብታትን ሰብኣውነትን ንምጥፋእ ዝደልዩ ፖለቲካዊ ርእየት ዓለም ክለዓዓሉ ስለ ዝከኣል ዳግም ምእንቲ ከይኽሰት፡ እቲ ኣረመናዊ ናይ ህልቂትን ሞትን ጐዳና ብኸመይ ከምእተበገሰ ምዝካሩ ንምጥቃቕ ይድግፍ።

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መዓልቲ ዝኽሪ እንታይ ማለት እዩ፡ መዓዝከ ቆይሙ

ብትኽክል ቅድሚ 76 ዓመት ዕለት 27 ጥሪ 1945 ዓ.ም. ናይ ነበር ሶቪየት ሕብረት ሓይሊ ምክልኻል ናይ ኣውሽዊዝ መዓጹ ኣዕንዩ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ዓለም ድሕሪ እቲ መዓጹ እንታይ ይፍጸም ከምዝነበረ ዝተቓልዓሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ዓለም ሓቆፍ “መዓልቲ ዝኽሪ ናይ ኣውሽዊዝ ህልቂት” እንክብል ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተዛዘመሉ መበል 60 ዓመት ኣብ ዝተዘከረሉ እዋን ዕለት 1 ሕዳር 2005 ዓ.ም. ብውሳኔ 60/7 ዘቖሞ መዓልቲ ከምዝኾነ ይዝከር። ናይ ኢጣሊያ ሕዝባዊ ባይቶ ዕለት 27 ጥሪ መዓልቲ ዝኽሪ እንክብል ኣብ 2000 ዓ.ም. ብብሔራዊ ደረጃ ከምዝኣወጀን ቅድሚ 25 ዓመት ንፈለማ ግዜ መዓልቲ ዝኽሪ ብብሔራዊ ደረጃ ዕለት 27 ጥሪ 1996 ዓ.ም. ዝደንገገት ፈደራላዊት ጀርመን ምዃና ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኡርሱላ ቮን ደር ለየን፥ ሓድሽ ኣገባብ ዝኽሪ

“ኣብዚ ዓመት’ዚ ጸረ ሴማዊ ተግባርን ኣመለኻኽታን ኵሉ ንምውጋእ ኣብ ኤውሮጳ ናይ ኣይሁድ ባህሊ ዘነቓቕሕ ሓድሽ ኣገባብ ከነቕርብ ኢና” ነዚ ዝበላ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ድርገት ኣደ መንበር ኡርሱላ ቮን ደር ለየን፥ ብምኽንያት ዝኽሪ ሽዋህ-ህልቂት ዕለት 27 ጥሪ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፥ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እቲ ናይ ዝኽሪ ስነ ስርዓት ዝፍጸመሎም ቦታታት ከምእተዓጸዉን እቶም ካብቲ ሕልቂት ዝደሓኑ ብርቂ እናኾኑ ማለት ቁጽሮም እናነከየ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ምእንቲ’ዚ ሓድሽ ኣገባብ ዝኽረት ከነለልይ ይግባእ፡ ብመርበብ ሓበሬታን ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መረብት ውዲት ክፍነውን ክዝርጋሕን እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ነዚ ዓይነት እቲ ህልቂት ከምዘይተፈጸመን ወይ ምኽንያታዊ ክብሉ ዝደልዩ ዝፍንውዎ ውዲታት ንምብዳህ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ህልቂት ክንገሮም ክስቆሮን መታን ክህነጹ ግድን እዩ፡ እቲ ህልቂት ዝተፈጸመ ታሪኽ እናረሓቀን እቶም ካብቲ ህልቂት ዝተረፉ እናወሓዱ እያቶም ዝኸዱ ዘለዉ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፍነው ኢሓበሬታ፥ ላዕለዎት ኣካላን ስልጣናትን መራኸቢ ብዙሓን ስርዓተ መድርኽ ብምቛምን ዜጋታት ብምትሕብባርን ታሪኻዊ ሓቅነት ከይዛባዕ መታን ኣበኪሮም ክዓዩን ሓቅነት ታሪኽ ኣብ ምቕራብ ክተግሁ ይግባእ፡ እቲ ዘገድስ ጭብጥታት ታሪኽ እዩ . . . ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዳቪድ ሳሶሊ፥ ኣውሽዊዝ ናይ ፍጹም ግብረ እከይ ትእምርቲ እዩ

ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበር ዳቪድ ሳሶሊ እውን ብወገኖም ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቲ ብምኽንያት መዓልቲ ዝኽሪ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣውሽዊዝ ፍጹም ናይ ክፋእ ትእምርቲ እዩ፡ ቢሎም - ሰብኣዊ ፍጥረት በቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ዓለም ናይ ንጹሓን ደም ዘፍስሱን ሰላምን ስልጣነን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ንሓደጋ ዘቃልዑን ጽልእን ጭካኔ ብዝተመልአ ርእዮት ዓለም ዝዕበልል እንተድኣ ኮይኑ ዳግመ ኣውሽዊዝ ክኽሰት ከምዝኽእል እዩ ኣውሽዊዝ ዝተሓሳስበና”።

ኣውሽዊዝ፥ ናይ ጽላለን ናይ ገበንን ርእየት ዓለም ውህደት ዝውክል ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ዝተሓላለኸን ደይ መደይ ቢልካ ዝተመሃዘ ኣብ ብሔርተይናነት ዝጸንዔ ኣጽናቲ ናዚያዊ ርእየተ ዓለም ናይ ፍጹም ግብረ እከይ ትእምርቲ እዩ፡ ናዚ ዝፈጸሞ ኣሳዶ ብትኽክል ኣብ ንዱር ብሔርተይና ሕብረተሰብ ዝተመስረተ ውጥን እዩ፡ ልክዕ ከምእቲ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና ለብዒ ጸጸኒሑ ክቀላቐል ዝኽእል ሓንሳብ ንሓዋሩ ኣጥፊእናዮ ወይ ስዒርናዮ ክንብሎ ዘጸግም እዩ፡ ስለዚህ ወትሩ ነቒሕካ ምዕያይ የድሊ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣንቶኒዮ ጉተረስ፥ ጸረ ሴማዊነት ዘሎን ዝተረፈዐን እዩ

“ኮቪድ - 19 ጥልቅን ጥንታዊ ነቓዕን ኣብ ሕብረተሰብና ዘሎ ኢፍትሓውነትን ኣጉሊሑ ዘርኣየን ጸረ ሴማዊነትን ጽልእ ጓኖትን ዳግም ክቀላቐል ይገብር ኣሎ፡ ይኹን ደኣ እምበር ነቶም ሓደስቲ ኣድልዎታት ንምዕጋት ናይ ሓባር ጻዕሪ ሕጹጽ ኣገዳሲ እዩ” ነዚ ዝበሉ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍ ኣንቶኒዮ ጉተረስ ብመዓልቲ ዝኽሪ ምኽንያት ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፥ ኣስዒቦም ይብሉ፥ “እቲ ህልቂት ናይቲ ካብ ርሑቕ ክልተ ሺሕ ዓመታት ኣቢሉ ናይ ዝተበገሰ መጥቓዕትን ምስጓግን ክሳብ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ጅምላዊ ቅትለት ክፍጸም ዘብጽሔ እዩ፡ እቲ ጅማልዊ ቅትለትን ህልቂት ሴማዊነት ዳግም ከይብገስ ዝገበር ክኸውን ምተገብኦ ነይሩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ከምዚ ኣይኮነን ዝረአይ ዘሎ፡ እቲ ዘሕዝን ሎሚ እውን ዘሎን ዝተረፈዐን ኮይኑ ኣሎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕልና ጸዓዱን ሓደስቲ ናዚያውያን ዳግም ይውለዱን ይውደቡን የዐስክሩን ዶባት የቋርጹን ናይቲ ጅምላዊ ህልቂት ከይተረፈ ታሪኽ ንምኽሓድን ከዛብዕዎን ይርኣዩ ኣለዉ፡ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ሃይማኖት ድዩ ዓሌትን ኣብ ጾታዊ ምስረቓን ግዱዓትን ስደተይናታትን ብጠቕላላ ንውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዒላማ ዝገብር ሓድሽ ዕድላት ኣቕሪቡሎም እዩ፡ ስለዚህ ካብ ኮቪድ - 19 ቀስ ብቐስ ምትንሳእ ከምዘሎ፡ ብዛዕባ ተኣፋፍያንን በቲ ለብዒ ዝተመልከቱ ግድፈታትን ኣቃልቦ ክንገርብ ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ሰብኣውነት ሰረትና ምኽንያት ሕድሕዳዊ ምትእስሳርና ነሐይል፡ እዚ ዓመት እዚ ናይ ፈውሲ ዓመት ክኸውን ኣለዎ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 January 2021, 11:06