ፍራንቸስኮ፥ 84 ዓመት ዕድመኦም መላእ ዓለም ኣብ ልቦም

ቅዱስነቶም ከምቲ ወትሩ በቢ ዓመቱ ዝገብርዎ መዓልቲ ልደቶም ብትሑትን ብፍላይ ብጸሎትን ኣስተንትኖም ምስጋና ንእዚኣብሔርን

ብትሑትን ጸሎትን ኣገባብ በዓል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መዓልቲ ልደቶም ንጸረ ኮረና ተሕዋስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንህሙማን ለብዒ ኮቪድ - 19 መሐከሚ ዝውዕል ምስትንፋስ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ምስ በጽሑ ዝድገፍሉ ብፍላይ ብናይ ምስትንፋስ ጸገም ንዝተጠቕዑ ሕሙማን ሕጻናት ዝብል ኣርባዕተ ሳምቡእ ዝትክእ መርውሓ ንሃገረ ቨነዝወላ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ማለት ዕለት 17 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና መበል 84 ዓመት ዕድመኦም ብተራን ትሑትን ብጸሎትን ከምዘብዓሉን ብፍላይ ነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጽንኩር ኩነት ዝርከቡን ድኻታትን ብፍሉይ ዝሓሰቡሉ ዕለት ከምዝነበረ ዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣስዒቦም፥ ካብ ጋዜጠይናትት ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም፥ ቅዱስነቶም ከምቲ ወትሩ በቢ ዓመቱ ዝገብርዎ መዓልቲ ልደቶም ብትሑትን ብፍላይ ብጸሎትን ኣስተንትኖም ምስጋና ንእዚኣብሔርን ምስቶም ኣብቲ ዝቕመጥሉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዝቕመጡ በዚ መንፈስ እዚ ከምዘብዓሉን ብናይ ጳጳሳዊ ቤት ምጽዋት ኣቢሎም እውን ነቲ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጽሎት ናይ ሱፍ ዕምባባ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ሱፍ ዕምባባ ጸሓይ ናብ እትበርቀሉ ገጹ ዝጥምትን ጸሓይ ምስ እትዓርግ ዕጽፍ ዝብልን ሕይወትና ናብቲ ኣብ ድኻታትን ዝተረስዑን ዝተሓረጉን ህልው ናብ ዝኾነ ጐይታ ዘመስረቐ ክኸውን ብዘተሓሳስብ መንፈስ ክንበር ከምዝገበረን ገሊጾም፥ ቅዱስነቶም ኣብ መዓልቲ ልደቶም ብሕማም ለብዒ ኮቪድ - 19  ብኸቢድ ንዝተጠቕዑ ዝውዕል ምስትንፋስ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ምስ በጽሑ ዝድገፍ ብፍላይ ብናይ ምስትንፋስ ጸገም ንዝተጠቕዑ ሕሙማን ሕጻናት ዝብል ኣርባዕተ ሳምቡእ ዝትክእ መርውሓ ንሃገረ ቨነዝወላ ከምዝለገሱ ሓቢሮም።

18 December 2020, 15:30