ር.ሊ.ጳ.፥ ሶሪያን ዒራቐን ኩሉ ሓይሊ ንሰላም ምስ ዝውዕል ቅኑዕ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ይሕነጽ

ንኣኻትኵምን ኵላትኵምን ኣብነት ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣገባብ ሕይወትኵም ገርኩም ብዘይ ሕዛእቲ ምእንጋድን ምክንኻንን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብምስናይ ብዘይ ናይ ኑዛዜ ሃይማኖት ፍልልይ እተቕርብዎ ኣገልግሎት ብዘበራትዕ ሓሳበይ ኣቢለ ናባዅም አብል

ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ዘሳቕይ ዘሎ ጽንኩር ናይ ሰብኣዊ ጸገምን ከምኡ እውን ናይ ሰላምን ምዕባለን ዕርቅን ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ሰባትን ኣብቲ ከባቢ ትእምርቲ ዝኾነ ወትሩ ዝነበረ ማሕበረ ክርስቲያን ህላዌ ክቕጽልን ህላዌኡ ውሑስ ክኸውንን ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ናብቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ናብ ዝመክር ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብቲ ከባቢ ከተገልግሉ እንከሎዅም በይንኹም ከምዘይኮኑን ይሰመዓኩም” መላእ ቤተ ክርስቲያን ከማኻትኵም ኮይና ነቲ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያርኮ ኣብ ዝወስድ መገዲ ብጓሓሉ ተቐጥቒጡን ተዘሚቱን ዝቖሰለን ሰብ ንምርኻብ ኣብ ጉዕዞ ትርከብ” ነዚ  ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ጳጳሳዊ ናይ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዝተፈላለያ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ብምትሕብባር ብዛዕባ ናይ ሶሪያን ዒራቕን ናይቲ ከባቢ ሃገራት ሰብኣዊ ቅልውላው ንኽመርክ ዝተጸውዔ ዓውደ ጉባኤ መኸፍቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቅኑዕ ሕብረተ-ሰብ

ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ከምእተወሰነን ነዚ እናሓሰቡ፥ ኣብቲ ከባቢ ካብ ጥንቲ ዝነበረ ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ሰላም ትእምርቲ ብምዃን ህላዌኡ ክቕጽል ከምዘለዎ እንከመላኽቱ፥

ዓቢይ ይኹን ንእሽተይ ነፍሲ ወከፍ ጻዕሪ ንናይ ሰላም ኪደት ዝድግፍ ክኸውን ኣለዎ፡ ልክዕ ሓደ ንምእንጋድ ክፉትን ኵሉ ብሰላም ዘዕርፈሉ - ዝድቅሰሉ ስፍራ ዝረኽበሉ ቅኑዕ ሕብረተ-ሰብ ንምሕናጽ ኣብ ዝግበር ዕዮ ቀዳማይ ሕጡብ እምኒ ከም ምንባር እዩ፡ ሓሳበይ ናብቶም ካብቲ ዘሰንብድ ውግእ ንምድሓን ንገዛእ ርእሶምን ንፍቱዋቶምን ዝበለጸ ናይ ሕይወት ኵነት ንምንዳይ ቤቶምን ንብረቶም ዛሕዚሖም ናብ ዝተሰዱ የብል፡ ብፍላይ እቶም ዝተወለድሉን ዝዓበይሉን እምነት ዘማዕበለሉን ዝሃብተመሉን መሬቶም ሓዲጐም ንኽስደዱ ንዝተገዱ ማሕበረ ክርስቲያን እሓስብ፡ ኣብቲ ከባቢ ህላዌ ክርስቲያን ከምቲ ቀደም ዝነበሮ ናይ ሰላምን ምዕባለን ዕርቅን ኣብ መንጐ ሰባትን ሕዝብታትን ትእምርቲ ኮይኑ ክቕጽል ዘኽእሎ ኵነት ክረክብ ምግባር ኣድላዪ እዩ!

ንዓለም ሓቆፍ ጻውዒት

ኣስዒቦም ቅዱስነቶም ሓሳቦም ናብ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣቢሎም፥

ዓለም ሓቆፍ ማሕበረ-ሰብ እቶም ዝተሰዱ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝድግፎም ናይ ድሕንነትን ናይ ኤኮኖሚ ኵነትን ውሑስ ክኾነሉ ንምድጋፍ ኵሉ ሓይሉ ኣዋዲዱ ዝከኣሎ ክገብር ጻውዒት አቕርብ፡ ነፍሲ ወከፍ ወስታን ጻዕርን ናብዚ ከአንፍት እላበው!

ናይ ግብረ ሰናይን ወንጌልን

ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተጸምዳ ከምዝኾና ቅዱስነቶም እንክዝክሩ፥

ንኣኻትኵምን ኵላትኵምን ኣብነት ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣገባብ ሕይወትኵም ገርኩም ብዘይ ሕዛእቲ ምእንጋድን ምክንኻንን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብምስናይ ብዘይ ናይ ኑዛዜ ሃይማኖት ፍልልይ እተቕርብዎ ኣገልግሎት ብዘበራትዕ ሓሳበይ ኣቢለ ናባዅም አብል፡ ብዙሕ እዋን ደጋጊመ ንኽብሎ ዕድል ዝረኸብኩሉ ደጊመ ሎሚ እውን ቤተ ክርስቲያን ዘይመንግስታዊት ናይ ሬድኤት ትካል ወይ ውድብ ኣይኮነትን እቲ ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎትና ወንጌል ኣስተንፍሶ ዝገበረ ክኸውን ይግብኦ፡ እዚ ሓገዝ’ዚ ሓንቲ ናይ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ንኻልእ ኣብ ስቓይን ንእትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብዝድነቕ መጋበርያታት ኣቢላ ሰብኣውን ናይ ምዕባለን ድጋፍ ብጭቡጥ ዝቐርብ እዩ፡ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ንኻልእ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ድጋፍ!

ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ዒራቕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ 15 ኣዋርሕ ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ 19 ኣቋሪጾምዎ ዝነበረ ሓዋርያዊ መገሻ ነርባዕተ መዓልቲ ኣብ ዒራቕ ንኸካይድዎ ብዝተወሰነ መደብ መሰረት ከበግስዎ ከምዝኾኑን እዚ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ዒራቕ ቅድሚ ኮቪድ 19 ምክሳቱ ተሓሲቡ ዝነበረን ብምኽንያት እቲ ለብዒ ተሰሪዙ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እነሆ ብናይ ረፓብሊካዊት ዒራቕ መንግስትን ኣብ ዒራቕ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዘቕረብሎም ዕድመ መሰረት ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱን ባጋድን ሰጣሕ ጉልጐል ዖርን ከተማ ኤርቢልን ሞሱል ቃራቆሽን ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌን ክበጽሑ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዕለት 7 ታሕሳስ ኣፍሊጡ ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ ብዛዕባ እዚ ምብጻሕ’ዚ እውን ኣመልኪቶም ኣብ ዒራቕ ኣብ ባቢሎን ናይ እትርከብ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ካርዲናል ራፋኤል ቀዳማዊ ሳኮ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ መገሻ፥ መንፈሳዊ ንግደት ናይ ሰብኣዊ ሕውነት እንክብሉ ገሊጾም፥ እታ ቅዱስ ኣቦና ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ ዓዋዲት መልእኽቲ ንማሕበረ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኮነ ንዅሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ነተን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት ውግእን ዓመጽን ይኣክል ዝብል ሞትን ዕንወትን ምግባረ ብልሽውናን ይኣክል ዝብል ምትእምማንን ሰላምን ምርግጋእን ሰብኣዊ ምትሕብባርን ክረጋገጽ እተተባብዕ እያ እንክብሉ ገሊጾም ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

11 December 2020, 22:16