ብፁዕ ካርዲናል ባቲስታ ረ ኣብ ክንዲ ር.ሊ.ጳ ኰይኖም ጸሎተ ሰርክን ምስጋና ፍጻሜ ዓመትን መሪሖም ብፁዕ ካርዲናል ባቲስታ ረ ኣብ ክንዲ ር.ሊ.ጳ ኰይኖም ጸሎተ ሰርክን ምስጋና ፍጻሜ ዓመትን መሪሖም 

ወሪዱና ዘሎ ለበዳ ንልባትና ኣራሕሪሑ ንዝሳቀ እንሓለየሉ ጸጋ ይዓድለና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብተ ደዩም ዝፍለጥ ኦ ጐይታ ንዓኻ ነመስግን ዝብል መዛዘሚ ዓመት ኣብ ድሮ ሓዲስ ዓመት ከም ናይ ባህልና ድሮ ቅዱስ ዮሓንስ ዝግበር ናይ ምስጋና እግዚኦታ ጸሎተ ሰርክ ብዝሓደሮም ሃንደባታዊ ቃንዛ ጅማውቲ ክፍጽሙ ብዘይምኽኣሎም ብፁዕ ካርዲናል ባቲስታ ረ ነቲ ሥርዓት መሪሖም ነዚ ዚስዕብ ቅዱስነቶም ከቅርብዎ ተሰናድዩ ዝነበረ ስብከት ‘ቅዱስነቶም ክሰብክዎ ቀሪቦምዎ ንዝነበሩ ስብከት ከንብበልኩም’ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!  እዛ ጸሎተ ሰርክ እዚኣ ወትሩ ክልተ መልክዕ ሒዛ እያ ትቀርበልና። በቲ ሓደ ወገን ብጸሎተ ዋዜማ ናብታ ዓባይ በዓል ቅድስት ማርያም ኣደ ኣምላኽ ክንቀራረብ በቲ ሓደ ወአን ከኣ ንዝሓለፈ ዓመት ዓቢ ማሕሌት ምስጋና ብምዝማር ንዛዝም።

ነቲ ቀዳማይ ነጥቢ ብዝምልከት ኣብ ናይ ጽባሕ ስብከት ብሰፊሑ ክንዛረብ ኢና። ሎሚ ምሸት ነዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ኣብ እነቅርቦ ምስጋና ክነተኩር ኢና።

እቲ ብቋንቋ ላቲን ተ ደዩም ላውዳሙስ ዝብል ‘ኦ ጐይታ ንኣኻ ክብሪ ንህብ ንስኻ ጐይታና ምዃንካ ንእመን ወዘተ’ እናበልና ምስጋና እነቅርበሎ ማህሌት እዩ። እዚ ወትሩ ዝግበር እኳ እንተኾነ ኣብ ከምዚ ናይ ሎምዘመን ዝበለ ብለበዳ ሕማም ተደኒስና ዘሕልፍናዮ ዓመት ግን ዳርጋ ናይ ግዲ እዩ ክንብል ንኽእል። ሃመይን ቀልበይን ናብቶም ሓደ ኣባል ስድራኦም ወይውን ካብ ሓደ ንላዕሊ በዚ ለበዳ እዚ ዝሰኣኑ ስድራቤታት እንከንብር ብዛዕባ እቶም ዝሓመሙ ብብሕትውና ዝተሳቀዩ ሥራሕ ዘይረኸቡ እውን ንሕሰብ።

ሓንሳእ ሓንሳእ ገለና ከምዚ ናይ ዘመና ድራማ ትርጉምዶ ይህልዎ ይኸውን ቢልና ክንሓትት ንኽእል። ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ኣይንህወኽን። ኣብ ሕይወትና ንዝገጥሙና ብዝለዓለ ስቃይ ዝተዓለሱ ስለምንታይ ዝብሉ ሕቶታትና እግዚአብሔር እውን እንተኾነ ዝለዓለ ምኽንያት እናሃበ ኣይምልሰልናን። መልሲ እግዚአብሔር ብምሥጢረ ሥጋዌ እንክግለጽ በታ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ እነዕርጋ ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ዝደጋገም ኣዝማች ‘በቲ ዘፍቀረና ዓቢ ፍቅሩ ገቢሩ እግዚአብሔር ንወዱ ድኹም ሓጢኣተኛ ሥጋና ኣልቢሱ ልኣኸልና’ እትብል ትገልጾ።

 ንሓደ ዝዓበየ ዕላማኡ ንዝበለጸ ጉዳይ እውን ይኹን ንደቂሰባት ዝስውእ ኣምላኽ ብርግጽ እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጸልና ኣምላኽ ኣይኮነን። እግዚአብሔርሲ ኣቦ እዩ እኳ ደኣ ዘለዓለማዊ ኣቦ። ወዱ ሰብ ዝኾነሉ ኸኣ ስለ እቲ ዓቢ ርሕራሔ ልቢ ኣቦ እዩ። እግዚአብሔር ኣቦን ጓሳን እዩ። ምናልባት እዚ ጓሳ እዚ ‘ደሓን ብዛሓት መጓሰ ስለዘለዋኒ እታ ሓንቲ ዝጠፍአት ትትረፍ’ ኢሉ ዘይግደስ! ከይመስለና ከምዚ ዓይነት ተበላጽን ርሕራሔ ዘይብሉን ኣይኮነን። እቲ ክብርን ምስጋናን እነቅርበሉን ጐይታ ኢልና እንእውጆን እዚ ዓይነት ኣምላኽ ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ ዘሎ ሰብኣይ ነቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ኣይምውት ኣይስሩር ኰይኑ ዝጸንሖ መስኪን ሰብኣይ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ኩነታት መግለጺ ክሓትት ጠቊ ኣየበሎ ኣጆኻ ኩሉ ንሰናይካ ደሓን ክብል እውን ግዜ ኣየጥፈአን። እታ ቀዳመይቲ ግብረ መልሲ ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ርሕራሔ ነበረት። ነቲ ምንም ዘይፈልጦ ጽጉም ሰብ ከም ሓው ተመልኪቱ ቀዳማይ ረድኤት ሂቡ ንዘድልዮ ኩሉ ከም ክእለቱ ሓገዙ ኣወፈየሉ ይብለና (ሉቃ 10,25-37)።

ኣብዚ ኢና ትርጉም ናይዚ ድራማ ለበዳ ከምኡ እውን ነቶም ንደቂሰባት ዝልብዱ ሓለንግታት ትርጉም ክንረክብ ንኽእል። ግብረ መልስና ርሕራሔ ኰይኑ ኣብ ልብና ቅርበትን ረድኤትን ሓልዮትን ምድግጋፍን ምድንጋጽን ከምዝኸውን ይገብሮ። ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ሮማ ዝረኣናዮ ግብረ መልሲ ኸኣ እዚ ነበረ። ስለዚ እዚ ኩሉ ኣብዛ ምሸት እዚኣ ንእግዚአብሔር ነመስግን። ኣብ ግዜ ውሸባ ገና እውን ዘይተወደአ ኣብዛ ከተማና ስለ እተገብረ ሠናይ ነገራት ብሓፈሻን ንእግዚአብሔር ነመስግን። ድምጾም ከየስምዑ ክበድ ናይዚ ፈተነ እዚ ብዝተኻእለ መጠን ዝጽወር ክኸውን ዘበርከቱ ብዙሓት እዮም። ብፍቅሪ ብጻይ ዝተኰስኰሰ ዕለታዊ ተግባራቶም ነተን ‘ዕለት ዕለት ስምካ ንባርኽ ንዘለዓለም ከኣ ንስምካ ክብሪ ንህብ’ ዝብላ ቃላት ማህሌት ምስጋና ብግብሪ ኣርእዮም። ስለምንታይ ምስ እንብል ከኣ እግዚአብሔር ዝቅበሎ ዝዓበየ ምስጋናን ክብርን ሕውነታዊ ፍቅሪ ስለዝኾነ እዩ።

ሠራሕተኛታት ሓለዋ ጥዕና ሓካይም ተሓጋግዝቲ ከምኡ እውን ወለተኛታት ገና ቅድመ ግንባር ኰይኖም ንግዳያት ለበዳ ኮቪድ ዝሕግዝዎ ንዘለው ንፈልጠሎም ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ኣብ ጸሎትና ንሓስቦም። ከምኡ እውን ስለ እቶም ብልግስን ተወፋይነት ዘገልግሉ ዘለው ብዙሓት ካህናት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣብ ጸሎትና ንዝክሮም።  እንተኾነ ናይ ሎም ምሸት ምስጋናና ናብቶም ዕለት ዕለት ስድራቤት ንቅድሚት ከስጉሙ ዝቃለሱን ንሰናይ ጉዳይ ናይ ኩሎምን ዝውፈዩ እውን ይግርጋሕ። ኣብዚ ምሸት እዚ እንዝክሮም ብዙሓት እዮም። ኣመሓደርቲ ኣብያተ ትምህርትን መማህራንን ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት መሰረታዊ ዝኾነ ኲስኰሳ ንከይተርፍ ብዝተሓላለኸ መንገዲ ዝቃለሱ ዘለው ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ከተማናን ኣብ ከባቢናን ንዘሎ ኩሉ ጠቃሚ ተበግሶ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ግላዊ ጉዳያቶም ናይ ፖሎቲካዊ ጒጅለታቶም ተልእኮን ወጺኦም ንኩሉ ልዑል ኣበርክቶ ዝገብሩ ዘለው ሕዝባውያን ኣመሓደርቲ እውን ንዝክሮም። ነዚኦምከ ንምንታይ እንተበልና እዞም ሰባት እዚኦም ስለሓባራዊ ሠናይ ስለዝቃለሱ ምናዳ ኸኣ ካብቶም ዝተሓቱን ጽጉማትን ጀሚሮም ስለሠናዮም ስለዝሰርሑ እዩ።

እዚ ኩሉ ግን ብዘይ ጸጋ እግዚአብሔር ብዘይ ምሕረት እግዚአብሔር ክኸውን እምበይምተኻእለን። ብተመኲሮና ኣዳዕዲዕና ከምእንፈልጦ ኣብ ጽጉም ግዝያት ንክንከላኸል ፋሕተርተር ምባል ባህርያዊ እዩ። ቅድም ቀዳድም ንገዛእ ርእስና ክንከላኸል ቀጺልና ነቶም ናትና ዝኾኑ ካብኡ ሕልፍ ኢልካ ኸኣ ጥቅምታትን ክንሕሉ ንቃለስ። እንተኾነ ምንም ካሕሳ ወይ ደሞዝ ኣብ ዘይረኽቡሉ ንካልኦት ሠናይ ነገር ክገብሩ ብዛዕባ ካልኦት ክሻቀሉስ እቲ ሓይሊ ካበይ ይረኽብዎ! ናይ ገዛእ ርእሶም ምቾትን ጥቅምን መኒኖም ግዜኦም ገንዘቦም ጉልበቶም ብነጻ ንካልኦት ብነጻ ከወፍዩኸ ዝደፋፍኦምከ እንታይ ኮን ይኸውን! ኢልና እንተሓተትና ሽሕ’ኳ ንሶም ክርድእዎ እንተዘይክኢሎም ኣዕሙቚ ኣቢልካ እንክትጥምት ልዕሊ ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ሓይሊ ዘለዎ ሓይሊ እግዚአብሔር እዩ ዝደፋፍኦም ክንብል ንኽእል። ስለዚኸስ ኩሉ እቲ ዕለት ዕለት ኣብዛ ዓለምና ዝረኤ ሰናይ ነገር ካብኡ ከምዝመጽእ ስለ እንኣምንን ስለእንፈልጥን በዛ ምሸት እዚኣ ክብርን ምስጋናን ንኣኡ ነቅርብ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ተሰጢሑ ዘሎ መጻኢ እናጠመትና ከኣ ‘ኣባኻ ተስፋ ገርና ኢና እሞ ምሕረት ወትሩ ምሳና ትኹን’ እናበልና ንማህለል። እንተኣማመነሉ ብኣኻ እዩ ተስፋና ንስኻ ኢኻ ንበሎ።   

ብድምጺ ንምክትታል!
31 December 2020, 19:27