ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሳልቫዶር ናይ 1980 ዓ.ም. ሰማዕታት ይዝክሩ

እምነትን ብዓቢይ ልግሲ ዝነበራን ዝመስከራን፡ ዅሉ እሙን ወንጌላዊ ሓዋርያ ልኡኽ ኣብነት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ናይ  ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ማውራ ክላርከን ኢታ ፎርድን ዶሮትይ ካዘልን ዣን ዶኖቫን ውፉያን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ስርዓተ መንግስቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንድኻታት ዘገልግላ ዝነበራ ዝተቐትላ ሰማዕታት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ ከምዝዘከሩን ድሕሪ ቐትሪ ንዝኽሪ እዘን ሰማዕታት እውን ካርዲናል ችዘርንይ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማውራ ክላርከን ኢታ ፎርድን ኣባላት ማሕበር ደናግል ካርይንኮልን፡ ዶሮቲ ካዘል ኣባል ማሕበር ደናግል ኦርሶሊኒን ዣን ዶኖቫን ዓለማዊት ውፍይቲ ልእኽቲ ወንጌንል ኣብ ሰብዓታት መዋዳእታ ሳልቫዶር ኣብ ከቢድ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዓዘቕቲ ኣብ ዘበረትሉ እዋን እቲ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝዓተረ ወተሃደራዊ ስርዓተ መንግስቲ ቅድሚ ቁርብ መዓልታት ኣላይን ሓላይን ድኻታትን ሰባኬ ፍትሕን ሰላምን ማዕርነትን ናጽነትን ዝነበሩ ብጹዕ ኣቡን ሮመሮ ድሕሪ ዝፈጸሞ መቕተልቲ፡ እተን ኣርባዕተ ውፉያን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ፈተውቲ ድኻታት ስለ ዝነበራ ድምጺ ናይ ዘይብሎም ድምጺ ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ተሓለቕትን ጸግዕን ስለ ዝኾና ጥራሕ ዝተቐትላን ቅዱስነቶም ዘኪሮም እዘን ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሳልቫዶ ኣጽዋር ብዝተዓጥቁ ሓውሲ ሓይሊ ምክልኻል ተታሒዘን ድሕሪ ቁሩብ እዋን ዝተቐትላ ሰማዕታት ደቂ ቤተ ክርስቲያን እያተን።

ዕለት 2 ታሕሳስ 1980 ዓ.ም. ብዕጡቓት ሓውሲ ወትሃደራት ተጨውየንን ተዓሚጸንን ተደፊረንን ከምእተቐትላን ኣብ ኤል ሳልቫዶር ኣብቲ ሕድ ሕዳዊ ውግእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣገልገልቲ ድኻታት ዝነበራ እያተን፡ ብወንጌላዊ ዘይሕለል ህርኵት ጻዕረንን ብዙሕ ስግኣት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘድሊ ድጋፍን መግብን ኣፋውስን ንዝተመዛበሉን ንድኻታት ኣባይቲ ስድራን ብምቕራብ ዘገልግላን ዝድግፋን ዝነበራ እያተን፡ እምነትን ብዓቢይ ልግሲ ዝነበራን ዝመስከራን፡ ዅሉ እሙን ወንጌላዊ ሓዋርያ ልኡኽ ኣብነት እያተን!

ናይዘን ሰማዕታት ዓስከሬን ኣብቲ እዋን ብዝነበሩ ሓውሲ ወተሃደራት ጉጅለ  ቀተልቲ ብዝፍጽምዎ ዝነበረ ጅምላዊ ፍርዲ ዝቐትሉ ኣብ ዝርከብሉ ጃምላዊ ናይ መቓብር ስፍራ ድሕሪ ምቅታለን ንጽብሒቱ ከምእተረኸበ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ሮማ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ሰማዕትነት እዘን ደቂ  ቤተ ክርስትያን ናይ ኵለንተናዊ  ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ናይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ኣፍሊጡ።

03 December 2020, 09:19