ር.ሊ.ጳ.፥ ንናይ እዋንና ተስፋ ሓድሽ ዓለም ሓቆፋዊ ስነ ሕንጸት ኣገዳሲ እዩ

ኣብ ሓድሽ ወለዶ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ባህሊ ክሰርጽ ዝድግፍ ናይ ተስፋ ተግባር እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብገዛእ ርእሱ ሓድሽ ዓይነት ኣገባብ ሕንጸት ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዘመላኽተን፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ሸለልትነትን ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ጓሓፋይን ካልእ ከም ውዳቕ ምሕሳብን ዝብል ባህሊ ንኽውገድ

ሸለልትነትን ድርበያን (ከም ጓሓፍ ምምልካትን ምንጻግን) ዝብሉ ክልተ ናይ እዋንና ባህሊ ዓበይቲ ግብረ ክፍኣት ከምዝኾኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብምትሕብባር ዘዳለዎ፥ ብምኽንያት ሕጹጽ ቅልውላው ክንክን ጥዕና ኣዋጅ መብዛሕቲኦም ተጋባእያን ብመረብታዊ ውሕዘት ዘሳትፍ ካብ ሃገረ ቫቲካን ናይቲ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሕንጻ ካሲና ፒዮስ ራብዓይ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ውሑዳት ብኣካል ኣሳተፊ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓለም ሓድሽ ናይ ስነ ሕንጸት ውዕሊ ክረጋገጽ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ለበዋ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓድሽ ዓለም ሓቆፋዊ ናይ ስነ ሕንጸት መደብ ምስ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብምትሕብባር ኣብ ዓለም ክትግበር ኣገዳሲ ምዃኑ ዘቕርብዎ ጻውዒት ቅርጺ እናሓዘ ይኸይድ ከምዘሎ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ምዃኑ እቲ ኣብ ሕንጻ ካሲና ፒዮስ ራብዓይ “ሕንጸት ሓደ ናይ ተስፋ ተግባር እዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ይምስክሮ።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ውዕሎኡ፥ እቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክሳብ 2030 ዓ.ም. ኣብ ግብሪ ክውዕል ቢሉ ዝሓንጸጾ መደብ ካብ ዘመላኽቶ ሓደ “ምዕሩይን ሓቛፍን ብኹሉ ተበጻሒ ዝኾነ መደብ ሕንጸት ንዅሉ ውሑስ ምግባር” ዝብል ሸቶ ኣማእኪሉ ከምእተመያየጠን፡ እቲ መደብ ከምዘመላኽቶ እውን በዚ መደብ ሕንጸት’ዚ ኣብ ዓለም ናይ ሰላምን ዘይጐነጻዊ ቃልስን ባህሊ ንምንቕቓሕን እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘመላኽቶ ትምህርቲ ንዅሉ ዝብል ውሳኔ ኣብ ኵሉ ስፍራ ክረጋገጽን ዓለም ሓቆፋዊ ዜጋውነትን ህብረ ባህሊ ክኽበርን ዘተባብዕን ነዚ ዝድግፍ መስርሕ ምስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ዘመላኸትዎ ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ሕንጸት ዝብል መደብ ኣሳኒዩ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝሃቀነ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሸለልትነትን ጓሓፋይን ናይ እዋንና ባህሊ ዓበይቲ ግብረ ክፍኣት

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ፥ ቅድም ቀዳድም ነቲ ዓውደ ጉባኤ ዘነቓቕሑን ዘሰናደዉን ኣካላትን ኣባይቲ ጽሕፈትን ዝተፈላለዩ መንግስታት ኣብ መደብ ሕንጸት ንዘርእይዎ ዘለዉ ጻዕርን ጐስጓስን ኣመስጊኖም፡ ኣብ ሓድሽ ወለዶ ናይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ባህሊ ክሰርጽ ዝድግፍ ናይ ተስፋ ተግባር እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብገዛእ ርእሱ ሓድሽ ዓይነት ኣገባብ ሕንጸት ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዘመላኽተን፡ እቲ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ሸለልትነትን ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ጓሓፋይን ካልእ ከም ውዳቕ ምሕሳብን ዝብል ባህሊ ንኽውገድ እውን ዝድግፍ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላው ኣብ መደብ ሕንጸት

2020 ዓ.ም. ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣዚዩ ጽንኩርን ፍልዩን ናይ ስቓይ ዓመት እንክብሉ ገሊጾም፥

ምፍንትታን ውሸባን ክህሉ ዘገደደን ጭንቀትን መፍነሳዊ ቅልውላው ዝተረኣየሉን ዝረኣየሉን ብዙሓት ንሞት ዝዳረገን ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ትምህርትን መደብ ሕንጸትን ቅልውላው ዘስዓበን፡ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሕጻናት ኣብ ማሕበራውን ተራኽቦነትን መዕበያኦም ንድሕሪት ክተርፉ ዝገበረ እውን እዩ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ዘስዓበ ኣካላውን ሰነ ኣእምሮኣውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ዘተኣታተወ እውን እዩ።

ኣብ ቅድሚ እዚ ዓይነት ህብረ ቅልውላው`ዚ ጽልእን ምግምማዕን ድንቁርናን ብናይ ተስፋ ተግባር ክብዳህን እዚ እውን ብሓድሽ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝጸንዔ ሕድ ሕዳዊ ምፍቕቓርን ምክብባርን ምቅብባልን መትከል ዝገበረ ዓለም ሓቆፋዊ ናይ ስነ ሕንጸት መደብ መሰረት ክስገር ኣለዎ ቢሎም፥

ነዚ ግምት ሂብኩም ብሓደ ሓድሽ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ደረት ሰገርነት ኵለንተናውን ዘላቕን ምዕባለ ዘነቓሕ ተስፋን ምድግጋፍን ህብረ ባህላውን ህብረ ሃይማኖታውን ንናይ ሓባር ቤትና ክንክንን ናይ ሰላምን ንእግዚኣብሔር ርሁዋት ኣብ ምዃን ዝድግፍ ዘተ ኣባና ንምዕባይ ኣሚትኩም ክትራኸቡን ክትመያይጡን ብምድላይኩም አመግነኵም፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሰላም ልክዕ ከም ውግእ ኣብ ኣእምሮ ሰብ እዩ ዝውለድ

ንሓድሽ መደብ ሕንጸትን ስነ ትምህርትን ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ወፍርታትን ዕዮታትን መሰረት ናይ መላእ ዓለም መንግስታትን ሕብረተስብ ዓለምን ብዘሳትፍ ኣገባብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝካየድ ጻዕሪ መሰረታዊ እዩ ቢሎም፥ ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 4 ጥቅምቲ 1965 ዓ.ም. ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዋና መቐመጢ ታሪኻዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ንሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ጐደና ናይ ሰላም ሕንጸት ንቕድሚት ኣብ ዘብል ከይዲ ጽዕርታትኵን ርኡይ እዩ፡ ዓበይቲ ተግባራት እውን ተሳልጡ ኣለዅም” ቢሎም ኣስዒቦም እውን፡ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህልን ማሕበር ኣብ 1945 ዓ.ም. ኣብ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘጽደቖ ውሳኔ ጠቒሶም፡ ‘ውግእ ኣብ ኣእምሮ ሰብ ይውለድ፡ ስለዚህ ነቲ ኣብ ሰብኣዊ መንፈስ ዘሎ ሰላም ናይ ምክልኻል ድላይ ምብርታዕ የድሊ፡ ውግእ መታን ከይህሉ’ ዝበልዎ ጠቒሶም፡ እዚ ጳውሎስ ሻድሻይ ቅድሚ 75 ዓመት ዝለብዎ እዩ፡ ሎሚ ኸ?

ኣብዚ ግዜ’ዚ እቲ ዓለም ሓቆፋዊ ውዕሊ ሕንጸት ኣብ ዝተገመየሉ እዋን መንግስታት ዓለም ነቲ ስብራት ንምሕዋይን እቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ካሳብ 2030 ዓ.ም. ዘላቒ ናይ ምዕባለ መደብ መሰምረትን ብሓባራዊ ተዳምሮን ስኒትን ዘካይድዎ ምንቕቓሕ ብዓቢይ ሓጐስ እምልከቶ፡ ናይቲ ዘላቒ መደብ ልምዓት ሕመረት ናይ ሓባር ቤት ምክንኻንን ሰብኣዊ ሕውነት ምንቕቓሕን ዝብል ጽሩይ መደብ ሕንጸት ንዅሉን ናብ ኵሉን ዝብል ኣፍልጦ ዝህብ ዓለም ሓቆፋዊ መደብ ሕንጸት መርገጺኡ ዝገበረ እዩ፡

እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፥

ናይ ሓባር ጻዕር ንናይ ፍቕሪ ስልጣነ

ኣብቲ መደብ “ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ሕንጸት” ብሓባር ኣብ ናይ ሓባር ጻዕሪ ንናይ ፍቕርን ጽባቔ ሓድነትን ስልጣነ ክንዓዪ ኢና ቢሎም ንተጋባእያን፥ “ናይ ሰብኣውነት ጽባቔን ናይ ሓድሽ ጽባቔ ሕውነትን ምሕጽነትን ከምኡ እውን ናይታ እንነብረላ መሬት ክንክንን ከያንያን ክትኮኑነ ኣለበው” ቢሎም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ - ርእየት መልኽቲ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

17 December 2020, 14:39