ር.ሊ.ጳ.፥ ክንጽልይ እንኮለና ኵውንነትን ኣልባብናን ይልወጥ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ምስ ክርስቶስ ዘሎና ግላዊ ርክብ ብቓል እግዚኣብሔርን ብጸሎትን ክበርታዕ” መታን ንኽጽለይን ጸሎት ክዝውተርን ይምዕዱ፡ ጸሎት ክውንነትን ኣልባብን ይልወጥን ናብ እግዚኣብሔር ኣብ ዘቕርብን ፍኖት እውን እዩ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣይ - ሃገረ ቫቲካን

ጸሎት ክውንነትን ልብን ንምልዋጥ ሕይወትናን ይቕይርን ናብ ናይ እግዚኣብሔር መገዲ የቕርበና። ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሓ ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ጸሎት ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብምዝኽኻር፡ “ጸሎት ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ሕመረትን ምስ እግዚኣብሔር ዘዛትይ መፍትሕ እውን እዩ”። ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ወንጌል ከነንብብ እንኮለና ንኢየሱስ ኢና ጽን እንብል፡ ምስ ኢየሱስ ኢና እንዛረብ፥ ንኣኡ ጽን ንብል መልሲ ኸኣ ንህብ፡ ጸሎት ማለት ንሱ እዩ፡ ክንጽልይ እንከሎና ልብና ይልወጥ፡ ብዙሕ ንገራት እውን ነሳልጥ፡ ብዘይ ጸሎት ኩሉ ከንቱ እዩ ዝኸውን፡ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ግላዊ ርክብ በቲ ጸላይ ሕይወት ዝልግስ ቃል እግዚኣብሔር ክዕንገል መታን ንጽልይ ዝበሉ ቅዱስነቶም እቲ ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ነቲ ዕለት 28 ሰነ 2019 ዓ.ም. ምስቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ማሕብር ንጸሎት ኣባላት ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ “ኣብ ጽሞና ነፍሲ ወከፍና ብልቡ ይጽልይ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣዘኻኺሮም ይዛዝሙ።

ጸሎት ኣብ እዋን ለብዒ

እቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ርክብ ንናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸሎት ማሕበር ዘመሓላለፎ ናይ ቅዱስነቶም ናይ ወርሓ ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ምስቲ ኣብዚ እዋን’ዚ እንነብሮ ዘሎና እዋን ለብዒን ምስቲ ሓድሽ ዓመት ሊጡርጊያ ዘመነ ምጽኣት ዝተተሓሓዘ እዩ”፥ እዚ ናይ ቅዱስነቶም ናይ ጸሎት ሓሳብ ዝሓለፈ ዕለት 27 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ እቲ እነሕልፎ ዘሎና ስቓይ፡ “ኩላቶም ሓደ መታን ኪኾኑ” (ዮሓ። 17,21) ዝብል ናይ ኢየሱስ ክህነታዊ ጸሎት ነስተውዕሎን ተመክሮና እውን ንገብሮ። . . .  ኵሉ ከከም ሓልፍነቱ ጸዋዕታኡን ዕዮታቱን ኣቢሉ ዕለታዊ ሕይወቱ ከመይ ገይሩ ንኽንገጥም ይድግፍ፡ ዝበርትዔ ኣጽዋር ንኽርስቲያን ጸሎትን ጽሞናዊ ኣገልግሎትን እዩ፡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስነቶም ንበይኖም ኣብ ቅድሚ ምስሊ ስቑል ኢየሱስን ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ድሕነት ሮማውያን ቆይሞም እግዚኣብሔር ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከናግፈናን ካብቲ ለብዒ እቲ ኣዚዩ ኣገዳስነት ዘለዎ ንሕይወትና ከነስተውዕል ንኽግድፈና ብጸሎትን ብጽሞናን ዝፍፈጸመዎ ኣገልግሎት ዘዘኻኽር እዩ።

ናይ ተስፋ እዋን

ቤተ ክርስቲያን ምስ ናይ ኢየሱስ መሰረታዊ እትብሎ ናይ ሕይወት ምዕረፍ መሰረት ገይራ ናይ ግዜ ኪደት ተደላድል፥ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 29 ሕዳር ዘመነ ምጽኣት ተጀሚሩ፥ እዚ ኸኣ ናብ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ዘሰንየና ወቕቲ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ዕለት እቲኣ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝጸሙ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ዘመነ ምጽኣት እዋን ተስፋን ትጽቢትን እዩ፥ እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽ ህልው ኮይኑ ናብ ፍጻሜ ዝመርሕ ከምዝኾነ የመላኽቱ፡ እቲ ፍጻሜን ምልኣት ታሪኽን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡ ንሓደ ክርስቲያን እቲ ዘገድስ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ እዩ፡ ኢየሱስ ይብሉ ቅዱስነቶም ወትሩ ልዳት ልባትና ይዅሕኵሕ፡ ምእንቲ’ዚ ልዳት ልባትና ንጐይታ ንኽፈተሉ ከምዝበሉ ይዝከር፡ ዝሓለፈ ሰንበት እውን ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ ዝለዓለ ቁጥብነትን ነቶም ድኻታትን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡን ጥንቁቕን ኣኽባርን ንቆላሕታ ክንገብርን ኣብ ስድራ ቤት ገርሄይና ጸሎት ዝፍጸመሉ እዋን እዩ፡ እዞም ሰለስተ መገድታት ዝድግፉና እያቶም!  እንክብሉ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኢየሱስ ናይ ጸሎት መምህር

ናይ ኢየሱስ ሕይወት ብጸሎት ዝደላደል መዃኑ ቅዱስነቶም ዕለት 4 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን እንከቕርቡ ዘስመሩሉ ሓሳብ እዩ፡ ናይ ኢየሱስ ሕይወት ጸሎት ምዃኑ እውን ወንጌላውያን የብርሁልና፡ ናይ ጸሎት መምህርና እቲ ሕይወቱ ጸሎት ዝኾነ ኢየሱስ እዩ፡ ብዘይ ውሳጣዊ ሕይወት ካብ ክውንነት ኢኻ እትርሕቕ፡ ካብ ገዛእ ራእስኻ እውን ከይተረፈ፥ ኣብ ጸሎት ንኽውንነትን ንገዛእ ርእስኻን ቀረባ ይኸወን እብክብሉ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስክ ብናይ ምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ጸሎት ሓሳብ ከም ወትሩ ዝዘርገሖ እቲ ኣብ 1844 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዝብል ስም ዝተመስረተ ደሓር ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ብዝብል መጸውዕ ዝተሓደሰ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ 98 ሃገራት ብዝርከብን ልዕሊ 35ሚሊዮን ሰዓብቲ ዘለውዎን ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ዝተቐበልዎ ጸጋ ጥቅመትን ዝካፈልዎ ቅዱስ ቁርባንን ምሉእ ብምሉእ ንኽነብሩ ዝድግፍን ከምዝኾነ እውን ዝፍለጥ እዩ።

02 December 2020, 16:55